ትማሊ ሰሉስ 26 ሕዳር 2024 ወኪል ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ምስ ኤምባሲ ሜድያ ዘካየዶ ዘይልሙድ ቃለ መሕትት ኣብ ዩቲዩብ ቻነል ተፈንዩ ነይሩ።
ኣብቲ ምስ 'ኤርትራ ኤምባሲ ሚዲያ' (Eritrea EmbassyMedia) ዝተባህለ ኣካል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ዝዀነ ቻነል ዩቱብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት እቲ ዞባ፡ ከምኡ'ውን ማሕበረኮማዊ ጉዳያት ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ዝሓቘፈ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣልዒሉ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ኣምባሳደር ዮውሃንስ ብዛዕባ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝደርጐሖ ትሕዝቶ ንጽባሒቱ ረቡዕ ካብቲ ቻነል ምስተኣልየ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ፈነወ ካብቲ ቻነል ዝተኣልየ ቪድዮ፡ ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ዝምድና ኤርትራን ደቡብ ሱዳን’ውን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ግን ከም ቀደሙ ከምዘይኰነ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ዮውሃንስ ነቲ ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ዝምድና የበላሽዎ ከምዘሎ ንዝኸሶ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ "ቘልዓ" ክብል ይገልጾ።
"ሕጂ'ቲ ሓደ ጸገም ዘሎ እንታይ'ዩ፡ እዚ ናይ ኣራት ኪሎ ቘልዓ ዝፈጠሮ ጸገማት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክህሉ ዝግብኦ ዝምድናታት ክቐትሎ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ቅድመ ኵነት ተቐቢሉ እቲ ን20 ዓመታት ሰፊኑ ዝነበረ ኩነተ ኵናት ብዕርቂ ንምፍታሕ ንኣስመራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ወዕል ሰላም ከቲሙ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ።
ከም መርኣያ ናይቲ ሰላማዊ ኣበርክቶ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም ተሸሊሙ።
ይዅን እምበር ድሕሪ እቲ ስምምዕ ንሓጺር እዋን ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት ሰርሓን ዛላምበሳን፡ ራማን ክሳድ ዒቃን ዳግማይ ተዓጽዩ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ሓይልታቶም ኣሰሊፎም ብሓባር ተዋሲኦም እዮም።
ዳሕራይ እቲ ውግእ ብመሰረት ቀዋሚ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ደው ድሕሪ ምባሉ ዋላ’ኳ ብኽልቲኦም መንግስታት ብወግዒ ዝተገልጸ ሓበሬታ እንተዘየሎ ብዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ኰነ ናብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ፖለቲከኛታት ብዝህብዎ መግለጽን መደረን እቲ ዝምድና ከምዝሻሕከረ'ዩ ዝግለጽ።
ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገሩ ካብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ተፈልያ ክትነብር ከምዘይትኽእል፡ ጸላውን ወሳንን ግደ ክህልዋ ከምዝግባእ፡ እቲ ባሕሪ ብታሪኽ፡ ጂኦግራፊን ቍጠባን ንኢትዮጵያ ከምዝብጸሓን ናይ ባሕርን ወደባትን ተጠቃምነት ክህልዋ ከምዝግባእ ክዛረብ ምስጀመረ ንብዙሓት ኤርትራውያን ባህ ኣየበለን።
"ሕጂ ዘየለ ሕልምታት፡ ክጭብጥ ዘይክእል፡ ንዝሓለፈ 80 ዓመታት ዝረብረብሉ ጉዳይ ሕጂ ተመሊሱ ድሕሪ'ዚ ናጽነት ናይ ኤርትራ ኣብ ዘየድሊ ነገር ክኣቱ ዝፍትን ዘሎ ንዅሉ እቲ ዞባ ኣዘራሪቡዎ'ዩ ዘሎ" ክብል'ዩ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጁባ ዝነቅፍ።
"በዚ ኢልካ በቲ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ክቈጻጸሮ ስለዘይክኣለ፡ ስዕረቱ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክረጋገጽ'ዩ ዝብል ናተይ ናይ ውልቃዊ ርእይቶ'ዩ። [ንፖለቲካ] እቲ ሃገር ብቐረባ ስለዝከታተሎ፡ ዳርጋ ኵሉ ነገር ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ'ዩ ዝኸዶ ዘሎ። ስለዚ ብኡ መጠን ከኣ ነቲ ዞባ ይጸልዎ ማለት'ዩ።"