ዘገርም ዛንታ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ

ኣብቲ ቍርቍስ'ቲ ድማ ጣልያን፡ ከም ሓደስቲ ገዛእቲ መጠን፡ ኢድ ነበሮም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ብጎቦ-ጎቦ ኣብቲ ጉዳይ ተጸንበሩ - ጓልና ወሲድኩም ተባሂሎም ስለ ዝተኸሰሱ ኣብ ነገር ኣተዉ። ኣብ ኤርትራስ ዘይተነግረ'ምበር ዘይተገብረስ ኣይነበረን ዘብል ፍጻመ ነበረ።

እምበኣርከስ እዚ ዛንታ'ዚ ኣትኵሮኡ፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ ጽልዋ ምስዮናውያንን ዘስዓቦ ንትርኽን ኰይኑ፡ ነቲ ሽዑ ዝተኸስተ ሃዋሁው ክገልጽ'ዩ፣ ምስኡ ከኣ ኣብቲ ዘመን'ቲ ገዛእቲ ጣልያን ንዝተጻወትዎ ተራ ክፍትሽ'ዩ። ብቐንዱ ድማ ብዛዕባ'ቲ ዘገርም ተራ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ምስቲ ዝነበረ ኵነታት ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰር ከነጽር'ዩ።

ንቕድም ጸዓዘጋ ዝተጠቕሰትሉ ምኽንያት ከነብርህ። ቀሺ/ዶክ እዝራ ገብረመድህን: ኣብቲ 'ከኒሻ' ዘርእስቱ መጽሓፎም፡ ብዛዕባ ጸዓዘጋ ኣብ ህይወት ደቂ ማሕበር ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ (ብሓጺሩ ከኒሻ) ዝተጻወተቶ ኣገዳሲ ተራ ኣቕሪቦም'ዮም።

እቲ መጽሓፍ ከም ዝሕብሮ ኣብ ከበሳ ኣብ ህይወት ምእመናን ዝተኸሰተ ተሓድሶ-እምነት፡ ጸዓዘጋ መሪሕ ተራ ከም ዝነበራ'ዩ ዘዘንቱ። እዚ ማለት፡ ካብ'ቶም ደቂ ዓዲ ብርክት ዝበሉ ኣቕሽሽቲ ተዋህዶ ዝነበሩ ኣብ ጸግዒ ምስዮናውያን ሽወደን ኰይኖም መልእኽቲ ወንጌል ምስ ተማህሩ፡ ኣቕዋም እምነቶም ብምሕዳስ ንደቂ ዓዶምን ከባቢኦምን ብምምሃር ክግስግሱ ጀመሩ፣ ምንቅስቓሶም ግን ንፈለስቲ ደብረቢዘን ኣየሐጐሶምን። ሽዑ እቶም ፈለስቲ ንምእመናን ከኒሻ 'ጸረ-ማርያም' ዝብል ስም ብምጥማቕ ኣንጻር ምስዮን ተቓውምኦም ከግህዱ ጀመሩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ መእተዊ፤ 1) ኣብ ሞንጎ ምእመናን ተዋህዶን ከኒሻን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፣ 2) ጣልያን ዝተጻወትዎ ተራ፣ 3) ምስኡ ከኣ ዛንታ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ኣብ ሓደ ዝጠምር ፍጻመ ኣሎ። እቲ ፍጻመ ከኣ እንሆ... እቲ ዛንታ ካብ 'ፈወንቲ ወንጌል' ዘርእስቱ፡ ብጉስታቭ ኣረን ዝቐረበ መጽሓፍ ዝተወስደ'ዩ።

ታሪኽ ከንሻ ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ,SM

ስጕምቲ ጣልያን ኣብ 1901

ቍሩብ ንድሕሪት ንመለስ፣ ብዙሓት ቀዳሞት ከኒሻ ኣብ ትሕቲ ወንጌላዊ በንግት ፒተር ሉንዳል ኣብ እምኵሉ'ዮም ወንጌል ተማሂሮም። ሉንዳል ብ1868 ንኤርትራ ከም ካህን ኰይኖም ዝመጽኡ፡ ኣብ ምህናጽ ማሕበረሰብ ከኒሻ ብዙሕ ዘበርከቱ - ስርዓት ሰበኻ ኰነ ገለ-ገለ ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጐሙ፡ መዝሙር-ሰላም ዘቕረቡ፡ ከምኡ'ውን ወንጌላውያን ዝመልመሉ ዓቢይ ካህን ነበሩ። ብተወሳኺ፡ ናብ ምድሪ ኦሮሞ (ካብ ኤርትራ ነቒሎም) መንፈሳዊ ወፍርታት ዘካየዱ፡ ብ1885 ከኣ ኣብ እምኵሉ ዝሞቱ ኣቦ ምስዮን ነበሩ።

ብ1889፡ ጣልያን ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ሉንዳል ምስንባቶም ማለት'ዩ፡ እቶም ኣብ እምኵሉ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሽወደናውያን ተዓቚቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነናብ ቦትኦም ክምለሱ ዕድል ረኸቡ'ሞ፡ ኵላቶም ዝተማህሩዎ ትምህርቲ ወንጌልን መጽሓፍ ቅዱሶምን ተዀልኲሎም'ዮም ነናብ ዓዶም ዝተመልሱ ክበሃል ይከኣል። በቲ ኣገባብ'ቲ ድማ ዝርግሐ ወንጌል ተጀመረ።

ስለዚ፡ ወንጌል ከመይ ኢሉ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ካብ ኣቕረብና፡ ዝውሰኾ ታሪኽ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ስልቲ ዝርግሐ ወንጌል ክጥቀስ ዝግብኦ ክስተት ስለ ዝዀነ። ወንጌል ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስፋሕፋሕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ኣብ ዞባና ጽምኣተ-ትምህርቲ ስለ ዝነበረ'ዩ ይብሉ ሰነዳት ታሪኽ።

ሓደ ካብቲ ሓያል ሸነኻት ምስዮን ንምጥቃስ፡ ምእመናን ጽምኣተ-ትምህርቲ ምእንቲ ከርውዩ ምንባብን ምጽሓፍን ምምሃር ነበረ። ኰይኑ ድማ ምስዮናውያን ኣብ እምኵሉ ዝኣክል ጻዕርታት ኣካየዱ። እቲ ስልቲ'ቲ ከኣ - ስልቲ ማሃይምነት ምጥፋእ -ንስርሓቶም ዓወት ኣጐናጸፎ ክበሃል ይከኣል።

ስለዚ ብመዳያት ምስዮን ኣቢሉ ኣብ መደበራት እምኵሉ፡ ገለብ፡ በለዛ፡ ጸዓዘጋ፡ ብዓቢኡ ከኣ ኣስመራ ዝተኣታተዉ ማሕበረሰባዊ ምዕባለታት ምስዮናውያን ኢድ ነይሩዎም'ዩ። እቲ ምዕባለ ድማ ቀስ እናበለ ኣብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ክኢሉ'ዩ። ኰይኑ ድማ ብዙሓት ኣብ'ዞም ዝተጠቕሱ መደበራት ዝተመልመሉ ሰባት ከም መምህራን ከምኡ'ውን ወንጌላውያን ኰይኖም እቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ናብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ደቆምን መቕርቦምን ደቂ ዓዶምን ከመሓላልፉ በቒዖም'ዮም።

እቲ ፊደል ዝቘጸረ ሰብ ድማ ንቕድሚት ምእንቲ ክስጕም ዝንበብ መጻሕፍትን ጥሩዝ መጽሔታትን ስለ ዘድለዮ፡ ምስዮን ነቲ ሃጓፍ'ቲ ኣብ ምኽዳን ዓቢይ ተራ ተጻዊቱ'ዩ - መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሩዛት ወንጌል፡ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ሰበኻ፡ በብዓይነቶም መንፈሳዊ መልእኽትታት ዝሓዘሉ ስነ-ጽሑፋት ኣቕረበሎም ።

ምስኡ ከኣ ኣብ ዕላማ ምስዮን ዝዓስሉን ጥርኑፋት ማሕበረሰባት ንኽፈጥሩን ንምእመናን ምስ ዝተፈላለዩ ስርሓት ከፋልጥዎ መንገድታት ምሂዞም'ዮም - ዝተፈላለዩ ኢደ-ጥበባት፡ መሰረታዊ ኣተኣላልያ ሕሙማን፡ ስርሓት ቤት-ማሕተም፡ ምትካልን ምክያድን መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኰነ ትካላት መሰልጠኒ መምህራንን ... ኣብ ሞያታት ዘቕንዑ ስርሓት ኮታ፡ ኣተኣታትዮም'ዮም። ይዅን'ምበር ኣብ ገለ-ገለ ሸነኻት ወፈራ-ምስዮን ድማ ጸገማት ፈጠረሎም ክበሃል ይከኣል።

