ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ዩጋንዳ ምስ ሰብ መዚ እንታይ ዘትዮም?

ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣውፈርቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ናይ 'ኦንላይን' ኣገልግሎት ተዳልዩ ሰብ ይጥቀመሉ ከምዘሎ ብምግላጽ ተጠቀምቲ ብምዃን ኣብ ዩጋንዳ ወፍሮም ከዛይዱ ዓዲማ።

ነቶም ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ጠርኒፉ ምስታ ላዕለወይቲ ሓላፊት ዝተራኸበ ኣቶ ገብረንጉስ እዝራ ኤርትራውያን መሳርሕቱ ኣብ ዩጋንዳ ዝያዳ ወፍሪ ክገብሩ ንምትብባዕ ቃል ብምእታው፡ ፕረዚደንት ሙሰቬኒ ኣብታ ሃገር ማሕበራውን ቍጠባውን ለውጢ ንምምጻእ ዘለዎ ንጹር መሪሕነት ከምዝነኣደ፡ እቲ ኣብ ኤክስ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ኣኼባ ብኣካል ካብ ዝተሳተፉ ኣብ ዩጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ኣውፊሮም ዝርከቡ ኣቶ ሳሙኤል ጸጐይን ኣቶ መትከል ዘርኣይን እቲ ዝተኻየደ ዘተ ብዅሉ መዳዩ ውጽኢታዊ ምንባሩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣቶ ሳሙኤል ጸጐይ ወናኒ ኣብ ጁባ - ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ኮንኮርድ ሆቴልን ኣብ ዩጋንዳ ኣብ ሪል ስቴት ዝነጥፍ ዘሎ ኣውፋሪ ኰይኑ፡ ኣቶ መትከል ዘርኣይ ከኣ ምስ ሓዉ ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ብምዃን ወናኒ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ዝሰርሕ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ሃገራት ጨናፍር ዘለዎ ኣፕቴክ ኣፍሪካ'ዩ።

ኣቶ ሳሙኤል፡ "እቲ ርክብ መንግስቲ ዩጋንዳ ንኣድማዕነት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ተረዲኡ፡ ዘለና ጸገማት ንኽሰምዕ ዝፈጠሮ ዕድል'ዩ፣ ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣማኻሪት ፕረዚደንት እያ፣ ከምኡ ከኣ ሓላፊት 'ስቴት ሃውስ ኢንቨስተርስ ፕሮቴክሽን ዩኒት'ያ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብዚ ቀዳማይ ርክብና ብጠለቦም ውሑዳት ኢና ተረኺብና ንመጻኢ ግን እቲ ርክብ ቀጻልን ንብዙሓት ዘሳትፍ ከምዝኸውን ኢና ተረዳዲእና" ኢሉ።

ኣብቲ ዘተ፡ እቶም ኤርትራውያን፡ ኣብ ባንክታት፡ ኣብ ምሕዳስ መስርሒ ፍቓድ ዘሎ ምድንጓያትን ኮለልን፡ ብገለ ሓለፍቲ ዝሕተት ብላዕ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ከምዘልዓሉ ኣቶ ሳሙኤል ገሊጹ።

ኣቶ ሳሙኤል ጸጐይ

ምንጪ ስእሊ,SG

መግለጺ ስእሊ,ኣቶ ሳሙኤል ጸጐይ

"ከም ሕብረተስብ ናባና ጥራይ ዘነጻጸረ ወይ ዒላማ ዝገበረ ጸገም የብልናን፤ ብሓፈሻ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኢና ኣልዒልናዮ፡ ንሳ'ውን ነዚ ምውጋድ ንቤት ጽሕፈታ ዝምልከት ስለዝዀነ ዝዀነ ጸገም ምስ ዘጋጥመና ብቐጥታ ክንሕብራ ከምእንኽእል'ያ ቃል ኣትያትልና፡" ኢሉ።

ኣቶ መትከል ብግደኡ ኣበርክቶን ተራን ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣፍልጦ ረኺቡ ምርኣይ ዓቢ ነገር ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

"እቶም ኣብታ ጣውላ ኮፍ ኢልና ዝነበርና፡ ኵልና ኣብ ዩጋንዳ ጥራይ ንሰርሕ ኣይኰንናን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ብሩንዲ፡ ርዋንዳ፡ ኮንጎን ካልኦት ሃገራትን ዘውፍሩ'ዮም፣ ካብቲ ካብ ዩጋንዳ ናብ ደቡብ ሱዳን መዓልታዊ ዝንቀሳቐስ ካብ 16 ክሳብ 20 ሚልዮን ዶላር እቲ ኣስታት 70 ሚእታዊት ኤርትራውያን ዘንቀሳቕስዎ'ዩ።

