ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉ ዘይክኣለት?

ጉዳይ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ነታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣገዳስነት ስለዘለዎ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

እታ ሃገር ብሰንኪ’ቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ልዕሊ 120 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝባ ቍጠባኣን፡ ኣገልግሎት ወደብ ጂቡቲ ስለዝኸበራ፡ ተወሳኺ ኣፍደገ ባሕሪን ወደብን ክትረክብ ላዕልን ታሕትን ክትብል ትርአ።

ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናንን ኣገልግሎት ወደባት ናይ ምርካብን ጥሙሕ ዘንጸባርቕ ክህቦም ዝጸንሐ መግለጺታት ብፍላይን ንገለ ሃገራት እቲ ዞባ ዓቢ ስግኣት ኰይኑ’ሎ።

ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ዘለዎ ጥሙሕ’ውን ነቲ ኵነታት ናብ ቀጥታዊ ጸጥታዊ ስግኣት ክዓቢ ገይሩ’ዩ።

ወደባት ኤርትራን ሶማልያን (ብወገን ሶማሊላንድ) ካብተን ኣቢይ ኣሕመድ ዓይኑ ዘውደቐለን ኣፍደገታት ባሕሪ እየን።

ወደብ ዓሰብ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ንኢትዮጵያ ቀንዲ ንግዳዊ ኣፍደገ ባሕሪ ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ወደብ እዩ። ወደብ ባጽዕ ከኣ ኣስታት 98 ሚእታዊት ጠለባት ኤርትራ ዝኣትወሉ ወደብ እዩ።

ኣብ 1998፡ ዶባዊ ኲናት ምስተወልዐ፡ ኢትዮጵያ ዳርጋ ንዅሉ ካብን ናብን እትገብሮ ዝነበረት ዓለምለኻዊ ንግዳዊ ንጥፈታታ ብወደብ ጅቡቲ’ያ ክትግልገል ጸኒሓ። ወደብ ጅቡቲ ዓመታዊ ካብ 5.8 ሚልዮን ቶን ንላዕሊ ደረቕ ጽዕነትን ኣስታት 300 ሽሕ ኮይንተይነራትን የሰጋግር።

‘ናጻ ወደብ' ዓሰብ ንኢትዮጵ`ያ፡ 1993-1998

ወደብ ዓሰብ

ምንጪ ስእሊ,AFP

ክሳብ 1995 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብን ናብን ዓሰብ ዝኣቱን ዝወጽእን ዝነበረ ንብረት ናይ ኢትዮጵያ ምንባሩ ሰነዳት ይሕብሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ብወደብ ባጽዕ ዝኣቱን ዝወጽእን ዝነበረ ካብ 30-40 ሚእታዊት ንብረት’ውን ካብን ናብን ኢትዮጵያ ዝመጽእ’ዩ ነይሩ።

“ወደብ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ናጻ ወደብ ኰይኑ፡ ናይ ኢትዮጵያ ጨንፈር ጉምሩክ ዘለዎ፡ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ዝወጽእን ዝኣቱን ንብረት ካብ ምቍጽጻር ጉምሩክ ኤርትራ ወጻኢ” ከምዝነበረ፡ ኣብ 1995 ዝወጽአ ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ ይጠቅስ። ካልእ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ፡ ኢትዮጵያ ብዓቢኡ እትጥቀመሉ ዝነበረት መጻረዪ ነዳዲ ነይሩ።

ብመሰረት ኣብ 1993 ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ወግዓዊ ስምምዕ፡ እቲ መጻረዪ ነዳዲ ብቐጥታ ኮርፐሬሽን ነዳዲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ኰይኑ፡ ካብ ወጻኢ ዘይተጻረየ ነዳዲ ብምምጻእ ኣብቲ ትካል የጻርዮ ነይሩ። ኤርትራ ድማ ንዓኣ ዘድልያ ነዳዲ ብስምምዕ ካብቲ ትካል ብብር ትገዝእ ነይራ።