ማሕበረኮም ከኒሻ እናዓበየ ምስ ከደ ካህናት ደብረቢዘን ንስርሓት ምስዮን ምላሽ ክህቡ ተዓጥቅሉ። ተኣኪቦም ከኣ ንጣልያን ጥርዓኖም ከቕርቡ ጀመሩ።

በቶም ጥርዓናት ኣቢሉ ርክባት ምስዮናውያንን ገዛእቲ ጣልያንን ነቕነቕ በለ። ነቲ ዘይምቅዳው ንምብራህ ኣብነት ሃለቃ ተወልደመድህ ገብሩ - በዓል ማይ-ምሻም (ትግራይ) ክንወስድ ንኽእል።

መስርሕ ትርጕም ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ

ምንጪ ስእሊ,DM

መግለጺ ስእሊ,መስርሕ ትርጕም ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ

ሃለቃ ተወልደመድህን ናብ ዓደቀተዅላ ሰራየ ምስ ሰበይቶም ገዓዙ። ኣብኡ ከም ደብተራን መምህርን ከይኖም የገልግሉ ነበሩ። ንሶም ነቲ 'ጸረ-ማርያም' ዝብል መቋሸሺ ስም ብዓንተብኡ ይቃወምዎ ነበሩ።

ንኽሕከሙ ንበለዛ ምስ ደየቡ - በለዛ ዓቢይ መደበር ከኒሻ ምንባሩ ምዝካር የድሊ - ንማርያም ዝውድስ ቅዳሴ ሰምዑ'ሞ ተመሰጡ፣ ኣይጸንሑን ከኣ መልእኽቲ ወንጌል ተቐበሉ፣ እቲ ኣንጻር ምስዮናውያን ዝካየድ ዝነበረ ጐስጓስ ድማ ሓቂ ከም ዘይነበሮ ኣስተውዓሉ። ሓውዮም ናብ ቦትኦም ምስ ተመልሱ ከኣ ከምኡ እናበሉ ክምህሩ ጀመሩ።

ንተምሃርኦም ኣብ ክንዲ ዳዊት ምድጋም ወንጌል ክምህርዎም ምስ ጀመሩ፡ እቶም ደቂ ዓዲ ተመዓትዎም፣ ከሰስዎም ከኣ። ቤት ፍርዲ ግን ሃለቃ ተወልደመድህ ኣይበደሉን ኢሉ ምስ ፈረደ ናዕቢ ተላዕለ። እቲ ጕዳይ ናብ ፈርዲናንድ ማርቲኒ - ገዛኢ ኤርትራ ዝነበሩ - በጽሐ።

ፈርዲናንድ ማርቲኒ ነቲ ኵነታት ንኸህድእ ንሃለቃ ተወልደመድህ ካብቲ ዓዲ ንኽወጽኡ ኣዘዞም፣ ኣብ በለዛ ከኣ ተዓቝቡ። ፈርዲናንድ ማርቲኒ ዝወሰዶ ፍርዲ ግን መዘዝ ነበሮ።

እቶም ኣንጻር ምስዮን ዝጕስጕሱ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ በቲ ፍርዲ ተተባቢዖም ኣብ ፈቐድኡ ንእምነት ምስዮን ዝተቐበሉ ዜጋታት ክኸሱ መንገዲ ከፈተሎም። እቶም ኣብ ልዕሊ ምስዮን ክውሕዙ ዝጀመሩ ክስታት ናይ ፈለስቲ ደብረቢዘን ግን ንጣልያን ኣየሐጐሶምን። ፈርዲናንድ ማርቲኒ ከኣ ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ክተሓሓዞ ወሰነ።

