ኤርትራ፡ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ዝተፈላለዩ ትካላት ይበጽሕ

ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ንግዲን ሃገራዊ ፍርያትን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ዑደት የካይድ ኣሎ።

ኣዶልፎ ኡርሶ ዝመርሖ ጉጅለ ሎሚ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ንዝርከብ ፋብሪካታት ፕሮጀክትታትን ተዓዚቡ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ከምዝሓበሮ፡ ናብ ፋብሪካ ዓለባ ዛየርን ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዝርከብ ኣብ ምውዳእ ዘሎ ፕሮጀክት ኣባይቲን በጺሑ። ኣብ ንኡስ-ዞባ ዱባርዋ ዝርከባ ትካላት ኣግሮ-ኢንዱስትሪን ዲጋ ገርገራን'ውን ዑደት ኣካይዱ።

ብሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ክህሉ ዝኽእል ንግዳዊን ዲፕሎማስያዊን ዝምድና ከምዝተዘራረበ'እቲ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ብመንግስቲ ጥልያን ዝተወስደ ተበግሶ ምስክር ናይቲ ኣብ መንጎ ክልትኣን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ክልተኣዊ ምትእስሳር ዘርኢ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ርክባት፡ በወገን ኤርትራ ናይ ኢጣልያ ድሌት ከምዘሎ ክንርዳእ ክኢልና ነይርና" ክብል ኡርሶ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ጽሒፉ።

ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ዝተኻየደ ርክብ ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ኣብ ጸዓት፡ ትሕተ ቅርጺ፡ ወደባት፡ ምህርቲ ዓሳ፡ ሕርሻ፡ ንሰደድ ዝዓለመ ፍርያት ፋብሪካ (ማኑፋክቸሪንግ) ከውፍርሉ ዝኽእሉ ዕድል ከምዘሎ ኣቶ ኢሳይያስ ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃበ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ኡርሶ ብወገኑ፡ ተልእኽኡ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሮማ ዋዕላ ኢጣልያን ኣፍሪቃን፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ዝተኻየደ ርክብ ምዃኑን ክልቲኤን ሃገራት ብሽርክነት ክሰርሓሉ ዝኽእላ ዓውድታት ከምዘሎን ብምግላጽ፡ ኤርትራ ንዝኸፈተቶ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንኢዱ።

“ኩባንያታትና ንዕብየት እዛ ሃገር ኣገዳሲ ኣበርክቶ ክገብራ ይኽእላ እየን” ክብል እውን ተዛሪቡ።

ሚኒስተር ጥዕና ኤርትራ ኣምና ኑርሑሴን ብወገና፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ክህሉ ንዝኽእል ምትሕግጋዝ ንምድህሳስ ኣብ ብሕታዊ ትካል ጥዕና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ፖሊክሊኒክ ዳይረክተር ቴለመዲስን ዝኾነ ዶ/ር ጋብሪኤለ ሩሚ ተራኺባ።

ኣብቲ ዝርርብ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኣቶ ነስረዲን በኪት፡ ሚኒስተር መጓዓዝያን ቴሌኮምኒኬሺንን ኣቶ ተስፋስላሰ ብርሃነ ከምኡ እውን ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ተሳቲፎም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ብሚኒስተር ኢጣልያ ኣዶልፎ ኡርሶ ዝተመርሐ ልኡኽ

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ ኣብ ሮማ፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ሚኒስተራት ተራኺቡ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ሰፊሕ ናይ ወፍሪ ዕድላት ከምዘሎ ኣረዲኡ ነይሩ።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብወገና ንወፍሪ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ቀንዲ ኣማኻሪኣ ከምዝሸመት ምሕባራ ዝዝከር እዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ባህሊ ኢጣልያ ጀናሮ ሳንጁሊያኖ ብምርኻብ፡ ንሰነዳት መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ቤተ መዘክር ኣብ ኣስመራ ምኽፋት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ስነ ጥንታዊ ኩዕታ ንምክያድ ናይ ሓባር ኮሚቲ ምቛም ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ተመያይጡ።

ሚኒስተር ኡርሶ ከም ኣካል ተልእኾኡ፡ ኣብ ኢጣልያዊ ኩባንያ ዓለባ ዛኤር-ዶልቸ ቪታ፡ "ካዛ ዴላ ኢታሊ"ን ካልእ ቦታታትን ክበጽሕ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።

ኤርትራ ምስታ ቅድም ገዛኢታ ዝነበረት ኢጣልያ ክብን ለጠቕን ዝብል ዝምድና ከምዝጸንሐን እዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ እዋን ብኢጣልያውያን ዝውነና ዝነበራ ዝበዝሓ ትካላት ዓንየን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ብ12 ሓምለ 2018፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኣብቲ እዋን ጁዜፐ ኮንተ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ 'ምሕዳስ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን' ኣብ ኣገዳሲ እዋን፡ ፍሉይነት ከም ዘለዎ ገሊጾም ነይሮም።

ልኡኽ ኢጣልያ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ኢጣልያ ዝሓቖፈ ኮይኑ ክሳብ ረቡዕ ኣብ ኤርትራ ክጽንሕ እዩ።

ኤርትራን ኢጣልያንን ብታሪኽ ድልዱል ባህላውን ፖለቲካውን ከምኡ’ውን ኣብ ስነ ህንጻ ሰፊሕ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት እየን።