ብሪጣንያ፡ብኸመይ'ዩ እቲ ናዕቢ ብሓሶት ብማሕበራዊ ሚድያ ተጐሃሂሩ?

ቻናል3 ስም ናይቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ መንእሰይ ብኻልእ ስም ምቕያሩ ጥራይ ዘይኰነስ ዝሓለፈ ዓመት ብጃልባ ገይሩ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተወ ስደተኛ ከምዝዀነ ገይሩ እዩ ኣዘንትይዎ።

እዚ ምስቲ ካብ ካልኦት ምንጪታት ዝመጽአ፡እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣስላማይ ምዃኑ ዝገልጽ ሓቂ ዘይኰነ ሓበሬታ ተደሚሩ፡ ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝተኻየደ ናዕቢ ጠንቂ ብምዃኑ ብሰፊሑ ይኽሰስ።

ገሊኡ ድማ ንመሳጊድን ማሕበረሰባት ኣስላምን ዒላማ ዝገበረ እዩ።

ቢቢሲ ምስ ቻነል3 ዝተኣሳሰሩ ሓያሎ ሰባት ተኸቲሉ፡ ነቶም ናይ ብሓቂ ሰባት ምዃኖም ዘረጋገጹ ኣዕሩኽቶምን መሳርሕቶምን ኣዘራሪቡ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ “ሓላፊ" እየ ዝብል ሰብ ድማ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣእትይዎ’ዩ።

እቲ ዝረኸብክዎ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገንዘብ እናተቐበልካ ዜናታት ገበን ናይ ምጕህሃር ንጥፈታት እዩ ዝመስል።

እዚ ቻነል - Channel3Now - ዝሃቦ ግጉይ ሓበሬታ ምስ መንግስቲ ሩስያ ክተሓሓዝ ይኽእል’ዩ ዝብል ጭብጢ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣይተረኽበሉን።

እቲ ካብ ኣካየድቲ ስራሕ 'ቻናል3ናው' እየ ዝብል ሰብ፡ ሕትመት ናይቲ ናይ ሓሶት ስም “ክፍጸም ኣይነበሮን፡ ግን ብጌጋ እምበር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ኣይኰነን” ኢሉ።

እቲ ናይ ሓሶት ጽሑፍ፡ መን ከም ዝጸሓፎ ዝገልጽ ስም ኣይነበሮን፤ ብልክዕ መን ከም ዝጸሓፎ ንጹር ኣይኰነን።

ጀምስ ዝበሃል ኣማተር ተጻዋታይ ሆኪ ኖቫ ስኮትያ ምስ ቻናል3ናው ብዝተኣሳሰር ምክትታል ዝተገብረሉ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ። ስሙ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፍ ከም ሳሕቲ ዝርአ ኰይኑ ይቐርብ፤ ምስሉ ድማ ኣብ ምስኡ ዝተኣሳሰር ገጽ ሊንክድኢን ይርአ።

ምስ ጀምስ ዝተኣሳሰር ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ጥራይ ኣለዉዎ፤ ሓደ ካብኣቶም ፋርሃን ይበሃል። ኣብ ናይ ፌስቡክ ፕሮፋይሉ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ጋዜጠኛ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ንዓሰርተታት ሰዓብቶም መልእኽቲ ተሰዲዱ። ጀምስ፡ ሆኪ ዝጻወተሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ዝምልከት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ ኣዕሩኽቱ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተመረቐ ናይ ብሓቂ ሰብ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ኣብ ፓኪስታን ዝመደበሮም ሓያሎ መሳርሕቲ ፋርሃን ነበር መንነቱ፡ ንኣባላት ቢቢሲ ቨሪፋይ - ክፍሊ ምርግጋጽ ሓቅነት - ኣረጋጊጾም። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፕሮፋይላቱ ብዛዕባ እስላማዊ እምነቱን ደቁን ይልጥፍ። ኣብቲ ብሓሶት ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ግን ሽሙ ኣይተጠቐሰን።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መልእኽቲ ብኢንስተግራም ከምዝለኣኸሉ ተገይሩ። ፋርሃን ግን 'ብሎክ' ገይሩዎ። ኣብ መወዳእታ ግን ካብ ወግዓዊ ኢመይል ቻናል3ናው መልሲ ተረኺቡ።

