ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱሳ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ ዓመት

ግዳያት፡ ቅድመኡ ኣብ ዝነበረ መዓልታት፡ ምስ ኣሕዋቶምን ፈተውቶምን ብተሌፎን ተራኺቦም፡ ይብገሱ ከምዘለው ስለዝሓበሩ፡ መቕርቦም ዘበለ ኵሉ “ብሰላም ኣቲና ኣለና!” ዝብል ብስራት እናተጸበየ ብማዕከናት ዜና ዓለም ዘሰምብድ መርድእ ሰምዐ።

እቲ ካብ ገምገም ላምፐዱሳ ሓደ ኪሎ ሜተር ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዓይኒ ካሜራን ህዝብን ስለዝተራእየ፡ እቲ ወረ ዝበጽሐን ማዕከናት ዜና ዓለም ቢቢሲ፡ ሲኤንኤን፡ ራይ ናይ ኢጣልያ፡ ኣልጀዚራ፡ ዶቸቬለን ካልኦትን እናተቐባበላ፡ ኣማኢት ስደተኛታት ብዘስካሕክሕ ሓደጋ ህይወቶም ከምዝጠፍአ ነቲ መርድእ ኣጋውሓኦ።

ሽዑ፡ ካብቲ መዓት፡ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጽኡ፡ ሰለስተ መንእሰያት፡ ኣድሓኖም ፍትዊ፡ ኣብርሃለይ ኣማረን እስክንድር ገብሪትን ንቢቢሲ ዘካፈልዎ ዝኽሮም እንሆ።

ድሕሪ'ቲ ዘስካሕክሕ ህልቂት ኣብቲ ደሴት ዝበጽሓ ኣደታት

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ድሕሪ'ቲ ዘስካሕክሕ ህልቂት ብ 21 ጥቅምቲ 2013 ኣብቲ ደሴት ዝበጽሓ ኣደታት

እዞም ተወሊዶም ካብ ዝዓበዩሉ ምውቕ ስድራን ቤትን ሕብረተሰብን፡ ምድርን ሃገርን በብምኽንያቶም ናብ ስደት ዘምርሑ መንእሰያት፡ ብደላሎን ኣሰጋገርትን ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ኣብ ሱዳን ተኣኻኺቦም፤ ኣብ ጕዕዞ ሰሃራ ከቢድ ጸገም ሓሊፎም፡ ኣብ መወዳእታ ሓጻር ፈተነ ባሕሪ ሰጊሮም፡ ናብ ኣውሮጳ ኣትዮም ህይወቶም ንኽቕይሩ ብምትስፋው እዮም ናብታ መርከብ ኖህ ክትኰነሎም ተስፋ ዘንበሩላ፡ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ዝተሳፈሩ።

ዳርጋ ኵላቶም ጠንቂ ስደቶም ዝመሳሰልኳ እንተዀነ፡ ነብሲ ወከፎም ግን ነናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ዛንታ ኣለዎም።

ኣድሓኖም፡ እስክንድርን ኣብርሃለይ ከካብቲ ዝዓበይሉ እዮም ናብ ስደት ኣምሪሖም። በብመገዶም፡ ጕዕዞ ሰሃራ ወዲኦም ከኣ፡ ኣብቲ ብማእከላይ ባሕሪ ክትሰግር እትተኣኻኸበሉ፡ ኣሰጋገርቲ ባሕሪ ‘መዝርዓ’ ዝሰመይዎ ሕቡእ ካንሸሎታት ኣሰጋገርቲ ተራኺቦም ምስ ዘደንቕ ተመኵሮታቶም ናብታ ጃልባ ደይቦም።

“ኣብ ድሮ ንቐል ንቐል ተስፋን ፍርሕን እዩ ዝፈራረቐካ። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተደጋጋሚ ሓደጋ ከምዘጋጥም ስለእንፈልጥ በቲ ሓደ ትፈርሕ በቲ ሓደ ከኣ ከምቶም ብደሓን ሰላም ዝኣተው ብሰላም ክትኣቱ ትምነ” ክብል ነቲ ተስፋን ፍርሕን ዝተፈራረቘ እዋን ይዝክር።

