ኤርትራ ጠኒሳ ኣላ እሞ ውላዳ የርእየና

ዓወት ንሐፋሽ እንዳ ጨርሔ

ኣብ ዓወት ንሐፋሽ ተሐቢኡ

ን34 ዓመታት ብኣፈሙዝ ዝመርሔ

ብኢሰያስ ዝምራሕ ኣረሜን ጉጅለ፣

 

ድሕሪ ስዕረት ደርጊ ንዉሱናት ዓመታት

ብኸብድ ዋጋ ደምና ደስደስ ንሃገራዊ ንነጻነት

 መንግስቱ ብኢሰያስ ተተኪኡ ን34 ዓመታት 

ኣብ ትሕቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ባርነት፣

 

ውሕጅ እንዳ ሰሐቅካ ዩ ዝወስደካ

ኣይሐቅናን እንዲና ኣብ ሐደ ውሳኔ

ከይንበጽሕ፣

ብተዛዋዋሪ ብናይ ህግደፍ ብልጽግና ህዋሐት፣

ኣብ ሞብጎና ኣትዮም ኣንድነታዊያን ዑሱባት፣

ፋሕ ብትን ኣብሎምና ንኤርትራዊያን ንደቀባት፣

ውዲት 

በዚሕዎ ናይ ሐርነት ቃልሲ ተናዊሑ፣

ብህዝቢ ኤርትራ ዝምካሕ ስለ ዝበዝሑ።

 

ኣኮነን ዶ ንኣወል ንኢሰያስ መን ውክልና ሂብዎ

ምስ ጃንዱድ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ኣንቢዖምዎ

ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ደቀባት ዋናታት ዘለዉዎ፣

 

ቀዳሞትና ዳሕርዎትና ኣብ ሐደ ዘንቢል፣

ብዓዲ ሃሎን ኣራት ኮሎን ዝተመልመሉ፣

ከም እራብ ካብ ናብትን ንብትን ዝዘልሉ፣

ጅጋኑ ክውለዱ እዮም ንታሪኽኩም ዝብልሉ፣

 

ክንብል በለ እንበር ኣተካዕወን

ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን መኻን

ሎምስ ያኣክል ላንጋ ላንጋ ምዃን

ሕጂ ንድሕነት ህዝቢ ብስኒት ንወስን፣

 

ነቲ ውዲት ዕርቂ ዶ

ዳግማይ ውዲታዊ ጽምዲዶ

እዚ ህዝብታት ማዓት ዝወረዶ

ትማሊ

ኢትዮጵያ ከይትባታተን ብግህዶ

ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ኣይከፈለን ዶ

እቲ ስዉር ዕላማና ደጊምና ነግህዶ፣

 

እዞም ክልተ ጃንዳ ውዲት ዝልማዶም

ሕጂ ውን ብዋጋ ህዝብታት ንስልጣኖም

ኣህዛብ ዘዳሚ ሐዊ እንተ ኣጒምዶም፣

 

ንውግእ ወረ ውግእ ኣይነፍቅድን ክዝንቢ

ናይ ዝቐደሙ ደቂ መርድእ ዘይተነገረ ህዝቢ

ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዕ ጽምዶ እንቢ፣

 

ንትምክሕተኛታት ኣይፋል ንብል እወ

ሳኣን ኣያ ብኣፈሙዝ ህግደፍ እንተጃጀወ

ህዝቢ ኤርትራ ዝከይመስለኩም ዝዓሸወ፣

 

ንዓሻ ጢዒምዎ ኣሎ

ዘመድ ዓሻ ከፊእዎሎ

ዋህዮ መልሐሱ እንተ ኣንወሔ

ይመስሎ ዝያዳ ህዝቡ ዝበልሔ፣

 

ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ንጽረግ

ጽሩይ ማይ ክመልእ ራህያታት ምስ ፈለግ

ክሳብ ማዓስ ብኢሰያሳዊያን ማይና ክዝረግ፣

 

ኤርትራ ንኤርትራዊያን ደጋጊምና

ኤርትራ ጠኒሳ ኣላ ሞ ውላዳ የርእየና፣

ኣጋይሽ ኣለዉና ሞ ዳሳት ኣታኽሉና፣

 

ዓገብ ንሐደ ዕላማ በበይኑ ዳሳት፣

ንጠቕሚ መንዩ ምብትታን ስምረት፣

ምስ ኩሎም ኤርትራዊያን ደቀባት፣

 

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ  ኤርትራ፣ ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ብበርሀ  ኣባል ተሐኤ ካብ ሃገር ጀርመን።