ስለምንታይ እዩ ግን ኣብ ኣፍሪ ቃ ጥዕናዊ ኵነታት መራሕቲ ክምስጠርን ክሕባእን ዝድለ። እቲ ምላሽ “ድኽመታትካ ንዘይምርኣይ ምዃኑ” ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ወዲ 91 ዓመት ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ ከምዝሓመመ ምስተወርየ፡ ሚኒስተራቱ ኣብ “ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና” ከምዘሎ ብምግላጽ ነቲ ወረ ክሒዶምዎ። ማዕከናት ዜና ካሜሩን'ውን ብዛዕባ ጥዕና ፖል ቢያ ከይጽብጽባ ተኣጊደን ኣለዋ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ባይቶ መንግስቲ ማላዊ፡ ፕረዚደንት ላዛሩስ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግወ ክጎዪ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ብምዝርጋሕ ነቲ ላዛሩስ ቻክዌራ ጥዕና ስኢኑ ኣሎ ዝብል ሕሜታ ነጺግዎ።
ኣብ ኤርትራ'ውን ሓደ እዋን እቲ ፕረዚደንት ኵነታት ጥዕናኡ ጽቡቕ ከምዘየለ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን መይቱ ክኸውን ከምዝኽእል መዛረቢ ኣርእስቲ ምስኰነ፡ ኣብቲ ሽዑ ነዊሕ ድሕሪ ምጥፍኡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ዝዀነ ይዅን ጥዕናዊ ጸገም ከምዘይብሉ ብዙሕ ክንየት ተሰሚዑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
"ኣብ ፖለቲካ ክትዕብለል እንተዄንካ ሓደ ዓይነት [ዘይሰዓር] ስብእና ከተንጸባርቕ ኣለካ - ድኽመት ወይ ስንፍና ከተርኢ የብልካን" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ፖለቲካ ኣፍሪቃ ማይልስ ቴንዲ ብዛዕባ'ቲ ንጥዕና መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝምልከት ምስጢርን ምሕባእን ብዝምልከት።
ክልቲኦም ፕረዚደንትታት ካሜሩንን ማላዊን እውን፡ ነቲ ብዛዕባ ጥዕናኦም ዝዝረብ ሕሜታ ንምምካት፡ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ግን ከኣ ተመሳሳሊ ዕላማ ምክልኻል ይጥቀሙ። እቲ ቀንድን ኣገዳሲን ነገር ከኣ፡ ንመወዳድርቶም ንምስዓር እዩ።
ፕሮፌሰር ቴንዲ፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ስልጣን ንምዕቃብ “ስብእነትካ ምርኣይ!” ኣገዳስን ኣካል እቲ ጸወታን እዩ ይብል።
ንሱ ብምቕጻል፡ እቲ ናይ ተባዕታይነት ፖለቲካ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዓውዲ’ቲ ንኽዕወታ የጸግመን። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ዝተባህለት ታንዛንያዊት መራሒት ሃገር ጓል ኣንስተይቲ ጥራይ እያ ዘላ። ንሳ'ውን ምክትል ፕረዚደንት ስለዝጸንሐት እያ መራሒ እታ ሃገር ብሕማም ምስ ዓረፈ ስልጣን ወሪሳ።
ኣብ ኣፍሪቃን ክንዮኡን ዘለው መራሕቲ ፖለቲካ ምልክት ሓይልን ጽንዓትን ክዀኑ ትጽቢት ይግበር። ስለዝዀነ እቲ መራሒ ዕድመ ክደፍእን ክሽምግልን እንከሎ ከምዚ ኣብዚ እዋን ኣብ መረጻ ኣመሪካ ንርእዮ ዘሎና፡ ጥዕና እቶም መራሕቲ ቀንድን ኣተሓሳሳብን ጉዳይ ዝኸውን።
ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ጆሃንስበርግ ኣደኬየ ኣዴቫጆ፡ ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ መራሕቲ "ጥዕና ሃገራቶም ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ጥዕና ዝተኣሳሰር’ዩ ኢሎም ይሓስቡ" ክብል፡ ጸገም ጥዕና ሓደ መራሒ ከም መንግስታዊ ምስጢር ከምዝሕሰብ ይገልጽ።
ኣብቶም መራሕቲ ሓደ ነገር እንተ ኣጋጢሙ፡ ንቍጠባን ዕዳጋታትን እታ ሃገር ክጸልዎን፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ክቕይር ስለዝኽእል ጥንቃቐ ከምዝግበር ዚምባብያዊ ክኢላ ጸጥታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብተን ድኹም ፖለቲካዊ ትካላት ዘለወን ሃገራት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ መስርሕ ፖለቲካዊ ምትኽኻእ ብግቡእ ስለዘይሰፍር፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ዝፍጠር ናይ መሪሕነት ባዶነት ናብ ስልጣን-ቁሩቁስ ከስዕብ ስግኣት የሕድር።
ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ፕረዚደንት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሎረን-ደዚረ ካቢላ ብሓደ ካብ ሓለውቱ ተቐቲሉ።
እቶም ሰበ ስልጣን ግን፡ ሞቱ ምእማን ኣብዮም፤ መራሒኦም ንሕክምና ናብ ዚምባብወ ከምዝኸደ ኣምሲሎም ብምግላጽ፡ ቀጺሎም እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ይላዘቡ ነይሮም።
ግደ ሓቂ ግን ትንፋስ ዘይብሉ ሬሳኡ እዩ ንዚምባብወ በሪሩ። ኣብቲ ዝርርብ ከኣ እቲ ተመኵሮ ዘይብሉ ወዱ ጆሴፍ ካቢላ፡ መራሒ እታ ሃገር ኰይኑ ተመሪጹ።
ኣብ 2012 መንግስቲ ማላዊ፡ ንሞት ፕረዚደንት ቢንጉ ዋ ሙታሪካ ቀልጢፉ ዘይምእዋጁ፡ ምክትል ፕረዚደንቱ ጆይስ ባንዳ ንኸይትክኦ ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ግምታት ኣለዓዒሉ ነይሩ።
ይዅን እምበር፡ ኣብታ ክልተ ፕረዚደንታት ኣብ ስልጣን እንከለው ዝሞቱላ ጐረቤት ሃገር ዛምብያን፡ ኣብታ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት፡ ጆን ኣታ ሚልስ ኣብ 2012 ዝሞተላ ጋናን ግን እቲ ቅዋማዊ መስርሕ ብዘይ ገለ ጸገም ሰሪሑ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ምሕማሞምን ጥዕናኦም ዝምልከት ሕቶታት ክቐርበሎም እንከሎ ብስቕታን ሕርቃንን እዮም መሊሶምዎ።
ኣብ 2010፡ መራሒ ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ፡ እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ሕቶታት ጥዕና "ምዕራባውያን ብዝቈጻጸሩወን መራኸቢ ብዙሃን ዝተዳለወ ውጹእ ሓሶት’ዩ" ክብል ነቒፍዎ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ሕልፈት ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ድሕሪ ናይ ሳምንታት ክሕደት እዩ ተገሊጹ። ግደ ሓቂ ሰባት ብዛዕባ ጥዕናኡ እንተሓቲቶም እውን ሓሶት ወረ ትዝርግሑ ኣለኹም ተባሂሎም እዮም ዝእሰሩ ነይሮም፤ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ሓቂ ወጺኡ።
