ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ቢቢሲ ዘጻረዮም ኣሳእል እንታይ የመልክቱ?
ረቡዕ 7 ጥቅምቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ከም ዝተራእዩ ነበርቲ ንቢቢሲን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ዝሓበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዝተፈላለዩ ኣሳእልን ቪድዮታትን እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሖም እዮም። ነበርቲ እታ ከተማ ከም ዝገለጽዎ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብመኻይን ጽዕነትን ብእግሮምን ብከተማ ዓዲ-ግራት...
Latest releases
ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ
ንኤርትራ ንምድጋፍ ብትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ንድፊ ዕዮን ባጀትን ተቐባልነት ረኺቡ። እቲ ብሰኑይ 7 መስከረም ብፈጻሚ ቦርድ ዩኒሴፍ ዝጸደቐ ሰነድ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ($63,220,000) ዝግመት ኰይኑ ኣብታ ትሑት እቶት ዘለዋ ሃገር ንዝርከብ ትካላትን ስርዓታትን ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ጨንፈር ዩኒሴፍ ኣብ ኣስመራ ሓቢሩ። ኣስታት 28 ሚልዮን ካብኡ ንትምህርቲ ዝውዕል ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 26 ሚልዮን ድማ ንድሕነትን ምዕባለን ቈልዑ ከምዝውዕል እቲ ሰነድ...
ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ...
ወይዘሪት ዓለም 2026፡ ስኒት ኣብተን ሽዱሽተ ቀዳሞት ተሰሪዓ ዘሕብን ታሪኽ ሰሪሓ
ንኤርትራ ወኪላ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ወይዘሪት ዓለም (Miss World) ኣብ ከተማ ንሃ ትራንግ፡ ቬትናም ዝተሳተፈት ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን፤ ኣብቲ ብ5 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መድረኽ፡ ምስተን ቀዳሞት 6 ብሉጻት ተወዳደርቲ ተረቚሓ፡ ብሚልዮናት ብዝቝጸር ህዝባዊ ደገፍን ብምርጫ ህዝቢን ተሸሊማ ንሃገራ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊባ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዙር፡ ስኒት ምስ ተወዳደርቲ ማሌዥያ፡ ቬትናም፡ ዶሚኒካን ሪፓብሊክ፡ ስጳኛን ደቡብ ኣፍሪቃን ብምዃን እያ ኣብ መድረኽ...
ሕቡራት ሃገራት ንሓቀኛ ስፍሓት ኣፍሪቃ ዘንጸባርቕ ሓድሽ ካርታ ዓለም ዝሃቦ ውሳነ
ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ንዘመናት ክንጥቀመሉ ዝጸናሕናን ንኣፍሪቃ ካብቲ ዘለዋ ቅኑዕ ዓቐን ኣንኢሱ ዘርእን ካርታ ዓለም፡ ብሓድሽ ሓቀኛን ስፍሓት እታ ኣህጉር ብዝግባእ ዝገልጽ ካርታ ንምትካእ ድምጺ ሂቡ። እቲ ብቶጎ ዝቐረበን ብዅለን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተደገፈን "ነቲ ካርታ ኣዐርዮ" ዝብል እማመ፡ ብድምጺ 164 ሃገራት ጸዲቑ። ነቲ እማመ ካብ ዝደገፋ ሃገራት ከም...


