እቲ ወሃቢ ምላሽ ኬቨን ይበሃል፤ ናይ ስራሕ ቦታኡ ኣብ ሂዩስተን ቴክሳስ ከምዝዀነ ድማ ይዛረብ። ንሱ ስም ኣቦሓጐኡ ክዛረብ ኣይደለየን። ኬቨን ምዃኑ ዝገለጾ'ውን ሓቅነቱ ዝእመን ኣይኰነን፤ እንተኾነ ብኢመይል ንዝቐርቡ ሕቶታት ክምልስ ይሰማማዕ።

ኬቨን ካብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ “ዋና ቤት ጽሕፈት” ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ኰይኑ ይዛረብ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ። እዚ ድማ ምስ ክልቲኡ ግዜታት ናይቲ ኣብ ገለ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ዝዝርጋሕ ጽሑፋት፡ ከምኡ’ውን ኬቨን ንኢመይላት ቢቢሲ ዝምልሰሉ እዋናት ብምንጽጻር ሓቁ’ዩ ዝመስል።

ብሓቂ “ፕሮድዩሰር” ምዃኑ ቅድሚ ምሕባሩ፡ ኣብ መጀመርታ “ዋና ኣሰናዳኢ” ኢሉ’ዩ ዝፍርም ዝነበረ። ንሱ፡ ስም ናይቲ "ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ኵሉ ዝሰርሓሉ ሰብ'ውን" ይጭነቕ እዩ ዝብሎ ወናኒ እቲ መርበብ ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ኬቨን፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፓኪስታንን ህንድን ነቲ መርበብ ሓበሬታ ዝሰርሑ "ልዕሊ 30" ሰባት ከምዘለዉን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ መርበብ ብፍሪላንሰር ዝምልመሉ - ፋርሃንን ጀምስን ዝርከብዎም - ከምዘለዉን ይዛረብ።

ብፍላይ ፋርሃን ኣብቲ እቲ መርበብ ሓበሬታ ብግልጺ ይቕሬታ ዝሓተተሉ ናይ ሓሶት ዛንታ ሳውዝፖርት፡ ከመይ ከምዘይተሳተፈን "ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጋንታና" ከምዝወቐሰን ይዛረብ።

ድሕሪ እቲ ቻነል3ናው ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ዛንታ፡ ኣብ ቻነል ዩቱብ እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቋንቋ ሩስያ ብዝተዘርግሐ ናይ ቀደም ቪድዮታት መሰረት፡ ምስ መንግስቲ ሩስያ ምትእስሳር ከምዘለዎ ተኸሲሱ።

ኬቨን፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ "ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት" ኣብ መካይን ዘተኮረ ብቋንቋ ሩስያ ዝሰርሕ ዝነበረ ናይ ዩቱብ ቻነል ከምዝዓደገን፡ ድሒሩ ድማ ስሙ ከምዝቐየረን ይዛረብ።

እቲ ኣካውንት ምስ ፓኪስታን ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ ምውዛዕ ቅድሚ ምጅማሩ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ዝተለጠፈ ቪድዮታት ኣይነበረን። ፋርሃን ዝሰርሓሉ እቲ መርበብ ሓበሬታ ጸሓፍቲ ከምዘለዎ ዝእመነሉን እዩ።

"ካብ ሓደ ሩስያዊ ነጋዳይ ናይ ዩቱብ ቻነል ስለዝገዛእና ጥራይ ዝዀነ ምትእስሳር ኣለና ማለት ኣይኰነን" ይብል ኬቨን።

“ንሕና ካብ መላእ ዓለም ዝመጽእ ዜናታት ዝሽፍን ናጻ ዲጂታላዊ ናይ ዜና ሚድያ - መርበብ ሓበሬታ ኢና።”

ብዩቱብ ገንዘብ ክትረክብ ዝጀመረት ቻነል ገዚእካ ዳግማይ ምስራሕ ይከኣል እዩ። ተዓዘብቲ ንምውሳኽ ቅልጡፍ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እቲ ኣካውንት ብኡንብኡ ገንዘብ ክረክብ ክጅምር የኽእሎ።

'ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ዛንታታት'

ነዚ ቻናል3ናው ምስ ሩስያ ዘለዎ ምትእስሳር ዝድግፍ መርትዖ’ኳ እንተዘይተረኸበ፡ ደገፍቲ ክረምሊን ዝዀና ቻነላት ቴሌግራም ግን ነቲ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ሓሶት ጽሑፋት ኣብ ገጻተን ጽዒነንኦን ዘርጊሐንኦን እየን፤ እዚ ብዙሕ ግዜ ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ።

