ቱር ዲ ፍራንስ፡ ቢንያም ጸወታ ክዛዘም ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ወዲቝ፡ ጃስፐር ቀዳማይ ወጺኡ

ታደይ ፖጋቻ ኣብ ቢጫ ማልያ ኣብ ልዕሊ ጆናስ ቪንገጋርድ ናይ 3 ደቂቕን 9 ካልኢትን ኣንጺፉ፡ ቢንያም ኣብ ቀጠልያ ማልያ ኣብ ልዕሊ ጃስፐር ፍሊፕሰን 86 ነጥቢ ጸብለልታ ሒዙ፡ ታደይ ፖጋቻ ኣብ ኣንበሳ ዓቐበት ብ77 ነጥቢ ጸብለል ኢሉ ኣብ ንመንእሰይ ትውሃብ ጻዕዳ ማልያ ከኣ ሬምኮ ኤቨንፖል ብገፊሕ መሪሑ’ዮም ናብዛ መድረኽ ኣትዮም።

እዛ መድረኽ ኣብ መበል 96.5 ኪሎሜተር ኣብ ማእከል ነጥቢ እተውህብ ሕንጻጽ ተዳልያትላ ስለዝነበረት ተቐዳደምቲ ናብኣ ክሳብ ዝቀራረቡ ተሓላልዮም ክኸዱ ከምዝኽእሉ’ዩ ተገሚቱ።

ቢንያም ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት፡ መጀመርታ ናብዚ ውድድር ክምጽኡ እንከለዉ ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት ንምምዝጋብ ከምዝመጽኡ ብምሕባር፡ “ካብቲ ዝሓሰብናዮ ንላዕሊ ናይ መድረኽ ዓወት ስለዘመዝገብናን ቀጠልያ ማልያ ስለዝወነንናን ኣዝየ ቀሲነ ዘካይዶ ውድድር’ዩ ክኸውን” ብምባል ገሊጹ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተኻየደ ውድድር ዓሰርተ ጋንታታት ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግባ እንከለዋ፡ ቢንያምን ታደይ ፖጋቻን ሰሰለስተ ግዜ ጃስፐር ፍሊፕሰን ከኣ ክልተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቦም’ዮም ኣትዮም።

ቢንያምዶ ይርብዕ፡ ዋላ ጃስፐር ሳልሳይ መድረኽ ይውስኽ፡ ሕጊግ እናበለ መበል 14ን 15 መድረኻት ዝወደአን ማርክ ካቫንድሽዶ ካልኣይቲ ናይ መድረኽ ዓወት የመዝግብ ዋላ እቲ ካልኣይ ብምውጻእ ላሕ ዝበለ ቫን ኣርት ጾመ ልጓሙ ይፈትሕ - መድረኽ 16 ክትምልሶ ክኸውን ትጽቢት ተዓዘብቲ ኰነ።

ጸወታ 80 ኪሎሜተር ተላዒልዎ እንከሎ፡ እንትርፎ ሓሓሊፉ፡ ዝዀነ ዕዉት ናይ ምምላቝ ፈተነ ኣይተኻየደን።

ቅድሚ ናብታ ኣብ መበል 96.5 ኪሎሜተር ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ቅድሚ ምብጽሖም 10 ኪሎሜተር ትዝርጋሕ ዓቐበት ስለዝነበረት ኣብዛ ዓቐበት ናይ ምህዳም ፈተነ ዘካየዱ ተቐዳደምቲ ክህልዉ ከምዝኽእሉ’ዩ ተገሚቱ ነይሩ፤ እንተዀነ ዓባይ ጕጀለ ከይተፈላለየት’ያ ናብ ሕንጻጽ በጺሓ።

ቢንያም ምስ ፍሊፕሰን

ምንጪ ስእሊ,INTERMARCHÉ-WANTY

ዓባይ ጕጅለ ኣብ ዝገበረቶ ቅጽበታዊ ውድድር ከኣ ብርያን ኮካርድ ቀዳማይ ብምውጻእ 20 ነጥቢ ክወስድ እንከሎ ጃስፐር ፍሊፕሰን 17 ነጥቢ ኣንቶኒ ቱርጊስ ሳልሳይ 15 ነጥቢ፡ ራብዓይ ዝኣተወ ቢንያም ግርማይ ከኣ 13 ነጥቢ ረኺቦም።

ቢንያም፡ 376 ነጥቢ ጃስፐር ከኣ 294 ነጥቢ ኣኪቦም እቲ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ከኣ ካብ 86 ናብ 82 ወሪዱ።

ብድሕሪ እዚ ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ቶማስ ጋቺግናርድ ካብ ዓባይ ጕጅለ ሃዲሙ ብምውጻእ ንፍልልዩ ክሳብ ክልተ ደቂቕን ፈረቓን ከጽንሖ ክኢሉ ነይሩ’ዩ። እንተዀነ ጸወታ ክዛዘም 25 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ብዓባይ ጕጅለ ተዋሒጡ።

10 ኪሎሜተር ምስ ተረፈ፡ ዓባይ ጕጅለ ብሓባር ተጠርኒፋ ናብ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ከተቋምት ጀመረት። እተን ክሳብ ሕጂ ብቕጽበታዊ ተወዳደርተን ዓወት ከመዝግባ ዘይከኣላ ጋንታታት ብቅጽበታዊ ውድድር ንኽዕወታ እዚኣ ናይ መወዳእታ ዕድለን ስለዝነበረት ንዓባይ ጕጅለ ብስካቶታት ክሓቝናኣ ጀመራ።

ዓባይ ጕጅለ ከይተፈላለየት ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ከምእትበጽሕ ከኣ ርዱእ ኮነ።

እንተዀነ ጸወታ ክዛዘም 1 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ካብ ሓሙሻይ መድረኽ ጀሚሩ ንቀጠልያ ማልያ ዝሓዛ ቢንያም ግርማይ ስለዝወደቐ ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ክኣቱ ኣይክኣለን።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር ጃስፐር ፍሊፕሰን ቀዳማይ ብምውጻእ 50 ነጥቢ ክረክብ እንከሎ፡ ምስ ቢንያም ግርማይ ዝነበሮ ነጥቢ ናብ 32 ኣውሪድዎ። ቀጠልያ ማልያ ግን ካብ ሓሙሻይ መድረኽ ጀሚራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝባን ቢንያም ኣላ።

ፊል ባዉስ ካልኣይ፡ ኣሌክሳንደር ክሪስቶፍ ከኣ ሳልሳይ ወጺኦም።

ዙር ፈረንሳ ክሳብ ሕጂ 16 መድረኻት’ዩ ኣካይዱ ዘሎ። ካብተን ንተቐዳደምቲ ቅጽበታዊ ውድድር ዝመቻኣ ትሽዓት መድረኻት ከኣ ቢንያም ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ ክልተ ግዜ ካልኣይ ሓንሳብ ሳልሳይ ክልተ ግዜ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ’ዩ 376 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ብ32 ጸብለልታ ነጥቢ ወኒንዋ ኣሎ።