ጕዕዞ ስደት ኤርትራውያን ክሳብ ዶባት ፖላንድ፤ እቲ ኻልእ ሸነኽ ከርተት ከ?

ፖላንድ፡ ‘ነታ ኤርትራዊት ንክትኣቱ ኣይከልከልኩዋን እኳ ደኣ ምስ ውላዳ ናብ ሆስፒታል ወሲደ ግቡእ ክንክን ገይረ ኣብቲ ስደተኛታት ዝእለይሉ ቦታ አዕቊበያ ኣለኹ’ ክትብል እያ ተሰሚዓ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ከጋጥም እዚ ፈለማ ኣይኰነን። ኣብ 2013፡ ኣብ ላምፐዱሳ 366 ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ሓደጋ ምስ ተሰምዐ፡ ‘ እቶም ስደተኛታት ብሸለልትነት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ እዮም ጠፊኦም’ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ ነይሩ።

እቶም ካብ ባሕሪ ሬሳታት ግዳያት ዘቚቘም ዘውጽኡ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ጠለቕቲ፡ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ዕሸል ዝተገላገለት ጓል ዕስራ ዓመት ጐርዞ ምስ ረኸቡ ክቈጻጸርዎ ዘይከኣሉ ንብዓት ከምዝነብዑ ንማዕከናት ዜና ኢጣልያ ምስ ነገሩ ነቲ ምስክርነት ዝረአ ዘበለ እዩ ነቢዑ።

ኣብ ሰነ 2022 እውን፡ ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ኣብ ከባቢ ሌስቦስ ግሪኽ ኣብ ዝርከብ ሰብ ዘይነብረሉ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ደሴት ከም ዝሓረሰት ተገሊጹ ነይሩ።

እታ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ካልኦት ካብ ቱርኪ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞ እንከላ ምሕራሳ ይዝከር።

ኣብቲ ግዜ፡ ሰብመዚ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ፡ 29 ኤርትራውያን ማለት 24 ደቂ ተባዕትዮን 5 ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጥቓ ምብራቓዊት ደሴት ሌስቦስ ግሪኽ ከም ዝተራእዩን፡ ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮን ድማ ባዕላ እታ ሓራስ ምዃና ገሊጾም ነይሮም።

ከምዚ ዝበለ ኣብ ጕዕዞ ዘጋጥም ጥንሲን ሕርሲን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ከልበትበትን ተደራቢ ሽግራትን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከምዝርአ፡ ብዙሓት ኣብ መስርሕን ጕዕዞን ስደት ነዊሕ ዓመታት ዘሕለፉ ኤርትራውያን ዘዘንትውዎ እዩ።

እዚ ኣብ ዶባት ፖላንድ ዝተራእየ ፍጻመ እውን፡ ሓደ ካብቲ ከምዚ ዝበለ ተረኽቦታት ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸመይ እዮም ክሳብ ዶብ ፖላንድ ዝበጽሑ?

ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ፖላንድ ዝመሃር ዝነበረ ኤርትራዊ ከምዝገልጾ፡ ሓያለ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ብመገዲ ዝተፈላለዩ ‘ኣሳለጥቲ’ መብዛሕትኡ ንናይ ሕርሻ ስራሕ ተባሂሉ ብቪዛ ንፖላንድ ክኣትዉ ከም ዝጸንሑ ኣረዲኡ ነይሩ።

ከም ናብ ብዙሓት ሃገራት - ናብ ስሎቬንያ፡ ቡልጋርያ፡ ሃንጋሪን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ ድማ፡ ናብ ፖላንድ እውን ብናይ ትምህርቲ ቪዛን፡ ምብጻሕን ስራሕን ቪዛታት ናብታ ሃገር ከምዝኣትዉ ይገልጽ።

ዝርዝራት ኣተኣትዋኦም ናብታ ሃገር ብዙሕ ብንጹር ዘይንገር’ኳ እንተዀነ፡ ፖላንድ ምስ ኣተዉ ግን ብኡ ንብኡ ናብተን ዝበልጸጋ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ብምኻድ ሕቶ ዑቕባ ከምዘቕርቡ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ኣፈ ጉባኤ ላዕለዋይ ባይቶ ፖላንድ፡ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ምስ መእተዊ ቪዛ ናብታ ሃገር ዝተኣሳሰር ብልሽውና ዝፈልጦ ሓቅታት ክገልጽ ጸዊዑ ምንባሩ ድማ ኣይርሳዕን።

