ቅልዕቲ ደብዳበ፡ ንነገድ ተስፋብርሃን ረድኢ

ስም ክትሰምዖ ግርም፡ መን ምዃኑ ምስፈለጥካ ግን ዓባይ ምርጫ ትም… ይብሉ ለባማት፤ እሞ እቲ ሒዝካዮ ወይ ተወጢሕካዮ  ዘሎኻ ስም፡ ከምቲ ንዓኻ ይኹን ንቤተሰብካ ኣሕዋትና ብሄረ ብሌን… ነገደ ደገ ደገ ኢሎም ዝነጸሉኽም… ንስኻ ኸኣ ብምኽንያት ሕስመት ኣብ ኤርትራ ዑቕባ ሓቲትካ ንነብስኻ ተማዓራሪ ዘሎኻ… እቲ ተስፋብርሃን ዝብልዎ ኤርትራዊ ስም ከም ዘይብጸሓካ ኣሚንካ ክትልውጦ መጀመርያ ምዕዶይ እልእከልካ።