እቲ ሓባራዊ ኣዋጅ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት፡ ኵነተ-ኲናት ከብቅዕ፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ክምስረት፡ ዳግም ርክባት መጓዓዝያ፡ ንግዲ፡ መራኸቢታትን ዲፕሎማስን ክጅምር፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ክትግበር፡ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ንምርግጋጽ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዐን።

ኣብ ጅዳ እውን እቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ፡ “ምትግባር ውሳነ ኮሚሸን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፤ ምውሓስ ዞባዊን ኣህጉራዊን ሰላምን ጸጥታን፤ ምውጋድ ግብረሸበራ፡ ንግዲ ደቂሰብን ኣጽዋርን ዕጸፋርስን፤ ከምኡ'ውን ነቲ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ዝኣልን ዝከታተልን ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተን ንኡሳን ኮሚተታት ምቛም፤ ብዝብል ተወሳኺ ሓሳባት ደልዲሉ።

ኣብ ብራቕ መስቀል፡ ዶባት ክሳድዒቃ-ራማን ሰንዓፈ-ዛላንበሳን ተኸፊቱ፡ ክልቲኡ ኣህዛብ ብፍቕሪ ምዒሩ፡ ከም ውሕጅ ምስ ተጸናበረ፡ “ደጊም ስቓይ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣኽቲሙ እዩ!” ከምዝተባህለ ዝኽሪ እቲ እዋን ሰኒድዎ ኣሎ።

ኣይደንጐየን ከኣ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዶር ኣቢይ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል 2019 ኰይኑ ተረቚሑን ተሸሊሙን። ኣደ መንበር ኮሚተ ሽልማት ሰላም፡ በሪት ረይስ-ኣንደርሰን፤“ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዘተኣታተዎ ለውጥን ምስ ኤርትራ ብዝገበሮ ዕርቀ ሰላምን፡ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ኰይኑ’ሎ” ክትብል ገሊጻ።

ኣብ 2018፡ ኣብ እዋን ዕርቀሰላም ክልቲአን ሃገራት፡ ዶብ ምስተኸፍተ ኣደታት ሓጐሰን እናገለጻ

እቲ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት፡ ሓድሽ ዞባዊ ኪዳናትን ስተራተጂያዊ ዝምድናታትን ፈጢሩ።

ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ስሉሳዊ ዝምድና ኣማዕቢለን። ሰለስቲአን ሃገራት ዝምድናታተን ኣመሓይሸን ናብ ዞባዊ ውህደት ገጸን ክስጕማ ድሌት ከም ዘለወን ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ፣ ኣብ ሕዳር 2018 ኣብ ጐንደር፣ ኣብ ታሕሳስ 2018 ከኣ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ዝተግበረ ተኸታታሊ ስሉሳዊ ኪዳን መራሕተን ገሊጸን።

እዘን ሃገራት ኣብ ስትራተጂያዊ መላግቦ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ብምህላወን ጽልዋ ሃገራት ዓረብ ከውስኽ ተራእዩ።

እዚ ዞባ'ዚ ካብ ዓረባዊ ጽልዋ ማእከላይ ምብራቕ ስለዘይርሕቕ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠር ለውጥታት ብቐረባ ይጸልዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጠር ምዕባለታት እውን ብተመሳሳሊ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ይትንክፎ እዩ።

ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ እዩ መራሕቲ ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ምስላጥ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወቱ ዝንገረሎም።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጅዳ ሸውዓተ ዝነጥብታቱ ስምምዕ ኣብ ዝፈረምሉ እዋን፡ ንጉስ ስዑድ ሳልማን፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ሸኽ ዓብዱላሂ ቢን ዛይድ ኣ'ናህያንን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ተረኺቦም ነይሮም።

ኢሳይያስን ኣቢይን ከኣ ንመራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ምስጋናኦም ገሊጾም ናይ ክብሪ መዳልያ እውን ተሸሊሞም።

እቲ ስምምዕ ሰላም ንኤርትራን ጅቡቲን እውን ጸልዩወን እዩ።ፕረዚደንት ኢሳይያስን መራሕ ጅቡቲ ዑመር ገለን ብ17 መስከረም 2018 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ዝምድና'ተን ሃገራት ናብ ንቡር ክምለስ ተሰማሚዖም።

ኣብቲ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ብምዃኑ፡ ኤርትራን ኣሜሪካን ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድናአን ከመሓይሻኦ ተራእየን።