ኤርትራውያን ስደተኛታት 5 ጥቅምቲ 2013 ድሕሪ'ቲ ቅዝፈት ኣብ ላምፔዱሳ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ኤርትራውያን ስደተኛታት 5 ጥቅምቲ 2013 ድሕሪ'ቲ ቅዝፈት ኣብ ላምፔዱሳ

ኣብርሃለይ፡ ኵሉ ነገር ንፈጣሪ’ዩ ሂቡዎ። ‘ደሓን ኣምላኽ ኣሎ፤ ፍቓዱ ይዓቢ’ ክብል ብልቡ “ኦ ጐይታይ!” ብምባል ጸሎት ኣብጺሑ፡ ናብታ ጃልባ ደይቡ።

እስክንድር እውን ከምኡ፡ “ብሓይሊ ፈጣሪ ኵሉ ክንሰግሮ ኢና!” ዝብል እምነት ነይሩዎ። ብሓጺሩ ኵሎም ገያሾ፡ ጕዕዞ ስደቶም ወዲኦም ብደሓነ ሰላም ምስ ኣተው፡ ገሊኦም ፍልጠት ክምእርሩ ክመሃሩ፡ ገሊኦም ሰሪሖም ስድራ ቤት ክጥውሩ፡ ገሊኦም ጽዒሮም ደኺሞም ህይወቶም ክቕይሩ ሕልሚ ነይሩዎም።

እታ ሕልሚ እቲኣ ክውንቲ ክትኰነሎም ክነቕሉ እንከለው ናብ ፈጣሪኦም ጸሎት ኣዕሪጎም እዮም ተበጊሶም።

እስክንድር፡ “ምድረ ኤወሮጳ ጥራይ ይእቶ እምበር ሰሪሐን ተማሂረን ህይወተይ ክቕይር እየ” ዝብል ሕልሙ ርሑቕ ከምዘይኰነ ተሰሚዑዎ ሕጕስ ነይሩ።

እንተዀነ ኣብ ፊቱ ዝነበረ ሓደ ጩራ ዝተባህለ መንእሰይ ትኽ ኢሉ ናብኡ መጺኡ፡ “እስክንድር ንስኻ ፍቱው ሰብ ኢኻ” ኢሉዎ ምስ ከደ “እዚ ወዲ እንታይ እዩ ኰይኑ?” ኢሉ ተገሪሙ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ ሓደ ካልእ ብድሕሪኡ መጺኡ፡ "እስክንድር ሽጋራ እንተልዩካ ንዅሉ ሰብ ሃቦ፡ ዶላር እንተልዩካ እውን ደርብዮ ኣይጠቕመካን’ዩ” ምስበሎ፡ "ዋእ እዚ ሰብ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?” ኢሉ ከምዝተገረመ ይዝክር።

ግን ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ እንተነውሐ ኣብ ሳልስቲ ንነብሱ ኣብ ምድረ ተስፋን ሰላምን ክርእያ ትጽቢት ነይርዎ።

ሳናዱቕ ሬሳ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እቶም ኣሰጋገርቲ ባሕሪ፡ ነቶም ኣማኢት ገያሾ ብድምጽን በትርን እናደሃሉ ኣብታ ንእሽቶ ናይ ዕንጸይቲ ጃልባ በቦታኦም መሰትሓዙዎም እታ መርከብ ጕዕዞኣ ጀሚራ። ምሉእ ለይቲ ብሰላም ተጓዒዞም፡ ብመብራህቲ ላምፐዱሳ፡ ናብ ንቝጽ ምድሪ ምቕራቦም ተበሰሩ።

ንብርሃን ናይታ ከተማ ርእዮም “ኣቲና ኢና!” ስለዝበሉ፡ ገሊኦም ብሓጐስ ይዝምሩን ይጭድሩን፡ ገሊኦም ከኣ፡ ኣብ ጥልያን ኣሰር ኣጻብዕቲ ንኸየትርፉ’ሞ ኣብ ዝቕጽል ጕዕዞኦም ከይዕንቀፉ፡ ንቝጽ ምድሪ ምስ ረገጹ ብዛዕባ ክገብርዎ ዘለዎም ነገር ይውጥኑ ነይሮም።