"ነዚ'ውን ዩጋንዳ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንኸይህልዋ ኤርትራውያን ዝለዓለ እጃም ከምዘለና መስካሪ ዘድእዮ ኣይኮነን፡"ኢሉ።

ኣቶ መትከል ዘርኣይ

ምንጪ ስእሊ,MZ

መግለጺ ስእሊ,ኣቶ መትከል ዘርኣይ

ኣቶ መትከል ኣስዒቡ፡ "ንኣብነት ኣነ ብኣፕቴክ ክዛረብ እንተዀይነ 95 ሚእታዊት ስራሕና ካብ ዩጋንዳ ወጻኢ'ዩ፤ ማእከላይ ቤት ጽሕፈትና ኣብዚ ስለዝገበርናዮ፡ ኣብ ጋና ይሰራሕ፡ ኣብ ህንዲ ይሰራሕ፡ ኣብ ፓኪስታን ይሰራሕ ኵሉ ክፍሊትና ናብ ዩጋንዳ'ዩ ዝመጽእ፣ 100 ሚእታዊት ግብሪ ከኣ ኣብዚ ዓዲ ኢና ንኸፍል፡" ይብል።

ኤርትራውያን ኣውፈርቲ፡ መጠን ጃምላ ሃገራዊ እቶት ዩጋንዳ ክብ ኣብ ምባል፡ ዩጋንዳ ሸርፊ ወጻኢ ከም እትረከብ ኣብ ምግባር፡ ፍርያት ዩጋንዳ ናብ ወጻኢ ሰደድ ኣብ ምግባር፡ ናይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣርን ካልእን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎም እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣውፈርቲ ይሕብሩ።

እዚ እቲ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ዝፈጠርዎ ዕድል ኰይኑ፡ ዩጋንዳ ከኣ ንኣውፈርቲ ብዅሉ መለክዒታት ምችእቲ ምዃና ኣቶ ሳሙኤል ይሕብር።

"እቲ መንግስቲ ንወፍሪ ክፉት'ዩ፣ ጽቡቕ ፖሊሲ'ዩ ዘለዎ። ዶላር ከም ድላይካ ከተንቀሳቕስ ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ህዝቢ ተቐባሊ ጋሻ'ዩ፡ ከውፍር ንዝደሊ ከኣ ብዙሕ ክፉት ጽላታት'ዩ ዘሎ፡ እቲ ንሓደ ኣውፋሪ ዘድልዮ ነገር ዘማልአት ሃገር'ያ ክብል እኽእል፡" ይብል።

እቶም ምስ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ዝተራኸቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ

ምንጪ ስእሊ,State House Investors Protection Unit

ኣተሓሒዙ፡ "ምስ ሃገርካ መዳውብቲ ኣብ ዝዀነት ሃገር ወፍሪ ኣብ እትገብረሉ፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ 'ሪስክ' የዛይዶ'ዩ፣ ምስሕሓብ ናይ ክልተ መንግስታት ነቲ ኣውፋሪ ግዳይ ይገብሮ'ዩ። ዩጋንዳ ግን ንኤርትራውያን ካብዚ ሓራ'ያ፡" ይብል።

ኣቶ መትከል፡ "እቲ ኣብዚ ዝግበር ወፍሪ ንሓጺር እዋን ሓሲብካ ዘይኰነስ ንነዊሕ ዓሊምካ እንተጀሚርካዮ ከዐውት ዝኽእል'ዩ፡ ንኽትዕወት ከኣ እቲ ባይታ መንግስቲ እዛ ሃገር ስለዘንጸፎ'ዩ" ይብል።

እዞም ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕተት ዘካየዱ ኣውፈርቲ፡ ኣብ ዩጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ኰይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ ተመኵሮን ገንዘብን ኣብ ምድላብ ስለዝሓገዞም፡ እቲ ዝዓበየ ድሌቶም ግን ኣብ ዓዶም ምውፋር ከምዝዀነ'ዮም ዝሕበሩ።

"ኣብ ኤርትራ ንኣውፈርቲ ዝምችእ ባይታ ጥራይ ይጣጣሕ'ምበር ንኽንኣቱ ሰሙን ኣይወስደልናን'ዩ" ቃል ሳሙኤልን መትከልን'ዩ።

ርክብ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ኣብ ጋዜጣታት እታ ሃገር ብዙሕ ሸፈነ'ዩ ተዋሂብዎ

ምንጪ ስእሊ,MZ

መግለጺ ስእሊ,ርክብ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ኣብ ጋዜጣታት እታ ሃገር ብዙሕ ሸፈነ'ዩ ተዋሂብዎ