ኣፈ ጉባኤ ቶማስ ግሮድዝኪ፡ እዚ ጉዳይ፡ ንፖላንድ ከም ሓንቲ ሓላፍነታዊት ዲሞክራሲያዊት ሃገር ዝናኣ ዝድውን እዩ ብምባል ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ተሪር ወቐሳ ድሕሪ ምስምዑ እዚ ጉዳይ ኣዘራራቢ ኰይኑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣኻኸቡ፡ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን ተዓጊቶም ከምዘለውን፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንቤላሩስ ዘእቱ መንገዲ ስደተኛታት ደው ከብሎ ይጽዕር ከም ዘሎን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ገለ ኣብ ቤላሩስ ዝኣተው ስደተኛታት እውን ድሮ ብነፋሪት ነናብ ዓዶም ከምዝተመስሉ ጸብጻባት ሕብረት ኣውሮጳ ይገልጹ።

ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ፍሮንተክስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ምብራቓዊ መሬታዊ ዶባት ናይቲ ሕብረት ክሰግሩ ዝተረኽቡ ስደተኛታት ቀንዲ መበቆል ሃገር ዒራቕ ምዃና ይሕብር።

ካብ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ከምኡ’ውን ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ እውን ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

መብዛሕትኦም ብነፋሪት ናብ ሚንስክ - ርእሰ ከተማ ቤላሩስ - ዝኣተዉ ኰይኖም፡ ብድሕሪኡ ብመሬት ናብ ዶባት ፖላንድን ሊትዋንያን ሓዊሱ ናብ ዶባት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ይጓዓዙ።

ቤላሩስ ምስ ሩስያን ዩክረይንን እትዳወብ ክትከውን እንከላ፡ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ቀንዲ ፈታውን መሻርኽትን ፕረዚደንት ፑቲን እዩ። ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፡ መስርሕ መእተዊ ቪዛ ሃገሩ ኣመና ፈኲስ ብምግባር ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ከምዝኣትዉ ብምግባርን ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ዝኸዱሉ ኣፍደገታት ብምውዳድን፡ ኮነ ኢሉ ሕብረት ኣውሮጳ ብስደተኛታት ከምዘዕለቕልቕ ብምግባር ይህውኸና ኣሎ ኢለን ብተደጋጋሚ ክኸሳኦ ጸኒሐን እየን።

ንሱ ግን ነዚ ክስታት ኣይቅበሎን።

ሓንቲ ስማ ክጥቀስ ዘደለየት ኤርትራዊት ካብ ቤላሩስ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ካብ ዩጋንዳ ተበጊሶም ብቱርኪ ኣቢሎም ቤላሩስ ከምዝኣተዉ ትገልጽ። ንሳን ካልኦት ብጾታን ጕዕዞኦም ንጀርመንን ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ መደብ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ገሊኦም ስደተኛታት ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ ከይበጽሑ ብሓሶት መብጽዓታት ተታሊሎም ባሮት ኰይኖም ወይ ናብ ምንዝርና ከምዝሽየጡ ጸብጻባት ሕቡራት ይሕብሩ።

ገሊኣቶም ከኣ ብትሑት ወይ ብዘይክፍሊት ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ንኽዓዩ ይግደዱ። እቲ ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ዝነበሮም ተስፋ ድማ በቲ ኣብ ንግዲ ደቂ ሰብ ዝርአ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ኵነታት ባኺኑ ይተርፍ።

ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ኣኻውሕ ኣብ ዝበዝሖ ደሴት ግሪኽ ሓሪሳ

ምንጪ ስእሊ,AP

መግለጺ ስእሊ,ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ኣብ ሰነ 2022 ኣኻውሕ ኣብ ዝበዝሖ ደሴት ግሪኽ ሓሪሳ

ካብ ስደት ናብ ስደት

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ዓቕሚ ዝረኸቡ ህይወቶም ከድሕኑ ዝኽፈል እናኸፈሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ውሒዞም። ግን ኣብኡ ደው ኣይበሉን፤ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኬንያ፡ ካብኡ ንዩጋንዳ ክኣትው ኣብ መገዲ ግዳይ ኣሰጋገርትን ሓደጋታት ጕዕዞን ኰይኖም ህይወቶም ዝሰኣኑ ብዙሓት እዮም።

ሚያዝያ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ሱዳን ኲናት ምስ ተወለዐ፡ ኣሽሓት ኣብታ ሃገር ናብራ’ኦም ዝመርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ካብታ ዳርጋ ከም ሃገሮም ዝቘጽርዋ ሱዳን ንብረቶም ራሕሪሖም ናብ ኵለን ጐረባብቲ ሃገራት ተበታቲኖም እዮም።

ኣብ ዝነብረሉ ሃገር ውሕስነት ዘይተሰምዖን ዘይቀሰነን ሰብ ረጊኡ ኮፍ ስለዘይብል፡ ብዙሓት ስደተኛታት ንኣሰጋገርቲ ኣሽሓት ዶላራት እናኸፈሉ፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ብዝተሰነዐ ፓስፖርት ናብ ቱርክን ግሪኽን ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳን ኣትዮም፤ ሓዲሽ ጕዕዞ ስደት ክጅምሩ ከርተት ክብሉ ይርኣዩ ኣለዉ።

