ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝተኸፍተሉ ዕለት፣ ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም

Endabaguna 2

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብ ዝተኸፍተሉ፣ ኣብዘን ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ንኣህጉራውያን ትካላት ስደተኛታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። እቶም 24 ሽሕ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መቐበል ስደተኛታት እንዳባጉና ክምዝገቡ እንከለዉ እቶም ልዕሊ 3 ሽሕ ድማ ኣብ ክልል ዓፈር ዝተመዝገቡ'ዮም። ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኸፍተሉ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፣ መዓልታዊ ኣስታት 390 ኤርትራውያን ዑቕባ ንምሕታት ይምዝገቡ ምንባርሮም UNHCR ካብ ኢትይጵያ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምግላጹ ይዝከር።