ኤርትራዊ ደም ዘይብሎም ደረስቲ

ብኤርትራዊ ደም ዘይብሎም ሃንደስቲ

ህዝቢ ወሰናስን ኤርትራ ኣይትተሃመል

ከም ቀደምካ  ኣብ ሪምካ ጋእ በል

ብሰለስተ ውዲተኛታት ከይትድህለል፣

Add a comment

ኩሉ ግዜ ሆታን ዕልልታን መግለጺ ሓጎስ ወይስ፡ መርኣያ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውድቀት?

ኩሎም ሕብረተ-ሰባት ዘሐጉስ ኮነ ዘሕዝን ነገራት ከጋጥሞም እንከሎ፡ ውሽጣዊ ስምዒቶም ንግዳም ዝገልጽሉ፡ ነናቶም ስሩት መለለዪ ባህሊ ኣለዎም። ብሄራትን ብሄረ-ሰባት ኤርትራ’ውን ከም ኣካል ኣምሳል ሕብረተ-ሰብ ዓለም መጠን፡ ኣብ ናይ ግጥሚ፣ ዜማ፣ ቅላጸን ብኣካል ዘርእዮ ምልክትን ዝረአ ንኡስ ፍልልይ ገዲፍካ፡ ዘሐጉስ ነገር እንከጋጥሞም ብሆታ፡ ዕልልታ፡ ጣቕዒትን ሳዕሳዒትን፤ ዘሕዝን ጉዳይ እንከጋጥሞም ድማ ሓዘኖም ዘንጸባርቕሉ፡ ከም ብኽያት፣ ኣውያት፣ ምቑዛም፣ ምስትንታን፣ ከምኡ’ውን ተስፋ ኣብ ዝስእንሉ፡

Add a comment

መግለጺ ስምረት ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ታሪኽ መወከሲ ትማሊ፡ ንሎሚ ከኣ መምሃሪ ስነድ ኢዩ። ቅድሚ 57 ዓመታት፡ኣብ ዕለት ባሕቲ መስከረም ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብዘይ ድሌቱን ምርጭኡን ክጎብጥ፡ ድሩ ክሓዝእ፡ መሰሉ ክብረቱን ቀንጢጡን ግዙእ ክገብሮ ዝመጸ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ካብ ግዝኣተ መሬቱ ክሰጉግ ናብ በረኻ ዝወጻላ፡ እምቢ ንምግዛእቲ ብምባል፡ ሽግ ሓርነት ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝተኮሰላ " ትእንግርቲ" ኤርትራዉነት ዝተገልጸላ ዕለት ኢያ። ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝተወልዐ ቀንዴል ህዝቢ ኤርትራ: ንባዕዳዊ ስርዓት ኣባሪሩ: ህዝቢ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ከውሕስ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ማዕረ ካልኦት ሃገራት ክትስራዕ፡ ህላዉነታ ከብስር ንቅሎ እምቢ ንመግዛእቲ ብምባል " ቀንዴል ሽግ ነጻነት ብምዕታር ጉዕዞ ዝተፈለመላ ዕለት ኢያ። ናይ ህ

Add a comment

ሕጂ’ኸ ናበይ-?!

ሓደ ንነዊሕ መገሻ ዝተበገሰ ሰብ፥ ክይድ ውዒሉ ከምቲ ተስፋ ዝገበሮ፥ ኣማስያኡ ዓዲ ዘየእትዎ ኮይኑ ምስ-ዝርከብ። ሕጂኸ ናበይ ብምባል-? የማነ ጸጋም ቀባሕባሕ ኢሉ፥ ተዓኒዱ ደው ክብል ከም-ዝግደድ ርዱእ’ዩ። ህዝብና እምበኣርከስ ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣጋጢሙዎ’ዩ ዝርከብ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ከኣ’ዩ -እዝን መንገዲ ትኽ ኢሉ፥ እዝን ሰብኣይን ኣበይ ኣቢሉ” ተባሂሉ ዝምሰል።

Add a comment

መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፡ ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም፡

ባሕቲ መስከረም፡ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነትና ብረታዊ ተጋድሎ ''ሀ'' ኢልና ዝጀመርናያ ዕለት እያ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ነቶም ኣብ'ዛ ዕለት'ዚኣ ኩሉ ዓቕሞም በጃ ሃገርን ህዝብን ክውፈዩ ዝቖረጹ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ብኽብሪ እንዝክረላ ዕለት እያ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኮይና፡ ነቶም ከቢድ ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ዝኸፈልናሎም ዕላማታት ነጻነታዊ ተጋድሎና፡ ውጽኢቶም እንታይ ኮነ? ንምንታይ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልና፡ ገምጋም ዝሓለፍናዮም 27 ናይ ናጽነት ዓመታት እነካይደላ፡ ነቶም በርዒኖም ዝተረፉ ዕላማታት ገድልና ንምምላእ ቃልና እነሐድሰላ ታሪኻዊት ዕለትና'ውን እያ። ስለዚ ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞናን፡ ብምኽንያት ባሕቲ ምስከረም፡ መልእኽቲ ዮሃና ክነመሓላልፍ  እንከሎና ኩርዓትን ባህታን ይስማዓና።

Add a comment

ሓደ መስከረም ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን’ያ ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