ኬቨን፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ንንግዲ ዝሰርሕ ስለ ምዃኑን፡ "ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ ዛንታታት ምሽፋን" ኣታዊ ንኽረክብ ከምዝሕግዞን ገሊጹ።

መብዛሕትኡ ዛንታታቱ ሓቃዊ እዩ። ብዛዕባ ተኹስን ሓደጋ መኪናን ኣብ ኣሜሪካ ዝዘርግሖም ሓበሬታታት ካብ እሙናት ምንጭታት ዝተረኸቡ ይመስሉ።

ይኹን እምበር እቲ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሳውዝፖርት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብን ብዛዕባ እቲ ንዶናልድ ትራምፕ ክቐትል ዝፈተነ ሰብን ተወሳኺ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ሓቲሙ ኣሎ።

ድሕሪ'ቲ ብዛዕባ ቻነል3ናው ዝተዘርግሐ ሓበሬታን ናይ ሓሶት ዛንታ ሳውዝፖርትን፡ ዩቱብ ቻነሉን ዳርጋ ኵለን "ብዙሓት ገጻት ፌስቡክን" ከምዝተቛረጹን ዝሓበረ ኬቨን፡ ናይ ኤክስ ኣካውንታቱን ግን ከምዘይተቛረጹ ይዛረብ።

ኬቨን፡ ምስ ጉዳያት ግጉይ ዛንታ ሳውዝፖርትን ድሕሪኡ ዝተፈጥረ ናዕብን ዝተኣሳሰር ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፈጠሮ ህቦብላ፡ ኣብ "ሓደ ናይ ትዊተር ኣካውንት 'ጌጋ' ከምዝዀነ ጌርካ ምልጣፍ" ዝመልሶ ነገር ኣይኮነን ይብል።

ብገለ ሸነኹ እዚ ዘረባ ሓቁ እዩ። ግጉይ ዛንታ ቻናል3ናው ብርግጽ ርዙሓት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጠቐስዎ ምንጪ ኰይኑ’ዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ናይ ሓሶት ክስታት ኣዘራራቢ ክኸውን ገይርዎ’ዩ።

ሓያሎ ካብዚኦም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝመደበሮም ኰይኖም፡ ብዛዕባ ከም ለበዳ፡ ክታበትን ለውጢ ክሊማን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምልጣፍ ልምድታት ኣለዎም።

እዞም ፕሮፋይላት እዚኦም፡ ኤሎን ማስክ ንትዊተር ድሕሪ ምዕዳጉ ብዝገበሮ ለውጢ፡ ብዙሓት ተኸታተልቲ ክእክቡ ክኢሎም፤ ትሕዝቶኦም ድማ ናብ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ክደፍኡ ክኢሎም እዮም።

ናይ ሓንቲ በርናዴት ስፖፎርት ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ኣካዉንት፡ ናይ መጀመርታ ናይ ሓሶት ስም ናይቲ ኣብ ሳውዝፖርት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ዝገልጽ ጽሑፍ ብምዝርጋሕ ተኸሲሳ።

ምንጪ ሓበሬታ ምዃና ብምንጻግ፡ እቲ ስም ኣብ ካልእ ጽሑፍ ኣብ ኢንተርነት ከም ዝረኣየቶን፡ ካብኡ ንደሓር ከም ዝተደምሰሰን ገሊጻ።

ንቢቢሲ ብተሌፎን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ በቲ መጥቃዕቲ "ሰንቢዳ" እኳ እንተነበረት፡ ሓሶት ምዃኑ ምስ ተረድአት ግን ጽሑፋ ከም ዝደምሰሰት ገሊጻ። ኣስዒባ፡ "ገንዘብ ንምእካብ ተደፋፊኣ ከምዘይኰነ" ግን ገሊጻ።

“ኣብ ባይታ ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ዝፈጥር? ዝረብሓሉን ዝኸስሮን ነገር የብለይን” ትብል። ንሳ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ ዓመጽ ድማ ኰኒናቶ።

ስፖፎርት ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ዕጽዋን ስጕምትታት ለውጢ ክሊማን ሕቶታት ዘልዕሉ ጽሑፋት ዘርጊሓ ነይራ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ግጉይ ሓበሬታ ትዝርግሕ ኣላ ብዝብል ክሲ፡ ኣብ 2021 ፕሮፋይላ ብትዊተር ንግዚኡ ተኣልዩ ነይሩ።

