ኤርትራ ሓሳብካ ብነጻነት ኣብ ምግላጽ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ
- Details
ኣብቲ ጸብጻብ ሸውዓት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ዝነበረን ደረጃ ከምዝወረዳን እዚ ከኣ ኣተሓሳሳቢ ከምዝኾነን ተማጓቲ መስል ጋዜጠኛታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብሪሁ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብተን ኣብ መበል 143 ዘላ ኡጋንዳ፡ 145 ዘላ ኢትዮጵያን 146 ዘላ ርዋንዳን ናብቲ 'ኣዝዩ ኣሓሳሳቢ' ዝብሃል ደረጃ ምውራደን ዘሻቕል ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
እታ ኣብ ጭራ መበል 180 ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ፡ ንልዕሊ 24 ዓመታት ዝኣሰረቶም ጋዜጠኛታት ከምዘለዉን፡ እዚ ከኣ ነታ ሃገር ንዝበዝሐ ዓመታት ንጋዜጤኛታት ዝኣሰረት ሃገር ከምዘብላን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ ኣሎ።
ኤርትራ ኣብ 18 መስከረም 2001 ነተን ዝነበራ ናይ ግሊ ጋዜጣታት ብምዕጻው ነቶም ኣብአን ዝሰርሑ ዝነበሩ ዝበዝሑ ጋዜጤኛታት ድሕሪ ምእሳር፡ ኣብታ ሃገር ዝኾነ ናይ ግሊ ሚድያ ኣይፈቐደትን።
ሰብ በተን እንኮ መንግስታውያን ማዕከን ዜና ዝኾነ ራድዮ፡ ጋዜጣን ቴሌቪዥንን'ዩ ካብ መንግስቱ ሓበሬታ ዝረክብ።
ኣብ 2001 ብጉጅል 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሚኒስተራትን መራሕቲ ሰራዊትን ብቅሉዕ ደብዳቤ፡ ቅዋም ክትግበረ፡ ኣኼባ ክካየድን ዝብል ዝርከቦ ሕቶ ናብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ ኣቐረቡ'ዩ፡ ማእሰርቶም፡ ምዕጻው ጋዜጤታትን ምእሳር ኣካየድተንን ስዒቡ።
መንግስቲ ኤርትራ እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝኣሰሮም ጋዜጤኛታት ናይ ግሊ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኣየቕረቦምን ብዛዕባ ሃለዋቶም'ውን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ኣይበለን።
እቶም ኣብ 2001 ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ዳዊት ኢሳቕ፡ እድሪስ ኣቡዓረ፡ ሰይድ ዓብደልቃድር፡ ፍስሃየ የውሃንስ፡ ኣማንኤል ኣስራት፡ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ ስዩም ጸሃየ፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ሳልሕ እድሪስ ሰይድ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማትዮስ ሃብተኣብ፡ ሓሚድ መሓመድ ሰይድ፡ ሚልክያስ ሃብተኣብን ሳህለ ጸገዝኣብን'ዮም።
ኣብ ዝተፈላለየ እዋን'ውን ተኣሲሮም ክሳብ ሕጂ ዘይተፈትሑን፡ ተኣሲሮም ዝተፈትሑን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት'ውን ኣዝዮም ብዙሓት'ዮም።
ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ዓመት ካብቲ ዓሚ ዝነበረቶ ደረጃ ብኣርባዕተ ደረጃ ወሪዳ'ያ መበል 145 ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ።
ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ኣብ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ኣብ ነጻነት ፕረስን ጽቡቕ ምምሕያሻት ኣርእያ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ግን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ደረጃ እናኣንቆልቖለ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ዓሚ ኣብ 141'ኳ ተሰሪዓ እንተነበረት ሕጂ ግን ብኣርባዕተ ጎዲላ ኣብ መበል 145 ተሰሪዓ ኣላ።
ኖርዌይ፡ ኢስቶኒያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ስዊዲን፡ ፊንላንድ፡ ዴንማርክ፡ አየርላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ስዊትዘርላንድን ቼክ ሪፐብሊክ እተን ብነጻነት ሓሳብካ ኣብ ምግላጽን መሰል ጋዜጤኛታት ኣብ ምኽባርን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ዓሰርተ ሃገራት'የን።
እታ ኣብ መበል 57 ተሰሪዓ ዘላ ሕቡራት መንግስታተ ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብቲ ዓሚ ዝነበረቶ ብክልተ ሰረጃ ወሪዳ ኣላ።
እቲ ንመዓልቲ ፕረስ ኣመልኪቱ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ እቲ ማሕበር ካብ ቅድሚ 23 ዓመታት ጀሚሩ ዓመታዊ ጸብጻብ ከውጽእ ካብ ዝጅመር፡ ሎሚ ዓመት እታ ዝበዝሓ ግህሰት ብነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝተረኣየላ ዓመት ምንባራ ኣብ ጻብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም'ውን ኣብተን ብግህሰት ብነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ደረጃ 'ኣተሓሳሳቢ' ዝርከባ ሃገራት ዝነበሩ ምዃኖም ኣተሓሳሳቢ ከምዝገብሮ ገሊጹ ኣሎ።
