ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣስመራ ዘመላልሶ ዘሎ ጉዳይ እንታይ'ዩ?

ካብ 2018 ንደሓር፡ ሞቓድሾ ናብ ኣስመራ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ካብ እትጅምር ንደሓር፡ መራሕታ፡ ብዙሕ ግዜ ናብ ኣስመራ ክገሹ ዝተራእየ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብዚ ዓመት`ዚ ጥራይ፡ ኣርባዕተ ግዜ ናብ ኤርትራ በጺሑ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ሓምለ፡ ጥቅምቲ፡ መጋቢትን ጥሪን ናብ ኣስመራ ዘካየዶ መገሻ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ርእሲ ዝገበሮ ርክባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ንዝርከቡ ወተሃደራት ሶማልያ`ውን በጺሑ።

ብ10 ጥቅምቲ 2024፡ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ምስ መራሒ ኤርትራን፡ ግብጽን ድሕሪ ዘካየዱዎ ርክብ፡ ኣብ ጉዳያት ሱዳን፡ ሶማልያን ጸጥታዊ ኵነታት ቀይሕ ባህርን ባብ-ኤል መንደብን ስሉሳዊ ስምምዕ ኸቲሙ።

ብኻልእ ወገን፡ ኢትዮጵያ ምስ'ታ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ትርከብ ሶማሊላንድ፡ `ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእላ` ውዕል ድሕሪ ምፍርራማ፡ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን፣ ከምኡ'ውን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ወጥሪ ኣኸቲሉ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን`ቲ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ብተደጋጋሚ ናብ ኣስመራ ምጋሹ፡ ምስቲ ክንህር ዝጸንሐ ኵነታት ብምትእስሳር፡ ትንታነታት ክወሃቦ ተራእዩ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንረብሓኣ ዝዋሳእ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን ብሰሜናዊት ጐረቤታ ሶማሊላንድ ኣቢላ ኣፍደገ ባሕርን ወደባትን ክትረክብን ድልየት ከም ዘለዋ ምስ ገለጸት፡ ካብ ሶማልያን ኤርትራን ተቓውሞ ገጢሙዋ።

ሶማልያ፡ ንምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብታ ኣካል ግዝኣተይ እትብላ ሶማሊላንድ ንምብርዓን ምስ ግብጺ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ከቲማ።

ግብጺ ድማ ነቲ ዕድል ብምጥቃም፡ ኣብ ሶማልያ ወተሃደራታን ኣጽዋራታን ከም ዘእተወት ይግለጽ። ንኤርትራ ሓዊሰን እውን ስሉሳዊ ኪዳን መስሪተን።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ተለቪዥን ሃገሩ ቀሪቡ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳያት ቃለ-መሕትት ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ነቲ "ኣንጻር ኢትዮጵያ'ዩ፡" ዝብል መግለጺታት ክነጽጎ ተሰሚዑ።

ንምዃኑ እቲ ፕረዚደንት ናብ ኣስመራ ዘመላልሶ ዘሎ ጉዳይ እንታይ'ዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣቀባብላ እንትገብረሉ

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL/X

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድን ኣብ ኣንካራ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣይርሳዕን።

መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ምስ በጽሑ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ዝሃቦ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ፡ ንኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ክትኣቱ ዘኽእላ ምዃኑ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ትሕቲ ልዑላውነት ሶማልያ፡ ውሑስን ዘላቒን መሕለፊ ባሕሪ፡" ክህልዋ ዘኽእል ንግዳውን ክልተኣውን ስምምዓት ንምምስራት ብቐረባ ክሰርሑ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ንፖለቲካዊ ኵነታት ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝትንትን ዓብዱራሕማን ስዒድ፡ "እቲ ዑደት ድሕሪ ስምምዕ ኣንካራ እዩ መጺኡ። ምናልባት ኣብ ትሕዝቶን ኣተገባብራን እቲ ስምምዕ ሓባራዊ ርድኢት ክህልዎም ይደልዩ ይዀኑ፡" ብምባል፡ ምኽንያት ናይቲ ዑደት የብርህ።

ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ስሉሳዊ ስምምዕ ስለ ዝፈረማ፡ "ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈልየ ስምምዕ ክፍረም እንከሎ፡ ምስተን ውዕል ዝኣተወትለን ካልኦት ሃገራት መብርሂ ምውህሃብን ምዝታይን ናይ ዲፕሎማሲ መስርሕ'ዩ፡" ይብል።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ፡ "ንዅለን ሃገራት ስግኣት እናፈጠረለን ይመጽእ ከም ዘሎ ንጹር'ዩ። ሶማልያን ኤርትራን በዚ ሰጊአን ኣለዋ፡" ብምባል፡ ካልእ ምኽንያት ናይቲ ዑደት ክኸውን ከም ዝኽእል ይውስኽ።

ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣንካራ ኣብ ስምምዕ እኳ እንተ በጽሓ፡ "ዝምድናአን ግን ገና ኣይተመሓየሸን። ግዜ ክወስድ ድማ ይኽእል'ዩ፡" ክብል ትንታነኡ የቕርብ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ "ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክወጽኡ ይደልዩ ድዮም ኣይደልዩን፣ ካልእ በዳሂ ጉዳይ'ዩ። መንቀሊ ግጭት ክኸውን`ውን ይኽእል። ብፍላይ፡ ኣብ ሶማልያ ሰራዊት ግብጺ እንተ'ሎ፡ ፈጺሞም ክወጽኡ ዘይደልዩ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።"