ክብሮም ነጋሽ [ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ] ሓደ ካብቶም ካብ ኲናት ትግራይ ኣምሊጦም ኣሽሓት ከፊሎም ብመስመር ኢትዮ-ኬንያ ንዩጋንዳ ዝኣተወ ኤርትራዊ ስደተኛ እዩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣሽሓት ዶላራት ከፊሉ ካብ ዩጋንዳ ናብ ቱርኪ ሰጊሩ። ካብ ቱርኪ ንግሪኽ ክሰግር ምስ መኻይድቱ ሓሙሽተ ሳዕ ብሓለዋ ዶባት ተታሒዙ፡ ተሃሪሙን ተገፊዑን ንድሕሪት ተመሊሱ።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ዝሓሰቦ ስለዘይበጽሐ በዚ ደው ኣይበለን፤ ኣብ ሻድሻይ ፈተነ ስሩዕ መገዲ ብዘይብሉ ጎቦታትን ሰናጭሮን ተጓዒዙ ግሪኽ ኣትዩ።

ካብ ግሪኽ፡ ብመኪናን እግርን ዓድታት እናቋረጸ ምድረ ኢጣልያ ረጊጹ። ይዅን እምበር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ዝነብሩ አሕዋቱ ክኣቱ ስለዝደለየ ብጀላቡ ክሰግር ናብ ፈረንሳ ኣቕኒዑ። ኣብ ፈረንሳ እውን ብተደጋጋሚ ፈቲኑ ስለዘይሰለጦ፡ ኣብታ ሃገር ዕቝባ ሓቲቱ ክነብር ወሲኑ።

ክብሮም፡ “እዚ ዅሉ ተጓዒዘ ኣብ ኣፍ ደገ እንግሊዝ ምስ በጻሕኩ ደኺመ። እቲ ኣብ ሜድያ ብቐጻሊ ዝሰምዖ ሓደጋታትን ዓዲ እንግሊዝ ንሩዋንዳ ክትሰጉግ እያ ዝብል ወረ እውን ኣሰኪፉኒ። ደጊም ንፈጣሪየይ ኣመስጊነ ኣብዛ ዘለኹዋ ዓዲ ክነብር ወሲነ” ይብል።

ብሪጣንያ፡ ነቶም ብመትረብ እንግሊዝ ብጃላቡ ናብታ ሃገር ዝሰገሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ናብ ሩዋንዳ ክትመልስን ኣብኡ ኰይኖም ሕቶ ዕቝባ ከቕርቡን ክከታተሉን ዘኽእል ሕጊ ኣሕሊፋ እቲ መሰርሕ ጀሚራቶ ከምዘላ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት መትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብታ ሃገር ክኣትዉ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ብከቢድ ስክፍታን ኣብ ምህዳምን ምሕባእን ከምዝርከቡ ይንገር።

መገዲ ስደት ኤርትራውያን ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። እቶም ካብ ሃገሮም ብኽንደይ ሰሃሮን መክራን ዶብ ሰጊሮም ኣብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ዝጸንሑ ኤርትራውይና መንእሰያት ንኣሜሪካ ንምስጋር’ውን ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ዛንታ ዝጽወዮ መከራታት እዮም ዝሓልፉ።

እዚ መስመር ብሓፈሻ፡ ካብዘን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተበጊስካ ብቐጥታ ወይ ብመገዲ ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ወይ ዱባይን ካልእን ናብ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ብምዕላብ፡ ዶባት ኣቋሪጽካ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝእቶ ኰይኑ፡ በዚ መንገዲ ሜክሲኮ ከቢድ ብድሆ ዘሕልፉ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ጸገምን ሽግርን ስደት ኤርትራውያን

እዚ ምስ ስደት ዝተኣሳሰር ጸገም ኤርትራውያን ካብ ቤቶም እዩ ዝጅምር። ገሊኦም ንስደት ክሓስቡ እንከለው፡ ክሓስቡዎን ክዘራረቡ ኣብ ዝጅምርሉ እዋን ከይተረፈ እዮም ኣብ ዓዶም እንከለዉ እዩ መከራ ዝጅምሮም።

ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ዶባት እንተተታሒዞም ድማ ከከም ኵነታቱ ዝፈላለየ መቕጻዕትን ማእሰርትን ይጽበዮም። ኣብ ዶባት ዘጋጥም ተዅሲን ሞትን ከምዘሎ’ውን ክንገር ጸኒሑ እዩ።

“እዚ ዝንገር ዘሎ ዛንታን ፈጠራን ኣይኰነን። ኣብ ሰባት ዝተፈጸመ መስከርቲ ዘለውዎ ክውን ሓቂ እዩ” ይብል ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨሪሲቲ ብዛዕባ ምዕባለን ስደትን ዝምህርን ዘጽንዕን ተመራማሪ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።