ሓርበኛ እዲርስ ዓዋተ ብ1961 ዓም ምስ ብጾቱ ምስ ኩሉ ዝድግፎ ዝነበረ ህዝቢ ኮይኑ ሓደ መስከረም ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዉሑድ ቁጽሪ ሰብን ብረትን ንሓያላን ሃጸያት ዓለምና መሰልና ኣብ መሬትና ዪከበር፣ ክብል ከሎ ወላ ኣብ ሞት’ውን ክብሪ ከም ዘሎ ፈሊጡ’ዩ ቀዳመይቲ ጢይት ነጻነትን ሓርነትን ዝተኮሰ። ንሕና’ውን ማእሰርትን ሞትን ይብዛሕ፣ ስደትን ናፍቆትን ዪዉሓጠና፣ ንጥልመትን ትምክሕትን ጭቖናን ስርዓት ኢሳያስ ክነፍርሶ ሓደ መስከረም ንራኢናን ንውደባናን ክነጥንክር ቓል ንኣትወላ ዕለት’ያ።

Add a comment

መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 57 ምጅማር ሰውራ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርባዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ነጻነት ሃገሩ ንምርግጋጽ ሰላማዊ ቃልሲ ኣካየደ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዓወት ተላፈንቲ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ምሕዝነት ጣልያንን ጀርመንን ጃፓንን ምስ ተዛዘመ፣ ኤርትራ ሃገርና እትረከበን ኣብ ግዝኣት ጣልያን ዝነበራ ሃገራት፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ተላፈንቲ ሃገራት ኣተዋ። መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብኣንጻር እቲ ህዝቢ ኤርትራን ዝብህጎ ዝነበረ ናጽነቱ ከም ዝውሰን ተገብረ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብጅግና ስዉእ ሓምድ

Add a comment

ሃንደበታዊ ፍቕሪ፡ ዘተኣማምን ውሕስነት የብሉን

መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ፍቕሪ” ዝበሃል ነገር ክምስረት እንከሎ እንታይ የጋጥም ይመስለኩም? መን፡ መን ምዃኑ መባእታዊ ኣፍልጦ ክሳብ ዝረኽቡ እናተደላላዩ ግን ኣብ መጽናዕቲ ግዜ ይውስድ እንተ ኢልኩም ኣማን ብኣማን መልሲ’ዩ። ምኽንያቱ ሓቀኛ ዕርክነት ወይ ፍቕሪ ብመስርሕ ‘ምበር ብዱብ ቦላ ኣይሰርሕን። ሓቂ’ዩ ዝበዝሕ ሰብ ብዝኾነ ኣጋጣሚታት’ዩ ዝላለ። እቲ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዝተገብረ ሌላ ውሽጣዊ ምትእምማን ፈጢሩ ሓባራዊ መንፈስ ኣለምሊሙ ቀጻልነት ክህልዎ፡ ብታህዋኽ ኣብ ሓደ ውሳነ ክበጽሕ የብሉን። ንዝያዳ ኣፍልጦ ንመጽናዕቲ ዝኸውን ግዜ ክረክብ ኣለዎ። ስለምንታይ’ሲ መሰረት ዘለዎ

Add a comment

ርሑስ በዓላት ይግበረልና

ብምኽንያት በዓላት ቅዱስ የውሃንስን መስቀልን ሓዲሽ ዓመት ሂጅርን፣ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን፣ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን፡ ርሑስ ብዓላት ክኾነልና  ምንዮትና ንገልጽ።

Add a comment

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ብምኽንያት መበል 57 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም፡ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና፡ ብሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ ዝተዳለወ ውድባዊ መግለጺ

Add a comment

ግሃድኤ ኣብ ሆላንድ ኣገዳሲ ውድባዊ ሰሚናርን ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳን ኣካይዱ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዕለት 8 መስከረም 2018 ኣብ ሆላንድ ከተማ “ደን-ሃክ” ኣገዳሲ ውድባዊ ሰሚናር ኣካይዱ።

Add a comment

ዶብ፡ እቲ መሰረታዊ ሕላገት ናጽነት

ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ኣብ ናይ ኣካላትና ዋህዮታት (cells) ጥራይ እንተ ርኢና፡ ዶባት ከም ምልክት ርእሰ- ምሕደራ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ ክንግንዘብ ንኽእል። ዶብ ዘይብላ ዋህዮ፡ ሕምምቲ ወይ ናይ ሕማም ጠንቂ ጥራይ እያ ክትከውን እትኽእል። ኩሉ ዕድል ዝረኸበ ጸላኢ ድማ ክጥቅዓ እዩ ዚነብር። እታ ዶብ ወይ መንደቕ ዘለዋ ዋህዮ፡ ዶባ ምስ ኣረጋገጸትን ነቲ ዕዮ ቤታ ምስ ኣጠናቐቐትን ጥራይ እያ ምስታ ጥቓኣ ዘላ

Add a comment

ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ

ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርከቡ መንግስታት፡ ዘለዎም ባዕላዊ ድዩ ወድዓዊ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ብሰላም ብምጽውዋር ብእሂን ምሂን ክፈትሑ ዝወስድዎ ተበግሶ ክተባባዕ ይግባእ። ቀዲሙ ግን ተበግሶ መን ምስ መን? ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ? ዝብል ሕቶ ክለዓልን ግቡእ መልሲ ክረክብ ኣለዎን። ከም’ቲ ካብ ሓቂ ወጻኢ ጽድቂ ኣይርከብን” ዝበሃል፡ ብዙሓት ወገናት ኣብ ዝዋስእሉ ከባቢ፡ ሓባራዊ ሰላምን ሓባራዊ ዕቤትን ካብ ቅኑዕ ልቦናን ሕጋዊ ቀይድን ወጻኢ ክረጋገጽ ኣይክእልን። ብሓቂ ዞባዊ ሰላምን ሓባራዊ ዕቤትን ዝደልዩን ዘይደልዩን ወገናት ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብሓባር ኮፍ ስለ ዝበሉን፡ ተሰማሚዕና ተፋቒርና ኢሎም ስለዝተሓቛቖፉን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ህዝብታት ብጠ

Add a comment

ብቅቡል ሕማም ካብ ዝተጸለለ፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት ዝተጸለለ ምእላይ ከም ዝኸብድ ካብ ኣምለኽቲ ኢሳያስ ንምርዳእ ይከኣል፡-

ከይፈለጠ ብዙሕ ሰብ ይጋገ’ዩ። እግሪ ጥራሕ ዘይኮነ መልሓስ’ውን ናብ ካልእ ኣብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ይዕንቀፍ’ዩ። ቅኑዕን ዘይቅኑዕን፣ ቅቡልን ዘይቅቡልን፣ ሕጋውን ዘይሕጋውን፣ ፍትሓውን ዘይፍትሓውን፣ ሓቅን ሓሶትን ..ወዘተ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ወዲ ሰብ ጎና ጎኒ ግን ከኣ እናተላተሙ ዝኸዱ ተርእዮታት ምዃኖም ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ቅኑዕ፡ ቅቡል፡ ሕጋዊ፡ ፍትሓዊ፡ ሓቂ ኣወንታዊ ስለዝኾነ፡ ብባህርን ብግብርን ከምኡ ኮይንካ ክትርከብ ካብ ምቕናእን

Add a comment

ብተሐኤ ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም

ብውድብና ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ፣ ጨንፈር ጀርመን ይዳሎ ደኣ እንበር፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ስለ ዝኾነ፣ ንዕለት 15-16 ብሐባር ክነብዕሎ ንዕድም ኣለና።

Add a comment

ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ ብምድጋፍ፡ ንምዕዋቱ ጻዕርታትና ነበርኽ!!

ሰላም፡ ምንጪ ቅሳነትምዕባለን ዕብየትን’ዩ። ሰላም ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ዲፕሎማስያዊ መዳያት፡ ረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ምዕባለታት ብዘይምቊራጽ ከመዝገብ ጥጡሕ ባይታ ይምድምድ፤ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ቅሳነትን ምዕባለን'ምበር፡ ራዕድን ሽበራን፡ ድኽነትን ጥሜትን ቦታ ኣይህልዎምን። ድንቁርናን ድሕረትን ብፍልጠትን ምዕባለን ይሰዓሩ፤ ስእነት፡ ብቁጠባዊ ዕብየት፡ ሓዘን ድማ፡ ብሓጎስ

Add a comment

ማእከላይ ሽማግለ ስደግኤ፡ 1ይ- ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ

ካብ 18- 20/ August/ 2018 ኣብ ባይታ ጎነጻዊ ኣገባብ ቓልሲ ዘካይዳ ኣርባዕተ (4) ውድባት ሓድነታዊ ጉባኤ ኣካይደን። ጉባኤኛ ኣብ ቕዋም ንጹር ራእይን መትከላትን ኣስፊሩ። ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ርሑቕን ቐረባን እስትራተጂካዊ ዕላማን ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡን ኣጽዲቑ። ሓድነታዊ ጉባኤ ንኣብ
ባይታ ዝርከቡ ሰራዊት ሓርነት ብፍላይ ዝምችእ ሓዲሽ ምምሕዳራዊ ቕርጽን ኣቛዉማን ወሲኑ። ጉባኤኛ ንጉዳይ ሓድነት ከም ወሳኒ ሃገራዊ ሕቶ ዓቢ ኣተኩሮ ሂቡ ብዕምቖት ገምጊሙ፡ ንጹር ናይ ሓድነት ፖሊሲ ሓንጺጹ ሓዲሽ ኣርማ እዉን ኣጽዲቑ። መጸውዒ ስም ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር
ኤርትራ

Add a comment

ንቡር ሰላም ምስ ጎረቤት ንምፍጣር፡ ፈለማ ካብ ውሽጥኻ'ዩ ዝጅመር!!

መዝሙር ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝጅመር እንሆ ክልተ ኣዋርሕ ኣቁጺሩስ ናብ ሳልሳይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ዝተጀመረ ናይ ሰላም ተበግሶ ብወገን ኢትዮጵያ፡ ኽልቲኦም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓጎስ'ዮም ተቐቢሎሞ። ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፡ ህዝብና እቲ ን20 ዓመታት ዝተሓረሞ ሰላም፡ ካብ'ቲ ኩናትን ወረ ኩናትን ፈጢርዎ ዝጸንሐ ሻቕሎት ክናገፍ ክቱር ባህግን ድሌትን ሰለዘለዎ፡ ነቲ ናይ ሰላም ጅማሮ ብዓቢ ድምቀት'ዩ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበሎ። እቲ ኣብ’ዘን ክልተ ሃገራት ዝተራእየ ነጸብራቕ፡ ተምሳሌት ህያዉ ምልክት ድሌትን ባህግን ናይ’ዞም ክልተ ህዝብታት እዩ።

Add a comment

መግለጺ ሓዘን

ብዕለት 6/ መስከረም 2018 ብመስዋእቲ ዝተፈለየና ገዲም ተጋዳላይ ሓምድ ማሕሙድ ሓምድ ፡ ንሃገሩ ዘገልገለ ጅግና ሃገራዊ፡ ብመስዋእቱ ዝተሰማዓና ከቢድ ሓዘን ክንገልጾ እንኮለና፡ እቲ ካብ እዋን ንእስነቱ ኣብ ልቡ ዝፈኸመን ዝጎሃረን ሃገራዊ ፍቅሪ ደሪኽዎ ንልዕሊ ፍርቂ መዋእል ኣብ ባይታ ቃልሲ ንምድላይ ናጽነት ሃገር፡ ክንኡ እውን ኣብ ምድላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ምስ ኩሎም ሃገራውያን ብጾቱ ብስኒትን ተሞክሮ ቃልሱ እንዳሕለፈ፡ መዋእል ዕድሚኡ ወላ ንኻሊኢት እዋን ኣብ ቃልሲ ከይተፈለየ ንሃገሩ ብጅግንነት ቅንዕና ብተዋፋይነት ንጹር መርገጽ ሃገራውነትን ተሰኪሙ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ዝመጠዎ ወርቃዊ ሓርበኛዊ ታሪኹ እንዳዘከርና ፡ብስም ኩሎም መሪሕነትን ኣባላትን ስልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ተኻፈልቲ መሪርን ሓዝንኩም ምዃና እንዳሓበርና ፡በዚ መሪር ናይ ሓዘን ኣጋጣሚ ድማ ንኹሎም ስድራቤቱ መቃልስቱን መሪሕነትን ኣባላትን ተጋድሎ ሓርነት

Add a comment

ዯምዲሚ መግሇጺ ስዯግኤ፡ ናይ 4- ውዴባት ሓዴነታዊ ጉባኤ ተዚዙሙ

ካብ ዕሇት 18 -20/ August/ 2018 ኣብ ባይታ ዜርከባ ወትሃዯራዊ ክንፊ ዗ሇወን ኣርባዕተ (4) ውዴባት ሓዴነታዊ ጉባኤ ኣካይዯን ሓዱሽ ኣወዲዴባ ሕጋውነት ኣሌቢሰንኦ። ሓዴነታዊ ጉባኤ ዗ካየዲ ውዴባት (1) ዯሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ጋሽ ሰቲት - ዯምጋሰ (2) ምንቕስቓስ ንዯሞክራስን ንፍትሕን - ምዯፍኤ (3) ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ - ስዯግኤ) (4) ሃገራዊ ክተት እየን። ኩሇን ውዴባት ካብ ዗ሇወን ንጹር ፖሉሲ ተበጊሰን ሓዴነት ወሳኒ ከምዜኾነ ኣሚነን፡ ነዊሕ ግዛ ዜወሰዯ ናይ ሓባር ጻዕሪ ኣካይዯን፡ ንመስርሕ ሓዴነት ንምዕዋት ኣቐዱመን ብ዗ተን ምርዴዲእን ፈጺመንኦ። ሓዴሕዲዊ ዕግበትን እም

Add a comment

ዑደት ጋዜጠኛታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ኤርትራ፡ ብህግደፍ ዝተወደበ ድራማ

ስርዓት ህግደፍ፡ ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቶት ካብ ሃገርና ዝጉሕጓሕ ዘሎ ማዕድናት፡ ልኡላዊ መሬትናን ማያትናን ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንወተሃደራዊ መዓላ ክግልገላሉ ብምፍቃዱ ዝተተኹበሉ ሚልዮናት ዶላራትን ካብ ህዝብና ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝመንዝዖ ሃብትን ተጠቂሙ፡ ንምልካዊ ምምሕዳሩ ዘመላኽዑን ንኣበራቱ ሓቢኦም ጸጽብቁ ጥራይ ዝገልጹን፡ ሰበስልጣናት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍቲ ክገዝእን ክምውልን ጸገም የብሉን። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ካብ ነዊሕ እዋን ናይ ወጻኢ መራኸቢ ብዙሓን ብገንዘብ ብምግዛእ ሓቂ ንምዝንባዕ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ሜላ፡ ካብ ኣገልግሎት ተለቭዥን ክልል ኣምሓራ ሰለስተ ጋዜጠኛታት

Add a comment

ኩሉ ኣድህቦና ናብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ

ኣብ ዓለም ሰላም ኩሉ ነገር እዩ። ሰላም ቅሳነት፡ ምዕባለን ዕብየትን’ዩ። ኣብ ሰላም ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ምዕባለታት ብዘይምቊራጽ ከመዝገብ ይከኣል እዩ። ኣብ ቅሳነትን ምዕባለን ዝሰፈነሉ፣ ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገጸሉ ራዕድን ጥሜትን ቦታ የብሎምን። ፍልጠት ይምዕብል ንድንቁርና ድማ ይትክኦ፣ ሓዘን ብሓጎስ ይትካእ። ብሓፈሻዊ ኣበሃህላ ግን ሰላም ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ኩሉ ሸነኻዊ ረብሓ ዘዕቁብ ተረኽቦ እዩ። ሰላም ኣብ ዘይብሉ ኲነታት ተረባሒ እንተ’ሎ ምናልባት እቲ ኣብ

Add a comment

ብውጥን ዘይምራሕ ኣለሻ ፍትሒ፡ ፍረ ኣይህብን

ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ክብጻሕ ዝድለ ዝኾነ ጉዳይ፡ ካብ እንክብገስ ንትግባሬኡ ዝድርኽ መጽናዕታዊ ውጥን ክረክብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ብውጥን ዘይምራሕ ነገራዊ ኮነ ፍትሓዊ ድሌት ካብ ኣእምሮ ናብ ወረቐት ክደቅል እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ መሬት ወሪዱ ክዝራእሞ ውጽኢታዊ ፍረ ክህብ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ። ድሌት ሓሳብ’ዩ። እቲ ኣብ ኣእምሮ ዝተቐርጸ ድሌት ኣብ መሬት ወሪዱ ብተግባር እንተዘይተተርጒሙ ግን ዳርጋ ዘየለ’ዩ። ኣብ ኣእምሮ ደቂ-ሰባት ዝመላለስ ግን ከኣ ኣብ መሬት ክወርድ ዘኽእሎ መጽናዕትን

Add a comment

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት (ጨንፈር ሪያድ) ዕዉት ጉባኤ ኣካይዱ!!

