ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ኮረና ደው ዝበላ ሚኒባሳት ናይ ብሕቲ፣ መብዛሕተን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክንቐሳቐሳ ኣይከኣላን

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝተኣወጀ ምውሻብ፣ ደው ዝበላ ናይ ብሕቲ ሚኒባሳት ክሳብ እዚ እዋን‘ዚ ክንቀሳቐሳ ከምዘይክኣላ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ኣዝየን ብዙሓት ካብተን ሚኒባሳት፣ ካብ ኣስመራ ናብ ኣርባዕቲኡ ብሎኮታት ኣብ ዝወስድ ኣውራ ጽርግያ ተጸጊዐን ደው ኢለን ከምዘለዋ ‘ዩ ኣመልኪቱ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

መብዛሕተን ጎማታታን ወሪዱ ኣብ ኣእማን ተደጊፈን ደው ዝበላ‘የን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ንዘሎ ናይ መጓዓዝያ ጸገማት ክፈትሕ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ብብሕቲ ንዝሰርሑ ናይ ውልቂ ወነንቲ ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን‘ውን ከቢድ ጸቕጢ ከምዝገብረሎም ይፍለጥ።

ርእሰ ከተማ ኣስመራ እትርከበን ሓያሎ ከተማታት ኤርትራ፣ ዝጸንሐን ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ንድሕሪት እናንቆልቆለ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ ብጉልበት ሰብ፣ ኣፍራስን ኣእዱግን ብዝምርሓ ዓርብያን፣ ዝድፍኣ ሰለስተ እግረን ብሽክለታን ወሪዱ ይርከብ።

ህዝቢ፣ ካብ ኣስመራ ናብ ከረን፣ ናይ 85 ኪሎሜተር፣ መጓዓዝያ ንምርካብ ካብ ነዊሕ ሰዓታት ክሳብ መዓልታት ዝጽበይሉ እዋናት ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።