ህዝባዊ ጻውዒት

ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ናይ ሰላም ውዕል እናደገፈ፤ “ምድማር” ዝብል ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ኣምርን፡  ጻውዒትን ጌርካ፣ ኤርትራውያን መራሕቲ ከምተሳእኑ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ናይ ምሕደራ ስልጣን ናብ ካልእ ናይ ጎረቤት መራሒ ብምስግጋር ዝተገብረ ናይ ክሕደት ስጉምቲ ንምቅዋምን፣

Add a comment

መርገጺ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ) ኣብ ሰላማዊ ፍታሕ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢዮጵያን፤

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ12 ግንቦት 1998ዓ.ም. ብጉልባብ ዶብ ናብ ኣዕናዊ ኩናት ዝኣተዋ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጉጅልኡን ብዝኣለሙዎ ሸርሒ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ፡፡ መበገሲኡ ጸቢብ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ረብሓታት ቁንጮ ጉጅለ እዩ፡፡ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት፡ ገዚፍ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕሚ ክልቲኦም ሃገራት በሊዑ፡፡ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ፡ ናብ ዓለም ለኻዊ መጋባእያ ቀሪቡ ብኮምሽን ዶብ ብይን ካብ ዝወሃቦ፡ እነሆ ልዕሊ 16 ዓመታት ሓሊፉ ይርክብ፡፡ ኣብʼዞም ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣይ-ሰላም ኣይ-ኩናት ዝኾነ ሃዋሁው ተኸሲቱ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ

Add a comment

ቓል ሓዘን ብምኽንያት መስውእቲ ተ/ገዛኢ ኪዳነ ዲሞክራስያዊ ውድብ ቢሄረ ብሌን ኤርትራ

ሞት ተጋዳላይ ጋዛኢ ኪዳነ ብቐዳምነት ኤርትራ ዓቢ ክሳራ ስለ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ተኻፋሊ ሙዃኑ ንድራ ቤቱን ነቶም ሓዘኑ ዪገልጽ። ጅግና ኣይመዉትን
ዘልዓሎ ባና ሓርነት ኣልዕሊና ንፍልልያትና ሓደራ ንብል።

Add a comment

ካብ ቻይና ምስ ተመለሰ

ከም ሰገን ርእስኻ ኣብ ሑጻ ቀቢርካ ምንባር ክሳብ ማዓስ። ምስ ጉጅለ ኣርዮስ ተደሚርኩም እንበር;; ምስ ህዝቢ ኤርትራስ ዘበት እዩ ዘበት;;ደቂ ራእሲ ተሰማ;;ውላድ ከቢረ ውላድ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ;;ትም ኣይንበል ዓቦና ክዝመተ;;ካብ ራስ ዲሜራ ክሳብ ራስ ቄሳር ይበሃል ኣሎ ከተተ ክተተ።

Add a comment

ሰይጣን ብለይቲ ኣብ መልኣኽ ክቕየር ዘይሕሰብ'ዩ

ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ ዶክ.ኣቢይ ዝወሰዶ ተባዕ ፖለቲካዊ መቐይሮ እናድነቕኩ ብጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ንዝጸንሐ ናይ ዶብ ግጭት ንምፍታሕ ዘቕረቦ መደረን ስዒቡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተወስደ ስጉምትን ድሕሪ ምርኣይ፣ ንቕድሚት ዝረኣዩ ዓበይቲ ሕቶታት ከምዘለዉ ብምባል ኢየ ዛዚመዮ።

Add a comment

ዕዉት ሰሚናር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት

ጨንፈራዊ ጉባኤ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ምድላዋት፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት ጨንፈር ጅዳ ብጅምዓት 13-7-2018 ዕዉት ጨንፈራዊ ሰሚናር ኣካይዶም።  ሓላፊ ጨንፈር ናይ እንቋዕ ዳሓን መጻእኩም ሓጺር መደረ ድሕሪ ምስምዑ፡ ኣጀንዳ ሰሚናር ሓቢሩ።  ብመጀመሪያ ህልው ኩነታት ሃገርና፡ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ናይ ዕርቂ ዝምልከት ነውሕን ዓሚቁን ዘተ ኣካይዱ።  እቲ ተበግሶ ዝምጎስን ኣህዛብ ናይ ክልቲኡ ሃገር ብሃንቀውታ ዝጽበይዎን ዝሃርዎን እኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህግደፍ  ጭራስ እምነት ከም ዘይብሉን፡ እዚ ሰናይ ተበግሶ እውን ካብ ገለ ዓዘቅቲ ንምውጻእን፡ ስልጣኑ ንምውንዋሕን ዝጥቀመሉ ስልቲ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ሓቂ ደላይ ሰላምን ደላይ ፍትሕን ከም ዘይኮነ ብዙሕ መግለጺ ዘድልዮ ጉዳይ ከም ዘይኮነን፡ ገበን ዘይብሎም በሻሓት ዝቁጸሩ ገበን ዘይብሎም ነጻ ዜጋታት ብዘይ ገለ ፍርዲ ንመዋእል ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጉንካ፡

Add a comment

ዲሞክራሲ ( ህዝባዊ ምሕደራ ) ግዳይ በለጸኛታት ክኸውን ከሎ!!!

