ርሑስ በዓል ልደተ ክርስቶስ ይግበረልና !!

ብኣጋጣሚ በዓል ልደተ ክርስቶስ 2019፣ ንኩላትኩም፣ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ትቃለሱ ዘለኹም ኤርትውያን ሓርበኛታትን ስድራቤትኩምን፣ ከምኡ‘ውን ንመላእ ህዝብናን ኩሎም ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዓለምን፣ እንቋዕ ናብ`ዚ ክቡር በዓል‘ዚ ኣብጻሓና ብምባል፣ ርሑስ በዓል ልደት ክገብሮን፣ ዝመጽእ በዓልትና ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከነብዕሎ፣ ብስም መላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ልባዊ ምንዮትና ነመሓላልፍ። ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና !!