ኤርትራ፡ ብፊልም ‘ቬርሶ’ ዝሰዓበ ማእሰርቲ ሰራሕታን ምስጢራን እንታይ እዩ?

እዛ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ገለ ዓመታት ተሰሪሓ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብመገዲ ቻነል ዩቱብ፡ ‘ኤሪ-ኦኣሲስ ኢንተርተይመንት’ ዝተዘርግሐት ፊልም ‘ቬርሶ’፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዓሚቝ ክትዕ ፈጢራ ቀንያ ኣላ።

እዛ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰፊሕ ኵነኔ ዝወረዳ ፊልም፡ እቲ ኵነታት ማእሰርቲ ኵሎም እቶም ኣብታ ፊልም ዝተሳተፉ ሞያውያን ኣስዒቡ እዩ።

ቢቢሲ ካብ ኣስመራ ከም ዘረጋገጾ፡ ብምሉኦም እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ምስታ ፊልም ምትእስሳር ዘለዎም፡ ኣብታ ፊልም ዝዓየዩ ተዋሳእቲ፡ ደራሲ፡ ዳይሬክተር፡ ሰኣልቲ (ካሜራ ማን)፡ ኤዲተርን ካልኦትን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ካብ መንግስታዊ ኣካላት ኤርትራ፡ ብዛዕባ እታ ፊልምን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዝዓየዩዋ ሞያውያንን ዛጊት ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን።

ኣብ ኤርትራ ዝፈሪ ዝዀነ ይዅን ስነጥበባዊ ስራሕ፡ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና እታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ሳንሱር ይግበር ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ መስርሕ ግን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ድሕሪ ምስሳን ቻነላት ዩቱብ እናተገድፈ፡ ‘ናጽነት ምስ ሓላፍነት’ ብዝብል መርሓ ተሓታትነት ኣብ ዝባን ዝሰርሕ ውልቀሰብ ወይ ሰባት ይዅን ትካል ከም ዝተገድፈ እዩ ዝፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፈረያ ፊልምታት ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምቕራበን፡ ብስነጥበባዊ መገዲ ዝመምን ብጽሩራ ደረጃታት ዘቐምጥ፡ ሰፊሕን ዓሚቝን ህየሳዊ ገምጋም ንሰራሕቲ ፊልም ዝህብን ብመገዲ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝዝርግሕን ዝነበረ፡ ኣብ 2006 ኣቢሉ ዝቘመ ትካል መማይት ኮሚተ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ እውን፡ ፊልምታት ብቐጥታ ናብ ዩቱብ ምስቃል ምስተጀመረ፣ ምስ ቍጠባዊ ምኽንያትን ካልእን ኣብ ሲነማ ዝቐርብ ዝነበረ ፊልምታት እናተረፈ ብምኻዱን ስርሑ ኣቋሪጹ።

ከም ትካል ደረጃታት ፊልም ዝኣመሰሉ ትካላት ስነጥበብ ኣብታ ሃገር ዘይምህላዎም፡ “ፊልምታት ፊልሞግራፊያዊ ብቕዓቶም ክወድቕ፡ ንገንዘብን መኽሰብን ዘቐድም ቀቀልጢፉ ዝፈርን ዝደጋገም ወይ ዝመሳሰል ቴማታት ዘልዕል ብዅሉ መዳያቱ ድኹም ፊልምታት ክፈሪ ምኽንያት ከም ዝዀነ፡” ሓደ ቢቢሲ ዝተወከሶ ስነጥበበኛ ይገልጽ።

“ብኵራት ከምዚ ዝበለ ትካላት ድማ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ተልመዴንነት ኣሰሲኑ፡ ኵሉ ድማ ኣፉ ዘዝሃቦ ክዛረብ ዕድል ከፊቱ፡” ብምባል ይውስኽ።

እዚ ኰይኑ ግን ነቲ “ሰፊሕ ጐስጓሳት” ዘስዓበ ኣልማማ ማእሰርቲ ኣብዛ ፊልም ንዝተሳተፉ ስነጥበባውያን በየናይ ዓንቀጽ ክኽሰሱ እዮም ወይ ብኸመይ ክተሓዙ እዮም ዛጊት ዝፍለጥ የለን።

ብሓፈሻ፡ ኣብታ ሃገር ንኸምዚ ዝበለ ጉዳያት ይዅን ካልእ ብተመሳሳሊ ዝግበር ኣልማማ ማእሰርቲ ብሕጋዊ መዳይ ክሲ ቀሪቡሉ ኣይፈልጥን።

ኣብ ተመኵሮ እታ ሃገር ከም ዝተራእየ ግን፡ ብወግዒ ክሲ ክምስረተሎም ትጽቢት ኣይግበርን። ጃምላዊ መቕጻዕቲ ግን ከም ዘይተርፍ ብቐረባ ንዅነታት ፕረስን ስነጥበብን ኤርትራ ዝከታተሉ ሰባት ይገልጹ።

እታ ‘ሃገረይ 3’ ብዝብል ብርዒ ስም ደራሲን፡ ሳምሶን ፍስሓጽዮን ከም ዳይሬክተርን ዝገለጸት ፊልም፡ ኣዛራቢት ካብ ምዃን ሰጊሩ ኵነኔ፡ ቍጥዐ ኣብ ገለ ድማ ናብ ውልቀ-ሰባት ብፍላይ ገለ ተዋሳእቲ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እታ ፊልም ዝተሰቕለትሉ መድረኽ ‘ኤሪ-ኦኣሲስ ኢንተርተይመንት’ ብዝተፈጥረ ኵነታት ይቕረታ ሓቲቱ፡ ካብ ከብሑ ከም ዘውረዳ ኣፍሊጡ - ወሪዳ እውን።

ብዘይካ’ዚ ኣብዛ ፊልም መረብ እስቲፋኖስ፡ ፍስሃየ ወርቅነህ ዝተባህሉ ፍሉጣት ስነጥበባውያን ከምኡ’ውን ሜሮን ተስፉ፡ ሙሴ ሚኪኤል፡ ስኖውዋይት ኣሰፋው ዝተባህሉ ኣብ ብዙሕ ፊልምታት ዝዓየዩ ፍሉጣት ተዋሳእቲ ዝሰርሑላ እያ።

መረብን ፍስሃየን እውን፡ ብመገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ብዝዘርግሕዎ ቪድዮታት “ንህዝቢ ይቕረታ” ሓቲቶም እዮም።

ፍልጥቲ ተዋሳኢት መረብ እስቲፋኖስ፡

ምንጪ ስእሊ,SM

መግለጺ ስእሊ,ፍልጥቲ ተዋሳኢት መረብ እስቲፋኖስ፡ በቲ ዝተፈጥረ ኵነታት ንህዝቢ ይቕረታ ሓቲታ

እንተዀነ፡ ኣቐዲሙ ካብ ዝተዘርግሐ ብፍላይ እታ ኣዛራቢት ዝዀነት ሓምሸይቲ ክፋል ዝተቐናጠበ ገለ ምርኢታት ዝተፈላለየ መግለጺታት እናተዋህቦ ገና ይዘውርን የዘራርብን የካትዕን ኣሎ።

እታ ፊልም ግን ትሕዝቶኣ እንታይ እዩ?

እታ ፊልም ትሕዝቶኣ ብምልኣትን ውድዕነትን ንምትንታን ከም ዘጸግም ብዙሓት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነቲ ጉዳይ ብሚዛናውነት ክርእይዎ ዝፈተኑ ስነጥበባውያን ይገልጹ።

ንደራሲን ዳይረክተርን ብፍላይ ድማ እቲ ቀንዲ ኣዛራቢ ኰይኑ ዘሎ ገጸ-ባህሪን ብቐጥታ ንምዝርራቦም ዝተገብረ ፈተነ ብሰንኪ ማእሰርቶም ኣይሰለጠን።

ትሕዝቶ ፊልም ካብ ኣርእስቲ ንምግማት ከም ዝከኣል [ንኣርእስቱ ዝተዋህበ ትነታነ ጸኒሕና ክንምለሶ ኢና] መረዳእታኦም ዘቐመጡ’ውን ኣለዉ።

