ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ስለምንታይ’ያ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ንደረጃኣ ዝምጥን ዓወት ምምዝጋብ ስኢና?

ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ናይ ዓበይቲ፡ ትሕቲ 23 ዓመትን ጁንየርን ከምኡ ከኣ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብሓንቲ ተቐዳዳሚት ተወኪላ ኣብዚ ዓቢ መድረኽ ተሳቲፋ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ብደረጃ ዓለም መበል 18 ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ከኣ መበል 17 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ወትሩ ኣብ ቅድሚት ምስ ተሰረዐት'ያ።

እንተዀነ ካብቶም ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ኵሉ ውድድራት ሻምፕዮና ዓለም ዝተሳተፉ 13 ተቐዳደምቲ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ያፉት ሙሉጌታ መበል 103 ኰይኑ ውድድሩ ክውድእ እንከሎ፡ ካብ ናይ ዓበይቲ ከኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ዕውት እቲ ውድድር ታደይ ፖጋቻ ብ12 ደቂቕን 9 ካልኢትን ድሒሩ መበል 53 ኰይኑ ኣትዩ።

እቶም ዝተረፉ ተቐዳደምቲ ግን [ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ጁንየር፡ ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ኢሊትን] ነቲ ጸወታ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክውድእዎ ኣይከኣሉን።

ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮና ዓለም ኤርትራ ኣብ 2021 ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ከተማ ኣንተረፕ ንጣልያናዊ ፍሊፖ ባሮንሲቲ ተኸቲሉ ካልኣይ ብምውጻእ እታ እንኰ ብሩር መዳልያ ዝረኸበላ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።

ኣብ ናይ ዓበይቲ ከኣ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2016 ኣብ ደውሓ [ቐጠር] ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም መበል 13 ዝወጽኣሉ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ናትናኤል ኣብቲ እዋን፡ ካብቲ ቀዳማይ ደረጃ ብምውጻእ ወርቂ መዳልያ ዝተዓወተ ፒተር ሳጋን ኣርባዕተ ካልኢት ጥራይ ድሒሩ’ዩ መበል 13 ኣትዩ።

ስለዚ ኣብ ናይ ኢሊት ብግዜ ክልካዕ እንከሎ ውጽኢት ናትናኤል ብርሃን እቲ ናብ ቀዳማይ ዝቐረበ ግዜ ምዃኑ ይግምገም።

ብሓፈሻ ኤርትራ ካብ 2011 ጀሚራ’ያ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ክትሳተፍ ጀሚራ።

ኣብቲ እዋን ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ፍረቃልሲ ደበሳይን ሰመረ መንግስን እቶም ቀዳሞት ንኤርትራ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ዝወከሉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 143 ኰይኑ ውድድሩ ክዛዝም እንከሎ ፍረቃልን ሰመረን ግን ነቲ ውድድር ክውድእዎ ኣይክኣሉን።

ኤርትራ 2012 ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ኣይተሳተፈትን። ኣብ 2013 ንኤርትራ ወኪሎም ዝተሳተፉ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ጃኒ ተወልደን ሜሮን ርእሶምን እውን ነቲ ጸወታ ኣይወድኡዎን። ኣብ 2014’ውን ብተመሳሳሊ፡ መኽሰብ ደበሳይን ናትናኤል ብርሃነን ንኤርትራ ወኪሎም ተሳቲፎም ጸወታ ግን ኣይወድእዎን።

ኣብ 2015 ንበይኑ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈ መኽሰብ ደበሳይ ጸወታ ኣይወድኦን።

2016፡ እታ ኤርትራ ብመንገዲ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ዝበለጸ ውጽኢት ዘመዝገበትላ ዓመት ኰይና፡ ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፡ ናትናኤል መበል 13’ዩ ወጺኡ።

እቶም ምስኡ ዝተሳተፉ መኽሰብ ደበሳይ፡ ሜሮን ተሾመ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን መትከል እዮብን ግን ጸወታ ኣይወድእዎን።

ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2017 መበል 83 ክወጽእ እንከሎ ምስኡ ዝተሳተፉ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን መኽሰብ ደበሳይን ጸወታ ኣይወድእዎን።

ኣብ 2018 መርሃዊ ቅዱስ መበል 41 ወጺኡ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ግን ጸወታ ኣይወድኦን።

ኣብ 2019 ዝተሳተፉ መኽሰብ ደበሳይ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ኵሎም ጸወታ ኣይወድእዎን።

ኣብ 2020 መርሃዊ ቅዱስ መበል 67፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር መበል 69 ክውጽኡ እንከለዉ ናትናኤል ብርሃነ ብሰንኪ ሕማም ጸወታ ኣይጀመረን።

ኣብ 2021 መርሃዊ ቅዱስ መበል 50 ክወጽእ እንከሎ ምስኡ ዝተሳተፉ ዳዊት የማነ፡ መትከል እዮብን ናትናኤል ብርሃነን ጸወታ ኣይወድኡዎን።