ኣብ 2018 ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ዘቲዮም።

ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ድማ ናብ ሓዲሽ ምዕራፍ ክሰጋገር ተራእዩ።

ኣይደንጐየን ከኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቀብ ብ15 ሕዳር 2018 ተላዒሉ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝረኸቡዎ ሰላም ንምስትምቓር ዳግም መዝሙር ሰላም ዘሚሮም።

ዝምድና ኢትዮጵያን ግብጽን

ዝምድና ኢትዮጵያን ግብጽን

ምንጪ ስእሊ,Abiy Ahmed Ali

ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን፡ መስርሕ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ኣፈጻጽማኡን ብዝምልከት፡ ካብ 2014 ጀሚረን ስሉሳዊ ዘተታት ከካይዳ ጸኒሐን ኣለዋ። ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘተታት ከኣ፡ “እቲ ግድብ ማይ ክመልእ እንከሎ፡ ንታሕተዎት ኣባል ሃገራት እቲ ተፋሰስ ግብጽን ሱዳንን ዓቢ ጽልዋ ስለዝገብር፡ ኣብ ክንደይ ዓመት ማይ ይምላእ?” ዝብል ዛዕባ ክሳብ ሎሚ ኣካታዒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ዝምድና ግብጽን ኢትዮጵን ንነዊሕ እዋን ኣብ ወጥሪ’ዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ኢህወደግ፡ ግብጺ፡ ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ሓያል ተቓውሞታት ኢድ ከምዝነበራ ዝሓምዩ ወገናት ኣለው።

ዝዀነ ኰይኑ፡ ግብጺ፡ እቲ ናብ ሃገራ ዝውሕዝ ማይ ፈለግ ኒል ከይጐድል፡ ኢትዮጵያ ነቲ ፈለግ ኣብ ልምዓት ከይተውዕሎ ዝተፈላለዩ ስልትታት ክትጥቀም ከምዝጸንሐት ይዝረብ እዩ። ግብጺ ግን ንዅሉ እቲ ዝቐርበላ ክስታት ኣይትቕበሎን እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ ስልጣን ምስደየበ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ካይሮ’ዩ ኣምሪሑ። ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ከኣ ኣብ ዙርያ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ብሓድሽ መንፈስ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝደሊ ብምግላጽ ስምምዕ ገይሩ ተመሊሱ።

ምሕደራ ሰላምን ኲናት ትግራይን

ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ,AFP

እተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን፡ ከምኡ’ውን እተን ቀጥታዊ መዳውብተን ዝዀና ሃገራት ከም ምልካዊ ምሕደራ፡ ጕድለት ደሞክራሲ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰለ ዝልለያሉ ናይ ሓባር ረቛሒታት ዘለወን ሃገራት እየን።

ብርግጽ፡ ከምዚ ዓይነት ኲነታት ኣብ ቀጻልነት ማሕበራዊ ሰላምን ምርግጋእን ከቢድ ስግኣት ዝፈጥር ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ሃዋሁ ሰላምን ትስፍው መጻእን ዝነበረ ዞባ ዳግማይ ኣብ ዓውደ ኲናት ተሸመ።

እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ፡ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተሻረኹሉ፡ ኣሽሓት ህይወትን ብቢልዮናት ዝግመት ንብረትን ዘጥፍአ፡ ሚልዮናት ሰላማውያን ዘመዛበለ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተገብረ ውግእ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሪቶርያ የዕሪፉ ሰለይ ይብል ኣሎ።

ኣይደንጐየን ከኣ እቲ ውግእ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ክልል ኣምሓራ ተሰጋጊሩ። እቲ ኣብ ኲናት ትግራይ መሻርኽቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነበረ “ፋኖ” ክሳብ ሕጂ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ይዋጋእ ኣሎ። በዚ ከአ ኢትዮጵያ ካብ ውግእ ናብ ውግእ ትሰጋገር ኣላ።

እቲ ኣብ ስምምዕ ኣስመራን ጅዳን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ክልተኣዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝ ከይጀመረ በርዒኑ።

እታ ከም ምልክት ዕርቀ ሰላም ዝተገልጸት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ትገብሮ ዝነበረት በረራ ኣቋሪጻ።

እቶም ብካትም ኪዳን ዝተቘርኑን ብቐጻሊ ዝበጻጽሑን ዝነበሩ መራሕቲ፡ ኣቢይን ኢሳይያስን ይትረፍ ናብ ዓድታቶም ክገያየሹ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ዋዕላታት'ኳ ሰላምታ ተነፋፊጐም፤ ብሓጺሩ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ወግዓዊ ርክብ ኣቋሪጾም ኣለው።