ወዲ 69 ዓመት ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራ፡ ንህዝቢ ጥዕናኡ ንምርኣይ፡ (ኣካላዊ ምንቅስቓስ) ፑሽ-ኣፕ እናገበረ እንከሎ ዘርኢ ኣሳእል ዘርጊሑ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን፡ ብፍላይ ቅድም ኢሉ - ቅድሚ ገለ ዓመታት - ኣብ ዞባታት እታ ሃገር ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ዑደታት፡ ነዊሕ ብእግሩ ክጓዓዝ፡ ካብ መዛኑኡ ማሕዲጉ ሩባን እምባን ክስጕም ተራእዩ፤ ተሌቪዥን ኤርትራ ነዚ ብደርፊ ኣቀናቢሩ ብተደጋጋሚ ኣጕሊሕዎ እዩ።
እቲ ጥዕና መራሒ ሃገር ንምኽዋል ዝተኻየደ ኣዝዩ ጽንኩር ፍጻመ ናይ ናይጀርያ እዩ። ፕረዚደንት ኡማሩ ያራዱዋ ምስ ሓመመ ንጥዕና እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘይተራእየ መራሒ ክኽውልዎ ፈቲኖም።
ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጥሪ 2010 ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎን ጥዕናኡ "ይሓይሽ" ከም ዘሎን ይገልጽ'ኳ እንተነበረ፡ "ሓንጐሉ ሞይቱ’ዩ" ዝብሉ ብዙሓት ጸብጻባት ነይሮም። ያራዱዋ ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይተራእየን፤ ሞቱ ድማ ኣብ ግንቦት ናይታ ዓመት ብወግዒ ተገሊጹ።
"ገለ ካብቶም ሰባት ኣብ ስልጣን ክመጽኡ ድላይ ነይሩዎም" ይብል ፕሮፌሰር ቴንዲ፡ ዋላ'ውን ክሳብ እቲ መሪር መወዳእታ።
ስለምንታይ እዮም ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን እንከለው ዝሞቱ?
ክንዮ ኣፍሪቃ እውን እንተዀነ፡ ብዙሓት መራሕቲ፡ ዜጋታቶም ብዛዕባ ጥዕናኦም ክፈልጡ መሰል ዘለዎም ኣይመስሎምን’ዩ፤ በዚ ድማ እዮም ከም ልዑል ምስጢር ዝሓስቡዎ።
ፍሉያት ዝዀኑ ኵነታት ግን ነይሮም እዮም።
ኣብ 2017፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቡሃሪ፡ ድሕሪ ናይ 7 ሰሙን ወግዓዊ ናይ ሕክምና ዕረፍቲ፡ ዋላ’ኳ እንታይ ዓይነት ሕማም ከምዘጋጠሞ ብወግዒ እንተዘይገለጸ፡ ኣብ ህይወቱ፡ “ክንድኡ ዝኣክል ሓሚሙ” ከምዘይፈልጥ ንሃገሩ ኣፍሊጡ’ዩ።
ፕረዚደንት ካሜሩን ነበር ኣሕማዱ ኣሂድጆ፡ ን22 ዓመታት ድሕሪ ምምራሕ፡ ኣብ 1982፡ ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ እንኮ መራሒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ይእመን።
ከምኡ ዓይነት ግሉጽነትን ስልጣን ምሕዳግን ሳሕቲ እዩ ዝረአ። ልዕሊ 20 መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣኖም እንከለው ሞይቶም። ገሊኦም ምሕማሞም ንሃገሮም ከይነገሩ ብኡ ኣቢሎም ዓሪፎም።
እቲ ኣብነት እቲ ግን ተካኢ ፕረዚደንት ኣሂድጆ ዝዀነ ፕረዚደንት ፖል ቢያ ኣይሰዓቦን።
ገሊኦም መራሕቲ፡ ኵነታት ጥዕናኦም ምግላጽ፡ መወዳድርቶም ይዅኑ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብታ ሃገር ጽልዋ ከሕድሩ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ስግኣት ዝብገስ እዩ።
ገሊኦም ፕረዚደንትታት ጸገም ጥዕና ከምዘለዎም ምስተገልጸ ንእለቱ ካብ ስልጣን ዝተወገዱ ኣለው።
ፕረዚደንት እታ ሕጂ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነት ዛየር ነበር ሞቡቱ ሰሰ ሰኮ ናይ ፕሮስተይት ሕክምና ክገብር ንሆስፒታል ምስ ኣተወ እዩ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ኣብ 1996፡ መራሒ ዛየር (ሕጂ ዲ.ኣር ኮንጎ) ሞቡቱ ሰሰ ሰኮ፡ሕክምና ፕሮስቴት መንሽሮ ይግበረሉ ከምዝነበረ ህዝቢ ኣፍልጦ ነይሩዎ እዩ።