መቀጸልታ ናይቲ ዕዉት ሳልሳይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ (መሰረት) ፡ ጨንፈር ሪያድ ብሓሙስ 23/08/2018 ዕዉት ጉባኤ ኣሕሊፉ። ኩሎም ጉባኤኛታትን መሪሕነት ሰልፍን ከምኡውን ዑዱማት ኣጋይሽን ምስ ተረኽቡ ሓላፊ ኣሳናዳዊ ሽማግለ ጉባኤ ብዕሊ ከፊትዎ።

ብመጀመሪያ ኣቦ-ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ሓው ኣንዋር ኢብራሂም (ኣቡ ረያን) ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ብምኽንያት ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣልሙባረክ ጽቡቅ ምንዮታት ድሕሪ ምግላጹ፡ ንጉባኤ ኣአ

ዓወት ንውጹዕ ተቃላሳይ ህዝብናውድቀት ንስርዓት ህግደፍን ሳዓብቱን

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!!

ክፍሊ ዜናን ምንቅቃሕን

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት

26-08-2018

 

Add a comment

እቲ ናይ ዘመንና ዝዓበየ ምትላል (The Greatest Hoax of The Century)

ነቲ ውልቀመላኺ፡ ባዕሉ መምጽእ ደርፊ፡ ባዕሉ መጥፍእ ደርፊ ከይንብሎ፡ እቲ ባህግን ስምዒትን ተስፋን ራእይን ናጽነት ኤርትራ ቅድሚ ንሱ ምውላዱ ብግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡ ማለት ካብ ግዜ ቱርኪ ጀሚሩ ንግዜ ጥልያንን እንግሊዝን ሃጸያዊት ኢትዮጵያን ሰጊሩ ቀስ ኢሉ እተዘርአን ዝበቖለን ኣብ ምዕምባብ ዝበጽሐን ድራኸ እዩ ነይሩ። ነቲ ስምዒታት’ቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ስሱዕን እኩይን ዕላማ ከውዕሎ ዝኸኣለ ግን፡ ውልቀመላኺ መራሒና ምስቶም ምስ ሓሳባቱ ብኹሉ መገዲ ዚሰማምዑን ካብኡ ረብሓ ዚረኽቡን፡ ድጉል ናይ መንነት ቅልውላው ዝነበሮምን ዘለዎምን፡ ሕጂ ድማ ከም ዝሻደነ ኣንበሳ ዝጓዝሙን፡ ከም

Add a comment

ስሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት (ጨንፈር ሪያድ) ዕዉት ጉባኤ ኣካይዱ!!

መቀጸልታ ናይቲ ዕዉት ሳልሳይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ (መሰረት) ፡ ጨንፈር ሪያድ ብሓሙስ 23/08/2018 ዕዉት ጉባኤ ኣሕሊፉ።  ኩሎም ተጋባእትን፡ መሪሕነት ሰልፍን ከምኡውን ዑዱማት ኣጋይሽን ምስ ተረኽቡ ኣቦ-ወንበር ኣሳናዳዊ ሽማግለ ጉባኤ ብዕሊ ከፊትዎ።

Add a comment

ብሚኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰምበት ክትዝርጋሕ’ያ

 berhane book releaseብሚኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰምበት ብወግዒ ክትዝርጋሕ’ያ። ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኣብታ ‘ኤርትራ ሃገረይ’ ዝሰመያ መጽሓፉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መስገደል ከምኡ’ውን ንኣሰራሓ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብሰፊሑ እትገልጽ ምዃና ይሕበር።

ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ንባሕቲ መስከረም ብምኽንያት ብምግባር ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ ንኽወጽእ፣ ሕጂ’ውን ቃልሱ ከትርር ተላብዩ። ኣብቲ ብድምጹ ተቐሪጹ ናብ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሑ ዘሎ መልእኽቲ፣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብቕጽበት ክጽውዕ፣ ብበናዊ ውሳኔ ዝወስዶ ዘሎ ስምምዓት ከቋርጽ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ክትዕ ከካዪድ ጸዊዑ።

 

Add a comment

ሕጽኖት ኣብቂዑ ሓዳር ምስተጀመረ

ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ምስግጋሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ከይዲ ንባዕሉ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብነታዊ ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ኣጋንኖ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ኣብ ድሮ ምፍርራስ በጺሓትሉ ኣብ ዝነበረት ህሞት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብድሕሪ ናይ ሶማል፡ ናይ ኤርትራ፡ ናይ ጂቡቲ፡ ናይ ሱዳን፡ ዝነበረ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብ ጠቕላላ ሕንፍሽፍሽ ኣትዩ መዕቆቢ ስርዕት-ኣልቦ ሓይልታት ንኽኸውን ዝነበረ ተኽእሎ ዓቢ ኢዩ ነይሩ።

Add a comment

ናይ ሐዘን መግለጺ ብምኽንያት ዕረፍቲ ሐርበኛ ኣሕመድ ማሕሙድ

ሐርበኛ ተጋዳላይ ሐምድ ማሕሙድ ረቢ ይርሐምካ, ዉሕድ ዶ ተሳቒኻ, ብሰላም ዕረፍ, ኣብ ጎድኒ ምቃልስትኻ, ተቃሊስካ ኣቃሊስካ, ብጅግንነት ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተዋጋእካ, ህያውዩ ታሪኽካ, እንታይ እሞ ይገበር, ንደቀባታ ዘይኮነት ሃገር, ሐርበኛ ዶ ኣብ ስደት ይቕበር,,

Add a comment

ቃልስናን ታሪኽናን በርኔንተ ኮይኑ ከይተርፍ (Lest Our Labour Come to Naught)

ኣቦታትና ቀደም፡ ኩሉ እቲ ዝጸዓሩሉን ዝደኸሙሉን ተስፋ ዘንበሩሉን ዕማም ይኹን ዕላማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከም ትኪ ኪበንን ከሎ ኪርእዩ ከለዉ፡ ዓሕ! በርኔንተ፡ ማለት ንብላሽ ደኺመ ይብሉ ነይሮም። እዛ በርኔንተ እትብል ቃል፡ ሽሕኳ ናይ ጣልያን ቃል እንተ ነበረት፡ በርኔንተ! ኪብሉ ኸለዉ ግን፡ እቲ ኣበሃህላ ነቲ ንብላሽ! ዚብል ቃል፡ ፍሉይ ሓይልን ስፍሓትን ትርጉምን ይህቦ ነይሩ አዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ማለት ሃገርና፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ብረታውን ደማውን ቃልሲ፡ ናብቲ ቅድመ-ገድሊ ዝነበረ ግዜ ክትምለስ ቀሪባ ኣብ ዘላትሉ ኩነታት፡ ነ

Add a comment

ኣብ ከባቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ............