እቲ ሽግር ግን ኣብኡ ዘብቅዕ ኣይኰነን። እቶም ዕድል ገይሮም ናብ ኢትዮጵያ ሱዳን ወይ ጅቡቲ ዝሰገሩ ኣብተን ሃገራት እውን ግዳያት ምዝመዛ ኣሰጋገርቲ እዮም ዝዀኑ።

እቲ ዝኸፍአ ሽግር ኣብ ኣጻምእ ሰሃራን ሲናይን የጋጥም ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ጕዕዞ ሰሃራ ብጽምኢ ማይ፡ ብነጋዶ ሰባት ኣብ ሲናይ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ዝተቐዝፋ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዙሓት እዮም።

ንዝያዳ መኽሰብ “ሓውሉ!”፡ እናተባህሉ ብዝረሰነ ሓጺንን ብፈሳሲ ፕላስቲክን ዝባኖም እናተቐልጠ፡ ካብን ናብን ደምበ ነጋዶ ሰባት ብገንዘብ ዝተሸጡ፡ ኣካላውን ስነ አእምራውን ስቓይ ተሰኪሞም ዝነብሩ ውጻእ መዓት ኤርትራውያን ፈቐድኡ እዮም ዘለው።

ብኣሰጋገርተን ተዓሚጸን ዘይደለያኦ ጥንሲ ኣትሪፈን ኣቦታቶም ዘይፍለጡ ቈልዑ ሓቚፈን ስነ አእምራዊ በሰላ ዘሕደራ ደቀንስትዮ እውን ኣለዋ።

ካብኡ ዝኸፍአ ከኣ ውሽጣዊ ኣካላቶም ተሰሪቑ ብኽፉእ ዝሞቱ ግዳያት ከምዝነበሩ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ እትከታተሎ ዝነበረት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ዶር. ኣልጋነሽ ጋንዲ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ግዱሳትን ብስእሊ ከይተረፈ ኣሰንያ ኣቕሪባቶ ነይራ።

ኢትዮጵያውን ስደተኛታት’ውን ብማያት ጅቡቲ ኣብተን ድሕነት ዘይብለን ጀላቡ ተጸፋጺፎም ንየመን ክሰግሩ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ዝሞቱን ንስክላ ዝደሓኑን ኣብ ማዕከናት ዜና ብቐጻሊ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

እቶም ዕድል ገይሮም ንቑጽ ምድሪ የመን ዝረገጹ ከኣ ንስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ኣብ ዶባት እተን ሃገራት ብጥይት ተሃሪሞም ዝሞቱን ዝሰንከሉን ከምዘለው ውጻእ መዓት ግዳያት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

እቶም ዓዲ ሰብ ኣቲና ኢና ዝበሉ ብህይወቶም ዝሰገሩ ከኣ “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኢኹም” ተባሂሎም ሕሱም ማእሰርቲ ተመኲሮም ብኣማልዶ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንዓዶም ዝተመልሱ ውሑዳት ኣይኰኑን።

ስደተኛታት ኣብ ኣብ ግሪኽ

ምንጪ ስእሊ,AP

ሓድሽ ምዕባለታት ኣብ ሃገራት ምዕራብ

ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ኵለን ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣውስትራልያ ከይተረፈ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝገትእ ፖሊሲታት ይቐርጻን ከተግብራ ይጽዕራን ኣለዋ።

ዓባይ ብሪጣንያ ተተኣታትዎ ዘላ ምምላስ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ሓደ ካብቲ ውጥናት ምግታእ ስደተኛታት እዩ።

ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስቲ ፖላንድ ኣብ ልዕሊ እዛ ጓል 38 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ ንዝወሰዶ ስጕምቲ ኰነ ካልኦት ሃገራት ወጢነንኦ ዘለዋ ናይ ምግታእ መደባት ብትሪ ይዅንንዎ ኣለው።

እንተዀነ ሕሉፋት ፖለቲከኛታት የማን፡ ብቐጻሊ ኣንጻር ስደተኛታት ዘቕነዐ ወፈራ ስለዘካይዱ፡ እቲ ስምዒት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዓቢ ከምዘሎ እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

እንተዀነ እቲ ኣውራ ዘላቒ ፍታሕ፡ ሰባት ካብ ስደትን ውርደትን ተገላጊሎም ኣብ ሃገሮም ረጊኦም ክነብሩ ዘኽእል ማሕበረ-ፖለቲካዊ-ቍጠባዊ ሃዋሁ ምፍጣር፡ መለኽቲን ጸቐጥቲን ስርዓታት ተገሊፎም፡ ሰፊሕ ፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊን ኵነታት ምፍጣር ጥራይ ምዃኑ ብዙሓት ይድምድሙ።