ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግራይ፡ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን እንታይ ኢሉ?

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ፡ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኲናት ከይካየድ ብምግባሩ፡ ኣስማት እቲ ፕረዚደንትን ምክትላቱን ጸሪሑ ንኢዱ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምግምማዕ ስዒቡ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሰፊሕ ቅልውላው ኣትዩ ይርከብ።

ብደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ብዕጡቓት ተደጊፉ፡ ንመቐለ ሓዊሱ ንገለ ኣብያተ ጽሕፈት ከንቲባታት ከባብያዊ ምምሕዳራት ተቘጻጺሩ ይርከብ።

እዚ ዝፈጠሮ ወጥሪ ከዘራርብ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ምናልባት ናብ ካልእ ዙር ኲናት ከየምርሕ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነዚ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ እንክህብ፡ "ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ተበታቲኑ ስለ ዘሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምውቃዕ ግዜኡ ሕጂ'ዩ' ዝብል ገምጋም ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ከም ዘለዉ እፈልጥ እየ። መልሰይ ግን 'ሰላም እዩ ዘድልየና ኣየዋጽእን' ዝብል እዩ፡" ኢሉ።

"ኣብ ውልቀ-ሰባት ለውጢ ክግበር ይከኣል እዩ፡" ብምባል ብብርትዐኦም እናተናእዱን ብድኽመታቶም እናተነቐፉን ዝቕየሩ ሰባት ከም ዘለዉ ብምእንፋት፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ክለዓል እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ግን ሓቢሩ።

"ኣብ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ጽዒርና ኢና፡" ዝበለ ኣቢይ ኣሕመድ፡ "ኣብ ጸለምትን ራያን ውጽኢታዊ ስራሕ ተሰሪሑ'ዩ። ኣብ ካልኦት ከባቢታት [ምዕራብ ትግራይ] ግን ብሰንኪ ፖለቲካን ሰብኣውነትን ዝተሓዋወሶም ፖለቲከኛታትን ክሰልጠና ኣይከኣለን፡" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር ከምኡ ዝበለ፡ ሰብኣውነት መጠቀሚ ፖለቲካ ይውዕል ኣሎ ክብል ነቒፉ።

እንተዀነ፡ ንሱ ኣስዒቡ፡ "ኣብ ትግራይ ተመዛበልቲ ክምለሱ ጥጡሕ ባይታ እንተ ተፈጢሩ፡ መንግስቲ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ'ውን እንተዀነ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።

ኣብ ትግራይ፡ ምስ ውዕል ፕሪቶርያ ብዝተኣሰሳሰር፡ ታሪኻዊ ውሳነ ዝበሎ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ኲናት ብዙሓት ተቋሪጾም ዝነበሩ መሰረታውያን መንግስታዊ ኣገልግሎታት ከም ዝተጀመሩን ህዝቢ ተጠቃሚ ከም ዝዀነን ኣረዲኡ።

እንተዀነ፡ ዛጊት ገለ ጅማሮታት እኳ እንተ'ለዉ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ግብራዊ ኣይኰነን ዝበሎ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ዝምልከት ኣልዒሉ ርእይቶ ሂቡ።

"ዲዲኣር ብዘይምፍጻሙ፡ ቀዲሙ ዝጕዳእ ህዝቢ ትግራይ እዩ፤ ከመሃሩ፡ ክፍሕሩን ሃገር ክልውጡን ዝገብኦም መንእሰያት፡ በስም ወተሃደር ከፍ ኢሎም፡ ንህዝቢ ትግራይ ዝኸይድ ዓመታዊ ባጀት ንቐለቦም ዘውዕሉ እንተዀይኖም፡ ኣብ ውሸዕጢ ትግራይ ልምዓት ክመጽእ ዝሕሰብ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

በብዓመቱ ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ብኸምዚ መንገዲ ከም ዝባኽን ተዛሪቡ።

ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ ኢሉ?

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ምስ ኤርትራን ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ተዛሚዶም ሕቶታት ዝቐረብሉ ምላሽ እንክህብ፡ "ንቐይሕ ባሕሪ ኢልና ኤርትራ ናይ ምውራር ባህጊ የብልናን፡" ኢሉ።

"እንዘረራረበሉ፡ እንመኻኸረሉ ኢና ንብል ዘለና፣ ንዋጋእ ኣይበልናን። እንተዀነ፡ ክመጽእ ዝኽእል ኲናት ንምክልኻል እኹል ምድላዋት ክንገብር ኢና።"

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ዳርባ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት እዘን ሃገራት ናብ ኵናት ከይኣትዋ ሻቕሎት ነይርዎም'ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክፈጥር ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ጻውዒት ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ፡ "ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ፡" ተማሕጺና እያ።

"ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምሕታት ግን ከም ነውሪ ዝቝጸረሉ ግዜ ኣብቂዑ እዩ፡" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ኢትዮጵያ ጻሕታሪት ኵናት ከም ዘይትኸውን ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡" ኢሉ።

ሕቶ ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ምላሽ ዝረኽበሉ ኵነታት ክረጋገጽሓቲቱ።

"ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያውያን ናይ ህልዉና ጉዳይ'ዩ፣ እንካ-ሃባን ብዝተመስረተ ዝምድና ዝተደረኸ ክኸውን'ዩ ድልየትና።"

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወደብ-ኣልቦ ኰይና ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ብቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ኣፍደገ ክህልዋ ከምዝደሊ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ "ብዲፕሎማሲ ይኹን ብወተሃደራዊ ሓይሊ" ኣፍደገ ባሕሪን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ናይ ምርካብ "ግጉይ" ሸውሃት'ውን ከምዘቖጥዓ ኤርትራ ገሊጻ'ላ።

"ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ ኤርትራ ትምሕጸን"።

ሚኒስተር ዑስማን ብተወሳኺ፡ ኣብ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዀነ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢዶም ከእትዉ ድሌት ከምዘይብሎም ብምግላፅ፡ ክቐርበሎም ንዝቐነየ ክስታት ጣልቃ ምእታው፡ ነጺጉ።