ኣብ ከባቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝረብ ኣበሃህላታት ክእረም ይግባእ፡ ምኽንያቱ ኣጸገምቲ ስርዓታት ደኣምበር፡ ህዝብታት ኣብ ነንሕድሕዶም ኣጸገምቲ ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም።
ልኡላውነት ሃገራት ከም ሓቂ ከም ሕጊ ብህዝብታት’ዩ ዝድለ ዝውሰንን ዝሕሎን። ነዚ መረጋገጺ ክኾነና ዝኽእል፡ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወድቀሉ ኣጋጣሚ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ሓንቲ ሃገር፡ ዓቢኡ ንእሱ፡ ሰብኣዩ ሰበይቱ፡ ወዱ ጓሉ፡ ብኣካል፣ ብገንዘብ፣ ብዓይነት ኮነ ብሞራል ዝገብሮ ምርብራብ’ዩ። ዓደቦ ከይድፈር፡ ባህሊ ከራኸስ፡ ታሪኽ ከይብረዝ’ሞ ሃገር ኣልቦ መንነት ኣለቦ ኮይኑ ዘርምዘርሞ ከይተርፍ፡ ልኡላዊ ግዝኣቱ ካብ ተተናኾልቲ ጸላእትን ወረርትን ንምክልኻል ብተግባር መስዋእቲ ዝኸፍል ህዝቢ’ዩ። እቶም መራሕትን ልሂቃንን ኢና ዝብሉስ ቅዲ ኲናት ይሕንጽጹ፡
ሓይሊ ሰብን ናይ ኲናት መሳለጥያን ይምድቡን የወሃህዱን ‘ምበር፡ ብዙሕ ኣብ ዓውደ ኲናት ኣትዮም ክዋስኡ

Add a comment

ምብትታን ስድራ ቤታት ኤርትራ፡ ኣንፈቱ ናብ ምብራስ መጻኢ ወለዶ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ዝተጻወሮ ሓሳረ መከራን ዝኸፈሎ ልዑል መስዋእትን፡ ኣብ 1991 ናጽነቱ ምስተጎናጸፈ፡ ሃረርታኡን ድሌቱን፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ልዕልና ሕጊ ክነግስ፡ ናብራ ክመሓየሽ፡ ዝተበታተነ ስድራቤታት ክጥርነፍ፡ ስደት ከብቅዕ፡ በሰላ ኩናት ከሓዊ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ግቡእ ኣፍልጦን ክብርን ክትረክብን ተራኣ ክትጻወትን’ዩ ነይሩ፡፡ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንጻር ዝነበሮ ትጽቢት፡ በቲ ናትካ’የ ዝብሎን ካብ ኣብራኹ ዝወጸን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣደዳ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ ምብትታን፡ ድኽነት፡ ሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብልሽውና፡ ሕጊ ኣልቦነት፡ ምብሕጓግ ሃገራውነትን ፍቅርን፡ ጠዋሪ ዘይብ

Add a comment

ስቱትጋርት ተበገስ ንቐል

ን ዕ ለ ት 31/08/2018 ሰፉሕ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ጀኔቫ!!! ተዓወት ተዓወት ተዓወት ደላይ ፍትሒ ስቱትጋርትን ከባቢአን !!
 

Add a comment

ካብ ጸጊበን ዝዕንድራስ ይዕንድራ ኣለዋ ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ

ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ቀደሙ ውጡር’ዩ ዘዛኒ ኣይኮነን። ሕሙስ’ዩ ኣንፈቱ ዝፍለጥ ኣይኮነን። እቶም ሰብ ቤት ዝኾኑ ህዝብታት ዝተባህልዎ ፈጸምቲ ‘ምበር ወሳንቲ ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ ቀለስቱ ካልኦት’ዮም። ተደጋጊሙ ዝስማዕ ድምጺ’ውን ንሱ’ዩ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካውን ጸጥታውን ርግኣት ከምዘይብሉ። ህዝብታት’ዚ ዞባ ብድሕረትን ድኽነትን ዝተጠቕዑ ምዃኖም። ፖለቲካውን ጸጥታውን ርግኣት ንምፍጣር፡ ድሕረትን ድኽነትን ብሓባር ንምውጋድ፡ ማይ ዘይጠዓመ ሓድሽ ዕርክነት ፈጢርና፡ ናይ ሓባር ኮሚ

Add a comment

ሸርሕታት ገባቲ ኢሳይያስን መሻርኽቱን ንምብርዓን፡ ዓቕምታት ደለይቲ ለውጢ ብምጥማር መኸተና ነበርኽ፡፡

ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ህዝብታትና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ብርሰት እናተሸመሙ ምምጸኦም ኩላትና ዓው ኢልና ክነእውየሉ ዝጸናሕና እዩ። ከም ናይ'ዚ ጽዑቕ መግለጺ፡ ብምዕልቕላቕ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ዓቕሎም ዝጸበቦም መንግስታት ኣውሮጳ ከይተረፋ፡ መረሮኦም ከስምዑ ተኸታቲልና ኢና። ካብ'ዚ ሓደጋ'ዚ ክድሕኑ ድማ፡ ክሳብ ምስ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክማኸሩን፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ብኣማኢት ሚልዮናት ገንዘብ ሓገዝ ብምልጋስ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ፡ ስደት ዜጋታቱ ደው ከብለሎም ተተስፍዮም። ግን ከኣ ክሰምረሎም ከምዘይክእል፡ በቲ በብእዋኑ ብዝቕጽል ዘሎ ማዕበል ስደት፡ ሕርሕራይ ገይሩ ከምዝበርሃሎም ፍሉጥ እዩ።