እቲ ቀንዲ ዘዛርብ፡ ኣብታ ፊልም እቲ ‘ኣንስታዊ ባህሪ’ ዘለዎ ገጸ-ባህሪ እዩ። እዚ ጠባይ፡ ብብዙሕ መዳያቱ - ኣመሻሽጣኡ ኣዘራርባኡ ተግባራቱ... ጓል ኰይኑ እዩ ቀሪቡ።

ኣብ ሓምሻይ ክፋል እታ ፊልም ብፍላይ እቲ ጠባይ፡ ብቓና ጓልኣንስተይቲ ክዛረብ፡ ኣብ ሽንቲ ቤት ደቂ ኣንስትዮ ክጥቀም፡ ኣብቲ ፈለማዩ ምዃኑ ዝገልጾ “ድንግልናይ ፈሪሱ” ዝብሎ ተመኵሮኡ ንጾታዊ ርክብ፡ ስምዒቱ ዝገልጸሉ ኣገባብ ደቂ ኣንስትዮን ካልእን፡ ተወሰኾ እቲ ኣብቲ ምርኢት ዝርአ ብዝሒ መስተን “ኢሞራላዊ” ተባሂሉ ብብዙሓት ዝተገልጸ፡ ምቅይያር ነተን ምስኣቶም ዝሓድራ ኣዋልድን ካልእን ሰፊሕ ቍጥዐ ክፈጥር ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

እዚ ይዅን ግን ኣብ ጾታዊ መንነቱ ብቕሉዕ ዝተራእየ ነገር የለን። ስምዒቱ ዝገለጸሉ ኣገባብ ገዲፍካ፡ እቲ ወዲ ምስ ጓለ’ንስተይቲ ሓዲሩ ንፈለማ ግዜ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸመ እዩ ዘመላኽት።

እንተዀነ ብዙሓት ተዓዘብቲ፡ ዳርጋ ኣብ ብዙሕ መዳያት ብተመሳሳሊ ቃና፡ ‘ብሓፈሻኡ ትሕዝቶ እዛ ፊልም ምስ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብሪታት ኤርትራ ዘይከይድ፡ ንሰዶማውነት ዘተባብዕ ትሕዝቶ ዘለዋ እያ፡’ ብምባል፡ ክነቕፉ ጥራይ ዘይኰነስ ብተረርቲ ቃላት ‘ኵሎም እቶም ኣብዛ ፊልም ዝተሳተፉ ክቕጽዑ’ ከም ዘለዎም ክጕስጕሱ ተሰሚዖም።

ኣብታ መዛረቢት ዝዀነት ክፋል ፊልም ቬርሶ ግን፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ‘ግብረሰዶም’ ተባሂሉ ዝጽየፍ ተግባር ብቕሉዕ ኣይተራእየን። እዚ ማለት ሕደ-ጾታውያን ዝዀኑ ወዲ ምስ ወዲ ወይ ጓል ምስ ከምኣ ጓል ዝገብርዎ ጾታዊ ምትንኻፋት ይዅን ምስኡ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ተግባራት ከም ምቕያር ጾታ ዝኣመሰሉ ነገራት ብቕሉዕ ኣይተራእዩን።

እቲ ጠባይ፡ ከምዚ ብተለምዶ ‘ጓል-ጓሎ’ ዝበሃሉ ጾታዊ መንነቶም ከም ዘለዎ ኰይኑ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ባህሪኦም፡ ኣተዓባብያኦም ይዅን ተፈጥሮኦም ተግባራት ጓል ዝሰልጦም ዓይነት ሰባት ምዃኑ ብዙሓት ዝገልጹ ኣለዉ።

ነዚ ኸኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ገጸ-ባህሪያት ዘለወን ኮሜድያዊ ፊልምታትን መድረኽ ድራማታትን ከም ዝፈረያ ዝጠቅስ፡ ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝመረጸ ሃያሲ ፊልም፡ “ንመስሓቕ” ኢሎም ዝገብርዎ እዩ ኢሉ ከም ዝግምትን፡ “እቲ ዝተዓባበዮን ዝተዋህቦ መግለጺታትን እዩ ዝያዳ ኣጕሊሑዎ፡” ብምባል ነቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ዘመተ፡ ብዅሉ ሸነኻቱ ትሕዝቶኡን ኣቀራርባኡን ይነቅፍ።

