ኤርትራ፡ ብመንጽር ናብታ ሃገር ዝገሹ በጻሕቲ ዝሕተት ረቛሒታት ቪዛ፡ ካብተን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝምደባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና እዩ ዘርኢ።
ግዜን ቢሮክራሲን ዘለዎ - ብሓጺሩ መ’እተዊ ቪዛ እታ ሃገር ንምርካብ ኣመና ኣሸጋሪን ዘይምቹእን ምዃኑ የመልክት።
መዐቀኒ ክፉትነት ቪዛ ኣፍሪቃ - [AVOI] ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ፡ ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝካየድ ኰይኑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብመንጽር ፖሊሲ ቪዛአን ዘለወን ደረጃ ተበጻሕነተን ዘመልክት ትካል እዩ።
ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ነጻነት ምንቅስቓስ ካብን ናብን ኣፍሪቃውያን፡ ዞባዊ ውህደትን ሽርክነትን ንምፍጣር መሰረታዊ እዩ ንዝብል ዕላማኡ ንምርግጋጽ፡ ንጉዳይ ክፉትነት እዘን ሃገራት ይምርምር።
ኣብዚ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ብሓፈሻ ኣገዳሲ ለውጢ ከምዝተራእየ ብምምልካት፡ ካብ 54 ሃገራት እተን 17 ምምሕያሽ ኣርእየን፡ 29 ሃገራት ነጥበን ከምዘይተቐየረ ሸሞንተ ሃገራት ድማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዘለዋን ርኽበቱ የረጋግጽ።
ብዘይካ’ዚ፡ ፖሊሲ ቪዛ ኣብ ምቕያርን ተግባራዊ ኣብ ምግባርን ተባዕ ስጕምቲ እወታዊ ጸገናታት ከም ዝገበራ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
እዚ ድማ እታ ኣህጉር ንኣፍሪቃውያን በጻሕቲ ክፍትቲ ኣብ ምግባር ዝጭበጥ ምዕባለ ኣምጺኡ።
ብዙሓት ሃገራት ድማ፡ ኣብ ክልተኣዊ ስምምዕ ዝምርኮስ ክልተኣዊ ለውጢ ፖሊሲ ቪዛ ከምዝገበራ ይፍለጥ።