ብኣንጻሩ ከኣ ናይ መጓዓዝያ ይዅን ናይ ወደብ ኣገልግሎት ካብ ኢትዮጵያ ብብር ትኽፈል ነይራ።

ብሰንኪ’ቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናትን ኵነተ-ኲናትን ግን ኣገልግሎት ወደብ ዓሰብ ከምቲ ዓለማዊ ባንክ ዝብሎ ካብ 1998 ጀሚሩ ዳርጋ “ኣብቂዑ’ዩ”።

ኲናት የመንን ሳዕቤናቱን

ካርታ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ወሽመጥን

ኣብ የመን ካብ 2011 ኣትሒዙ ዝተፈጠረ ቅልውላው፡ ንኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ነታ ካብ ገማግም የመን ኣዝያ ርሕቕቲ ዘይኰነት ወደብ ዓሰብ ጸልዩዋ’ዩ።

እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕን ኢማራት ዓረብ እትርከቦ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ነቲ ኣብ ሰሜን የመን ዘካይዶ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርሒታት ደጋፊ ወደብ የድልዮ ነይሩ።

ኤርትራ ነቲ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ደገፋ ድሕሪ ምሃባ’ያ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽን ኣፍቂዳትላ። ኢማራት ኣብ 2021 ነቲ መዓስከር ገዲፋቶ ከምዝኸደት ይግለጽ።

ወተሃደራዊ ህላወ ኢማራት ኣብ ዓሰብ ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ከይትጥቀመሉ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ርዱእ’ዩ። ኢማራት ድሕሪ ምውጽኣ እቲ ወደብ ንኢትዮጵያ ዕጹው ኰይኑ ምቕጻሉ ግን መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ’ዩ።

ወደብ ዓሰብ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓቢ ብድሆ ኰይኑ ዘሎ ኣብ ደቡባዊ ጫፋት ቀይሕ ባሕሪ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ጸጥታ ቅልውላው ርሕቕቲ ኣይኰነትን።

የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ’ተን በቲ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዝሓልፋ መራኽብ ከካይድዎ ዝጸንሑ መጥቃዕትታት ከቢድ ስግኣትን ምትዕንቓፍን ክፈጥር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላምከ ስለምንታይ’ዩ ንኣገልግሎት ኢትዮጵያ ዘይተኸፍተ?

ኣብ 2018 ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናትን ኵነተ-ኲናትን ዘብቅዐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ኣስመራን ጂዳ (ስዑዲ ዓረብን) ተፈሪሙ።

ከይደንጐየ ድማ እቲ ንዓመታት ተረጊጡ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዘራኽቡ ኣርባዕተ መስመራት ዝዀነ ናብ ዓሰብ ዝኣቱ ዶብ ቡሬ- ደባይሲማ (ዓሰብ) መወዳእታ ነሓሰ (ሓድሽ ዓመት ግእዝ) 2018 ተኸፊቱ።

ኵሎም እቶም ምስ ክልል ትግራይ ዝዳወቡ መስመራት ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ተኸፊቶም ምስተዓጸዉ፡ መስመር ዓሰብ ግን ደንጒዩ ኣብ ሚያዝያ 2019’ዩ ተዓጽዩ።

ከምቲ ደሓር ዝተፈልጠ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምዕጻው እቶም ዶባት’ዩ እቲ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ዝተሳተፈትሉ ኲናት ትግራይ ተወሊዑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቡሬ

ምንጪ ስእሊ,FITSUM AREGA/TWITTER

መግለጺ ስእሊ,ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቡሬ

መስመር ዓሰብ ካብ ክልል ትግራይ ርሒቑ፡ ብክልል ዓፋር ዝሓልፍ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ግን ስለምንታይ ከምዘይተኸፍተ ክሳብ ሎሚ ንጹር ኣይኰነን።

ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ መስመር ሰፊሕ ጽገና ከምዘድልዮ’ዩ ዝግለጽ ነይሩ።

ካብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ነዳዲ ዘጓዓዕዝ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ከምዝዝርጋሕ ዝወጽእ ዝነበረ ጸብጻባት ንብዙሓት ዓቢ ብስራት’ዩ ነይሩ። እቲ ዝዝርጋሕ ሻምብቈ ነዳዲ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥርን ዓቢ ቍጠባዊ ረብሓ ከበርክትን ተስፋ ዝተገብረሉ’ዩ ነይሩ። ወደብ ዓሰብ ንቡር ኣገልግሎት ንምሃብ ቅድመ ምድላዋት ኣሳሊጡ ምህላዉ ሰብ መዚ ኤርትራ ገሊጾም ነይሮም’ዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ11 ሓምለ 2018 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ብቕልጡፍ ንግዳዊ ርክባተን ናብ ንቡር ክመልሳ ከምዝደሊ ተዛሪቡ ነይሩ።

“እቲ ንደልዮ ዘለና ገስጋስ ክቕልጥፍ ኣለዎ፡ ግዜ ክወስድ የብሉን። ሎሚ፡ ጽባሕ ክንዛረበሉ ኢና፡ ከነዳቕቘ ኢና፡ ክነጻርዮ ኢና፡ ኢልና ነደናጉዮ ነገር የለን። ቅድም ቀዳድም ኣገደስቲ እንብሎም፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ከቀላጥፉ ዝኽእሉ፡ ናይ ልምዓት መደባትና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከወሃህድዎን ከሳልይዎን ዝኽእሉ መደባት ኣለዉ።

“መጀመርታ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት፡ ሎሚ ጽባሕ ከይበለ፡ ምስ ኵሉ ዘለዎ ጸገማት ናይ ትሕተ ቅርጺ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ተኸፊቱ፡ ብዘለዎ ዓቕሚ ምንቅስቓሳት ክጅምር ኣለዎ። ኣብኡ ዘለዉ ናይ ማይ፡ ኤለክትሪክን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ብቕልጡፍ ተመሓይሾም ህዝቢ ኢትዮጵያ ክጥቀመሎም ክኽእል ኣለዎ።

ብወገን ኢትዮጵያ፡ ሰብ መዚ ህንጻን መጓዓዝያን ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ትስፉው ዓመት፡ ነቲ ካብን ናብን ዓሰብ ዝኣቱ መስመር ብሓባር ብምድህሳስ፡ ኣብ ደሓን ኵነታት ከምዝረኸብዎን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ንስራሕ ድሉው ከምዝኸውን ምዝራቦም ይዝከር።

በዓል ስልጣን መጓዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፡ ካብ ሰመራ ክሳብ ቡሬ ዘሎ ክፋል ናይቲ ጽርግያ ምስፋሕ ዘጠቓለለ ጽገና ከምዝተገብረሉን፡ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ከምዝተዓዘብዎን፡ ብኤርትራ ወገን ዘሎ ክፋል ናይቲ መስመር ግን ንኣገልግሎት ድልው ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ስሙ ዘይተጠቕሰ “ዋና ዳይረክተር መጓዓዝያ ባሕሪ ኤርትራ” ወደብ ዓሰብ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ዝሓልፍ ንግዳዊ ንብረት ንምእንጋድን ንምስላጥን ምድላዋት ይግበር ምንባሩ ከምዝተዛረበ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን ነይረን።

ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ቀልጢፋ ነቲ ወደብ ክትጥቀመሉ ክቱር ድሌት ዝነበራ ኢትዮጵያ፡ በቲ ወደብ ከተሕልፎ እትደልዮ ዓይነት ንብረት ኣብ ምውሳን ተጸሚዳ ነይራ’ያ።

“ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ቍጠባዊ ዞባ ዝርከብዎ፡ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ወፍሪ ከማዕብላ” ኣብቲ ብ16 መስከረም ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣዊጀን ምንባረን ይዝከር።

ነቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ምንጪታት ንቢቢሲ ትግርኛ ከምዝሓበርዎ፡ ኢትዮጵያ፡ ዋላ’ኳ ገለ ካብቲ ኣገልግሎታት ብልቓሕ ክትረኽቦ ትኽእል እንተዀነት፡ ነቲ ብቐጻሊ እናተመሓየሸን እናሰፍሐን ዝመጽአ ወደባት ጅቡቲ ንምጥቃም ዓመታዊ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ናይ ወጻኢ ሸርፊ እያ ትኸፍል።

