ወየ ብጻይ ተስፋማርያም ብሰላም ዕረፍ ሐርበኛ ህያው ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሐልፍ

ወየ ወየ ወየ ወደባይ ክብርኣብ ዓሪፍካ ዶ

ንፍትሒ እንዳ ተቃለስካ ኣምላኽ ካብ ፈቀዶ

ከም ብጾትካ ሐመድ ዓደቦኻ ሐሪሙኳ ጋዶ,,

 

ንነጻነት ንሐርነት ክቃለስ ንሜዳ ወሪዱ

ምስ ውድብ ተሐኤ ኣብ ኣኽራናት ዓሪዱ

ሐንሳብ ምስ ወፈረ ዘይተመለሰ ንዓዱ,,

 

ሐርበኛ ደላይ ፍትሒ ዶ ክብለካ ደላይ ሐርነት

ንፍትሐዊት ኤረትራ እንበር ዘይወፈረ ንባርነት

ሕድሪ ዘይጠለመ ናይ ጀጋኑ ስዉኣት ብጾት,,

 

ፈላሚት ናይ ሰውራዊ ባይቶ ፈስቲቫል

ካብ ድራይ ኣይሽ ሙልሃይም ንካስል

መሰረታት ተሐኤ ሰብ ሐልላት መትከል

ኣብ ኤርትራ ሕግን ፍትሕን ክንተክል’’

 

ኤረትራ ብሕግን ፍትሕን ክትማሐዳደር

ልሳኖም ነቶም በጃ ዝኾኑ ንኽብሪ ሃገር

ንዓመታት ተቃሊስና ኣብ ሐደ መስመር,,

 

ተስፋማርያም ኢልካያ ዶ ንዓለም ደሐን ኩኒ

መጸዋዕታ ካብ ፈጣሪ መጺኡኒ ኣፋኑውኒ

ቅሱ እየ ልሶኖም ዘይዓጸፉ ብጾት ኣለዉኒ,,

 

ሐርበኛ ዶ ክብለካ ዓው ኢሉ መዳሪ

ደሐን ኩን ወዲ ሰብ ኣይነብርንዩ ኣብ ምድሪ

ወደቦይ ክብርኣብ ኣብ ገነት ይቀበልካ ፈጣሪ

ወየ ወየ እዛ ሐጻር ግጥመይ ትኹንካ ንዝኽሪ,,

ንሙሉኣት ስድራቤቱ ጠሊ ይግደፈልኩም

ንሙሉኣት ስድራቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም

ንብጹቱን ንፈተውቱን ብሐባር ንኹሉኹም

ሐርበኛ ብሰላም ዕረፍ እንዳበልኩ ክፋነወኩም,,

 

ኤርትራ ንኤርትራዊያን እንዳ ጨራሕና..ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዉኣትና..ዓወትና ኣብ ሙሉእ ሐድነትና..ክሳብ ፍጹም ዓወት ክንቃለስ ኢና..ብኣባክ ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።