ኣብ ኤርትራ፡ ምስ ተግባራት ሕደ-ጾታውነት ዝተኣሳሰር ጉዳይ ብሕጊ ዘቕጽዕ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

‘ቬርሶ’ ከም ኣርእስቲ

እዚ ኣብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ 5ይ ክፋል እታ ፊልም ንዝቐረበ ገለ ምርኢታትን ምርኵስ ዝገበረ ክትዓት ዘልዓለ ይዅን እምበር፡ እቲ ቀንዲ ኣዛራቢ ካብ ኣርእስቲ እዛ ፊልም ዝነቅል ትርጕምን መልእኽትን ምዃኑ ብዙሓት ይምጕቱ።

ዝተዋህበ “ቬርሶ" ዝብል ቃል፡ ብኸመይ ተመሪጹ? ብመንጽር ትሕዝቶን ሓፈሻዊ ቴማን እታ ፊልም እንታይ ንምውካል እዩ ተጠቒሙሉ ዘሎ? ንዝብል ሕቶ ብቐዳምነት ጸሓፊ እዛ ፊልም ንኽገልጽ ሕጂ ዕድል የለን።

ሓንሳብ ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ስነጥበባዊ ስራሕ ግን፡ ህዝቢ ስለ ዝውንኖ፡ ክትንትኖ ከመራመረሉን ከስተንትኖን ከስተማቕሮን ግድን እዩ።

ስለዝዀነ ድማ ነቲ ኣርእስቲ ኣዕሚቝካ ብምፍርፋር፡ ቴማ እዛ ፊልም ምስ “ሕደ-ጾታውነት ዝተሓሓዝ እዩ፡” ናብ ዝብል መደምደምታ ዝዛዝዉ ብዙሓት ኣለዉ።

እቲ ቓል ላቲን ዝመበቈሉ ኰይኑ፡ ትርጕሙ ግን ኣብ መቓን ትሕዝቶኡ ዝውሰን ምዃኑ ዝተፈላለየ ጽሑፋት የመልክቱ።

ኣብ ከምዚ እዛ ፊልም ንኣብነት ብተምሳል -ሲምቦል - እንተ ተጠቒምካሉ፡ ንሓሳባት ክልተኣውነት፡ ሕቡእ መንነት ወይ፡ ንጽኑሕ ወይ ምስሩት ኣተሓሳስባታት ሓደ ሕብረተሰብ ዝብድህ፡ ‘ንማሕበራዊ ፍትሒ’ ዝጽውዕ ኣማራጺ ኣረኣእያታት ክውክል ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

ኣብ መቓን ትሕዝቶ እዛ ፊልም ቬርሶ እንተ ርኢና ድማ፡ “ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰሉ ዓቃባውያንን ሃይማኖታውያንን ሕብረተሰባት፡ እቲ ኣርእስቲ፡ ነቲ ዝጸንሐ ንሕብረተሰብኣዊ ስርዓታት ዝፈታተን፡ ኣማራጺ ኣረኣእያ ወይ ትረኻ ዝብድህ፡ ነዊሕ ወይ ብዙሕ ግዜ ንዝተዓብሰ፡ ግሉል ትረኻታት ንምቕላዕ፡ ብጥበብ ዝተሓስበ፡” ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ገለ ቢቢሲ ዝተወከሶም ሃየስቲ ፊልም ይትንትኑ።

ስለዚ፡ ትርጕምን ሕርያን ናይዚ ኣርእስቲ ብምሉእ ነቲ ፊልም ርኢኻ ዝትንተን ብዓቢኡ ኸኣ ሰራሕቲ እዛ ፊልም መብርሂ ክህብሉ ዝግባእ ምዃኑ ኵሉ ዝሰማምዓሉ ኰይኑ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓፋኒ ሕብረተሰብ፡ ሓሳባትካ ተቕርበሉ ካልእ መገዲ ከምዘየለ፡” ብምጥቃስ፡ “ሓሲቦም ተመራሚሮም ገይሮምዎ እንተዀይኖም፡ ሕርያ ናይቲ ኣርእስቲ ዝነኣድ እዩ፡” ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ዝሰዓበ ኵነታትን ስክፍታን

