ዓሰብ፡ ኵነታት ናይተን ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣንን ኣባላተንን

እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine Services B.V.) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ዝመሓደራ እየን።

እቲ ማዕከን ዜና ንዋና እተን መራኽብ ዝኾነ ትካል ሲ-ኤም-ኤስ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ "ኣባለተን መግቢ ይወሃቦም ከምዘሎን ምስ ስድራቤቶም ድሩት ርክብ ይገብሩ ከምዘለዉን" ሓቢሩ።

"ጥዕንኦም'ውን ኣብ ድሓን ኩነታት ይርከብ" ይብል እቲ ወናቲ ትካል።

ምስተን መራኽብ ዝተታሕዙ ኣባላት ብድምር 25 ክኾኑ እንከለዉ፡ 18 ካብኦም ዜጋታት ኣዘርባዣን ምዃኖም እቲ ጽብጻብ ይጠቅስ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብዛዕባ'ቶም ባሕረኛታታን ሰራሕተኛታትን ዝተሻቐሉ ስድራቤታት ኣብ ርእሰከተማ ባኩ ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት እቲ ትካል ተቓውሞኦም ኣስሚዖም ነይሮም።

ሲ-ኤም-ሲ ከምዝበሎ፡ እቶም ባሕረኛታት ናብ ዓሰብ ምስተወስዱ ካብ መራኽቦም ወሪዶም ክንቀሳቐሱ "ዕድል ተዋሂብዎም" ምንባሩ ኣብ መጀመርታ ለካቲት ገሊጹ ነይሩ።

ንምፍትሖም ኣብ ሩስያን ቱርኪን ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ክግበር ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ልዝብ ምፍታሕ ናይቶም ኣባላት ይኹን እተን መራኽብ ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

እዘን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይኸዳ ነይረን ዝተባህላ መራኽብ ብ7 ሕዳር 2024 "ብሰንኪ ዘጋጠመን ሕማቕ ኵነታት ኣየር ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ክኣትዋ ተገዲደን" ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ብወገን ኤርትራ ዛጊት ብዛዕባ እተን መራኽብ ይዅን ኣባላተን ዝተዋህበ ዝዀነ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ካልእ እንታይ ንፈልጥ?

ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ ጉዳይ መራኽብ ኣዘርባዣን ምስ ኢራን ርክብ ከም ዘይብሉ ኣሚቱ ነይሩ።

"ምስ መራኽብ ኣዘርባዣን ኣቋሪኑ፡ ንኤርትራ ከም 'መጋበርያ ኢራን' ክጥቅን ዝሃቀነ ዝንቡዕ ትንታነ (Haaretz – Analysis)፡ እዚ ብስም ሓደ ግዳይን ዕሱብን ዝተዘርግሐ ሕሱር ሓሶትን ጠቐነን፡ ብቐንዱ ንመሰይጠኒ ተባሂሉ ብዓበይቲ ትካላት ስለያ ከም እተፈብረኸን ከም እተጋውሐን፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኵሉ ክስወሮ ኣይክእልን" ይብል እቲ ሓተታ።

ኣብ መወዳእታ 2024፡ ሃርዝ (Haaretz) ዝተባህለ ፍሉጥ ጋዜጣ እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰብመዚ ኤርትራ ንመራኽብ መሓዛ እስራኤል ዝዀነት ኣዘርባዣን ምሓዞም "ኢራን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዋ ጽልዋ ይዓቢ ከም ዘሎ ዘብርህ'ዩ" ክብል ተንቲኑ ነይሩ።

ቢቢሲ ብዕዛባ እዋናዊ ኵነታት እተን መራኽብ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባዣን፡ ከምኡ'ውን ወናኒ መራኽብ ዝዀነ ትካል ሲ-ኤም-ኤስን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ዛጊት ኣይሰመረን።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክወጽኡ ዝጸንሑ ጸብጻባት እተን መራኽብ ኣጽዋር ዝጸዓና ክዀና ከም ዝኽእላ ዝእምት'ዩ። ይኹን እምበር ነዚ ዝድግፍ ዝኾነ ዝወጸ መርትዖ የለን።

እቲ ኩባንያ ነቲ ምስ መንግስቲ ኣዘርባዣን ጥቡቕ ቅርበት ዘለዎ ካልእ ማዕከን ዜና ኣብ ፈለማ ለካቲት ከም ዝሓበሮ፡ ሰብመዚ ኤርትራ ነተን መራኽብ ክፍትሽወን ግዜ ከምዝወሰዱ'ዩ ዘመኽኒ።

"ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍን ነቲ መርመራ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምውዳእ" ምስ ዝምልከቶም "ትካላት መንግስቲ ኤርትራ" ርክባት የካይድ ከም ዝነበረ'ውን ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

"ከም ውጽኢት ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት፡ እተን መራኽብ ናብ ሰፊሕ [መዐሸጊ] ቦታ ዘለዎ ወደብ ከም ዝመጽኣ ተገይሩ"።

"ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብዝበጽሓና ሓበሬታ መሰረት፡ እተን መራኽብ ቀልጢፈን ንክልቀቓ ዘድሊ ናይ ሰነድ መስርሕ ዳርጋ ተወዲኡ'ዩ" ክብል'ውን ተስፋ ሂቡ ነይሩ።

ስለ ምንታይ እቲ መርመራ ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደ ከብርህ እንከሎ ድማ "ብመሰረት ውሽጣዊ ሕጊ እታ ሃገር" ከምዚ ዝበለ መስርሕ መርመራ ሰለስተ ወርሒ ክወስድ ንቡር ምዃኑ ሰብመዚ ኤርትራ ከም ዝገለጽሉ ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ'ሎ።

ነቲ ጉዳይ ንምክትታል መዝነት ዝተዋህቦ ወኪል ኣብ ኤርትራ ከም ዘለዎ እቲ ትካል ገሊጹ ክብል'ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ጸብጺቡ ነይሩ።

እቲ ጸብጻብ ዝጠቐሶ ምክትል ዳይረክተር እቲ ኩባንያ ምስ ስድራቤታት ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ነቲ ምድንጓያት ዝሓላለኸ ተወሳኺ ዲፕሎማስያዊ ምኽንያት ከምዝነበረ ይጠቅስ።

"ምስ ኤርትራ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ጸገም ኮይኑ'ሎ። ስለዚ ድማ ኣድላዪ ቪዛ ክወሃብ ኣይተኻእለን፡ ዝቐረበ ሕቶ'ውን [ብኤርትራ] ተነጺጉ'ዩ" ከምዝበለ እቲ ማዕከን ዜና ይሕብር።

ኩነታት ናይዘን ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ኤርትራ ዝርከባ መራኽብ ንብዙሓት ምስጢርን ዘይተፈትሐ ሕንቅልሕንቅሊተይን ኮይኑ ይርከብ።

ምስቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ምጥርጣራት ፈጢሩ'ሎ።