“መብራህቲ ከተማ ላምፐዱሳ ምስ ረኣና፡ “ደጊም ኣቲና ኢና” ኢልና ቀሲንና ኢና። ብጕዕዞ ደኺምና ስለዝነበረና፡ ሓያሎ ካባና ዳርጋ ተረጋጊእና ኣኣብ ዝነበርናዮ ድቃስ ወሲዱና ይብል” ኣድሓኖም። እንተዀነ እቲ ተስፋ ነዊሕ ኣይጸንሐን።

እታ ጃልባ ሞተርኣ ደው ምስ ኣበለት፡ ማይ ክኣትዋ ጀሚሩ፡ ሰብ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ማይ ኣብ ምጭንጓዕ ኣትዮም።

እንተኾነ እቲ ማይ እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ፡ መራሒ እታ ጃልባ ማይ ንኽጭንጕዑ ሞተረ ከተስእ ኣብ ዝፈተነሉ ሞተር ምትሳእ ኣብይዎ፡ ኣብ ከምዚ ህሞት ሓገዝ ሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ክስሕብ ብምሕሳብ፡ ብቤንዚን ኣንሶላ ዘናኸሰ መራሕ እታ ጃልባ፡ እታ ዘንደዳ ጨርቂ ካብ ኢዱ ወዲቓ ነቲ በንዚን ስለዘባርዓቶ እቲ ኵነታት ተቐያይሩ።

ሰባት ካብ ባርዕ ንምህዳም ናብ ሓደ ወገን ምስ ዘበሉ ከኣ ጃልባ ሚዛና ስሒታ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ሒዛ ተገምጠለት፡ ህይወት እዞም ተሳፈርቲ ከኣ ኣብ ቋሕ ሰም ካብ ብሩህ ተስፋ፡ ሰሓቕን ዋዕዋዋዕታን ናብ ኣውያት ሞትን ተሰጋጊሩ።

ኣብርሃለይ እቲ ባርዕ ሓውን ጫውጫውታን ከጋጥም እንከሎ ደቂሱ ስለዝነበረ ሕልሚ ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑዎ።

ሰባት ካብቲ ባርዕ ክሃድሙ ናብ ባሕሪ ምስተኻዕው፡ ሓምቢሱ ስለዘይክእል ሰምቢዱን ፈሪሑን፤ “ኦ ኣምላኸይ ባዕልኻ ኣድሕነኒ!” ኢሉ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብታ ጃልባ ዕግርግር ክብል ድሕሪ ምጽናሕ ከም ሰቡ ናብ ባሕሪ ከምዝኣተወ ይዝክር።

“ሽዑ ኣውያት እዩ ኰይኑ። ዝገብሮ ነገር ስለዘይብለይ ስቕ ኢለ እየ ዘእዊ። ኵሉ ሰብ ጫቚ ጫቝ እዩ ዝብል። ገሊኦም ከይትደክም ኣይተእዊ ስቕ በል ኢሎሙኒ።

እሞ ንስኻትኩም ኣእውዩ ኢለዮም። ኣብ መወዳእትኡ ግን ኣብ ባሕሪ ምህላወይ ረሲዐ፡ ስድራይ ተራእዮሙኒ፡ በቲ ማዕበል እናተገፋዕኩ ስቕ ኢለ ኣብ ሓሳብ ጥሒለ፡ ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ብፍቓድ እግዚኣብሄር ድሒነ” ይብል ኣብርሃለይ።

ህልቂት ላምፐዱሳ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ እንታይ ይዝክሩ

ኣድሓኖም ብወገኑ ነቲ ህሞት ክዝክር እንከሎ፡ “ኣነ ዓቕመይ ጸንቂቕ’የ ወጺአ፡ እቲ ሰብ ናብ ባሕሪ ምስተፈርሸሐ፡ ልክዕ ከምዚ ኣብ ዝነጽፍ ዘሎ ማይ ዝተኣከቡ ፈለኽለኽ ዝብሉ ውንጅር ዓይነት ኢና ኴንና።

"ብማዕበል ባሕሪ እናሰገድኩ፡ ጨዋም ባሕሪ ሰትየ ዘቕቢበ ስለዝነበርኩ፡ ብኽቱር ድኻም ነታ ዝደርበዩለይ መድሕን ጎማ እውን ክሕዛ ኣይከኣልኩን።

"ፍቓድ እግዚኣብሄር ኰይኑ ግን ምስቶም ብተኣምር ዝደሓኑ ድሒነ” ይብል።

ኣድሓኖም ኣስዒቡ፡ “ኣነ ምሕንባስ ስለዝኸኣልኩ ኣይኰንኩን ድሒነ፡ ሓደ ወዲ ፎሮ ነይሩ ምሳና፡ ምሕንባስ ኣዝዩ ዝኽእል፡ ኣብ ባሕሪ እንታይ ክንገብር ከምዘለና’ውን ይምህረና ነይሩ፤ ክወጽእ ግን ኣይክኣለን፡ ንሕና ኣምላኽ ክንወጽእ ስለዝበለና ጥራይ ኢና ወጺእና፡” ይብል።

እስክንድር እውን ነቲ ዘረባ እዩ ዝደግም። ውሕጅ ጋሽ ክሳብ ኣፉ እናወሓዘ ከም ዕንቁርዖብ እዩ ዝሕንብስ ነይሩ።

ማዕበል ባሕሪ ግን ከም ውሑጅ ጋሽ ኣይኰነሉን። ኣዒንትኻ ክሳብ ዝደክም ጠሚትካ ዘይትውድኦ ንሰማይ ብዝቝለል ማዕበል ዝናወጽ ባሕሪ ብቐሊሉ ዝስገር ኣይነበረን።

“እግዚኣብሄር መዓልትኻ እንተዘይጽሒፉዋ ኣይትመውትን ኢኻ ዝበሃል ዘረባ ሓቂ ምዃኑ ሽዑ እየ ኣሚነ። ፈጺሞም ናብ ማይ ቀሪቦም ዘይፈልጡ ሰባት ክድሕኑ እንከለው ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሩ፡ ክኢላታት ሓምበስቲ ግን ኣይደሓኑን” ክብል ድሕነቱ ምስ ፍቓድ ፈጣሪ ጥራይ የተኣሳስሮ።

ህልቂት ላምፐዱሳ ብምስክርነት ውጻእ መዓትን መሰኻኽር ዓይኒ ብማዕከናት ዜና ምስተነግረ፡ ቤተሰብ ግዳያትን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ብስእሊ እተሰነየ ዘስካሕክሕ ሓደጋን ብኣንክሮን ሓዘንን ተኸታቲልዎ።

ስድራ ቤት ግዳያት እምበኣር በቲ ዘዕበዮም ንቡር ባህሊ ኣይኰኑን ሞት ኣሕዋቶምን ደቆምን ተረዲኦም።

እቲ ወረ ጥፍኣት ከምዘለዎ’ዩ ኣብ ኣእዛኖም ተደረጒሑ፡ ምስልን ስእልን ናይቶም ብጻዕረ ሞት ዝሕንብሱ ዝነበሩ፡ ምስሊ ናይቶም ዓቕሞም ምስ ጸንቀቝ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም መወዳእታኡ ጸምበለል ዝበሉ ሬሳታት፡ ስእሊ ናይታ ብሓዊ ተባሪዓ ነቶም ዓቕሚ ዝሰኣኑ ግዳያት ሒዛ ናብ መዓሙቕ ዘንቆልቆለት ጃልባ ዝነግር ውዑይ ዛንታ’ዩ ብመስኮት ተሌቪዥን ተዘርጊሑ።

እቲ ነቶም ውጻእ መዓት ኣዝዩ ዝኸበዶም ግን ኣብቲ ሳልስቲ ነቶም መልክዖም ብጨው ተበሊዑ ዘይምሱል ዝመሰሉ ካብ ባሕሪ ተተዘቚቘም ዝወጽኡ መጓዕዝቶም መተዓብይቶም፡ ኣዝማዶም ሬሳታት ምልላይ እዩ ነይሩ።

