ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝሃበቶ ግብረመልሲ

ነተን "ሃገር ኢልካ ክትጽውዐን ዘጸግማ" ዝበለተን፡ ግን ሽመን ዘይረቝሐተን ሃገራት "ህዝበን ብፍርሒ ተሸቝሪሩ ዝነበረለን፡ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ኣጋጣሚ ገዲፉወን ናብ ስደት ዝወጽእ፡" ብዝብል ቅጽል ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል 34 ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝመጽአ ናይ ዕረያ (ሪፎርም) ዘይቀሰኑ ናይ ግዳም ሓይልታት ብስም ብልጽግና - ከም ሓድሽ ወኪል - ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዊጆሞ ዘለዉ ኲናታት፡ ናይ ጭንቀቶም መርኣያ'ዩ ክብል ንዝሃቦ ነቐፌታ ዝምልስ ክኸውን ከም ዝኽእል ነቲ ዞባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ገሊጾም።

ኣብ ዕርቀ ሰላም 2018 ከም መሻርኽቲ ሰላምን ብልጽግናን ዝረኣዩን ዝምጐሱን ዝነበሩ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝምድናኦም ከም ዝሓርፈፈ ክንገር ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ንፓርላማ ሃገሩ፡ 'ኢትዮጵያ እንተስ ብፍታው እንተስ ብሓይሊ ዋንነትን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክትረክብ ይግብኣ እዩ፡' ክብል ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ እቲ ዝምድና ከም ዝተበላሸወ ይፍለጥ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ዝሓርፈፈ ዝምድና ብፈተውትን መሓዙትን ክዕረን ክጽገንን ይኽእልዶ ይኸውን ዝብል ተስፋ ጸኒሑ እዩ።

እንተዀነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መደረ ጽምብል ናጽነት፡ "ብዝተፈላለየ ምስምስ፡ ናይ ማያት ኒልን ቀይሕ-ባሕሪን"፡ ናይ ባሕሪ መስኮት …. ህዝቢን መርየትን ዓፈር፡ ከም መድርኽ መጻወቲ ብምምዝማዝ፡ ነዚ እውጅ ኲናታት ንምብራዕ ዝጓረት ዘሎ ቴክኖሎጂን ኣጽዋርን፡ ምስ ዘሰንዮ ጃህራን ፈኸራን፡ ምዝጉብ'ዩ፡" ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ብመሓዙትን ፈተውትን ዝፍተን ናይ ዕርቂ ተስፋ ርሑቕ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ይብሉ እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ።

እታ ኣብ ዓሰብ ተወሊዳ ከም ዝዓበየት ዝንገረላ ምኒስተር ዓይሻ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ናይቶም ብስሞም ዘይተጠቐሱ ኣካላት ምኽሪ ሰሚዑ ሓፍ ሓፍ ንዝብሉ ንእሽቱ ሓይልታት ዘይኰነስ፡ ንዝዓበየ ተልእኾን ዕማምን ዝተወደበ ብዝለዓለ ብቕዓትን ክእለትን ዝሰልጠነ ሃገራዊ ሰራዊት እዩ ክትብል ትገልጽ ዘላ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ብልጽግና ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ምትሕግጋዝ ተስፋ በኒኑ እዩ ድሕሪ ምባሉ ኣብ ሰሙኑ እዩ።

ዝሓለፈ 24 ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጽንብል መበል 34 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብትሪ ብምንቃፍ፡ "ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብወኪሎም ብልጽግና ኣቢሎም ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኣወጅዎ ኲናት ክሳብ ክንደይ ተስፋ ከም ዝቘረጹ ዘርኢ'ዩ፡" ብምባል ስርዓት ብልጽግና፡ "ኣብ ምሽማት ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ምድላዋትን" ተዋፊሩ ምህላው ኵሉ ዝፍልጦን ዝተሰነደን'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

እቶም ብስርዓት ብልጽግና ዝዋስኡ ዘለዉ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝበሎም "ብጉዳይ ማይ፡ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ዘይውክል ኣተሓሳስባ ኦሮሙማ፡ ግጭት ኩሽን ሴምን፡ መሬትን ህዝቢን ዓፋር ነዚ ኣጀንዳ ብምጥቃም፡" ኲናት ንምውላዕ ድሌት ከም ዘለዎ ከሲሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ'ቲ፡ "ንህዝቢ ኦሮሞ ዘይውክል ኣተሓሳስባ ኦሮሙማ፡" ብዝብል ዝሃቦ ርእይቶታት ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሓያል ግብረ መልሲ ኣስዒቡ'ዩ።

ምኒስተር ዓይሻ፡ ነቶም ንህዝቦም ብራዕዲ ዝገዝኡ፡ ዜጋታቶም ብምረት ገገዲፎሞም ዝኸዱ ዘለዉ ዝበለቶም፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረቡ ባህሪኦም እዩ ብማለት ናይ ቤቶም ገዲፎም ብዛዕባና ምዝራቦም ኣይገረመናን እዩ ዘስምዕ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ፡ እዚ ሕጂ ዝህነጽ ዘሎ ሰራዊት፡ ከምቲ ዝሓስብዎ፡ ዘይኰነስ ዝተወደበ ሰራዊት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብዝዀነ ይዅን ግጉይ ቅማረ ንኢትዮጵያ ከጥቅዑን ሃገራዊ ረብሓታታ ክጐድኡን ንዝደልዩ ሓይልታት ክከላኸል ዝተሃንጸ ምዃኑ ኣመልኪታ።

"ነቶም ኣብ ከባቢና ኣብዚን ኣብቲን ዘጋጥሙ ንኣሽቱ ነገራት፡ ናይቲ ከባቢ ሚሊሻ እኹል እዩ፡" ብምባል፡ ነቲ ንኣሽቱ ናይ ከባቢ ግጭታት ክትብል ዝገለጸቶ ሓይሊ ዝምክት ምልሻ የሰልጥኑን የዳልውዎን ከም ዘለዉ ሓቢራ።

ምኒስተር ዓይሻ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ሰራዊት ተኻይዶም ዝበለቶም ናይ ተሃድሶ ጻዕርታት ግን ብንጹር ኣይተዛረበትሎምን።

"እቲ ዘሎ ኵነታት፡ እቲ ዓለምለኻዊ ተርእዮ ንባዕሉ ዝጠልቦም ምድላዋት ስለ ዘለዉ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበሩ መዋቕራት፡" ከም ዝተፈጠሩ ገሊጻ።

እዞም መዋቕራት፡ "ሓይሊ ባሕሪ፡ ፍሉይ ስርሒታትን ሳይበራዊ ድሕነትን፡" ዘጠቓልሉ ምዃኖም ግን ጠቒሳ።

እታ ምኒስትር ኣብ ቃለመሕትታ ብዛዕባ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዘሎ ግጭታት እውን ኣልዒላ።

ኣብተን ክልላት ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኵነታት "ኵሉ ሰብ ዝርድኦ" ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ እቶም ከባቢታት ብተዛማዲ ሰላምን ምርግጋእን ዝረኣየሎም ህዝቢ ተረጋጊኡ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕ ተዋፊሩ ከም ዘሎ ገሊጻ።

ህላወ ሓይልታት ፋኖን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን "ክንድቲ ዝበሃል" ኣይኰነን ብምባል፡ "ንሰራዊት ምክልኻል ስግኣት ዝፈጥር" ወይ "ህዝቢ ካብ ሰላማዊ ናብራኡ ዝዓናቕፍን ዝንጽልን ከም ዘይኰነ፡" ጠቒሳ።

ኣብዘን ከባቢታት ዘሎ ኵነታት፡ "ሰላማዊ ኰይኑ ንኽቕጽል" ምልሻን ሓይልታት ጸጥታን ናይተን ክልላት ስልጠና ይወሃብ ከም ዘሎ'ውን ኣልዒላ።

"ካብ ዓቕሚ [ክልላት] ንላዕሊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሓገዝ ንምሃብ እናሰርሐ፡ ጐድኒ ጐድኒ ድማ እቲ ከባቢታት ክረጋጋእን ንገዛእ ርእሱ [ሰራዊት] ናብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረሉ ከም ሓላዊ ሃገር ዝነበሮ መርገጺ ንኽምለስ ይስራሕ ኣሎ፡" ኢላ።

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ወሲዶምዎም ዝተብሃሉ ስጕምትታት ብዝምልከት ዝተሓተተት እታ ምኒስተር፡ "ናይ ነጋዶ ፖለቲካ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሚድያ እዩ፡" ክትብል ነቲ ክሲ ነጺጋ።

እታ ምኒስተር፡ "ኣብ ዝካየዱ መስርሓት ምዕቃብ ሰላም፡ ሰባት ኣይጋገዩን ምባል ኣይከኣልን፣ እቲ ዝኸውን ነገር ንፈልጦ ኢና፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

"እቲ ብኣንጻር ዘሎ ሓይሊ'ውን ኣብ መንጎ ህዝቢ ተሓቢኡ፡ ንህዝቢ መሲሉ፡ ካብ ህዝቢ ፈሊኻ [ስጕምቲ ንምውሳድ] ዘጸግም ስልቲ ይኽተል ስለ ዘሎ፡ ገለ ክፍጸሙ ዝኽእሉ ጌጋታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡" ኢላ።

ምኒስተር ዓይሻ እዚ'ኳ እንተ በለት፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኵነታት ኲናት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ 'ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት' ዝፍጸም ቅትለት ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ጸብጻባት ከውጽኡ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።

ኢሰመኮ ኣብ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ኢደወነናዊ ቅትለት ብዘሻቕል ኵነታት ይቕጽል ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ነይሩ።