ኣብቲ ንኻልኣይ እዋኑ ከምዝካየድ ዝተገልጸ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳን ካልኦት ዕዱማትን ክሳተፉ ምዃኑ እቲ ምንጪ ኣፍሊጡ።
እቲ ‘ንብዙሕነትን ሓድነትን‘ ዘጣመረ ቴማ ዘለዎ ዋዕላ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኡጋንዳውያንን ኣውፈርቲን ነጋዶን ከምኡ ድማ ማሕበረ ሰብ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና ንምሕያል ዝዓለመ‘ዩ ተባሂሉ።
ኣብ ኤርትራ ናይ ወፍሪ ዕድላት ዝሰኣኑ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ሰፊሕ ናይ ንግዲን ወፍሪን ንጥፈታት ከምዘካይዱ ይፍለጥ።
ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ነጋዶን ከምኡ ድማ ብሓዋላ ዝልኣኽ ገንዘብን ካልእን፣ ዓመታዊ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቁጠባ ኡጋንዳ ከምዘበርከቱ ናይል ፖስት ኣገንዚቡ።
ጎኒ ጎኒ‘ቲ ዋዕላ፣ ኣብ ምሕያል ሓድነት ባህሊ፣ ስድራቤታት፣ ምልላይ ባህላዊ መግብታትን፣ ሳዕስዒትን መዘናግዒ መደባት ቆልዑን ዘጠቓለለ ፌስቲቫል‘ውን ተሰሪዑ ከምዘሎ ንሓንቲ ካብ ወደብቲ እቲ መደብን መስራቲት ናይ ህጻናት መደብ ኣብ ዩቱብ፣ በለስ ቡቡን፣ ቅሳነት ቴድሮስ ብምጥቃስ እቲ መርበብ ዜና ኣቃሊሑ።
ሓደ ካብ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝኾነ፣ ኪዳነ ገብረህይወት ገብረስላሴ ብወገኑ፣ እቲ ዝካየድ ዋዕላ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲን ናይ ኤርትራውያን ማሕበረኮምን ንዝጸንሐ ናይ ዘይምርድዳእ ክፍተት ከጽብብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ኣብ ኡጋንዳ፣ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ተሰዲኖም ዝነብሩ ኮይኖም፣ መብዛሕቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ንምስጋር ዝጽበዩ እኳ እንተኾኑ፣ ኣዝዮም ብዙሓት ድማ ወፍሪን ንግዲን ብምክያድ ኣብታ ሃገር ዝነበሩን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይቲ ሃገሮም ዝርእዩዋን ‘ዮም።