"ኢትዮጵያ፡ ንሶማሊላንድ ኰነ ጁባላንድ እትገብሮ ደገፍ ደው ከተብሎ ድያ፧ ካልእ በዳሂ ነጥቢ'ዩ። ነዚኦም ብምስጋር ከኣ እዮም ኣብ ፍጽሚ ናይቲ ስምምዕ ክበጽሑ ዝኽእሉ። እንተዀነ፡ ነቲ ጸገም ዘስዕቡ ነገራት ደው ከብሉ ዝኽእሉ ኣይመስለንን፡" ክብል የብርህ።

ብሰንኪ እዚ፡ ሶማልያ፣ ምስ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ቱርኪን ካልኦት ሃገራትን ዘለዋ ዝምድና ከተደልድል ከም እትደሊ ኣረዲኡ።

ኣብ ስምምዕ ኣንካራ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ልዑላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ሕጊ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተመርኰሰ ኣህጉራዊ ሕግታት ከኽብሩ ተሰማሚዖም።

ክልተአን ሃገራት፡ ብኣሳሳይነት ቱርኪ፡ ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ዘተ ክጅምራ ምዃነንን ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ድማ ክዛዘም ምዃኑን ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ዓመት ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ናብ ኣስመራ ዝገሸ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL/X

ጥምረት ሶማልያ፡ ግብጽን ኤርትራን

ጥምረት ሶማልያ፡ ግብጽን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ,Eritrean Information Ministry

ተንታኒ ፖለቲካ ዓብዱራሕማን፡ ምትሕብባር ሰለስተአን ሃገራት፡ ነዛ ተነጽሎ ዘጋጠማ ኢትዮጵያ ናብ ስምምዕ ኣንካራ ደፊኡዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምን።

ኢትዮጵያ፡ ናብቲ ስምምዕ ምእታዋ፡ "ነቲ ኪዳን ንምግታእ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

"ሶማልያ፡ ነዚ ኣጸቢቓ ስለ እትፈልጦ፡ ምስ ኤርትራን ግብጽን ዘለዋ ዝምድና ብቐሊሉ ክትገድፎ ኣይትደልን እያ። ምኽንያቱ፡ ብኢትዮጵያ መረጋገጺ ስለ ዘይተዋህባ፡" ክብል ይውስኽ።

"ፕረዚደንት ሶማልያ ንምንታይ'ዩ ብተደጋጋሚ ናብ ኤርትራ ዝገይሽ ዘሎ፧" ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ተንታኒ፡ "ጉዳይ ጸጥታ'ዩ፡" ክብል ይምልስ።

"ብመዳይ ንግድን ቍጠባን ምስ ኤርትራ ኣብ ዝግበር ዝምድና መኽሰብ የሎን። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ብቝጠባዊ ትካላት እትመሓደር ሃገር ኣይኰነትን። መንግስታውን ውልቃውን ቍጠባ እታ ሃገር፡ ዓይነ ምራኑ ዝጠፍኦ'ዩ። ስለዚ፡ ቀንዲ ዘራኽቦም፡ ጉዳይ ጸጥታ'ዩ።"

ኢትዮጵያን ሶማልያን ሓድሕደን ይካሰሳ ኣብ ዘለዋሉ ግዜ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ምዝታዮም ይዝከር።

"ምስሕሓብ ክልተአን ሃገራት፡ ንውዕል ኣንካራ ስግኣት ክኸውን ይኽእልዶ፧" ዝብል ቢቢሲ ንዘቕረቦ ሕቶ፡ "እወ ስግኣት ክኸውን'ዩ፣ ሓደገኛ'ዩ፡" ክብል ይምልስ ኣቶ ዓብዱራሕማን።

ዝምድና ኤርትራን ሶማልያን

ሰራዊት ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel

ኤርትራን ሶማልያን ካብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ኣትሒዙ ታሪኻዊ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ኣለወን።

ህዝቢ ሶማልያ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ታሪኻውን ፖለቲካውን መድረኻት ገድሊ ኤርትራ፡ ንሰለስተ ዕቑድ ኣብ ጐድኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ከም ዝበለ፣ መራሕቲ ኤርትራ በተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ብፍላይ፡ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ፡ ከም "ዜጋታት" ሶማልያ፡ ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርት ተዋሂቡዎም ብዘይ ጸገም ናብ ዝደለይዎ ክንቀሳቐሱ ደጊፋ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ 1991 ኣትሒዛ ናብ ኲናት ሓድሕድ ዝተሸመመት ሶማልያ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ወሽመጥ ዓደን፡ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብኡ ሓሊፋ ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ መድረኻትን ታሪኻዊ ተራኣ ምእንቲ ክትጻወት፡ ኣብ ጐድና ከም ዘለዉ ደጋጊሞም ገሊጾም እዮም።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 2022 ኣትሒዙ፡ ኣስታት 5000 ሰራዊት ሶማልያ ብሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየር፣ ከምኡ'ውን፡ እግረኛ ከሰልጥኖም ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

እቶም ሓይልታት፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ስርሒታት ክሳተፉ ምዃኖም እውን ምኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ገሊጹ እዩ።