ኤርትራ ምስ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ንጸገም ኤለክትሪክ ይፈትሖዶ?

እዚ 20 ሚልዮን ዶላር፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን መንግስቲ ኤርትራን ዝተፈራረሙዎ 50 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ፡ እቲ ምኒስተር ወሲኹ ይገልጽ።

ዝዓበየ ክፋል ናይቲ 50 ሚልዮን ሓገዝ፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ደቀምሓረ (ሃዳሙ) ዝትከል ናይ 30 ሜጋ-ዋት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ንምምዕባል ክውዕል ምዃኑ ዓሚ ተገሊጹ ነይሩ።

ደቀምሓረ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ከም ማእከል ኣግሮ-እንዳስትሪ እትፍለጥ ዝነበረት ሓንቲ ካብ'ተን ዝበዝሐ ፋብሪካታት ዝነበረን ከተማታት ኤርትራ እያ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ሽዑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ፡ "በቲ ዘይእኹል፡ ሰይስሩዕ፡ ክቡርን በካልን ቀረብ ጸዓት፡" ክትሳቐ ምጽንሓ ሓቢሩ።

ኮርፖረሽን ሓይሊ ኤለክትሪክ ኤርትራ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ክልተ ቀንዲ መደበራት ኣለዎ፤ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ እትርከብ ሕርጊጎን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝተደኰነት በለዛን።

ሓያሎ ከተማታትን ከባቢ ገጠራትን ድማ ኣብአን ብዝተተኽላ ብነዳዲ (oil-fired) ዝሰርሓ ጀነረይተራት እየን ኤለክትሪክሲቲ ዝረኽባ።

እተን ጀነረይተራት ናይ ምምንጫው ዓቕመን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጐደለ ብምምጽኡ፡ ምስፋሕ መስመራት ተደሪቱ፣ እቲ መስመር ኤለክትሪክ ዝነበሮ ህዝቢ'ውን እናሻዕ ኣገልግሎት ክቋረጾ ልሙድ ተራእዮ ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቝጺሩ እዩ።

እቲ ኣብ 1995/6 ዝተተኽለ መመንጨዊ ጸዓት ሕርጊጎ ዓቕሙ ንምዕባይ፡ ኣብ መወዳእታ 2013 ምስ ኮርፖረሽን ቍጠባን ቴክኖሎጅን ሻንጋይ (SFECO) ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ካብቲ ዝተወጠኖ ግዜ ተመጢጡ፡ ኣብ 15 ሕዳር 2017 ወግዓዊ ምርኽኻብ ከም ዝተፈጸመ ይዝከር።

እቲ 98.6 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ተግባራዊ ዝዀነ ፕሮጀክት፡ ንቐረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎ ብ60 ሚእታዊት ከም ዘዕብዮ እዩ ተሓቢሩ፣ ብ46 ሜጋ-ዋት ዓብዩ።

መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎ

ምንጪ ስእሊ,SFECO

መግለጺ ስእሊ,መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎ

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ኤለክትሪክ ኤርትራ መሃንድስ ኣብርሃም ወልደሚካኤል፡ "እዚ በብግዜኡ ክቋረጽ ዝጸንሐ ኤለክትሪክሲቲ ክመሓየሽ'ዩ ኢልና ንኣምን፡" ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ምቍራጽ ድማ "ብሰንኪ ምስኣን እኹል መለዋወጢ ኣቑሑን ዋሕዲ ጀነረይተራትን፡" ምዃኑ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣብ 2017 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ሓደ ናይ 50 ሜጋ ክትጥቀም ዘኽእል ምስ ናይ ቻይና ኩባንያ ዝተገብረ ስምምዕ ነይሩ - ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ሕጽረት ወይ ነቲ ጉድለት ሸፊኑ ዘተኣማምን ቀጻልነት ዘለዎ ናይ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ኣይህብን [ኣሎ]፡" ክብል እቲ ዝተገብረ ናይ ምስፋሕን ምምሕያሽን ተበግሶ ትርጕም ዘለዎ ለውጢ ከም ዘየምጽአ ገሊጹ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ሃገረ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ድሩት ዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት፡ ብኸቢድ ናይ ኤለክትሪክሲቲ ትልውላው እያ ትሓልፍ ዘላ፡" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ዕላማ ናይቲ ዝመወሎ ፕሮጀክት፡ "ተተካኢ ጸሓያዊ ጸዓት ብምምዕባል፡ ነቲ ክዓቢይ ዘለዎን ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ዝርከብን ቀረብ ኤለክትሪሲቲ ንምዕባይ እዩ፡" ይብል።

ኣብ ዓረዛ-ማይድማ ዝተተኽለ ጸሓያዊ ጸዓት

ምንጪ ስእሊ,madote

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ዓረዛ-ማይድማ ዝተተኽለ ጸሓያዊ ጸዓት

ቀረብ ኤለክትሪክሲቲ ኤርትራ ብኽልተ መንገድታት እዩ ንተጠቃሚ ኣገልግልግሎት ዝህብ። እቲ ሓደ ብመርበብ ብዝተተሓሓዘ ካብ ሕርጊጎን በለዛን ዝምንጩ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ስርዓት ወጻኢ ነናተን ጀነረይተር ብምትካል ከም ተሰነይ፡ ባረንቱ፡ ዓዲቐይሕ ወዘተ ዝጥቀማሉ እዩ።

እቲ ንኣስመራን ከባቢኣን ኣገልግሎት ኤለክትሪክሲቲ ዝህብ መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክ በለዛ፡ ዓቕሙ ንምዕባይ ዝተተኽላ ብድምር 22 ሜጋዋት ዘመንጭዋ ሰለስተ ሓደስቲ ጀነረይተራት ኣብ 29 መስከረም 2024 ስርሐን ከም ዝጀመራ፡ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን ነይረን።

ብተተካኢ ጸዓት ናብቲ ቀንዲ መርበብ ዝተኣሳሰረ ብዛዕባ ምህላዉ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን። እዚ ብባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ተመዊሉ ዝበሃል ዘሎ ጸሓያዊ ጸዓት ከኣ ኣካሉ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

እቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንልምዓታዊ መደባት ዝምውል ባንክ፡ "[ኣብ ኤርትራ] እቶም ምስቲ መርበብ ዝተራኸቡ ተጠቀምቲ ከይተረፉ ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይክኣሉን። ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ኤለክትሪክሲቲ ትሑት ኰይኑ፡ ን52 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ይሽፍን፡" ክብል ይገልጽ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እዚ ምስ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ኣካል ናይቲ ሃገራዊ እቶት ጸዓት ንምዕባይ ኣብ መላእ ሃገር ዝትከል 12 ሞዱላር፡ ነፍሲ-ወከፉ 30 ሜጋዋት ዘመንጩ ብድምር 360 ሜጋዋት ንምብጻሕ ዝተነድፈ መደብ ምዃኑ ገሊጹ።

ጸዓት ቀንዲ ደራኺ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓደ ወይ ውስን ምንጪ ሰዓት ምምርኳስ ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ክኢላታት ይገልጹ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዝበገጋስ ዘሎ ምትእትታው ጸሓያዊ ጸዓት፡ ካብቲ ዝነበረ ሓደ ኣማራጺ ተወሳኺ ብምዃኑ፡ ብዙሕ ረብሓታት ክህሉዎ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ኣብ ዓረዛ 1.25 ሜጋዋት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ማይድማ 1 ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪካ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዘለዎ ኣብ 2019 ዝተዛዘመ ፕሮጀክት፡ ንልዕሊ 40 ሽሕ ነበርትን ሰብ ዋኒን ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃዳሙ - ደቀምሓረ ክትከል ዝተባህለ ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበጽሐ፡ ምኒስተር ዜና ኰነ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣይሓበሩን።