ካብ ኣመሪካ ናብ ፓናማ ዝተሰጐጉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዘለውዎ ኵነታት
ዓሰርተታት እስያውያንን ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ከተማ ፓናማ ኣብ ዝርከብ ምዕሩግ ሆቴል ተዓጽዮም ብመስኮት ሓገዝ ካብ ዝልምኑ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣሎ። ካብ ኣመሪካ ናብ ፓናማ ተሰጒጎም፡ ንጹር መውጽኢ መገዲ ስኢኖም ተዓጽዮም ጸኒሖም። ፈህ ዋይ ኣለግርያ ዝተባህለ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኔፓል፡ ፓኪስታን፡ ሶማልያ፡ ካሜሩን፡ ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጽኡ ደቂ-ተባዕትዮ፡...
Latest releases
ካብ ኣመሪካ ናብ ፓናማ ዝተሰጐጉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዘለውዎ ኵነታት
ዓሰርተታት እስያውያንን ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ከተማ ፓናማ ኣብ ዝርከብ ምዕሩግ ሆቴል ተዓጽዮም ብመስኮት ሓገዝ ካብ ዝልምኑ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣሎ። ካብ ኣመሪካ ናብ ፓናማ ተሰጒጎም፡ ንጹር መውጽኢ መገዲ ስኢኖም ተዓጽዮም ጸኒሖም። ፈህ ዋይ ኣለግርያ ዝተባህለ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኔፓል፡ ፓኪስታን፡ ሶማልያ፡ ካሜሩን፡ ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጽኡ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮ፡ ህጻናትን ቈልዑን ዝርከቡዎም ምዃኖም ይሕብር።
ጀርመን፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ንምርካብ ሰፊሕ ድልያ ይቕጽል
ሰብመዚ ጀርመን ካብ ሰሉስ ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ዋይልበርግ ሄሰ ዝጠፍአ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ጳውሎስ ዳዊት ንምርካብ ንሰሙን መመላእታ ድልያ ከካይዱ ቀንዮም ኣለዉ። ወሃቢ-ቓል ፖሊስ፡ ዝከኣሎም ይገብሩ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ምሉእ ለይቲ ሓዊሶም ምድላይ ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ጳውሎስ ዳዊት `ኦቲስቲክ ስፔክቱረም` ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ቤት-ትምህርቱ ወጺኡ ከም ዝኸደ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ...
ከረን፡ ንኻልኣይ ኲናት ዓለም ዘኽተመ ውግእ ጥንቁልሓስ፡ ኣብ 84 ዓመቱ
ኣብዚ ቅንያት - ቅድሚ 84 - ኣብ ኤርትራ ሓደ ወሳኒ ውግእ ተኻዪዱ ነበረ፣ ካብ 3 ለካቲት ክሳዕ 27 መጋቢት 1941። እቲ ውግእ ኣካል ካልኣይ ኲናት ዓለም ኰይኑ፡ ኣብታ ካብ ኣስመራ ንሰሜናዊ ምዕራብ 91 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ፡ ብጎበታት ዝተኸበት ሒላብ-መሰል ቅርጺ ዘለዋ ከረን እዩ ተኻዪዱ። ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ድማ "ውግእ ከረን (The Battle of Keren)" ተባሂሉ ይፍለጥ። ከረን ካብ ከተማታት ኤርትራ ብዕብየታ ካልአይቲ እያ። ብ1930ታት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ...
ኤርትራ፡ ተቐዳደምቲ ምስ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ከይፍርሙ ንምንታይ ተኸልኪሎም?
ኤርትራ ብሕልፊ ብደረጃ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እትምልምል ሃገር እያ። እንተዀነ፡ ከምቲ ተኽእሎኣ እቲ ብዝሒ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክስስን ኣይርአን። ብኻልእ መዳይ፡ ካብ ውድድራት ውሽጢ ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ኰነ ዓለማዊ መድረኽ ዝሰጋገሩ ተጻወትቲ ብብዝሒ ክርኣዩ ኣይከኣሉን። እቲ ሕቶ ፍሉጥ እዩ፣ ዕቱብን ግሉጽን መልሲ ግና ይደሊ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዓይነት ስፖርት'ዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። ...