ኣምር ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ብክንዲ እቲ ጽባቔኡን ኣድላይነቱን፡ ኣብ ኢድ ተበለጽቲ ባእታታት እንተወዲቑ፡ ዘውርዶ ዕንወትን ምክፍፋልን ኢሐው…. ኢዩ ዘብል፡፡ እስከ ብዛዕባ ዲሞክራስን ትንታኔታቱን ዘይኮነስ ብዛዕባ ዲሞክራስያዊ መሰሎም ተጠቂሞም፡ ኣሰካፊ ወስታታት ዘወጣዉጡልና ዘለዉ ኣካላት ኣብ ኢትዮጵያ ብመጠኑ ንርኣዮ፡፡

Add a comment

ዕርቀ ሰላም ጽቡቕ ግን መስመሩ ከይሰሓተ

ይንኣስ ይዕበ ምኽንያታዊ ይኹን ኣይኹን ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝምድናኦም ብኣሉታ ዝተጸልወ ህዝብታት ዕርቀ ሰላም ክገብሩ፡ ረብሓ ሰላም ብግቡ ዝርዳእ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ኩሉ ሓንጎጎፋይ ኢሉ ዝቕበሎ ወሳኒ ዛዕባ’ዩ። ዕርቀ ሰላም ምስ መን? ምስ ኩሉ ኣሉታዊ ስምዒታት ዘለዎ። ብፍላይ ከኣ ከም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝበሉ ካብ ዝፈላልዮም ሓደ ዝገብሮም ረቛሒታት ዝበዝሕ ጎረባብቲ ሃገራት ብመንጽር ንክልቲኣቶም ህዝብታትን ሃገራትን ዝህቦ ረብሓ ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ዕዙዝ’ዩ። ብኣንጻሩ

Add a comment

ናይ ጥፍኣት ፖሊሲን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ፡ ብምጥራር ዶብ ኣይሕከምን

ኣብ ዝሓለፉ ተኸታተልቲ ጽሑፋት ከም ዝሓበርናዮ፡ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመት ድማ ብተግባር ከም ዝረኣናዮን እዚ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ኣካል፡ በቲ ንቡር ፖለቲካዊ ኣሰራርዓ፡ ኣተሃላልዋኡን ኣቃውማኡን ከም’ዚ ኢልካ ንምግላጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ውድብ’የ ይብል ንውድብ ውድብ ዘብሎ መንገዲ ኣይኽተልን። መንግስቲ’የ ይብል ሓደ መንግስቲ ከማልኦ ዘለዎ ረቛሒታት ኣየማልእን። ብሕጊ ኣይቆመን። ብሕጊ ኣይሰርሕን። ግን ከኣ ተዓሚቱ ብቋንቋ ሕጊ ክዛረብ ይስማዕ። ብመደብ ህዝቢ ይጭፍጭፍ ግዱስን ተሓላቕን ህዝብን ሃገርን

Add a comment

ንኹሉ ምቅዋም ካብ ኩሉ’ዩ ዘትርፍ

ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ፖለቲካዊ ኮነ ቁጠባዊ ለውጢ ክመጽእ ካብ ሃገራዊ ሰላም ወጻኢ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሃገራዊ ሰላም ከኣ፡ ጸረ-ሰላም ዝኾነ ሓይሊ ኣልጊስካ፡ ልኡላውነት ህዝብን ልዕልና ሕግን ዘውሕስ ባይታ ብምፍጣር’ዩ ዝረጋግጽ። ሃገራዊ ሰላም ኮነ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለ ኣብ ምምጻእ፡ ኩሉ ማሕበራዊ ክፍልታት ነናቱ እጃም’ኳ እንተለዎ፡ ዝኸበደ ጾር ግን ኣብ መንእሰይ’ዩ ዝወድቕ። ግዜ ንእስነት፡ ሰሪሑ ዘይደክም ጉልበት፡ ዝመራመር ዝምህዝ ኣእምሮ ዘለዎ

Add a comment

እንተሎ ደኣ ጉዳይ ሃገር ብሓደ ሰብ እናተወሰነ ኣለኹ ዘይብል?

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ፡- ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ሓባራዊ ጠቕሚ ወይ ዕላማ ንምርግጋጽ ብሓባር ይሰርሑ’ዮም። ቅድሚ ናብ ተግባር ምውፋሮም ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ከረጋግጽዎ ዝደልዩ ጠቕሚ ወይ ዕላማ ኣመልኪቶም ምርድዳእ ይገብሩ። መደብ-ዕዮ ወይ ዕማማት የነጽሩ። ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ፡ ወይ ዝመሓየሸሉ ኣገባብን ብግቡእ ዘስፈረ፡ ቀያዲ ውሽጣዊ ዓንዲ ሕጊ
(ህንጻ-ሕጊ) ተኻቲዑም የጽድቑ። ደረት ስልጣኑን ናይ ግዜ ገደቡን ዝተወሰነ፡ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ድዩ ብስምምዕ ዝመርሖም ኣካል ይመርጹ። ናብ መሪሕነት ዝደየቡ ሰባት፡ ብዝተቐመጠሎም ሕጊ መሰረት ጥራሕ ይሰርሑ። ካብ

Add a comment

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኩሉ ስልጣኑ ንዶ/ ኣቢይ ኣሕመድ ኣረኪቡ!!

ዓርቢ ዕለት 13 ሓምለ 2018 ፕረሲዲንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ መመረቕታ መበል 31 ዘርያ መዓስከር ሳዋ ንኣኼበኛ ኣብ ኣብ ዗ስመዖ ሓጺር መዯረ “መልእኽትኹም ሒ዗ ጽባሕ ንኣዱስ ኣበባ እኸይድ ኣለኹ” ክብል ከምዜተዚረበ ሰሚዕና። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብባህርያቱ መልእኽቲ ህዜቢ ክሰምዕን ንህዜቢ
ክለኣኽን ዜተዓዯለ ኣይኮነን። ግን ድማ እዋኑ እዋን ቅልጡፍ ምዕብልናታት እዩ`ሞ ኢሰያስ እውን በዙ ሓያል

Add a comment

ፈጻሚ-ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

ፈጻሚ-ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ካብ 1-3 ሓምለ 2018 ኣብ ዘሎ ግዝያት ርክብ ኣካይዱ። ፈጻሚ-ኣካል ኣብዚ ርክብ’ዚ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ውድብናን ደምበ ተቓውሞ፡ ኤርትራን ብመንጽር ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ዘተ ኣመልኪቱ ልዑል ክብደት ብምሃብ ብዕምቆት ገምጊሙን ኣገደስቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉን።

Add a comment

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሻቕሎቶም ይገልጹ

 habereta nay sidetenatatኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተራእዩ ዘሎ ሃንደበታዊ ምዕባለታት፣ ሻቕሎቶም ይዓዝዝ ከምዘሎ ሓቢሮም። ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ‘ናይ ጣዕሳ ፎርም እንተመሊእኩም ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም’ ከምዝበሎም እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ውልቀሰባት ገሊጾም።

Add a comment

መጋረጃ ኵርዓት ኪጥቕለል ከሎ

እቲ መጋረጃ ኵርዓት ምስ ተጠቕለለ፡ ኣብቲ መድረኽ ኮይነን ምውሳአን ዚቕጽላ ባህርያት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ውርደትን ሕስራንን እየን። ኵርዓት (sense of pride) ምስ ኣልገሰ፡ ብድሕሪኡ ዚስዕብ ኩሉ ባህርያት፡ ንእንስሳ ደኣምበር፡ ንሰብ ዚበቅዕ ኣይኮነን፡ ከመይሲ፡ ኩሉ እንስሳዊ ባህርያትና፡ በቲ ናይ ኵርዓት ስምዒት እዩ ተጋሪዱን ተቐዪዱን ዚነብር። ረገቢት ኵርዓት መስዩወን ኣብ ሰፈራተን ምስ ኣተዋ፡ ኣዕዋፍ ለይቲ ሓሶትን፡ ክሕደትን፡ ጥልመትን ካብ በዓትታተን ይወጻ። እቶም ጉዳዮም ንኺሰልጦም ይኹን፡ ወይ ነቲ እኩይ ተንኮላቶም ንምፍሓስ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝ

Add a comment

ናይ ጥፍኣት ፖሊሲን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ፡ ብምጥራር ዶብ ኣይሕከምን

ኣብ ራብዓይ ክፋል፡ ብቐንዱ ብህዝብታት ኤርትራ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ ‘ምበኣር፡ ብኸመይ ኣብዚ ውሳነ’ዚ በጺሑ? ንመን ተወኪሱ? ብመን ተደፊኡ? ዝተኸተሎ ኣገባብ ከ ቅኑዕ ድዩ? ክሳብ ኣበይ ከ ክቕጽል’ዩ? እንታይ ሳዕቤንከ ከኸትል’ዩ?
ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ብልቦና ምርኣይ፡ ብጽሞና ምድምማጽ፡ ምንባብ፡ ሓያል ውደባ ንምፍጣር ሓቀኛ ምቅርራብ ከድሊ’ዩ ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ኔርና። ሓምሻይ ክፋል እነሆ፡-

Add a comment

ኣናፍራ ቆቋሕ ዘይፈልጥ ሃዳናይ የ ኣይበልም

ኣናፍራ ቆቋሕ ዘይፈልጥ

 ሃዳናይ የ ኣይበል

ደቂ ኤረይ ኣይትተሃመል

የማን ጸጋም ቁሊሕ ንበል;;

Add a comment

ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓያሎ ወለድን ተማሃሮ ዲያእ ኣል-እስላምያን ተፈቲሖም

asmara protesምስቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017 ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማህሮ ዲያኣ ኣል-እስላምያ ብምዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓይሎ ወለድን ተማሃሮን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። እቶም ወለዲን ተማህሮን ገሊኦም ኣብ ማይ ስርዋ፣ ገሊኦም ከኣ ከባቢ ዓላ ንኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብናይ ገዛ ሊብሬቶን ኣስታት 100 ሽሕ ዝተገመተ ገንዘብን ዋሕስ'ዮም ተፈቲሖም ዘለዉ።

ኣቐዲሞ'ውን ኣብ ከባቢ ዓላ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ቆልዑ ከምዝተፈትሑ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ'ዩ።

