ኤርሚና ደል'ኦሮ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ጸሓፊት

እዛ ሕጂ ዕድመ ደፊኣ ኣብ ሚላኖ እትነብር ዘላ ኤርሚና ደል-ኦሮ ነቶም ቀዳሞት 20 ዓመታት ህይወታ ኣብ ኣስመራ'ያ ኣሕሊፋቶም።

ኣብ'ቶም ናይ ሽዑ ተዘክሮታት ተመርኲሳ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ጽሒፋ ክነሳ፡ እቶም መጻሕፍታ ግን ንተራ ኤርትራውያን 'ኣብ ሰማይ ከም ዝተሰቕሉ' መጻሕፍቲ ኰይኖሞም ይርከቡ።

ሓድሓደ ሰባት፡ 'ታሪኽ ንመግዛእቲ ብዝውክሉ ሰባት ክጸሓፍዶ ምተገብአ?' ኢሎም ዝምጕቱ።

ታሪኽ ይኽፋእ ይጸብቕ ታሪኽ'ዩ።

ግዝኣት ቱርኪ ይዅን ግዝኣት ጣልያን፡ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ይዅን ዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ዘመነ ደርግ ይዅን ዘመን ገድሊ፡ ከምኡ'ውን ብድሕሪ ገድሊ ንህዝቢ 'ከየፍተወ' ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት - ኵሉ ታሪኽ'ዩ፣ ኰይኑ ድማ ታሪኽ ብሕርያ ኣይኰነን ዝትረኽ።

ኵሉ ሸነኻት ዝሓቘፈ ታሪኽ ምጽናዕ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ "ሕሉፍ ታሪኽና ምስጢር ህላወና ኰሊዑ ከርእየና ስለ ዝኽእል'ዩ፡" ይብሉ ፍላስፋታት።

ታሪኽና ምጽናዕ ጸገማት ናይ ምፍታሕ ዓቕምታትና ዘኻዕብት፡ ንፈጠራዊ ኣተሓሳስባን ነቐፌታዊ ኣረኣእያን ዘማዕብል፡ ናይ ምትንታን ክእለትና ድማ ክስሕል ይኽእል'ዩ።

ኤሪክ ፎነር፡ 'ንታሪኽ መን'ዩ ዋንኡ?' ዘርእስቱ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ተመራማሪ ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ታሪኽ ክገልጽ እንከሎ፡ "ታሪኽ እንግደሰሎም ወይ ክንግደሰሎም ዝግበኣና ምኽንያታት ብዝምልከት መንፈሳዊ ምልዕዓል ዝፈጥር ኰይኑ (ዋላ እቲ ዛዕባ ኣካታዕን ተኣፋፍን ይዅን)፡ ብዛዕባ ርክብ ጸሓፊ-ታሪኽ ምስ ሕሉፍን መጻእን ዓለምና ንዝምልከቱ ሕቶታት ይምልስ'ዩ፡" ይብል።

ኤርትራ ምስ ታሪኽ ዘለዋ ርክብከ ከመይ ይመስል? ብጕስያ ድያ ትሓልፎ ወይስ ብፍትሓዊ ኣገባብ'ያ ትገጥሞ? ዘኣመሰሉ ሕቶታት ክልዓሉ ግቡእ'ዩ።

እግሪዶ ተኺልና ኣሎና ወይስ ብሕጉብ-ሕጉብ ኢና ንሓልፎ ዘለና? ንዘሎ ኵነታትና መሚና መንቀሊኡን ሳዕቤኑን ብግቡእዶ ክንርድኦ ንኽእል?

ብዛዕባ ኤርትራ ዝትርኹ መጻሕፍቲ፡ ኤርትራውያን ከንብብወን ዕድል ክረኽቡ ኣይርኣይን።

ኣብ ኤርትራ ስነጽሑፍ ብሰላሕታዊ ሳንሱር ስለ ዝተሓጽረ፡ ገና ኣይሰሰነን ክበሃል ይከኣል።

እዚ ከኣ ጸሓፍትን ኣንበብትን ብፍርሒ ተዋሒጦም ደፊሮም ብዝመስሎም ክጽሕፉ'ኳ ይትረፍ፡ ከንብቡ'ውን ይሽቝረሩ'ዮም ዝብሉ ምሁራን ኣለዉ።

ብሓጺር ኣዘራርባ፡ ኣብ ኤርትራ እኹል ናጽነት ስነጽሑፍ የሎን።

እቶም ኣብ ኤርትራ ዝዝርግሑ መጻሕፍቲ፡ ፖለቲካ ሓዘል - ኣውራ ብዛዕባ ፍናን ብረታዊ ገድሊ - ዘዘንትዉ እዮም። ብዛዕባ ህልው ኵነታት ሃገርን ሓቀኛ ናብራ ህዝብን ኣየንጸባርቑን።

ገለ-ገለ ከኣ ምስ ታሪኽና ዘይተኣሳሰሩ ኰይኖም ካብዝን ካብትን ዝተኣከቡን ዝተተርጐሙን መጻሕፍቲ'ዮም። ሕጹር ምዕባለ ስነጽሑፍ ኣብ ምዕባለ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያን ግደ ስለ ዘለዎ፡ ብዙሕ ክትዕ ዘድልዮ ዛዕባ ኣይኰነን።

ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ኣብ ዕስራ ዕድሚኣ ናብ ዓደ'ቦኣ (ንሚላኖ) ዝኸደት ኤርሚና፡ እቲ ምስ ኤርትራ ብዝፈጠረቶ ምትእስሳር ዋላ ብማዕዶ ክሳዕ ሎሚ የሳልያ ኣሎ ክበሃል ይከኣል፣ ምኽንያቱ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሓላፍ-ዘላፍ ዘመን ብምግጣም በብእዋኑ ብርክት ዝበሉ ኤርትራ-ጠቀስ መጻሕፍቲ ከተበርክት ስለ ዝኸኣለት።

ንኣብነት፡ እታ ብ1991 ዝጸሓፈታ 'ጥልመት' (L'Abbandono') ዘርእስታ መጽሓፋ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ዝሓዘለት መጽሓፍ'ያ። እታ መጽሓፍ ሓደ ኢጣልያዊ ከመይ ኢሉ ናብ ኤርትራ ከም ዝዀብለለ፡ ኣብ ኤርትራ ከኣ ምስ ሓንቲ ጓለ'ባት ተፋቒሩ ክሳዕ ውላድ ከም ዝበጽሐ፡ ደሓር ግን ንዓኣን ንደቁን ብምጥላም ንዓዱ ከም ዝተመልሰ እተዘንቱ መጽሓፍ'ያ።

ከም'ዚኦም ዘኣመሰሉ ዛንታት እቶም ሕጂ ኣብ ስሳታት/ሰብዓታት ዕድመ በጺሖም ዝርከቡ ዜጋታት ዘርከብሉ ጉዳይ'ዩ።

ጣልያን ምስ ተሳዕሩ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ዝነበሩ፡ ከምኡ'ውን በርጌሳውያን፡ ካብ ኤርትራውያን ወሊዶም ገገዲፎመን ናብ ዓዶም ዝተመልስሉ ዘመን ነበረ። ብዙሓት ካባ'ተን ኣደታት ከርተት ኢለን ንደቀን የዕብያ ነበራ፣ ብዙሓት ከኣ ዕድል ገይረን ንደቀን ንዓዲ ጣልያን ክስደዱ ተቓሊሰንን ተዓዊተንን'የን።

እዚ ኰይኑ እቲ ግን ዛንትአን ዛንታ-ጥልመት'ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ሓቅነት ናይቲ ዛንታ ክምስክሩ ዝኽእሉ ሰባት ገና ብህይወት ኣለዉ።

እታ 'ስጡሕ ባሕሪ'( 'Il Mare Davanti') ዘርእስታ መጽሓፋ ድማ ብዛዕባ ዘመን-ኣምጽኦ'ያ፣ ብዛዕባ ጽገዮሃንስ ወልደስላሴ ዝበሃል ጠባይ እተዘንቱ ኰይና፡ ከመይ ኢሉ ካብቲ መደምደምታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ብምምላጥ ብኽንደይ መሰናኽል ናብ ኤውሮጳ ሰጊሩ ከም ዝበጽሐ እተዘንቱ መጽሓፍ'ያ።

እዚ'ውን ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ'ዩ።

እታ ሎሚ እነትኵረላ መጽሓፋ ግን እታ ዝና ዝረኸበት 'ደሓን ኵኒ ኣስመራ' (Asmara, Addio) ዘርእስታ ፋልመይቲ መጽሓፋ'ያ።

'ደሓን ኵኒ ኣስመራ'

ህብብቲ መጽሓፍ፡ 'ደሓን ኵኒ ኣስመራ'

ምንጪ ስእሊ,DM

መግለጺ ስእሊ,ህብብቲ መጽሓፍ፡ 'ደሓን ኵኒ ኣስመራ'

ኣብ 'ደሓን ኵኒ ኣስመራ' ቀሪቡ ዘሎ ዛንታ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ኣቀራርባ ብቕዲ-መልክዕ ሓንቲ ውልቀሰብ ኰይኑ፡ ካብ 1930 ክሳዕ 1970 ኣብ ኤርትራ ዝተረኽቡ ክስተታት ዝሽፍን እዩ። ብዓይኒ እታ ሰብ እቲ ሽዑ ዝነበረ ናብራ ኣብ ሓንጎልና ክሰኣል ብምኽኣሉ'ዩ።

እታ ማሌና ኮንቲ ዝስማ ቀንዲ ጠባይ ብእትሓስቦን እትርእዮን ከምኡ'ውን ንዓኣ ብዝርድኣን ኣገባብ፡ ህይወት ኣብ ኤርትራ (ሕብሪ ጣልያን ዝሰተየ ጽዋ'ኳ ይዅን'ምበር) ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ብሕብረተሰባዊ ቅርጽን ፍልልያትን ኣሰንያ ነቲ ዛንታ ብምቕራባ ፍሉይ ውቃበ ክህሉዎ ገይራ እያ።

እቲ ሽዑ ጣልያን ዝነበሮም ክቱር ሓለፋታት፡ ምስቲ ደቀ'ባት ዘጓንፎም ዝነበረ ኣድሉዎ ተኣሳሲሩ፡ ብዝተጠናገገ ኣገባብ (ልዕልናን ትሕትናን ማለት'ዩ) እቲ ዝነበረ ሓባጥ-ጐባጥ ናብራ ንህዝቢ ብኸመይ ይጸልዎ ከም ዝነበረ ክንዕዘብ ንኽእል።

ስርሑ፡ ትዕበ ትንኣስ ሰብ ወፊሩ ክኣቱ፡ ሓረስቶት ካብ ከባቢ ኣስመራ ንውሽጢ ከተማ ኣትዮም ክነግዱ፡ ደቀ'ባት በቲ ዘይምዕሩይ ሕግታት ከንሳፍፉ፡ ክዕንቀፉን ላዕልን ታሕትን ክብሉን ምንባብ፡ ንቐልቢ ኣንባቢ ስሒቡ ገው ዘብል'ዩ ምባል ምግናን ኣይኰነን፣ ብኻልእ ሸነኹ ድማ እታ መጽሓፍ ንምንታይ ገና ናብ ትግርኛ ኣይተተርጐመትን ዘብል እዩ።

እቲ ዛንታ መቸም ንማሌና ኮንቲ ኣብ ማእከል ኣእትዩ ይዘንቶ'ምበር፡ ብሓፈሽኡ ናይ ሓንቲ ኢጣልያዊት ስድራቤት ዛንታ'ዩ (ሸነኽ ጣልያን ሒዙ ዝቐረበ)፣ ዛንታ ስድራ ማሌና ምዃኑ እዩ።

ኣብ ሞንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም ኣብ ኤርትራ ይነብሩ ዝነበሩ ስድራቤት ኮንቲ - ብሕታዊ ናብራ ናይ ፊሊፖን ሊድያን ዝበሃሉ ሰብኣይን ሰበይትን - ኣብ ሓዳሮም ኣትያ ዝነበሮም ጥዑምን ዘግይጽን ናብራ እትብርብር ኰይና፡ ብመንጽሩ ድማ ኣብቲ ዘመን'ቲ ናብራ ደቀ'ባት - ብድኽነትን ሕሰምን ዝተዳህከ ናብራ - ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ እተዘንቱ ልቢወለድ'ያ።

እዛ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1988 ዝተሓትመት፡ ጸኒሓ ከኣ ተመሓይሻ ዝቐረበት፡ መሳጢትን ኵሉ ገጻት ባህርያት መግዛእቲ ዘርኣየትን መጽሓፍ፡ ንደራሲት ልዑል ዓወት ከም እትጐናጸፍ ገይራታ'ያ።

ማሌና ኮንቲ፡ እታ ቀንዲ ተዋሳኢት ናይቲ ዛንታ - ምስቲ ደራሲት ባዕላ መንእሰይ ኰይና ኣብ ኣስመራ ዘሕለፈቶ ዕንደራን ደስታን ብስቱር ይተኣሳሰር'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ብደቀ'ባት ሰራሕተኛታት ሓንቂቓ ብኡፍ-ኡፍ ዘሕለፈቶ ናብራን ንዝነበረ ሓለፋታት ጣልያንን ጽቡቕ ገይራ ከም ዝተጠቐመትሉ 'ዩ ዝገልጽ።

ናብ ባጽዕ ብምውራድ ዘሕለፈቶ ጥዑም ግዜን ኣብ ዝበለጹ ቦታታት ኣስመራ ብምብጻሕ ዝተደሰተትሉ እዋንን ሓደ-ብሓደ ክግለጹ ምንባብ ሓውሲ ተዘዝታዊ ሕልሚ'ዩ ዝፈጥር።

እቲ ዛንታ ኣስመራ ዘአንገደቶ ረምታን ጠሰስታን ህይወት ምዝካር፡ ጣልያን ክሳዕ ክንደይ ኣብ ወርቃዊ-ዘመን ይነብሩ ከም ዝነበሩ'ዩ ዘርኢ፣ ማሌና ከኣ ነቲ ባይታ'ቲ ዓንዲራትሉ'ያ።

ደራሲት ነቲ ኵሉ ገዲፋ ብምኻዳ'ያ ነታ መጽሓፍ 'ኣስመራ፡ ደሓን ኵኒ!' ዝብል ኣርእስቲ ሂባቶ ክንብል ንኽእል።

ማሌና ኮንቲ ነቲ ኣብ ከባቢኣ እትዕዘቦ ዝነበረት ብልጭልጭ ዝብል ዝነበረ፡ ደሓር ግን ምስ ምእታው እንግሊዝ ቀሰይ ኢሉ እናቐሃመ ዝኸይድ ዝነበረ ሕብረተሰባ ክፍለጣ ከም ዝጀመረ፡ እቶም ስቕ ኢሎም ዝግዝኡ ዝነበሩ ደቀ'ባት ናብራ ስለ ዘይጠዓሞም ከመይ ኢሎም ምዕይዕይ ክብሉ ከም ዝጀመሩ፡ ምስኡ ከኣ ኣብ 1950'ታትን 60'ታት ጣልያን ብሽሾ ንዓዶም ይምለሱ ከም ዝነበሩ ከተሓሳስባ ጀመረ።

ካብቲ ንባብ ማሕበረሰብ ጣልያን እናተጨበጠን እናተዳኸመን ይኸይድ ከም ዝነበረ ንኣንባቢ ርዱእ እናዀነ፡ ኤርትራውያን ባዕሎም ድማ ኣብ ሓድሕዶም ስኒት ስኢኖም እናደኸዩን እናተቘራቘሱን፡ ገሊኦም ኣብ 'ኤርትራ ንኤርትራውያን' ክዓስሉ ካልኦት ድማ 'ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ' እናበሉ ክምጕቱ፡ ምስኡ ከኣ ቍጠባ ኤርትራ እናኣንቈልቈለ ክኸይድ ንኣንባቢ ኣብ ሓሳብን ኣስተንትኖን የእትዎ።

እቶም ኤርሚንያ ደል'ኦሮ ዘቕረበቶም ኤርትራ-ጠቀስ መጻሕፍቲ ንመግዛእታዊ ድምጺ-ቀደም ዘስምዑ እኳ እንተዀኑ፡ ወይ ከኣ ንጕዕዞ ተዘክሮታታ የቃልሑ፡ ሓቅነት ዘለዎም ዛዕባታት ኣልዒላ ከተዘንቱ ምንባብ ህይወታ ብኸመይ ከም ዝተቐርጸ ምርዳእ ጥራሕ ዘይኰነስ ህይወት ኤርትራውያን'ውን ከይተረፈ ብኸመይ ከም ዝተጸልወን ከመይ ኢሉ ምስ መግዛእቲ ፊት-ንፊት ከም ዝገጠመን ክንርዳእ ንኽእል።

'ደሓን ኵኒ ኣስመራ' ነቲ ትንግርታዊ ናብራ ገዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዘርእን ዕርቃኑ ዘውጽእን ዛንታ ደኣ ይዅን'ምበር፡ ካብቲ ናይ ሽዑ ተርእዮ ዝዓቀብናዮን ዝተምሃርናሎምን መዳያት ኣለዉዶ የለውን ኢልና ክንሓትት ይቕስበና።