ኤርትራን እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ መድሃኒት ዝጻወር ዓሶ የስፋሕፍሕ ኣሎ

ተመራመርቲ መድሃኒት ሕማመ ዓሶ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎም ጽግዕተኛ ሕማም ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ ህይወት ሚልዮናት ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣጠንቂቘም።

እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም፡ በቲ ኣርተሚሲኒን ዝበሃል መድሃኒት ዓሶ ናይ ምክልኻል ባህሪ ኣጥርዩ ከምዘሎ’ዮም እዞም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።

እዚ ሓድሽ ዓይነት ዓሶ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ነዚ መድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ካብ 1 ሚእታዊት ናብ 20 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከምዘሎ’ዮም እዞም ክኢላታት ዝገልጹ።

ካብ 10 ሃገራት ዝተዋጽኡ 28 ክኢላታት ሕማም ዓሶ፡ ኣብ መጽሄት ጆርናል ኣብ ዘሕተምዎ ምርምራዊ ውጽኢት፡ እዚ ኣርተሚሲኒን ንጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ብምቕታል ቀንዲ ኣገባብ መፈወሲ ሕማም ዓሶ ኰይኑ የገልግል ከምዘሎ’ዮም ዝገልጹ።

ነዚ ኣርቲሚሲኒን ናይ ምክልኽል ዓቕሚ ዘለዎም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ መጀመርታ ኣብ ሩዋንዳ ከምዝተራኣዩንን ቀልጢፎም ከኣ ናብ ዩጋንዳን ናብ ኤርትራን ከም ዘስፋሕፍሑ ብምግላጽ ሕጂ ናብ ሓያለ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ከኣ ልዕሊ 10 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሩዋንዳ፡ ዩጋንዳን ታንዛንያን ዝርኣዩ ዘለዉ ዓይነታት ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዮም ከምዘለዉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።

 

ሓደ ካብዞም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ናይጀርያዊ ፕሮፌሰር ኦሉግበንጋ ሞኩሎ ኰይኑ “ሚልዮናት ሰባት ከይሞቱ እንከለዉ እቲ ስጕምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ሕጂ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ 2016 ንመጀመርታ ግዜ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዝደለቡ ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ኣብ ዩጋንዳ ተራእዮም።

ኣብ 2019 ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ ከኣ 20 ሚእታዊት ካብቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዝደለቡ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።

እቶም ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ምስፍሕፋሕ ናይዞም ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘጥረዩ ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ክዕገተሉ ናብ ዘይክእል ደረጃ ከምዝበጽሐ’ዮም ኣጠንቂቘም።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ፡ ኣብ ኣርተሚሲኒን ዝተሞርኮሰ ኣገባብ ፍወሳ ሕማም ዓሶ ውዱቕ ክሳብ ዝኸውን ከምዝበጽሐ ኣብ ታይላንድ፡ ኣብ ክፍሊ ኦክስፎርድ ትሪፒካል መዲሰን ሪሰርች ተመራማሪ ዝዀነ ዶክተር ምሁል ድሆረዳ ይሕብር።

ዶክተር ምሁል ነቲ ናይ ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ከም ኣብነት ብምቕራብ “ካብታ ዝተፈለጠላ ክሳብ ምሉእ ንምሉእ ናብ ብዙሕ ዘስፋሕፍሕ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት’ዩ ወሲዱ” ይብል።

ዓሶ ቀታሊ'ዩ ዝብል ጽሑፍ ዝሓዘት ቈልዓ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ኣብ 1970ታት’ውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ነቲ ኣብቲ እዋን ከም መድሃኒት ሕማም ዓሶ ዘገልግል ዝነበረ ክሎሮኪን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ደሊቦም ነይሮም’ዮም ኣብ 1980ታት ከኣ እቲ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃ በጺሑ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 1980 ብሰንኪ ሕማም ዓሶ ዝመውት ዝነበረ ሰብ 493 ሽሕ'ዩ ነይሩ፡ ኣብ 2004 ከኣ ናብ 1.6 ሚልዮን ክብ ክብል ክኢሉ።

እዞም ተመራመርቲ ከኣ ነዚ ከም ኣብ ኣብነት ብምጥቃስ “እቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ካብ ኣማዕበሉ ቍጽሪ ብሕማም ዓሶ ዝሞቱ ሰባት ግድን ክውስኽ’ዩ” ይብሉ።

እዞም ተመራመርቲ ነተን ሕማም ዓሶ ዘመሓላልፋ ጣንጡን ነቶም ጽግዕተኛታትን ኣመልኪቶም እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ለበዋ ብምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ኣርተሚሲኒን ካልእ ተወሳኺ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ክስራሕ እዋኑ ምዃኑ ተላብዮም ኣለዉ።