ይኹን'ምበር፣ ገና ብዙሓት ዘይተፈትሑ ወለዲ፣ መማህራንን ተማህሮን ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣመልኪቶም።

Add a comment

ፈስቲቫል 2018 ፍራንክፎርትን ምድላዋቱን

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018፡ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኣብ ምፍላስ ዝጸንሓ ሓይልታት ናይ ዕርቅን ሰላምን ተበግሶታት ክወስዱ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ዝጸንሐ ኣይውግእ ኣይሰላም ኲነታት ድማ ብፍላይ ንረብሐ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዳኣ ይግበሮ እምበር፡ ህጸት ዘሰነዮን  ሓድሽን ሞብልናታት ኣብ ዝራኣየሉ ዘሎ እዋን እዩ ካብ ዕለት 03 – 05 ነሓሰ 2018 ክካየድ ኣብ ምድላው ዘሎ። እቲ ጉዕዞ ነቲ ብጸሓይ ባድመ ምሒሉ ዝገዘተን ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጽ ዘበት ምዝታይ ዝብል ዝነበረ መድሓኒ ቆርበት ስልጣኑ ገይሩ ክወስዶ ይኽእል ይኸውን፡ ኣብ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ግን፣ ብዙሕ ምጥርጣራት ዘልዕል ብምዃኑ፡ ልኡላውነት ሃገርና ዝዕቅብን፡ መሰላት ህዝብና ዘረጋግጽን መስመር ንምውሓስ  ተቓላሳይ ህዝቢ ክድቅሰሉ ዘለዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ ዶብ ሃገርናን መሬትናን ዘድፈረን ኣሕሊፉ ዝሃበን ሓደን ንሱን ጥራሕ እዩ።

 

Add a comment

መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብ ህልዊ ኩነታት ከባቢናን ጻውዒት ንደንበ ተቓውሞን

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ መመሊሱ ዝጐሃሃር ዘሎን ጽልዋኡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሊፉ ኣብ ከባቢና ከንጸባርቕ ዝኽእል  ምዕብልናታት ዓሚቝ ገምጋም ኣካይዱ። ነዚ ኣወንታዊ ምዕብልናታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብ27 ግንቦት ሚዛናቱ ከም ዘንበረሉን፣ ብ24 ሰነ 2018  ከኣ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዝርዝራዊ መግለጺ ናብ ህዝቢ ከም ዘመሓላለፈ ዝዝከር ኢዩ። ብምቕጻል፡ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ተወሳኺ ገምጋማት ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብቲ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታት ሚዛኑ እናን'በረ፡ ብወገን ተቓውሞ ኤርትራ እውን ክግበር ኣሎዎ ንዝብሉ ርእይቶን  ጻውዒትን ዝወሰኸ ህጹጽ መግለጺ ከውጽእ ኣድላይ ምዃኑ ርእዩ።

Add a comment

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስም'ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኵነታት፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብል ጻውዒት ቀሪቡ

Journalists in prison

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብስም'ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኣይሰላም ኣይኵናት ሃዋሁ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብል ዝተፈላለዩ ተጠብቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይጽውዑ።እቲ መንግስቲ'ዚ ኣብዚ 20 ዓመት ብስም እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ናይ ጸጥታን ሃገራዊ ጉዳይን፣ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጉንዎም ዝርከብ ኣሽሓት ኤርትራውያን ክፈትሕ'ውን ምሕጽንታ ይቐርብ ኣሎ።

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ (ማ. ባ.) ግሃድኤ-ሕድሪ


ማእከላይ ባይቶ (ማ.ባ.) ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ካብ ዕለት 30 ሰነ ክሳብ 01 ሓምለ 2018 ዘሎ ግዜ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቓኒዑ። እዚ ኣኼባ’ዚ ክካየድ ከሎ ኣካቢቦምና ዘለዉ ኣህጉራውን ዞባውን ኲነታት፣ ግሃድኤ-ሕድሪ ብከም’ዚ ዝስዕብ ኣገባብ ብዕቱብ ገምጊሙ። ብመጀመርያ ብኣህጉራዊ ደረጃ ክርአ ከሎ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በይናዊ ስጉምትታት እንዳወሰደት ካብ ዝያዳ ዝቐርብኣ መሓዙት ሃገራት እንዳረሓቐትን እንዳተነጸለትን እትኸደሉ ዘላ እዋን ኰይኑ፣ ንዓለም ንበይና ክትመርሕን ክትቈጻጸ

Add a comment

'ኣብ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብወገን ኤርትራ ኣሳታፊ ዝኾነ ንጹር ሓበረታ የለን' ኣቶ መስፍን ሓጎስ

ካብ መስረቲ ገድሊ ናጽነት ኤርትራን፡ ኣባል`ቲ ጉጅለ-15 ተባሂሉ ዝፍለጥ መብዛሕቲኡ ኣባሉ ዝተኣስረን ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ እቲ ኣዕናዊ ኩናት ምብቅዑን፡ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ምትግባር ኮሚሽን ዶብን ጽቡቕ `ኳ እንተኾነ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ኣካይዳን ዝውሃብ ዘሎ ምላሽን ግን እቲ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ኣይኮነን ይብል ።