“ትማሊ ትማሊ፡ ምሳኻ ዝበልዑን ዝሰትዩን ዝነበሩ፡ ንኣዋርሕ ሓቢሮሙኻ ዝተጓዕዙ፡ ብዙሕ ተስፋን ሕልምን ዝነበሮም፡ ገሊኦም ጐዮም ዘይጸገቡ ቘልዑ ሃንደበት ብዘጋጠመ ሓደጋ ተቘጽዮም ካብ ባሕሪ ተተዘቚቘሞም ክወጽኡ ምርኣይ ኣይጽወርን እዩ” ይብል ኣድሓኖም፤ ሽዑ ብሕልናን መንፈስን ኣዝዮም ተሃስዮም ከምዝነበሩ ብምዝካር።

ቅሩብ መዓልታት ምስ ሓለፈ ከኣ እቶም ዝደሓኑ ንመቕርቦም ደዊሎም እቲ ዝነበረ ክሕብሩ ጀሚሮም። ኣሌክስ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ናብቲ ድሮ ቀቢጹዎ ዝነበረ ዓቢ ሓው ናብ ጁባ - ደቡብ ሱዳን - ደዊሉ ህላወኡ ኣበሲርዎ።

“ኣነ ብሰላም ኣትየ ኣለኹ፣ ኣማኢት መጓዕዝትና ስለዝተጐድኡና ግን ኣብ ሕማቕ ኵነታት እየ ዘለኹ” ብምባል ተሌፎን ዓጽዩዋ።

ኣድሓኖም ግን ብዙሓት ደቂ ገዛውቱ ስለዝተጐድእዎ ኣዝዩ ከቢድዎ ስለዝነበረ ናብ ስድራ ቤቱ ክድውል ኣይደለየን።

ሓደ ዓርኩ ናብ ሓው ምስ ደወለ ቍጽሪ ተሌፎን ገዛኦም ብምሃብ ወድኹም ብደሓን ኣትዩ ኣሎ ኢልካ ንገሮም ጥራይ ኢሉዎም።

ኣብርሃለይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝነበረ ዓቢ ሓው ከምኡ እውን ኣብ ኣስመራ ናብ እትርከብ ኣሞኡ ደዊሉ ካብ ብሱል ጥረ ምውጽኡ ሓቢርዎም።

ተሳተፍቲ ዝኽሪ 10 ዓመት ህልቂት ላምፐዱሳ
መግለጺ ስእሊ,ተሳተፍቲ ዝኽሪ 10 ዓመት ህልቂት ላምፐዱሳ

ሎሚ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ነቲ ፍጻመ ክዝክሩዎ እንከለው ንዅሎም ከምዚ ትማሊ ዝተፈጸመ ኰይኑ ይስመዖም።

ኣድሓኖም፡ “369 ትንፋስ ኣጥፊእካ ከመይ ኢልካ ቀሲንካ ክትነብር ይከኣል? ኣይኰነን ሰብ እዚ ክቡር እዚ ሰሪሕካ ዝትካእ 300 ዶላር ጠፊእካ’ውን ዓበድበድ ኢኻ ትብል ” ክብል ይገልጽ።

ልዕሊ ዅሉ ከኣ እቲ ሬሳታት ንቡር ሓመድ ድበ ከይረኸበ፡ ኣብ ፈቐዶኡ መካነ መቓብር ፋሕ ኢሉ ብምህላው ቅሳነት ከምዘይስመዖ ይሕብር።

“ስድራ ቤት መወትቲ ደቈም ስለዘይቀበሩ ኣይቀበጹን። ብዙሓት ኣደታት ነቲ ዝዀነ ስለዘይተቐበላኦ ወደይ ወይ ጓለይ ደሃይ ኣጥፊኣ እምበር ኣብ ገለስ ኣለው፡ ከምዝብሉ ስለዝፈልጥ ከመይ ገይርካ ትቐስን” ይብል።

ኣብዚ እዋን ኣድሓኖም ክልተ ቘልዑ፡ እስክንድር ሰለስተ ወሊዶም፡ ኣብርሃለይ ከኣ ኣብ መስርሕ ሓዳር ይርከቡ ኣለው።

ብኣጋጣሚ እቲ ዳግማይ ዝተፈጥሩሉ መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ ሓደጋ ላምፐዱሳ ንዅሎም ስድራ ቤት ግዳያት ጽንዓትን ኣኻእሎን ንመወትቲ ብጾቶም መጓዕዝቶምን ከኣ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ይምነይሎም።