እቲ ጸገም፡ ኣንጻር እታ ፊልምን ተዋሳእታን ሓንሳእ ዘመተ ምስ ተጀመረ ዝበዝሕ ከም ብማዕበል ዝተገፍዐ ስዒብዎ።

ንሱ ድማ ስለ ዝሰዓረ እዩ ዝብል ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሃያሲ፡ “ዝዀነ ይዅን ግን ብፍላይ እቲ ኣብ ደገ ዝነብር ክፋል ሕብረተሰብ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ዙርያ ጾታውነት ንዝተናኸፍ ኣርእስቲ ፍጹም ተጻዋርነት ከም ዘይብሉ ዘርኢ እዩ፡” ኢሉ።

ብዙሓት ኣብ ስደት ብፍላይ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስድራቤታት፡ በቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንደቆም ዝወሃብ ጾታዊ ትምህርቲ ስክፍታ ከም ዘለዎም እዮም ዝገልጹ።

እዚ ድማ ኣብዚ ዛዕባ ብፍላይ ልዕለ-ተነቀፍቲ ክዀኑ ገይርዎም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ዝዀነ ከምዚታት ዝመስል ነገር ክመጽእ እንከሎ ተጻዋርነት ከም ዝስእኑ ሓደ ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ይገልጽ።

“እቲ ኣብ ዓዲ ዝፈሪ ፊልምታት፡ ብስነጥበባዊ መልክዒታት ብቕዓቱን ደረጃኡን ብዘየገድስ፡ ባህሊ ንምርኣይ፡ ቋንቋ ንምፍላጥ፡ ዓድኻ ንምርኣይ ብዝብል ፍቕሪን ናፍቘትን ስለ ዝሃርፍዎን ምስ ደቈም ሓቢሮም ስለ ዝርእይዎን፡ ከምዚታት ትሕዝቶ ክህልዎ እንከሎ፡ ቀልጢፉ የቘጥዖም፡” ይብል።

እቲ ዝበዝሕ እቲ ትጽቢት ዝገብረሉ ነገራት ምስ ሰኣነ እዩ ግብረ መልሲ ዝህብ። ምስቲ ኣብ ስደት ዘለዎ ቅልውላዋትን ንዓዱን ባህሉን ዘለዎ ናፍቘትን ዝመንቀሊኡ እዩ።

ኵሉ’ቲ ዝተራእየ ልዕለ-ቍጥዐ ግን ድርኺቱ ሓደ ዓይነት እዩ ንምባል ከም ዘጸግም ካብቲ ዝቐረበ ትሕዝቶ ንምግምጋም ከም ዝከአል ብዙሓት ይዛረቡ።

ዝዀነ ኰይኑ፡ እዚ ዝተራእየ ሰፊሕን ነዳሪን ግብረ መልሲን ጐስጓሳትን ብዅሉ መዳያት ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤናት ዘሰክፎም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ።

እቶም ኣብታ ፊልም ብዝተፈላለየ ደረጃ ዝተሳተፉ ስነጥበባውያን ብምሉኦም ድሕሪ ምእሳሮም ክወርዶም ዝኽእል ኵሉ ዓይነት መቕጻዕቲ፡ ፍትሒ ዝረኽብሉን ብሕጋዊ መገዲ ዝኽሰስሉን ዝዳነይሉን ኵነታት ክህሉ ዘሎ ተኽእሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣሰካፍነቱ ከቢድ እዩ።

እቲ ኣብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ምዕፋን ፕረስ፡ ስነጥበብን ውጽኢቱን ብኣሉታ ዝውቀስ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ተርእዮ ከም ምኽንያት ወሲዱ ኣብቲ ኣብታ ሃገር ምስ ብዙሕ ብድሆታቱ ከም ዝፈሪ ዝግለጽ ብሓፈሻ ስነጥበባትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክስስና ዝጸንሓ ቻነላት ዩቱብን ክገብሮ ዝኽእል ቀያዲ መምርሒታት እውን ብማዕሪኡ ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።