ኢሎን መስክ ንትዊተር ካብ ዝገዝኦ ንደሓር፡ ጽሑፋታ ብመጠኑ ብስሩዕ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተዓዘብቲ ረኺቡ’ዩ።

ሚስ ስፖፎርት ብዛዕባ እቲ ኣጥቃዓይ ሳውዝፖርት ዝለጠፈቶ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብቕልጡፍ ናብ ብዙሓት ተባጺሑ። እዚ ድማ ኣብ ጕጅለ ጸረ-ስደተኛታትን ሕሉፋት የማናዊያን ኣኽራሪ ሓሳባት ኣብ ምዝርጋሕ ሕሉፍ ታሪኽ ዘለዎም ናይ ውዲት ክልሰ-ሓሳብ ፈጠርቲ ጽልዋን ዓቢይ ዛዕባ ኰይኑ።

ብዙሓት ካብኣቶም ሰማያዊ ሕላገት ዝዓደጉ ኰይኖም እዚ ድማ ኢሎን ትዊተር ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ጽሑፋቶም ዝያዳ ጐሊሑ ክርአ ኣኽኢልዎ ማለት እዩ።

ካልእ ኢሎን ኣብ ኤክስ ዝገበሮ ለውጢ፡ ነዞም ሓሳባት ምልላይ መኽሰብ ክህልዎም ይኽእል’ዩ ምባሉ’ዩ።

ሚልዮናት ተዓዘብቲ

ገለ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገጻት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሳውዝፖርትን ድሕሪኡ ዝመጸ ናዕብን ብምልጣፍ ሚልዮናት ተዓዘብቲ ኣጥርዮም እዮም። ሰማያዊ ምልክት ንዘለዎም ተጠቀምቲ ካብቲ ኣብ መልሶም ዝህብዎ መወዓውዒታት ብጽሒት ኣታዊ ክረኽቡ ይኽእሉ ማለት እዩ።

ብኸምዚ ኣገባብ ኣታዊ ዘምጽኡ ትሕቲ ፍርቂ ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዎም ተጠቀምቲ ዝረኸብዎ ግምት ከም ዝሕብሮ፡ ገጻት ኣብ ሓደ ሚልዮን ተዓዘብቲ ወይ ተሳትፎ ኣብ ኤክስ ካብ 10 ክሳዕ 20 ዶላር ክረኽቡ የኽእሎም።

ገለ ካብዞም ግጉይ ሓበሬታ ዝዝርግሑ ሕሳባት ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽሑፍ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተሳትፎ ተዓዘብቲ ይእክቡ ኣለዉ።

ካልኦት ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት - ብዘይካ ኤክስ - ተጠቀምቲ ብዝረኸብዎ ቍጽሪ ረኣይቲ ገንዘብ ክረኽቡ እውን ይኽእሉ።

ዩቱብ፡ ቲክቶክ፡ ኢንስታግራምን ፌስቡክን ግን ቅድሚ ሕጂ ንገለ ፕሮፋይላት ነቲ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ዝምልከት ዝህብዎ መምርሒ ዝጥሕስ ትሕዝቶ ዝልጥፉ ኣጊደምዎም’ዮም።

ኤክስ፡ ብዘይካ ሕጊታት ኣንጻር ናይ ሓሶት ትሕዝቶ ሰብ ሰርሖ ብልሒ፡ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ መምርሒ የብሉን።

ድሕሪ እቲ ናዕቢ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝያዳ መምርሒታት ከተግብራ ካብ ፖለቲከኛታት ጻውዒታት ቀሪቡለን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝወጸ እማመ ድሕነት ኦንላይን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣንጻር ግጉይ ሓበሬታ ሕጊ ኣይሓንጸጸን ዘሎ። እዚ ድማ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክድርት ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታ ስለዝጸንሐ እዩ።

ከምቲ ኣብ ልዕሊ ጸሓፍቲ ቻናል3ናው ተኸታቲሉ ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቶም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምልጣፍ ዝነጥፉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝመደበሮም ስለዝዀኑ፡ ኣብ ልዕሊኦም ስጕምቲ ምውሳድ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

የግዳስ ኣብዚ እዋን ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ትሕዝቶ ናይ ምቅላስ ሓይሊ ኣብተን ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትካላት እዩ ዘሎ።

ኤክስ፡ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።