ኣብ 2022 ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም ቢንያም ግርማይ መበል 54 መርሃዊ ቅዱስ ከኣ መበል 69 ኰይኖም ውድድሮም ወዲኦም። ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ መትከል እዮብን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ግን ነቲ ጸወታ ኣይወድኡዎን።

ዓሚ ኣብ ከተማ ግላስኮ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም ንኤርትራ ዝወከሉ ዳዊት የማነ፡ ሄኖክ ምሉብርሃንን ናትናኤል ብርሃነን ጸወታ ኣይወድእዎን።

ሎሚ ዓመት ከኣ ብዘይካ እቲ መበል 53 ኰይኑ ጸወታኡ ዝወድአ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ቢንያም ግርማይን ዳዊት የማነን ጸወታ ኣይወድእዎን።

ቢንያም ቀዳማይ ተዓዋቲ  ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ኣፍሪቃ'ዩ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ቢንያም ቀዳማይ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ኣፍሪቃ'ዩ

ምኽንያት ዘይኣድማዕነት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ግን እንታይ’ዩ?

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ክለባቶም ይዅን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ ውድድር ምስ ጉዳይ ቪዛ ተታሓሒዙ ብዙሕ መሰናኽላት የጋጥሞም’ዩ።

ኣብ 2023 ንኣብነት ካብቶም ንሃገራዊት ጋንታ ክውክሉ ተሓርዮም ዝነበሩ ቢንያም ግርማይ ብሰንኪ ኣብ ውድድር ክላሲክ ሳብ ሰባስትያን ዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብቲ ጸወታ ክቦክር እንከሎ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ቪዛ ብሰንኪ ዘይምርካቦም ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ኣይከኣሉን።

ሎሚ ዓመት’ውን እንተዀነ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሸዱሽተ ተቐዳደምቲ፡ ንናትናኤል ብርሃን ከኣ ከም ተጠባባቕን መሪጻ ነይራ።

እንተዀነ ኣብ ውዱእ ሰዓት መትከል እዮብ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ውድድር በዅሩ። እቲ ከም ቅያር ተታሒዙ ዝነበረ ናትናኤል ብርሃነ’ውን ካብቲ ዝነበሮ ቱርኪ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ናብ ስዊዘርላንድ ዘእትዎ ቪዛ ንኽረክብ ግዜ ስለዝሓጸረ እታ ጋንታ ብሓደ ጐደሎ ተጻወታይ ክትኣቱ ከምዝተገደደት ኣሰልጣኒኣ ሳምሶም ሰለሙን ቅድሚ ጸወታ ምጅማሩ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ ነይሩ።

ብሓፈሻ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንከም ዙር ሩዋንዳ ዝኣመሰል ዓቢ ውድድር ብዓብላልነት ክዕወትሉ ይርኣዩ’ዮም።

ዙር ሩዋንዳ ናይ 2.2 መለክዒ እንከለዎ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኰይኑ ከምዝተዓወተሉ ይዝከር።

እቲ ውድድር ናብ 2.1 ክብ ምስ በለ’ውን ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2023 ከኣ ሄኖክ ምሉብርሃን ከምዝተዓወቱሉ ይዝከር።

እንተዀነ እንትርፎ እቲ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኰይኑ ዝተዓወተሉ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2019 ክዕወት እንከሎ ምስ ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2022 ምስ ኢጣልያዎት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያኳቶሊ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብ 2023 ንዙር ሩዋንዳ ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ብምዃን’ዮም ተዓዊተምሉ።

ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2014 ንዙር ጋቦን [ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ክኸውን ዝኸኣለ’ውን ምስ ጋንታ ኢሮፕካር ብምዃን’ዩ።

ነዚ ውጽኢታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክትንተን እንከሎ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ደኣ’ምበር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስቲ ብደረጃ ዓለም ሒዛቶም ዘላ መበል 18 ደረጃ ዘይሳነ ውጽኢት ከተምጽእ ካብ እትጅምር ውሑድ ከምዘይኰነ’ዩ ዝትንተን።

ካብዚ ብምብጋስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ተኣኪባ እኹል ልምምድ ከይገበረት ናብ ውድድር ስለእትኣቱ ጽቡቕ ውጽኢት ንኸይተምጽእ ምኽንያት ከምዝዀነ ዝገልጹ’ውን ኣለዉ።

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም ከም ኣብነት እንተወሲድና ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ምሉብርሃንን 29 መስከረም ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ንኽወዳደሩ 25 መስከረም ግን ምስ ጋንታኦም ኣብ ቤልጂም ኣብ ካልእ ውድድር’ዮም ተጸሚዶም ነይሮም።

ብኸምዚ ምኽንያታት ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዋላ ዓቕሚ ንሓድሕዶም ይፋለጡ ከም ጋንታ ተጠርኒፎም ልምምድ ንኽገብሩን፤ ኣሰልጣኒ'ውን ኣብ ህሉው ዓቕሞም ዝተመርኮሰ ውጥን ንኽዳሎን ግዜ ከምዝሓጽሮም ምስዚ ስፖርት ቅርበት ዘለዎም ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እቲ ካልእ ቀንዲ ከም ምኽንያት ዝቐርብ ከኣ ማዕረ እቶም ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ በጺሐሞ ዘለዉ ደረጃ ዝዳረግ ዉርጹጽ ምሕደራን፡ ዓቕሚ ኣሰልጠንትን ዘይምህላዉ’ዩ።

እቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሒዞም ናብ ዝተፈለላየ ውድድራት ዝጓዓዙ ኣሰልጠንቲ ምስ ደረጃን ብቕዓትን እቶም ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ዝዳረግ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ንጸወታ ኣብ ምምሕዳርን እዋናዊ ተዓጻጻፊ ቅዲን መምርሒታትን ኣብ ምትላምን ኣብ ምሃብን ከምዝጽገሙ ወይ ዓቕሚ ከምዝሓጽሮምን ዝገልጹ’ውን ኣለዉ።

ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክውክሉ ካብ ዝጸንሑ ተቐዳደምቲ እንተርኢና ተመሳሳሊ ስም’ዩ ዝደጋገም።

ሓደ ተቐዳዳማይ ክሳብ ካብ ኮረሻ ብሽክለታ ዝወርድ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክውክል ክትርእዮ ዳርጋ ንቡር’ዩ ኰይኑ ዘሎ፤ እዚ ተካእቲ ተቐዳደምቲ ስለዘይፈረዩ ድዩ ዋላስ እቶም ኣሰልጠንቲ ንዝለመድዎም ተቐዳዳምቲ ጥራይ ምሕራይ ስለዝቐሎም እዩ ዝብል ሕቶ ክልዓል እውን ንቡር’ዩ።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ምስ ፍረቃልሲ ደበሳይን ሰመረ መንግስን ኣብ 2011 ንመጀመርታ ግዜ ንኤርትራ ናብ መድረኽ ሻምፕዮና ዓለም ከእትውዋ እንከለዉ፡ እዚ ሎሚ ዓመት ንሻምፕዮና ዓለም ዝተዓወተሉ ታደይ ፖጋቻ ወዲ 13 ዓመት’ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ 2022 ሻምፕዮና ዓለም ዝኾነ ሬምኮ ኤቨነፖል ከኣ ወዲ 11 ዓመት ነይሩ። ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ግን ክሳብ 2023 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘገም ክብል ጸኒሑ። መርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል እዮብን ካልእን’ውን ብተመሳሳሊ ብኸምኡ ቀጺሎም።

ብቕዓት ናይዞም ተቐዳደምቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ፡ ናይ ምምራጽን ምትኽኻእን ዝሕታለ ከምዘሎን ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ውጽኢት እውን ጽልዋ ከምዘሕድር ነቐፌታታት ይቐርብ እዩ።

ኤርትራ ካብ ኣፍሪቃዊ ውድድራት ሓሊፋ ኣብቲ ብኣፍሪቃውያን ዘይድፈር ዝመስል ዓለማዊ ውድድራትን ግራንድ ቱራትን ብመንገዲ ቢንያም ግርማይ ብቐንዱ ብኻልኦት ተቐዳደምትን ክብ ዝበለ ዓወታትን ክብረ ወሰናትን ክትጎናጸፍ ክኢላ’ያ።

መብዛሕትኡ እቶም ተጻወትቲ ምስ [ፕሮፈሽናል] ጋንታታቶም ኰይኖም ዘመዝገብዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ተሓቚፎም ተመሳሳሊ ርዝነት ዘለዎ ዓወታት ንኸመዝግቡ ክጸሪ ዘለዎ ክጸሪ ክዕረ ዘለዎ ክዕረ፡ ክምሓየሽ ዘሎ ክመሓይሽ እዋኑ ይመስል ይብሉ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ዝከታተሉዎ ኣፍቀርቲ ስፖርት።

ሓደ ካብ ትስፍዋት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ

ምንጪ ስእሊ,Getty images

መግለጺ ስእሊ,ሓደ ካብ ትስፍዋት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ

ሻምፕዮና ዓለም ዝዀኑ ተቐዳደምትን ውጽኢት ኤርትራን

2024: ታደይ ፖጋቻ [ስሎቬንያ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 53

2023: ማትዮ ቫንንደርፖል [ሆላንድ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን

2022: ሬምኮ ኤቨነፖል [ቤልጂም] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 54

2021: ጁልያን ኣላፍሊፕ [ፈረንሳ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 50

2020: ጁልያን ኣላፍሊፕ [ፈረንሳ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 67

2019: ማድስ ፔደርሰን [ድንማርክ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን

2018: ኣለሳንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 41

2017: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 83

2016: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ናይ ኤርትራ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 13

2015: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን

2014: ሚካኤል ክዋተኮወስኪ [ፖላንድ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን

2013: ርዮ ኮስታ [ፖርቴጓል] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን

2012: ፍሊፕ ጊልበርት [ቤልጂም] ኤርትራ ኣይተሳተፈትን