ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብጺ መሓመድ ኣል ሸናዊ፡ እዚ ርክብ፡ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው፣ ከምኡ'ውን፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ገማግም ባሕሪ ኣብ ምሕደራን ጸጥታን ዝግበር ምትሕብባር ኣብ ምምሕያሽ ዘተኰረ ምንባሩ ኣብሪሁ።
"ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘየሎዋ ሃገራት ኣብዞም ጉዳያት ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ከም ዘይህልወን ተሰማሚዖም፡" ኢሉ።
ሱዳን፡ ዞባ ሳሕል፡ ቀይሕ ባሕሪ ሓዊሱ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት'ውን ተዘራሪቦም እዮም።
ንጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝምልከት ኤርትራን ግብጺን፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምውልዑ ኣብቲ ጉዳይ ብተደጋጋሚ ክዛተያ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እታ ንጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ደገፍ ከም ዘለዋ ብሰፊሑ እትግለጽ ግብጺ፡ ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝጸውዓቶ ዋዕላ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም ዝተሳተፈ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንዋንነትን ተጠቃምነትን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ከልዕሎ ዝጸንሐ ሕቶታት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ስክፍታ ከም ዝፈጠረ ይፍለጥ።
ብዘይካ'ዚ ነቲ ክንዮ ሓባራዊ ስምምዕን ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታትን ምርኵስ ዝገበረ ተጠቃምነት ዝኸደ፡ 'ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ሓደጋ እዩ' ንዝብል ምጕት እቲ ቀዳማይ ምኒስተር መሰረት ዝገበረ፡ ወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ብዂናት ንምሓዝ ዘመላኽት ምትዅታዃት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ኲናት ከይወልድ ስግኣት ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።
ነዚ ብተደጋጋሚ ብወገን ኢትዮጵያ ክቐርብ ዝጸንሐ መግለጺታት፡ ብምኒስተር ዜናን ምኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣቢላ ምላሽ ክትህበሉ ጸኒሓ እያ።
ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይዱዎ ጻዕርታት ንምውህሃድን፡" ብዝብል፡ ኣብ ጥቅምቲ 2024 ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ኪዳን ከም ዝመስረታ ይዝከር።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንርክብ ክልተኦም ምኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ኣተኵሩ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ምምኽኻር፡ "ድሕነት ቀይሕ ባሕርን ካልኦት ሓድሕዳዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን፡" ዘጠቓለለ ምንባሩ ገሊጹ።
ኣብቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢምግረሽንን ግብጺ በድር ዓብደላቲ፡ ከምኡ'ውን ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሓሰን ራሻድ ኣብ ዝተረኽቡሉ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ድልዱል ምዃኑ ብምስማር፡ ነቲ ሽርክና ኣብ ኵሉ ጽላታት ዝያዳ ንምሕያሉ ሃገሩ ክትጽዕር ምዃና ደጊሙ ንምኒስተር ዑስማን ከም ዘረጋገጸሉ ምኒስትሪ ዜና ናይታ ሃገር ገሊጹ።
ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ኤምባሲ ግብጺ ኣቶ ኣማን ዓብደልዋስዕ ኣብቲ ዘተ ተሳቲፉ ነይሩ።
