ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትርን ኢትዮጵያን ዳግም ተዓጽዩ

Zalambesa

ካብ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ ፍኑው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ከምዝተዓጽወ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ብፍላይ መስመረ ዛላምበሳ፣ ፍሉይ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ከይነሳቐሱ ካብ 25 ታሕሳስ ኣትሒዙ ብወገን ኤርትራ መምርሒ ተዋሂቡ። ብወገን ኢትዮጵያ'ውን ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ክንቀሳቐሱ ከምዘይክእሉ'ዩ ዝጥቀስ ዘሎ።