Add a comment

መስከረም ዕላማኡ ዘይተሳለጠ ማዓልቲ

ኣብዚ ክቡር ዝኾነ ዕለትኩም ጓል ወዲኻ ዓኢሻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዲማስቆ ካብ  ኮለጅ ናይ ሃንደሳን ሓበረታን ( faculty of engineering and information ) ትምህርታ ጨሪሻ ፣ መሃንድስ ዓዋተ ዝብል ማዕሪግ ስለ ዝተቀበለት ነዚ ኣሳልጦ ከም ህያብ ይሰደልካ ። 

Add a comment

ንቡር ሰላም ምስ ጎረቤት ንምፍጣር፡ ፈለማ ካብ ውሽጥኻ'ዩ ዝጅመር!!

መዝሙር ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝጅመር እንሆ ክልተ ኣዋርሕ ኣቁጺሩስ ናብ ሳልሳይ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ዝተጀመረ ናይ ሰላም ተበግሶ ብወገን ኢትዮጵያ፡ ኽልቲኦም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓጎስ'ዮም ተቐቢሎሞ። ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፡ ህዝብና እቲ ን20 ዓመታት ዝተሓረሞ ሰላም፡ ካብ'ቲ ኩናትን ወረ ኩናትን ፈጢርዎ ዝጸንሐ ሻቕሎት ክናገፍ ክቱር ባህግን ድሌትን ሰለዘለዎ፡ ነቲ ናይ ሰላም ጅማሮ ብዓቢ ድምቀት'ዩ ሓንጎፋይ ኢሉ ዝተቐበሎ። እቲ ኣብ’ዘን ክልተ ሃገራት ዝተራእየ ነጸብራቕ፡ ተምሳሌት ህያዉ ምልክት ድሌትን ባህግን ናይ’ዞም ክልተ ህዝብታት እዩ።

Add a comment

ሰልፊ ተቓውሞ ኤርትራዊያን ኣብ ጀነቫ

ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝተአኻኸቡ ኤርትራዊያን ሎሚ ኣብ ጀነቫ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም። ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዳለውትን ተሳተፍትን ኣዘራሪቡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Add a comment

መንዩ ናይ ኤርትራ ሕማቅ ዝምነ

ሐሳዊ ሐሳዊ ኣይበልካ፣ ተሐጺብካ ናብ ጭቃ፣ናይ ሐሶት ፋብሪኢካ፣ንህዝቢ ዘይመረጾ፣ንፋሽሽታዊ ጉጅለ ጠበቓ፣ ንከዳዕ ፕረሲደንት ምባል ተረኺቡለይ ጣቋ።

Add a comment

ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ዜጋታት ተዘኪራ

awateባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ዜጋታት ተዘኪራ ውዒላ።ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ሓያሎ ደምበታት ተመቓቒሎም ኣብ ዝርከቡሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን እትዝከር ዘላ ባሕቲ መስከረም፣ ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ንመግዛእቲ ብምባል ብረታዊ ቃልሱ ዝጀመረሉ እተዘኻኽር ክትከውን እንከላ፣ ብተመሳሳሊ ከኣ ሓርነቱን ደሞክራስያዊ መሰሉን ንምርግጋጽ፣ ቃሉ ዘሐድሰላ መዓልቲ ምዃና ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኤርትራ ይገልጹ። 

 

 

Add a comment

ቅልጡፍ ትግባረ ምምልካት ዶብ፡ ንዘላቒ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን!

ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ጂኦግራፍያዊ ክሊ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ባዕዳውያ ወረርቲ ኣውሮጳውያን መንግስታት፡ መሬት ተመቓሪሖም ምስ ውድኡ፡ ንዝሓዙዎ ግዝኣት ኣብ ሕድሕዶም ተሰማሚዖም ዝሓንጸጹዎ ምዃኑ፡ ታሪኽ ይሕብር። እተን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣውሮጳውያን ኣይወደቓን ዝበሃላ ድማ፡ ምስ'ቶም ኣብ ጎረባብተን ግዝኣት ዝሓዙ ባዕዳውያን ብዝኣተወኦ ስምምዕ ዝተመልከተ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ከም ኣብነት፡- ንጉሰ ነገስት ዳግማዊ ሚኒሊኽ፡ ብሸነኽ ሰሜን፡ ምስ ኤርትራ ዝተጠረረ ዶብ፡ ምስ ባዕዳዊ መንግስቲ ጣልያን ዝኣተዉዎ ዉዑል ምንባሩ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ። እቶም ዝተገበሩ ውዑላት፡ ብዓበይቲ ሩባታት(ከም መረብን ተከዘን) ዝተፈለዩ እንተኾይኖም ብዙሕ ዘየከራኽሩ ኮይኖም ንረኽቦም። እቲ ውዑል ኣብ ጎላጉል፣ ናእሽቱ ሽንጥሮታትን ኣኽራናትን ዝኾነ ግን፡ ምስ ምቅይያር መንግስታት ዘሰሓሕቡ እናኾኑ፡ ናብ ወጥርን ግጭትን ዘምርሑሉ ኣጋጣሚታት ይረአ'ዩ። ናብ ርሑቕ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይከድና፡ ኤርትራ ሃገርና ምስ ሱዳን ዘለዋ ዶብ፡ መሊኡ ዝተነጸረ እዩ ንምባል ኣጸጋሚ እዩ። ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ምስ ሃገረ ሱዳን ዘሰሓሕቡዋ ዘይተነጸሩ ናይ ዶብ ሕቶታት ምህላዎም ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን።

