ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወይ ማትሪክ ካብ ዝተፈተኑ ልዕሊ 18 ሽሕ ተማሃሮ፣ እቶም ኣስታት 75% ተሪፎም

ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወይ ማትሪክ ካብ ዝተፈተኑ 18,638 ተማሃሮ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፣ እቶም ኣስታት 75% ከምዝተረፉ ተሓቢሩ።

መርበብ ዜና መንግስቲ፡ ንሃገራዊ ኢንስቲትዩት መጽናዕትን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ኤርትራ፡ ብ15 ሓምለ ንዝዘርግሖ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብቶም ማትሪክ ተፈቲኖም ዝሓለፉ 4699 ተማሃሮ፣ እቶም 15.5% ብደረጃ ዲግሪ፣ እቶም 9.7%ድማ ብደረጃ ዲፕሎም ትምህርቶም ንምቕጻል ናብ ኮሌጃት ክጽንበሩ‘ዮም።

ከም ማይ ነፍሒ ዝኣመሰላ ኮሌጃት ኤርትራ፣ ብወትሃደራዊ ምሕደራ ከምዝእለያ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዝሒ ናይቶም ናብ ኮሌጃት ዝጽንበሩ ዘለዉ ተማህሮ፣ ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረ ዛይዱ እኳ እንተሎ፣ ብብቅዓትን ደረጃን ግና ኣዝዩ ከምዘንቆልቀለ‘ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ ኤርትራ፣ ምስ መዛዘም ካልኣይ ደረጃ ትምህሪ ናብ ሳዋ ብምግዓዙን፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ፣ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎታን ተተሓሒዙ፣ ብቕዓትን ደረጃን ምምሃርንርን ምስትምሃርን ካብ ግዜን ናብ ግዜ እናተዳኸመ ክመጽእ ምጽንሑ‘ውን ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት