ኤርትራ፡ እገዳ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምምሕዳራዊ ዶ ፖለቲካዊ?

እቲ ምኽንያትን ክብደት እቲ ውሳነን ከኣ ኣብ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ካብዚ ብምብጋስ ቢቢሲ ትግርኛ ንክኢላታት እቲ ዓውድን ምሁራትን ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ ትሕዝቶ እነሆ።

ኣብ 2018፡ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ተኣዊጁ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተቛረጸ በረራታት መገዲ ኣየርን ርክብ ተሌፎን ርክብን ምስ ጀመረ፡ መገዲ ኣየር ክልቲኤን ሃገራት ተሓባቢሩ ንኽሰርሕ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ነይሩ።

ሽዑ ነቲ ናይ ዕርቂ ብስራት ዝሰምዑ ኤርትራውያን፡ ነቶም ብቐዳመይቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኣተው ገያሾ ብሕቋፍ ዕምበባን ብሩህ ፍሽኽታን ተቐቢሎሞም። እቲ ብዙርያ ነተጒቲ ዝተሓጽረ ኣብ ዶባት ዝተዃዕተ ዕርዲ ፈሪሱ፣ እቶም ማዕዶ ማዕዶ እናነበሩ ንዓመታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ቤተሰብ ብስልክን ብኣካልን ምስ ተራኸቡ፡ ንብዓት ሓጐስ እናነብዑ እቲ ዝጀመረ ፍቕሪ ከይኵለፎም ብልቢ ጸልዮም።

ግን ጸሎቶም ኣይሰመረን፤ እቲ ንህዝቢ ዓለም ዘገረመ፡ ንክልቲኡ አህዛብ ዓቢ ተስፋ ዝሃበ ርክብ ዶባት ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ምስተዓጽወ፤ “ ‘ፈጣሪ ክሳብ መሊእካ ትዕረቐና፡ ስልክን በረራን እውን ኣይትኽልኣና’ ኢልና ተማህሊልና!” ክትብል እዚ ናይ ሕጂ እገዳ በረራ ዘሰንበዳ ብርኽቲ ብሻቕሎት ትዛረብ።

መግለጺ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ

ንሓያሎ ዓመታት ንመገዲ ኣየርን ክፍሊ ፋይናንስን ኤርትራ ዝመርሐ ምሁር ቁጠባ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ፡ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ “ድኹም ኣገልግሎት” ካብ 30 መስከረም 2024 ኣትሒዙ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ንኸቋርጽ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፖለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ የረድእ።

ቀንዲ ዕማም በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን፡ ደረጃታት ድሕነት ነፈርቲ መገዲ ኣየራት ምክትታል፤ ውሕስነት መዓርፎ ነፈርትን፡ ምቍጽጻር ትራፊክ ኣየርን፤ ከም ፓይለታት ነፈርቲ፡ መሃንድሳት፡ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየርን ትካላት ጽገናን ዝኣመሰሉ ኣካላትን ትካላትን ብቕዓት ምርግጋጽን ምስክር ወረቐትን ፍቓድን ምሃብ፤ ኣብ ትካላት ኣቭየሽን ስሩዕ ምርመራን ኦዲትን ብምክያድ መምርሒታት ድሕንነት ብዝግባእ ከምዝተሓለው ምርግጋጽ እዩ።

ኣቶ ክብሮም፡ ኣብ ኤርትራ፡ ምድንጋር ዝፈጥር ብስም ኣየር ላንይስ ዝጽዋዕ ኣርባዕተ ትካላት ከምዘሎ፤ እቲ ቀዳማይ፡ እቲ ኤርላይንስ ባዕሉ፡ (እቲ ብነፈርቲ ሰብን ኣቝሑን ዘመላልስ)፤ እቲ ካልኣይ ሲቪል ኣቭየሽን (እቲ ድሕነት ሰብን ብቕዓት ነፈርትን ካልእን ዝቈጻጸር)፤ እቲ ሳልሳይ ኤርፖርት፡ እቲ ገያሾ ዝቕበልን ዘፋኑን፡ ኣብ መሬት ንነፈርቲ ኣገልግሎት ዝቕርብ፣ እቲ ራብዓይ ከኣ ናይ ቲኬት ኦፊስ ምዃኑ፤ ግን ከኣ ኵሉ ነብሱ ዝኸኣለ ዝተፈላለየ ምሕደራን ንጥፈትን ከምዘለዎ የረድእ።

