ፐን ኤርትራ፡ ፍሉጥ ጸሓፍን ተርጓምን ዳኒኤል ሰመረ ዕዉት ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት 2024 ኰይኑ

ዳኒኤል ሰመረ፡ ብፍላይ ካብ 2008 ኣትሒዙ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ዘይሃስስ ኣሰር ዝገደፈ ምዃኑ ዝገለጸ ፐን ኤርትራ፡ ስርሓቱ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበረ-ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ደረታት ሰጊሮም፡ ነቐፍቲን ኣንበብትን ብማዕረ ዝማረኹን፡ ንጽኑሕ እምነታትን ኣተሓሳስባታትን ዝፈታተን ዓሚቝ ትሕዝቶ ዘለዎምን ምዃኖም ይጠቅስ።

ኣብዚ መብዛሕትኡ ግዜ ምፍራይ ፍልጠት መንግስታዊ ቍጽጽርን ሳንሱርን ተሓኒቝ ኣብ ዝድርተሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ጽሑፋት ዳኒኤል ትብዓትን ነጻ ኣተሓሳስባን ዘንጸባርቝ ምዃኖም እውን ኣመልኪቱ።

እታ ፍልጥቲ ዓባይ ‘እቲ ሓላው ወርቃዊት ገረብ’ ዘርእስታ ንሰውራ ኤርትራ ማእከል ዝገበረት ኣብ ታሪኽ እቲ ሰውራን ውልቃዊ ተመኵሮ ደራሲን ዝተመርኮሰት ታሪኻዊት ልበወለድ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ዓብላሊ ትረኻ ትብድህን፡ መእረምታ ትገብርን ምዃና ይንገር።

ብዘይካ’ዚ እታ መጽሓፍ ነቲ ዓብላሊ ትረኻ ትነቅፍ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ መለሳን ብዙሕነትን ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝፈጥር ትረኻን ገለጻን ኣጠማምታን ትፈጥር ምዃና እውን ብሰፊሕ ይእመን።

እታ ‘ደብዳበታት ሰይጣን’ ዘርእስታ ካብ ስርሓት ማርክ ትወይን ዝረዓመት መጽሓፍ፡ 'ንመለኮታዊ ኢፍትሓውነት' ብነቐፌታዊ መንገዲ እትምርመር ፍልስናዊት መጽሓፍ እያ። "እዚ ኢፍትሓዊ በደላት ድማ ንውልቀ መለኽቲ ከም ንድፊ ዘገልግል" ምዃኑ ይትንተን።

ብተመሳሳሊ፡ ካልኦት ጽሑፋትን መጻሕፍትን ዳኒኤል ሰመረ፡ ብሓፈሻ ንኣስተንትኖ ዘዕድሙ፡ ጸሓፊ ንህይወትን ተፈጥሮን ዘለዎ ዓሚቝ ምርዳእን ኣጠማምታን ዘንጸባርቝ፡ ብፍላይ ድማ ንቋንቋ ትግርኛ ዘለዎ ምልከት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ባህሊ ኤርትራን ስነ-ኣእምሮኣዊ መዳያቱን ዘለዎ ኣንስተንትኖ ዘርእዩ ብምዃኖምን ካልእ ብልጫታትን ንሽልማት እዚ ዓመት ዘብቅዕዎ ረቛሒታት ምዃኖም ካብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ፡ ኣብ ኣስመራ ዝተወልደን ዝዓበየን ኰይኑ፡ ካብ 1969 -1974 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ [ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ] ሕጊ ኣጽኒዑ። ኣብ መወዳእታ 1974 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ዳኒኤል፡ ካብ 1992 ኣብ ስደት - ጀርመን ይነብር።

ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ ኣብ 2019 ብፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ዝጀምረ ኰይኑ፡ ኣብ መቓን ኤርትራዊ ክውንነት፡ ስነ-ጽሑፍን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ንምስጓም ብሉጽ ብቕዓት ዘንጸባረቐ ውልቀ-ሰብ፡ ጕጅለ፡ ወይ ትካል ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።

እዚ ሽልማት’ዚ፡ “ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝተገብረ መጥቃዕቲን ነቶም ካብ መስከረም 2001 ጀሚሮም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብኢሰብኣዊ ኵነታት ተሓዪሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ነቐፍቲ መንግስትን ንምዝካር” ዓመታዊ ኣብ 18 መስከረም ከም ዝወሃብ እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፤ ይርጋለም ፍስሃ (2019)፡ ሳልሕ ቓዲ ጆሃር (2020)፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ (2021)፡ ኣብራር ዑስማን (2022)፡ ካሳሁን ቸኮል (2023) ተዓወትቲ እዚ ሽልማት ምዃኖም ይፍለጥ።