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ,Reuters

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ሐዲሽ ወጥሪ ኣምሪሑ። እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ እዩ።

ኤርትራን ግብጽን ሶማልያን ሓዲሽ ኪዳን ክምስርታ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2024 ብዝተፈራረማኦ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዋ ይርአ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ቀዳምነት ከምዝህቦ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ኵነታት’ዚ ከኣ፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ግብጽን ኢትዮጵያን ግጭት ከይፍጠር ዘስግእ ሓድሽ ጆኦ ፖለቲካዊ ወጥሪ ፈጢሩ ኣሎ።

እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሕ ጽልዋ ዘይጸንሓ ግብጺ ብመገዲ ሶማልያ ኣቢላ ኣጽዋራታን ሰራዊታን ሒዛ ኣብ ኣፍደገ ኢትዮጵያ መጺኣ ኣላ።

ከም በዓል ቱርኪ፡ ስዑድያን ኢማራትን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከኣ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝረአ ዘሎ ጂኦ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ በብናተን ኣጀንዳን ስትራተጅያዊ ረብሓአን ከምዝጥምተኦ ርዱእ እዩ።

እቲ ኵነታት ብሰላማዊ ዘተን ልዝብን እንተዘይተፈቲሑ፡ እዚ ኣብ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክምዕብል ዝኽእል ግጭት ክሓላልኾ ይኽእል እዩ ዝብል ዓቢ ስክፍታ ማዕቢሉ ኣሎ።

ሓድሽ ኣሰላልፋ ግብጽን ኢትዮጵያ ኤርትራን ሶማልያን

ሓድሽ ኣሰላልፋ ግብጽን ኢትዮጵያ ኤርትራን ሶማልያን

ምንጪ ስእሊ,Eritrean Information Ministry

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኰይኑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንረብሓኣ ዝዋሳእ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን፡ ብሰሜናዊት ጐረቤታ ሶማሊላንድ ኣቢላ ኣፍደገ ባሕርን ወደባትን ክትረክብ ድልየት ከምዘለዋ ምስ ገለጸት፡ ካብ ሶማልያን ኤርትራን ተቓውሞ ኣጋጢምዋ። እቲ ኵነታት ከኣ ንግብጺ፡ ቱርኪን ሕቡራት ኢማራት ዓዲሙ ኣሎ።

ሶማልያ፡ ንምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብታ ኣካል ግዝኣተይ እትብላ ሶማሊላንድ ንምብርዓን ምስ ግብጺ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ከቲማ።

ግብጺ ድማ ነቲ ዕድል ብምጥቃም ኣብ ሶማልያ ወተሃደራታን ኣጽዋራታን ኣእትያ፤ ንኤርትራ ሓዊሰን እውን ስሉሳዊ ኪዳን መስሪተን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ፡ በዚ ምትእትታው ኣይተሓጐሰትን። ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታትን ተንተንቲን፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ተጻባኢ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ናይ ጸጥታ ስምምዕ ከም ሓደገኛ ምዕባለ ገይሮም ይርእይዎ።

ግብጽን ኢትዮጵያን፡ ኣብ 2011 ህዳሰ ግድብ ክስራሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን ብዋሕዚ ማይ ፈለግ ኣባይ ኣይተቓደዋን።

ግብጺ፡ ነቲ ግድብ ከም ናይ ህላወ ስግኣት ስለትርእዮ ኣብ ሓደ እዋን ቦምባታት ከይተረፈ ክትድርብየሉ ከምእትኽእል ኣፈራሪሓ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ድማ እቲ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ "ሞይቱ" ተባሂሉ ተኣዊጁ።

ኤርትራ፡ ሶማልያን ግብጽን’ውን ኣብ ኣስመራ ብቕልውላው ሱዳን፡ ሶማልያን ጸጥታዊ ኵነታት ቀይሕ ባሕርን ባብ-ኤልመንደብን "ዓሚቚ ምይይጥ” ኣካይዶም ኣብ ስሉሳዊ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኣዊጆም ኣለው።

ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዳርጋ ተነጺላ ዘላ ትመስል። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

መራሒ እታ ካብ ውግእ ዘየዕረፈት ብውሽጣዊ ኵነታት ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንሃገሩ ክወርር ዝወጠነ ኣካል ነቲ ተግባር ቅድሚ ምፍጻሙ "10 ግዜ ክሓስብ" ከምዘለዎ ብምግላጽ ንዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ከምዝወሃቦ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እቲ ኵነታት ናበይ ገጹ ከምዝምዕብል ከኣ ግዜ ክምልሶ እዩ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን።