ከተማ ራይወይክ ናይ ኔርዘላንድስ፣ ምትእክኻብ ኤርትራውያን ኣጊዳ

ከንቲባ ራይወይክ ናይ ኔዘርላንድስ፣ ሁሪ ሳሂም፣ ኣብዚ ወርሒዚ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ኣጊዱ። እቲ ከንቲባ፣ ምትእክኻብ ኤርትራውያን ክእግድ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ባእሰን ዕግርግርን ከይፍጠር ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ፣ መርበብ ዜና ኔዘርላንድስ ታይምስ፣ ኣብ ናይ 12 መጋቢት ጸብጻቡ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኢቨንት ፕላዛ‘ ኣብ ዝተባህለ ኣዳራሽ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምትእክኻብ ኤርትራውያን፣ ኣስታት 500 ዕዱማት ክሳተፉ ዩ ተወጢኑ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ብምምሕዳር እታ ከተማ ክስረዝ ተወሲኑ።

እቲ ብፈደረሽን ማሕበረ ኮማት ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድስ ከምዝተወደበ ዝተጠቕሰ ምትእኽኻብ፣ ዕላምኡ ንጹር እኳ እንተዘይነበረ፣ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት፣ ብኤምባሲ ኤርትራ ዝተወደብ ክኸውም ከምዝኽእል ይግመት።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ኣብታ ከተማ፣ ኣብ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ‘ ኣብ ዝተወልዐ ባእሰን ዕግርግርን ኤርትራውያን፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ ይዝከር።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ለካቲት፣ ኣብ ከተማ ዘ ሄግ ኣብ ዝተወልዐ ተመሳሳሊ ግጭት ድማ፣ ብዝወረደ ዕንወትን ኣብ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲን፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ሓደ ዓመት ክእሰሩ ከምዝተፈርዶም ይፍለጥ።

ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢን ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾኑን ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን፣ ኣብ እስራኤል፣ ሃገራት ኤውሮጵ፣ ካናዳን ኣመሪካን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዘካየድዎ ግጭታት፣ ብውሕዱ 11 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ 10ታት ውን ቆሲሎም ዮም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ እስራኤል፣ ካናዳ፣ ኔዘርላንድስን ጀርመንን፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ክእሰሩ እንከለዉ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ክሲ ተመስሪትሎም፣ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይርአ ኣሎ።

==============================