ስለምንታይ እቲ ወደብ ንኢትዮጵያ ከምዘይተኸፍተ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ኰይኑ’ሎ።

“ጠንቁ ብርግጽ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ፤ ምኽንያቱ ክልቲኦም መንግስታት ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ ስለዘየለ” ይብል ኣብቲ ዞባ ዝነጥፍ ክኢላ።

እቲ ፈለማ ዝተራእየ መስመራት ጽርግያ ናይ ምስፋሕን ምጽጋንን ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ፍሉጥ ዱባይ ፖርትስ ዎርልድ ዝተባህለ ትካል ንብቕዓት ወደብ ዓሰብ ንምምሕያሽ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝወጸ ጸብጻብ “ዓቢ ተስፋ” ሂቡ ነይሩ።

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኸፍተሉ፡ ሰብን ንብረትን ካብን ናብን ብነጻ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኸፍተሉ፡ ሰብን ንብረትን ካብን ናብን ብነጻ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ነይሩ

“ምኽንያቱ ድማ ንኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ጅቡቲ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ እትኸፍሎ ዝተሓተ ኣገልግሎት ዘውሕስ ብምዃኑ ዓቢ ረብሓ ነይሩዎ” ይብል እቲ ክኢላ።

ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናይቶም ካብ 2020 ክሳብ 2022 መሻርኽቲ ኲናት ትግራይ ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከምዝሓርፈፈ’ዩ ዝንገር። ይዅን’ምበር ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ብኣየር ዝግበር ቍጠባዊ ርክብን ኣየቋረጸን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪን ወደብን ዝሃቦም መግለጺታት ንሰብ መዚ ኤርትራ ባህ ኣየበሎምን።

ኣቢይ፡ "ንሕና ኣብ ዓሰብ ኢንቨስት ክንገብር፡ ወይ ኣብ ዘይላ ኢንቨስት ንግበር፡ ወይ ኣብ ኣዱሊስ ኢንቨስት ክንገብር ናይ ቦታ ምርጫ ጸገም የብልናን። ንስኹም ድማ ካብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዕስራ ሰላሳ ፐርሰንት ውሰዱ።"

“ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ከየልዓልና፡ ብሰላም ጸኒሕና እንዲና፡ ሕጂ ስለምንታይ ትም ዘይንብል፡ ዘይተርፈና ምስ ኤርትራ እንተ ተራጸመናኸ? ምስ ጂቡቲ እንተ ኣራጸመናኸ ዝብል ስግኣት ዘለዎም ሰበት ኣለዉ" እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ናይ “ጂኦግራፊ እሱር” ኰይኑ ከምዘይቅጽል’ዩ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣብ 2023፡ ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኰይኑ ዘሎ ሬድዋን ሑሴን ምስ ኤርትራ ብዛዕባ ወደብ ይግበር ነይሩ ዝበሎ ልዝብ “ኣብ ገለ ቦታ ደው ኢሉ ኣሎ” ክብል ዝተዛረቦ ንመወዳእታ ግዜ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ዘይንጹር መግለጺ’ ነይሩ።

ሰብ መዚ መጓዓዝያ ባሕሪ ከምኡ’ውን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን መንግስትን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።

ኤርትራ እንታይ ክትረብሕ ትኽእል?

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ኣብ ኣስመራ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተራኸቡሉ

ምንጪ ስእሊ,Office of the prime Minister

መግለጺ ስእሊ,ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ንኽልቲኡ ህዝብታት ብብዙሕ መዳያቱ ተስፋ ሂቡ ነይሩ

ዋላ’ኳ ኢትዮጵያ ካብ ዓሰብ ንዝሰኣነቶ ኣገልግሎት ካብ ወደብ ጅቡትን ዘዕበየቶ መጓዓዝያ ኣየርን ክትረኽቦ እንተኸኣለት፡ ኤርትራ ነቲ ክትረኽቦ እትኽእል ዝነበረት ናይ ኣስታት ርብዒ ክፍለ ዘመን ኣታዊ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከሲራቶ’ያ።

