ኣቢይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ፡ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ንፓርላማ ዝሃቦ መግለጺ

ንሱ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ፡ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኲናት ከይካየድ ብምግባሩ፡ ኣስማት እቲ ፕረዚደንትን ክልተ ምክትላቱን ጸሪሑ ንኢዱ።

እንተዀነ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምግምማዕ ስዒቡ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሰፊሕ ቅልውላው ኣትዩ ይርከብ።

ብደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ብዕጡቓት ተደጊፉ፡ ንመቐለ ሓዊሱ ንገለ ኣብያተ ጽሕፈት ከንቲባታት ከባብያዊ ምምሕዳራት ተቘጻጺሩ ዝርከብ ኰይኑ፡ እዚ ዝፈጠሮ ወጥሪ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ደዀን ከየምርሕ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ነዚ ኣመልኪቱ ርእይቶ እንክህብ፡ "ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ተወጢሩ ስለ ዘሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምውቃዕ ግዜኡ ሕጂ'ዩ' ዝብል ገምጋም ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ከም ዘለዉ እፈልጥ እየ። መልሰይ ግን 'ሰላም እዩ ዘድልየና፡ ኣየዋጽእን' ዝብል እዩ፡" ኢሉ።

"ኣብ ውልቀ-ሰባት ለውጢ ክግበር ይከኣል እዩ፡" ብምባል ብብርትዐኦም እናተናእዱን ብድኽመታቶም እናተነቐፉን ዝቕየሩ ሰባት ከም ዘለዉ ብምእንፋት፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ክለዓል እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ግን ሓቢሩ።

"ኣብ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጽዒርና ኢና፡" ዝበለ ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ኣብ ጸለምትን ራያን ውጽኢታዊ ስራሕ ተሰሪሑ'ዩ። ኣብ ካልኦት ከባቢታት [ምዕራብ ትግራይ] ግን ብሰንኪ ፖለቲካን ሰብኣውነትን ዝተሓዋወሶም ፖለቲከኛታትን ክሰልጠና ኣይከኣለን፡" ኢሉ።

እቶም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሰፊሑ ዝኽሰሱ ዕጡቓት ዛጊድ ንምዕራብ ትግራይ ተቖፃፂሮምዎ ዝርከቡ ዀይኖም፡ በቶም ዕጡቓት ዝቖመ ምምሕዳር ከይፈረሰ ምምላስ ውሕስነት ከምዘይብሉ ይግለፅ።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ካብቲ ከባቢ ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ተመዛበልቲ ንዝሓለፉ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ኣደዳ ፀሓይን ቁርን ኰይኖም ይርከቡ።

እንተዀነ፡ 'እዚታት ኣጀንዳ መራሕቲ ትግራይ ኣይኰነን' ተባሂሎም ዝውቀሱ ዀይኖም፡ እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር'ውን፡ ሰብኣውነት መጥቀሚ ፖለቲካ ይውዕል ኣሎ ክብል ነቒፉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣስዒቡ፡ "ኣብ ትግራይ ተመዛበልቲ ክምለሱ ጥጡሕ ባይታ እንተ ተፈጢሩ፡ መንግስቲ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ'ውን እንተዀነ ናብ መረበቶም ክምለሱ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።

ኣብይ፡ ነቲ ደማዊ ንኲናት ትግራይ ጠጠው ዘበለ ውዕል ፕሪቶርያ፡ 'ታሪኻዊ' ዝበሎ ኰይኑ፡ ተቋሪጾም ዝነበሩ መሰረታውያን መንግስታዊ ኣገልግሎታት ከም ዝተጀመሩን ህዝቢ ተጠቃሚ ከም ዝዀነን ኣረዲኡ።

እንተዀነ፡ ዛጊድ ገለ ጅማሮታት እኳ እንተ'ለዉ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ግብራዊ ኣይኰነን ዝበሎ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ዝምልከት ኣልዒሉ ቅረታ ኣስሚዑ።

