ኤርትራውያን ስደተኛታት ንውሳነ ባይቶ ኖርወይ ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ ሃገሮም ሰልፊ ምግባር ይኹን ሕቶ ከቕርቡ መሰል ዘይብሎም ደገፍቲ ምልኪ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐማጦ ኖርወይ ኣንጻር ውሳነ ባይቶ ሰልፊ ኣካይዶም::

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብዕለት 26 ዓርቢ መብዛሕትኦም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝነብሩ ኤርትራውያን: ባይቶ ኖርወይ ‘ኤርትራውያን ስግረዶባዊ ጸቕጢ ክወርዶም የብሉን’ ኢሉ ንዘሕለፎ ውሳኔ ዝቃወም ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ባይቶ ተኣኪቦም::

እቶም ሰልፈኛታት: down down Brigade n’hamedu ማለት ‘ውድቀት ንብርጌድ ንሓመዱ’: መንግስቲ ኖርወይ ባህልና ከይነንጸባርቕ ከልኪሉና: መንግስቲ ኖርወይ ናብ ስድራና ሓገዝ ከይንልእኽ ከልኪሉናን ካልእን ዝብሉ ጭርሖታት ኣልዒሎም::

እቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከነካይድ ኢሎም ዝተኣከቡ እሞ ዝበዝሕ መዓልቶም ብጓይላ ምግባር ዘሕለፍዎ ደገፍቲ ህግደፍ: ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ሰማዒ ከምዘይረኸቡን ብዙሓት ካብኦም’ውን ካብ ጎረቤት ሃገር ስዊድን ዝመጹ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ::

እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾኑ ሰልፈኛታት፣ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ዲሞክራስያዊ መሰሎም ዝኾነ ባህላዊ ንጥፈታቶም ከየካይዱ ይዕንቅፎም ከምዘሎ’ውን ኣማሪሮም::

ባይቶ ኖርወይ ዘሕለፎ ውሳኔ: ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ ኤርትራውያን: ካብቲ ከንብረና ኣይከኣለን ዝበልዎ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቑ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ደጋዊ ጸቕጢ ክግበረሎም የብሉን ዝብል እዩ::