ፖሊሲ ፈርዲናንድ ማርቲኒ

ስርሓት ምስዮንን ኣካይዳ ምእመናን ተዋህዶን፡ ከምኡ'ውን ተራ ገዛእቲ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኰይኑ ኵሎም ባእታታት ኣይተሓጐሱን። ፈለስቲ ተዋህዶ ባህልናን እምነትናን ተደፊሩ ክብሉ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ከኒሻ ብኽሲ ኣብ ልዕሊ ክሲ ክጥቅዑ፣ ጣልያን ድማ ትእዛዞም - ሰብ ኣብ ዝደለዮ ሃይማኖት ኣትዩ ንኽነጥፍ ናጻ'ዩ ዝብል ወግዓዊ ኣዋጆም - ተበዲሁ'ዩ፣ ብሓጺሩ ኣይሰርሐን።

ሕጂ ናብ ስርሓት ጣልያን ንስገር። ብመጀመርታ ግን ድሕረ-ባይታ ነንጽፈሉ።

ጣልያን ንኤርትራ ምስ ተቘጻጸሩ (1890) ናቶም ምሕደራን ሕግታትን ብጥብቂ ኣተግበሩ። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከኣ ለውጥታት ክረኣዩ ጀመሩ፣ ርግጽ'ዩ፡ ገሊኦቶም ለውጥታት ንዕኦም ብዝጥዕሞም ኣገባብ፡ እንተ ገሊኦም ከኣ ንህዝቢ ዘርብሑ ነበሩ። ንኣብነት፡ ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮሃንስ ጕልታዊ ድለታን ዘረፋን ነይሩ'ዩ። ሕግታት ጣልያን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ዘይሕጋውያን ተግባራት ደው ከብልዎ ክኢሎም'ዮም።

ይዅን'ምበር፡ ፖሊሲ ሕርሻ ጣልያን ንደቀባት ኣይተሰማምዖምን። ዜጋታት ጣልያን ኣብ ፈቐድኡ ስቡሕ መሬት ክማስሑ፡ ምስኡ ከኣ ዓበይቲ ዓዲ መሬቶም ንኽዕቅቡ ክፍቀደሎም፡ ተራ ደቀባት ግን ብኣድልዎ ተጐስዮምን ተዓጊቦምን'ዮም። ኰይኑ ድማ ብዙሓት ኣብ ግዜ ውግእ ዓድዋ ምስ ዳግማዊ ንጉስ ምነሊክ ተደናገጹ፣ ጣልያን ምስ ተሳዕሩ (1896) ድማ እቶም ተቓወምቲ ስርዓት ጣልያን ፍናን ረኸቡ።

እቶም ብፖሊሲ ገዛእቲ ዘይተሓጐሱ ቈላሕትኦም ናብ ንጉስ ምነሊክ ምስ ኣድሃበ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ምስኦም ከኣ ብምስዮን ዝተማህሩን ዝተመልመሉን ንሸዋ ገጾም ክጐዓዙ ጀመሩ። እዚ ንጣልያን ኣየሐጐሶምን፣ ሽዑ ምስዮናውያን ኣካይድኦም ከጸብቑን ንገዛእቲ ከየቘጥዑን ኢሎም ብጥንቃቐ ክመላለሱ ጀመሩ።

ዝዀነ ኰይኑ ዋሕዚ ኤርትራውያን ንሸዋ፡ ኣውራ እቶም ብምስዮን ዝተመልመሉ ምሁራን፡ ንጣልያን ኣሰከፎም፣ ምናዳ እቲ ሽዑ ዝነበረ ኣማሓዳሪ ፈርዲናንድ ማርቲኒ ነቲ ጕዳይ ተተሓሓዞ።

ንምዃኑ ፈርዲናንድ ማርቲኒ ኣብ ህንጸት ዘመናዊት ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ተራ ዝነበሮ ኢጣልያዊ ገዛኢ ነበረ።

ጣልያን ነቲ ዋሕዚ ንኽቈጻጸርዎ ኣብ ልዕሊ ምስዮናውያን ጸቕጢ ክገብሩ ጀመሩ። እቶም ምስዮናውያን ከኣ ኣብ ሞንጎ ተቐርቐሩ። ከም ጥልመት (ንገዛእቲ ጣልያን) ንኸይርአ ድማ ዝከኣሎም ጸዓሩ። ምስዮናውያን ኣካይድኦም 'እንተ ደኣ ዘየጸበቑ' ክስጐጉ ከም ዝኽእሉ ይርድኦም ነበረ።

ንኣብነት፡ በቲ ምኽንያት'ቲ እቲ ካርልሶን ቪንክዊስት ዝተባህለ ፍሉጥ ሽወደናዊ ሓኪም፡ ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሕልሙ፡ ኣብ ደቡብ ኤርትራ ከስርሖ ዝሓስብ ዝነበረ ዓቢይ ሆስፒታል - ሓደስቲ ምእመናን ንምምራኽ ዝዓለመ ፕሮጀክት - ጣልያን ንስርሓት ምስዮን ክጠማመትዎ ምስ ጀመሩ ከቋርጾ ተገደደ።

ፈርዲናንድ ማርቲኒ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ፈርዲናንድ ማርቲኒ

እቲ ፈርዲናንድ ማርቲኒ ንኽፈትሖ ዝጽዕር ዝነበረ ግድል - ዋሕዚ ምእመናን ንኢትዮጵያ - ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝለዓሉ ዝነበሩ ክስታት ኣብ ልዕሊ ወንጌላውያን ተወሰኾ።

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ፍጻመ - ኣንጻር ወንጌላውያን ተኣኪብካ ንገዛእቲ ጣልያን ምጥራዕ - ኣብ ብዙሕ ቦታታት ይርአ ነበረ። ገዛኢ ፈርዲናንድ ማርቲኒ ድማ ሰላም ምእንቲ ከይብከል ካብ ዝብል እምነት ንኸኒሻ ዝጻብኡ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ተዋህዶ ናዕቢ ንኸየልዕሉ ዲፕሎማሲ ተጠቒሙ ይሰምዖም ነበረ።

ሓደ ካብ'ቶም ፈርዲናንድ ማርቲኒ ዝተጠቕመሎም ዲፕሎማስያዊ ጸቕጥታት ንምእመናን ምስዮን ዓገብ ምባል ነበረ። እዚ ከኣ ብመንግስቲ ሽወደን ኣቢሉ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሽወደናውያንን ሰዓብቶምን ነቲ ውዕዉዕ ተምሳጦኦምን ስብከቶምን ንምእመናን ተዋህዶ ንኸየተሓራርቑ ዓቐን ንኽገብርሉ ነበረ።

መንግስቲ ሽወደን ግን ንጠለብ ፈርዲናንድ ማርቲኒ መልሲ ክህበሉ ኣይደለየን። ምኽንያቱ፡ ምስዮን ኤርትራ ኰነ ናበይቱን ብወለንተኛታት ሽወደናውያን'ምበር ብመንግስቲ ዝካየድ ማሕበር ስለ ዘይነበረ። ይዅን'ምበር፡ መንግስቲ ሽወደን ንጠለብ ጣልያን ንኸየዕብር ነቶም ኣባላት ቦርድ ምስዮን ንድልየት ጣልያን ንኽግንዘብዎ ሕሹኽ ክብሎም መረጸ።

መራሕቲ ሽወደናዊ ምስዮን ኤርትራ ግን ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ነበሮም። ጠንቂ ናይቶም በጨቕ ዝብሉ ዝነበሩ ግጭታት ብሓደ ሸነኹ ኣድልዎ መንግስቲ ጣልያን (ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዘተግብሮ ዝነበረ ሓዲግ ፖሊሲ ዕደላ መሬት)፡ በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ህዝቢ ትምህርቲ ከም ዝጓደሎ ብምእማን፡ መንግስቲ ጣልያን ነቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ኣዋጅ - ሃይማኖታዊ ናጽነት ክሰፍን - ንኸተግብሮ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ገለጹ።

ኣብ ልዕሊ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ዝተሰንዘረ ዱቦላ ክሲ

ቀሺ ማርቆስ ግርማይ

ምንጪ ስእሊ,SM

መግለጺ ስእሊ,ቀሺ ማርቆስ ግርማይ

ፈርዲናንድ ማርቲኒ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ከኒሻ ዘቕረቦ ጠለብ፡ ሰላም ካብ ዝብክሉ ስርሓት ክቝጠቡ፡ ከምኡ'ውን መቓልሕ-ስብከቶም ንኽንኪ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሞራላዊ ብዕልግና ንኽቍጠቡ ነበረ።

ሞራላዊ ብዕልግና እንታይ ማለት'ዩ? እዚ ክሲ'ዚ ምስ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ዝተኣሳሰር ክሲ ነበረ። ብመጀመርታ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ መን'ዮም? ንዝብል ሕቶ ንመልስ።

ቀሺ ማርቆስ ሓደ ንጡፍ ኣማኒ፡ ማዕረ ናብ ሽወደን ብምጕዓዝ ትምህርቲ ስነ-ሃይማኖት ንኽቀስሙ ብሕርያ ዝተጠልቡ ተመሃራይ ነበሩ። ንሶም ምስ ካልኦት ሰለስተ ኤርትራውያን ተምሃሮ ኣብ ኡፕሳላ (ሽወደን) ዝርከብ ናይ ስነ-ሃይማኖት ዩኒቨርሲቲ (Johannelund School of Theology) - ምስ ሃይለሚካኤል ኪዳኑ፡ ተወልደመድህን ገብረመድህን፡ ሃገና ጂጎ ናትናኤል - ማህደረ-ትምህርቲ ረኺቦም ንኣርባዕተ ዓመት ክምሃሩ ተላእኩ፣ ብ1888 ከኣ ተመረቑ።

ሃይለሚካኤል ኪዳኑ (1856-1919) ከም ወንጌላውን መምህርን ኰይኖም ኣብ እምኵሉን በለዛን ዓድዋን ዘገልገሉ፣ ተወልደመድህን ገብረመድህን (1860-1930) ኣብ ገለብ፡ ሕርጊጎ፡ ኣስመራ ዘገልገሉ፣ ምስኡ ከኣ ቀዳማይ ፕረሲደንት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኰይኖም ዘገልገሉ ዓቢይ መምህርን መራሕን ነበሩ። ሃገና ጂጎ ናትናኤል (1864-1888) እቶም ቀዳማይ ወንጌላዊ ካብ ብሄረ ኩናማ ነበሩ፣ ንሶም ብስነ-ሃይማኖት ኣብ ሽወደን ምስ ተመረቑ ብሃንደበት ብኡንብኡ ብሕማም ሳንቡእ ሞቱ።

ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ብወንጌላዊ ሉንዳል ኣብ እምኵሉ ምስ ሰልጠኑ'ዮም ንሽወደን ንትምህርቲ ዝተላእኩ። ኣዝዮም ንፉዕ ስለ ዝነበሩ ከኣ ትምህርቶም ብልጫ ብምውሳድ ዛዘምዎ።

ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛሞም ኣብ ኡፕሳላ (ብ1889) ቅስና ለበሱ። ንእምኵሉ ተመሊሶም ከኣ ንሓደ ዓመት ኣገልገሉ። ብድሕሪኡ ኣብ ጸዓዘጋ ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣስመራ ከኣ ኣብ ቀዳማይ እግሮም ንሸሞንተ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይ እግሮም ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልገሉ ዓቢይ መምህርን ወንጌላውን ነበሩ።

እቲ ፈርዲናንድ ማርቲኒ ኣብ ሞራላዊ ብዕልግና ዝተሞርከሰ ክሲ ኣብ ልዕሊ ቀሺ ማርቆስ ግርማይ ደኣ እንታይ'ዩ?

ቀሺ ማርቆስ ኣብ ሽወደን ትምህርቶም ምስ ወድኡ፡ ክህነት ምስ ለበሱ፡ ኣብ ስራሕ ምስዮን ምስ ኣተዉ፡ ምስ ሓንቲ ረጂና ዮሃንሰን (1857-1943) ዝተባህላ ሽወደናዊት መምህር ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምፍላጦም ተፋቐሩ፡ ተመርዓውወን ከኣ። ምፍላጥን ምፍቓርን ምምርዓውን ደኣ ከመይ ኢሉ ከም ብዕልግና ይቝጸር?

ብኣተሓሳስባ ፈርዲናንድ ማርቲኒ ሓደ ጸሊም ንሓንቲ ጻዕዳ ክምርዖ ንጸዓዱ ዓቢይ ውርደት ነበረ። ኣብ ኣስመራ፡ እሞ ከኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን፡ ቀሺ ማርቆስ ንሽወደናዊት ወይዘሪት ረጂና ዮሃንሰን - ብ1888 ንእምኵሉ ከም መምህር ናይ መባእታዊ ደረጃ ኰይነን ዝተጓዕዛ፡ ምሉእ ህይወተን ከኣ ኣብ ስርሓት ደቂ'ንስትዮ ዝነጠፋ - ብምምርዓዎም ካብ ሕንጻጽ ዝወጽአ ግብሪ ፈጸሞም ዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊኦምን ምስዮንን ተመስረተ።

ረጂና ዮሃንሰንን ቀሺ ማርቆስን ክምርዓዉ ምስ ወሰኑ ቦርድ-ምስዮን ክኽልክሎም ፈቲኑ ነይሩ'ዩ፣ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ምስዮን ከስዕቦ ዝኽእል ተጻብኦ ኣብ ግምት ብምእታው ንኽሓስብሉ ንመርዓውቲ ኣገንዚቦሞም ነበሩ።

መራሕቲ ምስዮን ግን ኣብቲ ሕጎም ንመርዓውቲ ዝዕንቅጾም ትእዛዝ ከም ዘይነበረ ተገንዘቡ፣ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰረተ-እምነት ክርስትያን'ውን እንተዀነ ዝኽልክሎም ሕጊ ከም ዘየሎ ተገንዘቡ። ኰይኑ ድማ ቀሺ ማርቆስን መምህር ረጂናን ብ6 ታህሳስ 1899 ተመርዓዉ።

ፈርዲናንድ ማርቲኒ ግን ምስዮን ንኸምዚ ዘኣመሰለ 'ጸይቂ' ሱቕ ኢሉ ርእይዎ በሃሊ'ዮም ነይሮም። መንግስቲ ጣልያን ነቲ መርዓ ቅቡል ከም ዘይኰነ ከኣ ኰነኖ። ንጸዓዱ ዝምርዓዉ ኤርትራውያን ምስዮን ካብ ስራሕ ክጥርዞም ኣሎዎ ኢሎም'ውን ተኸራኸሩ።

እቲ ጕዳይ ኣብ ሞንጎ ገዛእቲ ጣልያንን ቦርድ ምስዮን ወጥሪ ፈጠረ። እቲ ቦርድ ግን ኣብቲ መርዓ ኢድ ከየእተወ ከምኡ ዘኣመሰለ ጌጋ ንብድሕሪ ሕጂ ኣይክድገምን'ዩ ኢሎም ዲፕሎማሲ-ሓዘል መልሲ ሃቡ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራውያን ንሽወደን ንትምህርቲ ካብ ምስዳድ ከም ዝቝጠቡ ንፈርዲናንድ ተመባጽዕሎም።

ፈርዲናንድ ማርቲኒ በቲ ዝተዋህቦ መልሲ ሓውሲ ዓጊቡ ሃድአ፣ ቀሺ ማርቆስን መምህር ረጂናን ከኣ ሓዳሮም ከይተበተነ ካብ ሰሪ-መዓቱ ደሓኑ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ብ1892 ቀሺ ማርቆስ ብሽወደንኛ ሓንቲ "Abessinska kyrkan förr och nu" ዘርእስታ መጽሓፍ ጸሓፉ (ቤተ-ክርስትያን ሓበሻ ትማልን ሎምን)።

መርዓውቲ ካብ ኤርትራ ንሽወደን ምስ ገዓዙ ኣብ (Norsa, Munktorp) ዝበሃል ዓዲ ይነብሩ ነበሩ።

ሰነዳት ከም ዝሕብርዎ፡ መርዓውቲ ብ1901 ሓንቲ ሁልዳ ኤሊዛበት ዝስማ ጓል ወሊዶም ከም ዝነበሩ፣ ኣይጸንሐትን ብቘልዓኣ ከላ ኣብ ከፒንግ (Köping ) - ጥቓ'ቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ዓዲ - ሞተት።

ብ1912 ቀሺ ማርቆስ ኣብ ሽወደን ኣብ ሓደ ወንጌላዊ ሉተራዊ ምስዮን ('Evangelical Lutheran Mission – Bible Faithful Friends') ዝበሃል ማሕበር ተጸንበሩ። ክሳዕ ግዜ ሞቶም ኣብኡ ይነጥፉ ነበሩ።

ቀሺ ማርቆስ ኣብ ሽወደን ብ24 ሚያዝያ 1924 ብሕማም መንሽሮ-ከስዐ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ረጂና ዮሃንሰን ከኣ ብድሕሪኦም 19 ዓመት ጸኒሐን ብ1943 ኣብ ሽወደን ሞታ። ናይ ክልቲኦም ሬሳ ኣብ ጐደቦ ዓዲ (Götlunda) መቓብር ገትሉንዳ ይርከብ።