Add a comment

ግሃድኤ-ሕድሪ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካልን ማእከላይ ባይቶን ኣካይዱ፡

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ሕድሪ ካብ ዕለት 30 ሰነ 2018 ክሳብ 01 ሓምለ 2018 ንክልተ ተኸታታሊ መዓልታት 3ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካልን 2ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ኣከታቲሉ ከምዘካየደ ተሓቢሩ፡፡ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ ናይ ሕድሕድ ቤት ጽሕፈታቱ ኣብ 6ተ ኣዋርሕ ክትግበሩ ተተሊሞም ዝነበሩ መደባት ኣፈጻጽማን ዘጋጠሙ ሕጽረታትን ኣብ 3ስሩዕ ኣኼብኡ ገምጊሙ ውጽኢቱ ናብ 2ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣቕሪቡ፡፡ ማእከላይ ባይቶ ከኣ ንዝቐረበሉ ጸብጻብ ብዕምቆት ፈትሹ ጥንካረን ድኽመትን ድሕሪ ምምዛን ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት

Add a comment

ጉዲይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን መንዩ ንሰላም ዝጸልእ?

ዯጊም ዯሃይ ሰላምን ወረ ሰላምን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይቃላሕ ኣሎ። ብዘይካ`ቶም ናይ ኲናት መሳርሒ እናሰርሑ ዝሸጡን እቶም ካብ ዕግርግር ዝርብሑን እንተዘይኮይኑ እቶም ካለኦት ኩሎም ወይ ዲርጋ ኩሎም ህዝብታት ብሰላም ስለ ዝርብሑ ሰላም ዝጸልእ የለን ክበሃል ይከኣል።

Add a comment

ሓደ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃዩ ጠፊኡ

Erimias Tekie

ሓደ ካብ ንጡፋት ደለይቲ ፍትሒ ዝኾነ ኤርምያስ ተኪኤ ዝተባህለ ኤርትራዊ - ሽውደናዊ መንእሰይ፣ ካብ 21 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃዩ ጠፊኡ ከምዘሎ ስድራቤቱ ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ መፋርቕ 30ታታት ዝርከብ ኤርምያስ፣ ብ4 ግንቦት ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታው፣ ካብቲ ዓሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ብ21 ግንቦት ብዘይተፈልጡ ሰባት ተወሲዱ ከምዝተሰወረ'ዮም እቶም ስድራ ዝገልጹ።

ፈለማ ንፖሊስ ኢትዮጵያ፣ ድሒሩ ድማ ንኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሚኒስትሪ ጉዳያት ውጻኢን ከምዝሓበሩ ዝጠቐሱ እቶም ስድራ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ንጹር ምላሽ ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ኣመልኪቶም።

Add a comment

መልሲ ንተደምረናል ዝብል ጭርሖ

መኻን ኣይኮነትን ሃገርና ኤርትረያ

ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ተሰሪሑ ቅያ

ቪቫ ብደለይቲ ፍትሒ ክበርህዩ ጸሐያ;;

Add a comment

ጋዜጣዊ መግለጺ፣

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ክፍታሕ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ዝርርብ ዘለዎ ርእይቶ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልቲኤን ጎራባብቲ ሃገራት ብባህሊ ብቛንቛ ብሃይማኖት ብወለዶን ጂኦ- ፖለቲካዊ ከባቢን ንዘመናት ምትእስሳራት ዝጸንሖ ህዝብታት ይኹኑ ደኣ እምበር በብግዚኡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ናይ ዝደየቡ ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ክጭቆኑ ድሕሪ ምጽንሕ ብዝተኻየደ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ክልቲኤን ሃገራት ብ1991 ሓራ ከምዝወጻ ዝዝከር እዩ።

Add a comment

ሕጂስ ይኣክል ኢልና ባዕልና፡ ብዛዕባ መሰልን፡ ክብርን፡ ህዝብናን፡ ልዕላውነት ሃገርናን፡ ንውስን።

ክቡራትን፡ክቡራንንኤርትራውያንተቐማጦ  ከተማ ስያትልን ከባቢኣን፡ ኣብ’ዛ ግዜ’ዚኣ ኤርትራ ሃገርና፡ ብኣማእት ኣሸሓት፡ ዝቑጸር ሂወት ጀጋኑኣን፡ ናይ ኣሽሓት ምልዮናት ዝዋግኡ ካሊእ ሃብትን ፡ንዋትን፡ ከፊላ ዘምጽኣታ ነጻነት ሃገር፡ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈዎርቂን ውሑዳት ዓሽኽሩን ብጥልመት ተመንዚዓ ኣብ  መዘና ዘይብሉ ህዝባዊ ህልቂትን፡ መከራን፡ ውርደትን፡ ሃገራዊ  ዕንወትን ፡ ድሕሪ ምጽንሓ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ስደትን፡ ከርተት ዝብል ዘሎ ህዝባ ኣዝዩ ከፊኡዎ እዩ ዘሎ፡፡

Add a comment

ናይ ጥፍኣት ፖሊሲን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ፡ ብምጥራር ዶብ ኣይሕከምን

ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ ብኩለንትንኦም ብኣኻን ስለኻን ጥራሕ ስለዝኾኑ፡ ትማሊ ኮነ ሎሚ ከም ዘለዎ ዘዝተባህልዎ ክደግሙ ደኣምበር፡ ልቢ ኣዕብዮም ስለምንታይ ክብሉ ስለዘይከኣሉ ብወገና በዚ ዝስዕብ መልሲ ክንህበሉ ኢና ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ኔርና። እነሆ ድማ ራብዓይ ክፋሉ ቀጺሉ ክቐርብ’ዩ።

Add a comment

መንነትን፡ ብልጫን ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ

ህዝባዊ ማዕበል ዝበሃል፡ ኣገባብቃልሲኤርትራ፡ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገርና ዝነብረን ፡ዘሎን ጭንቀትን፡ መከራን፡ ማእሰርትን፡ህዝባዊ ህልቂትን፡ ብሕልፊ ከኣ፡  ካብ’ቲ መከራ ክምልጡ’ሎም፡ ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገምገም ደሴት ላምፓዱሳ፡ ዓዲ ጣልያን ኣስታት 360 ዝኣኽሉ ጥሒሎም ዝሃለቑ ፡ንጹሃት ህጻናትን ፡ መንእሰያትን፡ ኣዴታትን፡ ኣቦታትን ኤርትራውያን፡ ብዝተሰምዖ ሓዘን ፡ “ሕጂስ ይኣክል’ባ” ብዝብል ጭርሖ ገንፊሉ ኣብ ብዙሓት ኩርናዓት ዓለም ብደለቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝተላዕለ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።

Add a comment

ብዙሓት ደገፍቲ ህግደፍ ብበይናውን ግሉጽነት ዘይብሉን ኣካይዳ ኢሳያስ...................

ብዙሓት ደገፍቲ ህግደፍ ብበይናውን ግሉጽነት ዘይብሉን ኣካይዳ ኢሳያስ፡ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝተቖጥዑ ካብ ውሽጢ ኣባላት ህግደፍ ዝለሓኾ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬትና ከይወጽአ ዘተ ዝበሃል ኣይሕሰብን ክብል ዝጸሐ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ትካላዊ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዘይብሉ ብድድ ኢሉ፡ ብሃንደበት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ናይ ብሓቂ ሃገር ብሓደ ሰብ ትምራሕ ከም ዘላ ክግንዘቡ ከም ዝገበሮም፡ ዘይተጸበይዎ ብምርካቦም ድማ ከም ዝተቖጥዑን ካብ ኣባላት ህግደፍ ንዝ

Add a comment

ኤርትራ፡ ዳግማይ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ!

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ኣብ 2018 ዓመተ ምህረት፡ ድሕሪ 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ መወዳእታ 50ታት፡ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ፡ ድንግርግር ኢሉዎ፡ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ተዓኒዱ ይርከብ ኣሎ። እቲ `ህዝቢ ኤርትራ ዕዋኖ፡ ኣብ ኢድካ ኸሎ ልማኖ` ተባሂሉ ዝተደርፈሉ ዘመን እንሆ ዳግም ተመሊሱ። ስለምንታይ! እቲ ዝገርምን ዘሕዝንን፡ እቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና መድረኽ ምድንጋርን ምጥፋእ መኣዝንን ምስቲ ናይ ሓምሳታት ብምንጽጻር ክርአ

Add a comment

ሰላማዊ ሰልፊ ጅኔቫ ፣ ናይ 22 ሰኔ 2018ዓም ብኣሳናዳዊት ሽማግሌ

ኽቡራትን ክቡራንን ናይ 22/ሰኔ/2018 ብሰላምን ብዓወትን ከም ተደምደመ ክንሕብረኩም ከሎና ዝስማዓና ሓጎስ ወሰነ የብሉን ። ንመሰልካ ንምሕታት ሰላማዊ ሰልፊ ብሰላማዊ ኣገባብ ምግባር ነባሪ መሳርሒ ናይ ጭቑናት’ዩ። ነዚ ካብ ንነብረለን
ሃገራት ኣህዛብ ክንመሃሮ ዋጋ ዝሓትት ኣይመስለናንን። እዚ መስርሕ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ንብዙሓት ኣሓትን ኣሕዋትን ሃገር ምጉዳእ ወይ ኮንቱ ድኻም ኮይኑ ዝስምዖም ዉጺኢት ናይ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ብጋዜጣዊ መግለጺ ገርና ክንገልጾ ናይ ግድን ኮይኑና።

Add a comment

ገዛ ርእሱ ሓራ ዘይወጸ ሰራዊት፡ ህዝቢ ሓራ ከውጽእ ትጽቢት ኣይግበርን።

ሓርነት፡ ካብ ትምክሕቲ፣ ጽበት፣ በለጽ፣ ስሰዐ፣ ኣድልዎ፣ ተንበርካኽነት፣ ዕሱብነት …ወዘተ ነጻ ዝኾነ፡ ገዛእ ርእስኻ ናይ ተፈጥሮ ሰብ ምዃንካ ግቡእ ኣገንዝቦ ካብ ምሓዝ’ዩ ዝብገስ። ካብ ኩሉ ድሑር ስምዒታት ነጻ ኮይንካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ልክዕ ዝኾነ ሚዛን ክትገብር እንተበቒዕካ ሽዑ ንሽዑ ንጹር መንነት ክህልወካ’ዩ፡፡ ንስኻ ሰብ ብምዃንካ እንታይ እንተረኺብካ ትሕጎስ ትቐስን፡ እንታይ እንተስኢንካ ትሻቐል ትሓዝን ውሽጣዊ ሕልናኻ ስለ ዝነግረካ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሕማቕ ኣረኣእያ ክህልወካ ኣይኽእልን። ሕቶ መሰል ንዘልዕሉ ወገናት፡