ጥዕና ሞቡቱ ሰሰ ሰኮ፡ ብሩዋንዳ ንዝድገፍ ተቓዋሚ ጕጅለ ሎረን ካቢላ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰፊሕ ምልዕዓል ንኽካይድ ከምዝሓገዞ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሞቡቱ ኣዝዩ ስለ ዝሓመመ ዝዀነ ይዅን ተቓውሞ ከወሃህድ ዓቐሚ ኣይነበሮን። ስለዝዀነ ስልጣኑ ሓዲጉ ናብ ሞሮኮ ሃዲሙ።
ፕሮፌሰር ቴንዲ፡ "ድኽመት ናይ ዝዀነ መራሒ ንተቐናቐኒኡ ምልክት'ዩ" ይብል።
ወዲ 41 ዓመት ናይጀርያዊ ሓረስታይን መምህርን ኣቤኩ ኣዳምስ ግን፡ ኣብ ስልጣን እንከለው ናይ ዝሞቱ ክልተ ፕረዚደንታት ናይጀርያ እቲ ምስጢር "ባህላዊ ጉዳይ" ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።
“ኣብ ብዙሓት ባህልታት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ጥዕናኻ ዘይምዝራብ ከም ኣካል መስርሕ ሕውየት እዩ ዝቝጸር። እዚ ድማ መራሕቲ ሃገራት ስለምንታይ ሕማሞም ከምዝሓብኡ ወይ ዝኽውሉ ቀንዲ ምኽንያትን ኣብነትን ክኸውን ይኽእል እዩ” ይብል።
ውልቀ ዜጋታት ሕክምናዊ መዛግቦም ናይ ምምስጣር መሰል'ኳ እንተሃለዎም፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ግን፡ ኵነታት ጥዕናኦም ኣብ መላእ ሃገር ጽልዋ ከሕድር ስለ ዝኽእል ከምዚ ዓይነት ዕድል የብሎምን።
ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓያል ናይ ምትኽኻእ ኣገባብ ኣብ ዝሰርዓሉ ዘለዋ እዋን፡ ብመንእሰያት እታ ኣህጉር ጥዕና መራሕተን ግሉጽ ክኸውን ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ።
"መንግስታት ንዜጋታቶም ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ምክፋል ግዴታ ኣለዎም" ይብል ሚስተር ኣዳምስ።
ዜጋታት ግብሪ ስለዝኸፍሉ፡ ጥዕና መራሕቶም ክፈልጡ ከምዘለዎም ይማጐት።
ምናልባት ፕረዚደንት ማላዊ፡ ቻክዌራ ኣብ ዝመጽእ ዓመት መረጻ ስለዘለዎ፡ ኣብ ዘተኣማምን ኵነታት ጥዕና ከምዘሎን፡ ካብቲ ብ15 ዓመት ዝዓብዮ ቀንዲ መወዳድርቱ ፒተር ሙታሪካ ዝሓሸ ምዃኑን ንምርኣይ እዩ ዝኸውን ጥዑይ ከምዘሎ ብስእልታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ እናገበረ ዝርአ።
ብኣንጻሩ፡ ፕረዚደንት ቢያ፡ ብመረጻ ዝመጽአ ብዙሕ ስግኣት የበሉን። ዋላ'ኳ ተቓወምቲ ኣብ መረጻ ድምጺ ተሰሪቐና ኢና ዝብል ጥርዓን እንተለዎም፡ ድሮ ኣብ ሓሙሽተ መረጻታት ተዓዊቱ'ዩ።
ኣብ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ጥዕና ሓደ መራሒ ግሉጽ ክኸውን ኣለዎ ክብል ሓደ ተንታኒ ፖለቲካ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኣፍሪቃ ግን፡ ገዛእቲ ሰልፍታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብምትላል ውጽኢት መረጻ ስለዝኽሰሱን፡ ስግኣት ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስለዘሎን፡ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ግሉጽነት ጥዕና ንኽቕበሉዎ ድልውነት ዘለዎም ኣይመስሉን።