ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ተገሊጹ

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ተሓቢሩ።

እቲ ጀነራል፣ ብዘይካ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንፕረዚደንታት ግብጺን ኡጋንዳን’ውን ዓዲምዎም ከምዘሎ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ጠቒሳ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ዝግለጽ ዘሎ፣ ጀላቡ ኵናት ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከር ወደብ ስዋኪን ብምብጻሕ፣ ኣዘዝቲ ሓይልታት ባሕሪ ክልቲኤን ሃገራት ከምዝተመያየጡ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ዓኤርትራ ኣብ ሱዳን ካብ ኣስመራ ከምዝሰጎጎትን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣል ትሪክ ንዝርከቦም መራሕቲ ቀቢላታት ቤጃ- ሃንደንደዋ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተቐቢሉ ከምዘዘራረቦምን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዝርከቡ ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ደገፍ ጎረባብቲ ሃገራት ንምርካብ በብወገኖም ጻዕርታት የካይዱ’ዮም።

ብፍላይ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጺን ኣብ ጎኑ ደው ክብላ ተደጋጋሚ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኵናት ሱዳን፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝዓለመ፣ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጺን ዝተበገሰን፣ ኣብ 14 ነሓሰ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘተ ንምክያድ’ውን ተወጢኑ ኣሎ።

እንተኾነ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብዚ ፖለቲካዊ ዘተ ንምስታፍ ብዛዕባ ምውሳኑ ዛጊት ኣየነጸረን።