ክምጽእ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

  •  
ቢንያም ግርማይ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ

ምንጪ ስእሊ,SM

ቢንያም ግርማይ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ

ምንጪ ስእሊ,SM

ቢንያም፡ ኣብ ሳልሳይ፡ ሻሙናይን ፡ ዓሰርተ ክልተን መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ሃትሪክ ክሰርሕ እንከሎ፡ ኣብ ሻዱሻይን ዓስራይን መድረኻት ካልኣይ፡ ኣብ መድረኽ ዓሰርተ ሰለስተ ራብዓይ ኣብ ሓሙሻይን ታሽዓይን መድረኽ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ’ዩ ነዚ ድሙቕ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ።

ቢንያም፡ ንቀጠልያ ማልያ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ምስ ተረከባ ክሳብ መወዳእታ ክዕቅባ ብምኽኣሉ ካብቲ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ቤልጂማዊ ጃስፐር ፍሊፕሰን ብ33 ጸብለልታ ነጥቢ’ዩ ተዓዋቲ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ።

እቲ ኤርትራዊ ኮኾብ፡ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ’ዩ።

ከምኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ብነጥቢ ንዝመርሑ ተቐዳደምቲ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያ ቅድሚ እዚ ዓመት ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ዝተኸደና ኣይነበረን።

ቢንያም ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሓንቲ መድረኽ፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብሓፈሻ ኣብ ግራንድ ቱር ኣርባዕተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ በጺሕዎ ዘይፈልጥ ብራኸ ደይቡ ኣሎ።

ኣብቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተረኸበሉ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተነበረ መዛዘሚ ጽንብል ንኽብሪ ቢንያም ግርማይ ብዝተዳለዉ ደርፍታት’ዩ ደሚቑ፡ ቢንያም ግርመ ቢንያም ግርማይ ሓጎሱ ገሊጹ።

“ካብዚ ንላዕሊ ሓጎስ ኣስተማቒረ ኣይፈልጥን፤ ስለዚ ንኹሉኹም ህዝቢ ኤርትራን ኣብዚ ተረኺብኩም ዘለኹምን እቲ ናተይ ሓጎስ ናትኩም ሓጎስዩ ናተይ ሓጎስ ከኣ ናተይ ሓጎስ’ዩ እሞ የቐንየለይ” ኢሉ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ

ምንጪ ስእሊ,SM

ቢንያም ግርማይ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ

ምንጪ ስእሊ,SM