ገለ ነቲ ዓውዲ ቅርበት ዘለዎም ክኢላታት ከምዝሕብርዎ፡ ኤርትራ ካብ ክልቲኡ ወደባት ዓመታዊ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ትኽእል’ያ።

“ኤርትራ ካብ ክልቲኡ ወደባታ ዓመታዊ ክሳብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከተእቱ ትኽእል’ያ። ቍጠባ ኢትዮጵያ ከምቲ ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ እንተዓብዩ ድማ ኣታዊ ኤርትራ ብኡ መጠን ክብርኽ’ዩ” ክብል ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነተን ሃገራት ብቐረባ ዝከታተለን ተንታኒ የመልክት።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ፡ እታ ቍጠባኣ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ 12 ወደባት ከምዘድልያ ጠቒሱ ከምዝነበረ ይግለጽ። ወደባት ኤርትራ ድማ ንኢትዮጵያ ዝቐረባ ብምዃነን፡ ንክልቲአን ሃገራት ዓቢ ዕድላት ዝፈጥር’ዩ።

ብፍላይ ወደብ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነ፡ ተሓዲሱን ሰፊሑን ዘመናዊ ብቕዓት ክውንን እንተኽኢሉ ዓለምለኻዊ ኣገልግሎታት ክውንን ይኽእል’ዩ።

እዚ ኣገልግሎታት እዚ ድማ፡ ንኣሽሓት ሰባት ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ዕድላት ብምኽፋት፡ ካብ ዝህቦ ዝተፈላለየ ናይ መራኽብን መኽዘንን ኣገልግሎታት ኣታዊ ብምርካብ ቀጻልነት ዘለዎ ቀጥታዊ ገንዘባዊ ረብሓታት ከረጋግጽ ከምዝኽእል’ዮም ክኢላታት ዝገልጹ።

ምስ ንጥፈታት ወደባት ዝተኣሳሰር ከም መጓዓዝያ ባሕሪ፡ ምድርን ኣየርን ዝበሉ ኣገልግሎታት’ውን ንትካላት ንግድን ሰራሕተኛታትን ተወሳኺ ዕድላት’ዩ ዝፈጥር።

እቲ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ወደባትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣገልግሎታትን ንባዕሉ ኣብተን እቲ ወደባት ዝርከበለን ከተማታት ዘሎ ንግዳዊ ንጥፈታት ከበራብር ዓቢ ዓቕሚ ኣለዎ። ከም ባንክታት፡ ሆቴላት፡ ጋራጃት፡ ኣብያተ-መግብን መስተን፡ መጓዓዝያ፡ ምዕዳል ነዳዲ ዝኣመሰሉ ማእከሎትን ንኣሽቱን ትካላት ንግዲ ክዕንብቡ ይኽእሉ።

ኵሉ ተደሚሩ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ እቶት እታ ሃገር ቀጻልነት ዘለዎ ስትራተጂያዊ ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል።

ኵነታት ብቕዓት ወደብ ዓሰብ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ,Eri-TV

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መስከረም 2013 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት “ወደባት ኣለና ኢልና ክንዛረብ ዝከኣል ኣይኰነን” ብምባል፡ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ክዓብያ ከምዘለወን ተዛሪቡ ነይሩ።

“ዓሰብ ክትምዕብል፡ ክትዓቢ ዘለዋ ወደብ’ያ. . .ዓሰብ እንድሕር ዓብያኮ ንኢትዮጵያ ከተገልግል ኣይኰነትን፡ ዓሰብ እንድሕር ዓብያሲ ዞባዊን ዓለማዊን ኣገልግሎት ኣለዋ. . .ስትራተጂያዊ ፕሮጀክት’ዩ. . .ንጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝደናጎዩ ኣይኰነን።”

“ዓሰብ እዚ ሕጂ ዘሎ ወደብ፡ ወደብ’ዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ዝክኣል ኣይኰነን. . .በዚን በትን እናተጻገምካ፡ ነቓዕ እናጣመምካ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል እቲ መንግስቲ ንክልቲአን ወደባት ንምሕዳሰን ውዱእ ውጥን ከምዝነበሮ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ እዋን ጠቒሱ ነይሩ።

