ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ ኤርትራውያን ፖሊስ ንክልተ ቀይዱ

ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንሰለስቲኦም ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም እስራኤል ታይምስ ገሊጻ።

እቶም ኤርትራውያን ብ ኣእማንን ኣባትርን ንሓድሕዶም ከም ዝተሃራረሙ ተገሊጹ።

ፖሊስ ነቶም ኣብቲ ጎነጽ ዝተረኽቡ ክብትንዎም ከለዉ ክልተ ካብኣቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ገሊጹ።

ነቲ ኩነታት ከተሃዳድኡ ካብ ዝወፈሩ ፖሊስ ሓደ ብእምኒ ተሃሪሙ ብፎኪስ ቆሲሉ።

ኣብ ከተማ ተል ኣቪቭ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾኑን ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያንን ቀጻሊ ባእስን ዕግርግርን ከምዘጋጥም ይፍለጥ።

ብ9 ግንቦት 2024 ውን ሓደ ደላዪ ለውጢ ኤርትራዊ ኣብ ከባቢ ሃቲክቫ ብደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተቐትለ ይዝከር።