ኣዋጅ ምእላይ ካብ ስልጣን

ንነዊሕ እዋን፣ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ኣቦወንበር ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒን ገለ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈቱን፣ ኩሉ ሰብ ብዓቢ ስክፍታ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ ኢዩ። ምኽንያት ናይዚ ስክፍታ ሰልፊ ሕዳሰ፣ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፣ ንጹር ዕላማን መትከላትን ዘለዎን፣ ኣብ ሃገራዊ ራእይ ዝተመስረተ ብምንባሩ፣ ኣቀረርባ መራሕቱን ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓትን ሃገራዊ መርገጽ ዘራጉድ ተራኦምን ንፍትሓዊ ጉዳያት ህዝቢ ኤርትራ ዘዕዝዝን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ስርዓት ንምውዳቕን፡ ደሞክራስያዊ መተካእታ ብምምጻእ፣