እንተዀነ ሰባት ብዘይ ፍላጥ ንዅሉ ኣገልግሎታት ከምዝሓዋውስዎን ነቲ ሕጂ ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ዝተዋህበ ንምቍራጽ በረራታት ዝምልከት መግለጺ፡ ከምቲ ዝተባህለ፡ ምክልባት ገያሾ ዘንቀሎ’ዩ ኢልካ ንምእማን ከምዘሸግርን ይዛረብ።

ምሁር ቍጠባ ዶር ፍትዊ ወልዳይ ብወገኑ፡ እቲ ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ከም ምኽንያት ምቍራጽ በረራታት ዝቐረበ ዝርዝራት፡ ቅድሚ ሕጂ ንዝምልከቶም ሰብ መዚ መአረምታ ክገብርሉ ከም ዝሓተቱ እውን ስለ ዘይገለጹ እቲ ናይ ሕጂ ውሳነ ዘዕግብ ምኽንያት ከምዘይርከቦ የረድእ።

“ዝምልከቶም ሰብ መዚ ኤርትራ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃንደበታዊ ውሳነ ቅድሚ ምብጸሖም ብመገዲ መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ሕጂ ዝገለጽዎ ዝርዝራት ንኽመሓየሽ ምሕባሮም ንህዝቢ ክገልጹ ይግባእ ነይሩ። መበገሲ ናይዚ ብመልክዕ ሃንደበታዊ መግለጺ ዝተኣወጀ ምቍራጽ በረራ፡ ፖለቲካዊ ድዩ ወላስ ተራ ንግዳዊ ዘይምርድዳእ እዩ፡ ··· ንፈልጦ የብልናን።” ክብል እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ኣዕጋቢ ከምዘይኰነ ይሕብር።

ብምቕጻል፡ ንግዳዊ ዘይምስምማዕ እንተኰይኑ’ኸ እቲ ጉዳይ ብኸምዚ ክእለ ይግብኦ ድዩ? ንሰብመዝን ሃገርን ኤርትራ ዘይርጡባት መሻርኽቲ’ዶ ኣየምስሎምን? ዝብል ሕቶ ብምልዓል፡ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ኣገልግሎት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ተገልገልቲ መረረ ክስማዕ ምጽንሑ፡ ይዅን እምበር፡ ኣብ እዋኑ ንህዝቢ ቅሉዕ ዝዀነ ኣራሚ ስጕምትታት ዘይምውሳዱን፡ ብኸምዚ ዝተዋህበ መግለጺ ምምጽኡን ብዙሕ ሕቶ ከምዘለዓዕልን ምስ ናይ 1998 ተመኵሮ ዝመሳሰል ሓባራዊ ረቛሕቲ ከም ዝረኣዮ ይገልጽ።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ,JONATHAN DRUION

ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ሓበሬታ ነይሩ’ዶ?

በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕድለታቱ ክእርምን ንግዳያት ካሕሳ ክኸፍልን ከምዝሓተተ እንተዀነ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን እቲ ውሳነ ብ21 ሓምለ ከም ዝበጽሖ ብምምልካት፡ ዝርዝር መብርሂ ከምዘይተቐበለን፡ እቲ ጉዳይ ተዘራሪብካ ክፍታሕ ከምዝከኣል ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።

ሮይተርስ ንወሃቢት ቃል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሃና ኣጥናፉ ብምጥቃስ፡ እቲ እገዳ በረራ ሃንደበት ብምንባሩ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ጸብጺቡ። ንሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ርእይቶ ንክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ግን መልሲ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ።

እታ ወሃቢት ቃል፡ " [ሲቪል ኤቭየሽን ኤርትራ]፡ ብ8 ሓምለ 2024፡ ሰሙናዊ በረራና ካብ 10 ናብ 15 ክውስኽ ብደብዳበ ሓቲቱና ነይሩ” ብምባል፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ግን እቲ “ዘሰምብድ’ዩ” ዝበለቶ ውሳነ ከምዝመጽአ ገሊጻ።

ዶክተር ፍትዊ ብወገኑ፡ ኣብ እዋኖም ክውገኑ ዝግብኦም ተጓንፎታት ተወንዚፎምን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሎምን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ግዜ ሓድሽ ተረኽቦ ወይ ፖለቲካዊ ክውንነት ኣብ ዘጓንፈሉ፡ ንዝውሰዱ ውሳነታት ከም መርትዖን መመኽነይታን (trigger factors) ናብ ህዝቢ ከም ዝቐርቡ የረድእ።

ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣካይዳታት ከኣ፡ እምነት ህዝቢ ዝብሕጉግን ብኩራት ተሓታትነት ዘጕልሕን መለለይታት ስለዝዀኑ ፍጹም ክውገዱ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጕምቲ፡ ኣብ ኤርትራዊ ተገልጋሊ ናይ በረራታት ጸገማት ከይፈጥር ዳግመ ግምት ክግበረሉ ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽር።

ኣብዚ ሳልስቲ፡ ኣንከር ብዝተባህለት ማሕበራዊ መራኸቢታት ቃለ መሕትት እተገብረሉ ናይ ኣቭየሽን ጋዜጠኛ ነበር ቃለ-እየሱስ በቀለ፡ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ተወሲዱ ዘሎ ውሳነ ምቍራጽ በረራ፡ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ንዘሎ ፖለቲካዊ ዝምድና ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ብኤርትራውያን ገያሾ ጥራይ ዘይኰነ ብካልኦት ተገልገልቲ እውን ዝንቀፍ ዘሎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድኽመታቱ ንኽእረም ተመኻኺርካ ክስራሕ ከምዝከኣል ተዛሪቡ።

እቲ ጋዜጠኛ ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ነበር፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ አስመራ ብናቕፋ ዝሸጦ ትኬት፡ ብዶላር ንኽወስዶ ይጽገም'ኳ እንተነበረ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ብወገኑ፡ ንኤርትራ፡ ብዶላር ዝኸፍሎ ናይ በረራ ኣገልግሎት ስለዘሎ ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዚ እናተረዳድኡ ይሰርሑ ምንባሮም ይገልጽ።

ወሲኹ፡ ኣብ ሓደ እዋን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሓባቢሮም ክሰርሑ ስለእተሰማምዑ፡ ወከልቲ መገዲ ኣየር ኤርትራ ንስልጠናን ምምኽኻርን ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ምንባሮም ብምምምልካት ከኣ፡ እቲ ሕጂ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ብዘተ ምፍትሑ ንኽልቲኤን ሃገራት ከምዘርብሕ ይዛረብ።

እቲ ውሳነ ዝህልዎ ቍጠባዊ ሳዕቤን እንታይ እዩ?

ኣብቲ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ዝሃቦ መግለጺ፡ ‘ኵሎም ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕዕዞኦም ከይሰናኸል ብእዋኑ ኣማሪጺታት ከናድዩ ኣዘካኺሩ'ኳ እንተሎ፡ ከምዚ ዓይነት ሃንደበታዊ ምቍራጽ በረራታት ከጋጥም እንከሎ ግን ብፍላይ እቶም ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ቲኬት ዝዓደጉ ገያሾ፡ ቲኬታቶም ንምትዕርራይ ተወሳኺ ክፍሊት ከየጋጥሞም ስክፍታ ከምዘሎ ብርኽቲ ትገልጽ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ስድራ ቤታት ኣብ ኢትዮጵያን ዩጋንዳን ተሰዲዶም ንዝነብሩን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ንዝመጽኡ ደቆም ክርእዩ ዝገሹ ወለዲ መብዛሕትኦም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዮም ዝጥቀሙ።

ካብ ዝመጽእ መስከረም ግን ኣገልግሎት በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ደው እንተይሉ ኤርትራውያን ገያሾ ብኻልኦት መገዲ ኣየራት ክጥቀሙ ስለዝግደዱ ተወሳኺ ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ ይዀኑ። እዚ ከኣ ኣብ ተጠቀምቲ ተወሳኺ ጾር ከኸትል ከምዝኽእል ወይዘሮ ብርኽቲ ትግለጽ።

ይዅን እምበር መንግስቲ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሓያሎ ሳምንታት ተኽእሎታት ወፍሪ ክድህስሱ ካብ ኢጣልያ ምስ ዝመጽኡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ካብ ጥልያን ናብ ኤርትራ በረራታት ነፈርቲ ክጅመር ዝኽእለሉ ዕድላት ስለዝተዘራረበ ምናልባት ካልእ ኣማራጺ ይፍጠር ይኸውን ዝብል ተስፋ ከምዘለዋ ትዛረብ።

ኣቶ ክብሮም ዳፍላ እውን፡ ኣብ ኤርትራ ንቍጠባዊ ኵነታት ዝጸሉ ናይ እታውን ሰደድን በረራታት ንግዲ ስለዘየሎ ንሃገራዊ ቍጠባ ብዙሕ ከምዘይጸልዎ፡ እንተዀነ እቲ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተለማሚዱ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ተገልጋሊ ግን ኣማራጺታት ሕጽረት ከጋጥሞ ከምዝኽእል የረድእ።