Add a comment

ጸብጻብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ጅኔቫ juni 2018 ካበይ ናበይ

እዚ ሰለማዊ ሰልፊዚ ክፉት ህዝባዊ ዕማም ስለዝኾነ ብግሉጽነት ጸብጻቡ ናብ ህዝቢ ክቀርብ ኣገዳስነት ስለዘለዎ እቲ ቀንዲ በዚ ዝስዕብ ነቅርብ - ኣሰናዳኢት ኮሚተ።

Add a comment

ስለ ሰላም ጉዕዞ

ኣቦ
ኣንቱም ተጋደልቲ ኣካየድቲ ሰውራ
እንታይ ኢኹም ትብሉ ብዛዕባ ኤርትራ
ዕላማ’ዶ ኣለኩም ቅኑዕ መተካእታ
እስከ ኣውጉዑና ሃቡ መተካእታ

Add a comment

ሓፍላ/ጽምብል ጨንፈር ሪያድ ብምኽንያት ዒድ ኣል-ፈጥር ኣልሙባረክ

ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት ጨንፈር ሪያድ ብጅምዓት 29/06/2018  ዕዉት ሓፍላ/ጽምብል ኣሕሊፎም።  ኣብቲ ሓፍላ፡ ኣቦ-ወንበር ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ-መሰረት ፡ ኣቦ-ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ክቡር ሓው ኣንዋር ኣቡ ረያን፡ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ፡ ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት፡ ተራ ኣባላትን  ፈተውትን ተረኺቦም ነይሮም።

Add a comment

ኩሉ ተሳኢኑ

ሳላ ዝሰኣናዮ ዝረኸብናዮ የለን

ሳላ ዝተፈላለና ዝኸሰብናዮ የለን

ንወርቃዊ ግዜና ይለዋጥና እዋን

ሳላ ዝሰጉግናዮብ ህልኽን ትዕቢትን

ናብባዶ ክድምረና' ።

 

Add a comment

ሰላም ካብ ቤትካ እዩ ዝጅምር

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣይውግእ ኣይሰላም ኩነታትእዩ ክሕባእ ዝደሊ። ጉዳይ ዶብ ናይ መሬት ክሳራን መኽሰብን ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ናይ ሰላም ሕቶ እዩ። ናይ ሰላም ሓላፍነት እዩ። ዶብ ይተሓንጸጽ ክንብል እንከለና ከኣ ናይ ህዝብናን ህዝቢ ኢትዮጵያን ናብ ሰላም መእተዊ ዝኸውን ንምርግጋጽ እምበር፡ መሬት ምኽሳብን ምኽሳርን ከም ቀንዲ ባእታ ዝውሰደሉ ኣይኮነን።

Add a comment

መስዋእቲ ዋጋ ሰላም

ከምቲ ወረ ውግእ፡ ኣብ ሰባት ስግኣትን ሽበራን ዚፈጥር፣ ወረ ሰላም ድማ ብኣኡ መጠን፡ ኣብ ገሊኡ ኩነታት፡ ስግኣትን ጥርጠራን ይፈጥር እዩ። ብመሰረቱ፡ ክልቲኡ ክስተታት ኣብ ሓድሽን ዘይትፈልጦን ኩነታት ስለ ዘእትወካ፡ ናይ ክልቲኡ መወዳእታ እውን ኣረጋጊጽካ ክትፈልጦ ስለ ዘይትኽእል፡ እቲ ስግኣት ኩሉ ግዜ ኣብ ቦታኡ እዩ። ርሑስ ቀብሪሎ፡ ተካል መርዓሎ ዝበሉኮ ካብ ባዶ ተላዒሎም ኣይኮኑን። ጊንጥነት ነገራት ስለ እተዓዘቡ ዮም። ይኹን ምበር፡ እቲ ሰላም ተቐልቂሉ ወይ ወረ ሰላም ይነፍስ ኣሎ ብምባል ዚሰግእ ሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰላም ጸሊኡ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሰላም ብብዙ

Add a comment

ባድመ: ድልድል ፍቕርን ሕውነትን

ባድመ መናሃሪያ ኲናት ዝነበረት፡ ድልድል ናይ ኣህዛብ ሕውነትን ፍቕርን ክትከውን ካብ ብዙሕ ኩርንዓት ይዝመረላ ኣሎ። ሰናይ ንኹሉ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ! ገለ ወጻእተኛታትን ኤርትራውያንን፡ ባድመን ከባቢኣን ከውሒ ምዃኑ ይዛረቡ‘ዮም። ነገራት ንምልስላስ ዝኣመተ መደረታት እንተዀይኑ ጽቡቕ። ብዝተረፈ፡ ባድመን ከባቢኣን ጐልጐል ‘ዩ። ይትረፍ ባድመ፡ ምድረበዳታት ክለምዑ ብውሕዱ ብወረ ሰሚዖም ክዀኑ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ከም ኩሉ እንናፍቖ ዓድታት ከኣ ባድመ፡ ንነባሪኣ ህዝቢ ትንፋሱ ኢያ!። እቲ ዝጥለብ፡