 

Add a comment

ብ61 መስከረም እንቢ ንመግዛእቲ ኢልና

ብ61 መስከረም እንቢ ንመግዛእቲ ኢልና

ብጅግና ስዉእ ዓዋተ ግድሊ ፈሊምና

ካብ ምልኪ ካብ ሰገሩ ናብ ተደሚርና

መስከረም ያኣክል ክንብል ትዕድመና፣

Add a comment

ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ኣብ ደንቨርን ኣብ ኣትላንታን

እዞም ብዓይነቶም ናይ መጀመሪያ ዝኾኑ ናይ ደንቨርን ናይ ኣትላንታን ፈስቲቫላት፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ምክያዶም ንባዕሉ ንእሽተይ ጅግንነታዊ ስራሕ/ዓወት ኣይነበረን። እርጊ እግሪ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ኣገዳሲ ምዕባሌ ምክያዶም’ውን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ህዝቢ ንፖለቲካዊ ውድባትን ንስቪካዊ ማሕበራትን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ተጠቒመን ኣድማዕን ውጺኢታውን ስራሓት ንኽሰርሓ ድፍኢት ንኽገብር ዘኽኣሎ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ ክባሃል ይካኣል ኢዩ። እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ፡ ንፖለቲካ ከም ቀደሙ (politics as usual) ዝዓይነቱ ኣካይዳ ዝኸውን መንፈስ ኣይነበሮን። ተግባር ጥራሕ ክርኢ ኢዩ ዝደሊ ዝነበረ።

Add a comment

ዮሃና! ንመበል 57- ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም፡

ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ዮሃና ንታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ዝኽሪ መበል 57 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ። ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 - እቲ ጀማሪ ሰውራ ሓርበኛ ስዉእ ኢዴሪስ ሓምዴ ዓወተን ካልኦት ብጾቱን ነታ ሽግ ናጽነት ዝወልዑ ብዴሕሪኡ ዝተሰለፉ ንኹሎም ብክብሪ ክንዝክሮም ታሪኻዊ ግዳታ ከምዘለና ንኣምን። ዓዋተን ብጾቱን ኣብ ጎቦ ኣዲል ዝተኮሱዋ ፈላሚት ጥይት ሽግ ናጽነት ወሊዓ “ሻኻ ኣባሪዓ”። ምኽንያቱ ኤርትራዊ ህዝባዊ ተሳታፍነቱ ኣረጋጊጹ፡ ኣብ ጎኒ ሰውራ ተሰሊፉ ኩሉ ዝከኣሎ ኣበርኪቱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ። ዴሕሪ 30 ዓመት መሪር ተጋዴሎ ዴማ ናጽነት ኤርትራ ከምዝጨበጠ ዓለም እዉን መስኪሩሉ እዩ። ስለዚ ንታሪኻዊ ዴሕረ ባይትኡ ምልስ ኢልና ብሓጺሩ ምግላጹ ኣገዲሲ እዩ።

Add a comment

“ ዕዮ ገዛ “ ብጎረቤት

ዝኾነ ኾይኑ ዶ/ ኣብይ ኣሕመድ  ፤ ሓያል ድፊኢት ዘለዎ ድፕሎማስያዊ  ዕዮን ድፍረትን ተጠቂሙ ንኢትዮ ኤርትራ  ሰላምን ዝምድናን ክብገስ እንከሎ ፤ ምስ ኣብ ቅድምኡ ዘሎ  ኤርትራዊ ሸነኽ (መንግስቲ)ክኸውን ግድን`ዩ።

Add a comment

ሓጺር ታሪኽ ስዉእ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ

ዓዋተብ1910 ኣብሞንጎከተማታት ተሰነይንኡምሓጃርንእትርከብዓዲጋርሳትተወሊዱ።ኣቡኡሓረስታይንባዓልጥሪትንነበረ።ዓዋተ ካብታ መልሚላ ዘዕበየቶ ስድራን ሕብረተሰብን ፣ ታኣማንነት ፣ ተባዕነት ፣ ዉፉይነት፣ ልግሲ ወዘተ ዝኣምሰለ ጽቡቅ ጠባያትን ባህልን ልምድንስለ ዝወረሰ ፣ ኣብ መወዳኣታ እዚ ጠባያት ንዓዋተ፣ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ሓይልታቱን ዘኽብሩዎ

Add a comment

2% ንዝኸፍሉ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብውክልና ካብ ወጻኢ ከእትውዎ ንዝጸንሑ ንብረትን ሃለኽቲ ነገራትን ዝእግድ መምርሒ ተመሓላሊፉ

eriblood

ብመሰረት እዚ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ተመሓላሊፉ ዘሎ መምርሒ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝነበሩን ክልተ ካብ ሚእቲ ንዝኸፍሉን ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዝፍቀድ ዝነበረ፣ ንብረትን ሃለኽቲ ነገራትን ናብ ውሽጢ ሃገር ብውክልና ከእትዉ ዝፈቅድ ሓለፋ ደው ኢሉ ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ናይ ዝኸፈልሉ ሰነዳት ብምቕራብ፣ ከም ፍሪጅን ቲቪን ዝኣመሰለ ንብረት ይኹን ከም ዘይቲ፣ ፓስታ፣ ጸባን ካልእ መግብታትን ሃለኽቲ ነገራትን፣ ብበራሚል እናዓሸጉ ብውክልና ክልእኹ ምጽንሖም ዝፍለጥ'ዩ።

Add a comment