ዲፒ ዎርልድ ዝተባህለ ኩባንያ ኢማራት ዓረብ በዓል መዚ ወደባት ኤርትራ ብዘቕረቦ ጠለብ መሰረት፡ ኣብ ወደባት ኤርትራ ኣገደስቲ ናይ ኣቝሑ ምቕያርን ብቕዓት ኣገልግሎት እተን ወደባት ኣብ ምምሕያሽ ጽገናታት ከምዘካይድ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኩባንያ ብጀረጃ ዓለም፡ ንጠለባት ዓማዊሉ ንኸማልእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርአ ዘሎ ዕድላት ስራሕ ይከታተሎ ከምዘሎን ኣሚቱ ምንባሩ ይዝከር።

ወደብ ዓሰብ ክሳብ 10.97 ሜትሮ ዕምቈትን 210 ሜትሮ ዝበጽሕ ቍመት ዘለዎምን 7 መዐሸጊ ዓበይቲ መራኽብ ኣለዎ።

ኣስታት 385,930 ሜትሪክ ቶን ዝበጽሕ ንብረት ክሕዝ ዝኽእል እቲ ልዕሊ 275,320 ትርብዒት-ሜትሮ መኸዘኒ ቦታ ዝውንን ምዃኑ’ውን ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንዝህቦ ኣገልግሎታት ዘሳልጥ ካብን ናብን መራኽብን ወደብን ዘራኽብ መራኸቢታት፡ ዓለምለኻዊ ቴለፎን፡ ቴለክስን ፋክስን ከምዝነበሮ ኣብ 2013 ዝወጸ ጸብጻብ መንግስቲ ይጠቅስ።

ሓበርቲ መራሕቲ መራኽብ፡ ጐተትቲ፡ ምምሕዳር ካርጐን፡ “ሓደገኛታት” ዝበሃሉ ተነቀፍቲ ኣቝሑት ዝሕዝ ፍሉይ መኽዘን’ውን ዝነበሮ’ዩ።

ብደገፍ ዓለማዊ ባንክ ነቲ ወደብ ንምሕዳስን ምጽጋንን ፈተነታት’ኳ ይግበር እተነበረ፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ምትፍናን ነቲ ወደብ ዓዲ-ውዒል ስለዝገበሮ ክትግበር ከምዘይክኣለ ጸብጻባት እቲ ባንክ ይጠቅስ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2005 ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት መንግስቲ ኤርትራ ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ርእሱ ብዝኸኣለ በዓል መዚ” ይመሓደራ።

“ንዕብየት ማክሮ ኢኮኖሚ ዝሕግዝ ተወዳዳሪ ዞባዊ ወደባት ምምስራትን ብቐጻሊ ምድንፍዖምን፡ ኣብ ወደባት ዝወሃብ ኣገልግሎታት ስሉጥ፡ ኣድማዒን ብዓለምለኻዊ መዐቀኒ ደረጃኡ ዝሓለወን ከምዝኸውን ምግባር” ዝብል ዕላማ ዝሓዘ’ዩ።

ባጀቱ፡ “ካብ ክራይ መሳለጥያታት ወደብን ካልኦት ክፍሊታትን ኣገልግሎታትን ዝርከብ ኣታዊታት፡ ከምኡ’ውን ካብ ውሽጢ ሃገር ወይ ወጻኢ ዝርከብ ህያባትን ደገፍን፡ ብልቓሕ ዝረኽቦ ገንዘብ፡ ከምኡ’ውን ብመንግስቲ ዝስላዕን ዝወሃብን ገንዘብ” ምዃኑ’ውን እቲ ሰነድ የረድእ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን፡ እቲ ናብ ወደብ ዓሰብን ባጽዕን ክገብሮ መዲብዎ ዝነበረ በረራታት ዘይሰርዐ ኣገልግሎት ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ስለዘይጀመረ ምዃኑን፤ እዚ ከኣ ንቍጠባዊ ዝምድናን ረብሓን ክልቲኤን ሃገራት ዓንቂፉዎ ምህላው ብዙሓት ዝዛረቡሉ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ።