ኣብ ኬንያ ድሙቕ ዓወታት ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ኣስመራ ኣትያ

እታ ጋንታ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምምላሳ ናብቲ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተራኺባ።

ኣብ ናይ ዓበይቲ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንሳልሳይ ግዚኡ ኣከታቲሉ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኰይኑ'ሎ። ሚልክያስ ማእከለ ድማ ብሩር መዳልያ ተዓዊቱ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኣድያም ዳዊት ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኰይና።

ኣብ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ኬቨን ተኽለማርያም፡ ሴም እዮብን ናሆም ኤፍሬም ንጸወታ ምሉእ ብምሉእ ብምዕባላል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውጻእ ሰለስተ መዳልያታት ተጐናጺፎም።

ናርዶስ ጸጋይን ኤልዳና በረኸትን'ውን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 18 ዓመት'ውን ወርቅን ነሓስን ሒዘን ተመሊሰን እየን።

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሓናፊጾም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ርዋንዳ ቀዳማይቲ ክትከውን እንከላ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቕደም ሰዓብ ካልኣይትን ሳልሰይትን ወጺአን።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር'ውን ኤርትራውያን ሱዛን ፍስሃን ኣድያም ዳዊትን ወርቅን ብሩርን ረኺበን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ

ምንጪ ስእሊ,@hawelti

ኣብ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቤትኤል ኤፍሬም ወርቂ ተዓዊታ።

ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ኣብ 2022 ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርም ኣል ሸኽ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ኩሉ ውድድራት 15 መዳልያታት ዝሓዘትሉ ከም ክብረ ወሰን ተታሒዙ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ 2024 ከኣ ኣብ ኩሉ ውድድራት፡ ኤርትራ 16 መዳልያታት ብምውህላል ንኽብረ ወሰና ባዕላ ኣማሓይሻቶ ኣላ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ተኸቲላ 3 ወርቂ 4 ብሩር፡ 1 ነሓስን ብድምር 8 መዳልያ ኣዋህሊላ፡ ኡጋንዳ ኸኣ 2 ወርቂ፡ 2 ብሩር 1 ነሓስ ብድመር 5 መዳልያ።

ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኢትዮጵያ ብወገና 3 ነሓስ ከም ዝተዓወተት ይፍለጥ።