"ዲዲኣር ብዘይምፍጻሙ፡ ቀዲሙ ዝጕዳእ ህዝቢ ትግራይ እዩ፤ ከምህሩ፣ ክፍሕሩን ሃገር ክልውጡን ዝገብኦም መንእሰያት፡ በስም ወተሃደር ከፍ ኢሎም፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝኸይድ ዓመታዊ ባጀት ንቐለቦም ዘውዕሉ እንተዀይኖም፡ ኣብ ውሸዕጢ ትግራይ ልምዓት ክመጽእ ዝሕሰብ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

በብዓመቱ ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ብኸምዚ መንገዲ ከም ዝባኽን ተዛሪቡ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ፅባሕ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ከበድቲ ኣፅዋራት ዘረከቡ እንተዀኑ'ኳ፡ ኣስታት 275 ሽሕ ዝዀኑ ኣባላቶም፡ መሉእ ንሙሉእ ዕጥቂ ፈቲሖም ናብ ንቡር ህይወቶም ኣይተመልሱን።

ብዛዕባ ኤርትራኸ እንታይ ኢሉ?

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ምስ ኤርትራን ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ተዛሚዶም ሕቶታት ዝቐረብሉ ምላሽ እንክህብ፡ "ንቐይሕ ባሕሪ ኢልና ኤርትራ ናይ ምውራር ባህጊ የብልናን፡" ኢሉ።

" 'እንዘረራረበሉ፡ እንመኻኸረሉ' ኢና ንብል ዘለና፣ 'ንዋጋእ' ኣይበልና። እንተዀነ፡ ክመጽእ ንዝኽእል ወረራ ንምምካት እኹል ምድላዋት ገይርና ኢና።"

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ዳርባ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት፡ እዘን ሃገራት ናብ ኵናት ከይኣትዋ ሻቕሎት ነይርዎም'ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክፈጥር ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ጻውዒት ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ፡ "ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ፡" ተማሕጺና እያ።

"ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምሕታት ግን ከም ነውሪ ዝቝጸረሉ ግዜ ኣብቂዑ እዩ፡" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ኢትዮጵያ ጻሕታሪት ኵናት ከም ዘይትኸውን ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡" ኢሉ።

ንሱ፡ ሕቶ ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ምላሽ ዝረኽበሉ ኵነታት ክረጋገጽ ሓቲቱ።

"ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያውያን ናይ ህልዉና ጉዳይ'ዩ፣ እንካ-ሃባን ብዝተመስረተ ልዝብ ዝተደረኸ ክኸውን'ዩ ድልየትና።"

ቀይሕ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወደብ-ኣልቦ ኰይና ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ብቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ኣፍደገ ክህልዋ ከምዝደሊ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ፡ "ብዲፕሎማሲ ይኹን ብወተሃደራዊ ሓይሊ" ኣፍደገ ባሕሪን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ናይ ምርካብ "ግጉይ" ሸውሃት ከምዘቖጥዓ ኤርትራ ገሊጻ'ላ።

"ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ ኤርትራ ትምሕጸን"።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ቀወምቲ ኣምባሳደራትን ንዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝሃቦ ዘይልሙድ መብርሂ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዘየእተዉ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ጌታቸው ረዳ፡ ገለ ካብቶም ዝቃወምዎ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን፡ ምስ ኤርትራ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ገለ ሰብመዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ነቲ ዝተባህለ ርክባት "ጥዕና ዘይብሉ" ክብሉ ገሊጾሞ ነይሮም።

ሚኒሰተር ዑስማን ሳልሕ ግን፡ ኣብ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዀነ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢዶም ከእትዉ ድሌት ከምዘይብሎም ብምግላፅ፡ ክቐርበሎም ንዝቐነየ ክስታት ጣልቃ ምእታው፡ ነጺጉ።