Add a comment

ሰይጣን ብለይቲ ኣብ መልኣኽ ክቕየር ዘይሕሰብ'ዩ

Image result for abby ahmed

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ንዓለም ዘደነቐ ፖለቲካዊ ተርእዮ ተኸሲቱ ሪኢና። እዚ ፖለቲካዊ ተርእዮ'ዚ ምናልባሽ ምስቲ ናይ ጎርባቾቭ ኣብ ሩስያ ዘተኣታተዎ ምዑት ፖለቲካዊ ስጉምቲ፣ ንሶቭየት ሕብረት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ብሙሉኡ ምብራቓዊ ደንበ ሓጹር ዘፍረሰ ተመሳሳልነት ከይሃለዎ ኣይተርፍን ኢዩ።

Add a comment

ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሑሱ”

ቀዳሞት ወለድና ከም’ዚ ናይ ሎሚ ቅርጹ ተነጺሩ ዝተወደበን ዝተራቐቐን ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ከም ዘይነበሮም፡ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ብመን፡ መዓስን ብከመይን ከም ዝተጀመረ ዘዘንትው ማህደራት ታሪኽ ዘረጋገጽዎ ሓቂ’ዩ። እንተኾነ ወለድና ዘመናዊ ትምህርቲ ኣይንበሮም ‘ምበር፡ ህይወቶም ከመይ ክመርሑ ከምዘለዎም፣ ታሪኾም ባህሎም ከመይ ክዕቅቡ ከም ዝግባእ፣ መንእሰያት ዘተኣማምኑ ተረከብቲ ሕድሪ መታን ክኾኑ ካብ ህጻንነቶም እንታይ ክመሃሩን ክምከሩን ከም ዘለዎም፣ ኣብ ሕድሕዶም ከመይ ክተሓጋገዙ ከም ዝግባእ፣ መሬትን ተጠቃምነቱን ኣብ ገለ ከባቢታት ከመይ ሓባራዊ ሃብቲ ኮይኑ ክመሓደር ከምዘለዎን ካብ’ዚ ዘመናዊ ወይ ስነ-ፍልጠታዊ ተባሂሉ ዝግለጽ ናይ ሎሚ ሕግን ሜላ ምሕደራን ብፍላይ ኣብ ገለ ሸነኻቱ ዝበልጽ ‘ምበር ዝንእስ ኣይኮነን። ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሑሱ” ዝብል ምስላ እንተወሲድና’ኳ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕን ኣርሒቑ ዝጥምትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ብልሒ ከም ዝነበሮም’ዩ ዘረደኣና።

Add a comment

ቅሩብነት ኢትዮጵያ፡ ንሙሉእ ትግባረ፡ ኮምሽን ዶብን ስምምዕ ኣልጀርስን፥ ፖሎቲካዊ ፋይድኡ፦

ርእሰ ፋሽስት ኢሳይያስ ብምስምስ ዶብ ኣንጻር መንግስቲ ኢህወደግ ናብ ኩናት ዝኣተወ፡ ንባድመ ኢሉ ወይ ድማ ዶብ ስለዘይተሓንጸጸ ኣይኮነን። ጉዳይ ዶብ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ጥራሕ ከምዝፍታሕ ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞኩሮ ኣይመድለዮን። ካብ ናይ ባዕሉ ጭቡጥ ተሞኩሮ ይፈልጦ እዩ። ከመይ እንተኢልና፡ ብ1996 ብምኽንያት ደሴታት ሓኒሽ፡ ዕሸላት መንእሰያት ኣብ ሓዊ ጠጢቑ ተቖጻጺሩዎ ዝነበረ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ዓለም ለኻዊ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ፡ ብዳንነት ናይ መወዳእታ መዕለቢ ስለዝረኸበ እዩ። ንብይን ዓለም-ለኻዊ ቤት-ፍርዲ ዝተቐበለ ድማ፡ ነቲ ብሓይሊ ዝተቖጻጸሮ ደሴታት ሓነሽ፡ ንኤርትራ ስለዝተበየነላ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ጉዳይ መሬት ይግባኣኒ፡ ብዘይ ደማዊ ኩናት፡ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ጥራሕ ከምዝፍታሕ፡ ግብራዊ ተሞኩሮኡ ሕርሕራይ ገይሩ ምሂሩዎ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ባህርያት ርእሰ-ፋሽስት ኢሳይያስ፡ ቅድሚ ዘተ ሓይሊ ምጥቃም ከም ስልቲ ዝሓዞ ዘይበሊ ሕማም እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ግን፡ ካልእ ፍሉይ ምኽንያት ከም ዝነበሮ፡ ጸሓይ ዝሃረሞ ሓቂ እዩ።

 

Add a comment