ንግብጽን ሱዳንን ዘቘጥዐ ሓድሽ 'ሕጊ' ፈለግ ኣባይ እንታይ እዩ? ኤርትራኸ ግደ ኣለዋ ዶ?

ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ ዝርርብ፡ ኣብ ግንቦት 2002 [ግ] እቲ ስምምዕ ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ኢንተበ ክፍረም ተዳልዩ ካብ ዝቐርብ ንደሓር፡ ክሳብ ለካቲት 2003 [ግ] ኢትዮጵያ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ፈሪመን ነይረን።

ኣብ መስርሕ እቲ ስምምዕ ከም ተዓዘብቲ ኰይነን ዝሳተፋ ዝነበራ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ኤርትራን ፈረምቲ ኣይኰናን።

እተን ነቲ ስምምዕ ተቐቢለን ዝፈረማ ሃገራት ነቲ ሰነድ ኣብ ሃገራዊ ባይቶአን ኣጽዲቐን ሕጊ ክገብራኦ ዓመታት ወሲዱለን እዩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ዘጽደቐት ቀዳመይቲ ሃገር ኰይና፡ ሩዋንዳ፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን ክሳብ ነሓሰ 2011[ግ] ኣጽዲቐንኦ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል፡ ካብተን 11 ኣባል ተፋሰስ ሃገራት ብሽዱሽተ ክጸድቕ ነይሩዎ።

ነቲ ስምምዕ ኣብ ምጽዳቕ ሓምሸይቲ ሃገር ዝዀነት ብሩንዲ፡ ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ከተጽድቘ እንከላ፡ ድሕሪ 12 ዓመታት ናብ ሕጊ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተነድፈሉ እዋን ከም ሃገር ዘይነበረት ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ሓምለ 2016 [ግ] ብምፍራ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሰነድ ስምምዕ ዘጽደቐት ሻድሻይቲ ሃገር ኰይና ኣላ።

ግብጽን ሱዳንን ዘይቅበለኦ ጥራይ ዘይኰነስ ዘቘጥዐን ዘሎ ሰምምዕ እዩ።

ትሕዝቶ ናይቲ ሕጋዊ ሰነድ እንታይ ይመስል?

ስነድ ምትሕብባር ተፋሰስ ሩባ ኣባይ፡ ካብተን 11 ኣባል ሃገራት እቲ ተፋሰስ እተን ትሽዓተ ንዓመታት ክዘራረባሉ ዝጸንሓ እዩ።

ኣባል እቲ ተፋሰስ ዝዀነት ኤርትራ ከም ተዓዛቢት ክትሳተፍ እንከላ፡ ካልእ ኣካል እቲ ተፋሰስ ዝዀነት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ድማ ድሕሪ ምፍራም እቲ ስምምዕ እያ፡ ከም ሃገር ኰይና ቆይማ።

ካብተን ነቲ ስምምዕ ክዘራረባሉ ዝጸንሓ ሃገራት፡ ግብጽን ሱዳንን ዝርከበአን ኰይነን፡ ታሕተዎት ሃገራት ተባሂለን ይጽውዓ።

መስርሕ እቲ ስምምዕ ዝከታተል፡ ‘ናይል ቤዚን ኢኒሸቲቭ'፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ኣብ ዘፍለጠሉ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ "ምትሕብባር፡ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማን ምክብባርን" ዝብሉ መትከላት ከምዝርከቦ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ልምዓት ሃብቲ ማይ፡ ሩባታት ስግረ ዶብን ሃይድሮ ዲፕሎማሲን ኣማኻሪ ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣቶ ፈቒ ኣሕመድ፡ እንታይነት ናይቲ ሰነድ ብምግላጽ "እቲ ስምምዕ ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ብወለንታአን ልኡላውነተንን ግዝኣታዊ ሓድነተንን እናዓቀባ ንማይ ኣባይ ብሓባር ክጥቀማሉ፡ ክከላኸላ፡ ክከናኸናኦን ከመሓድራን ዘኽእል ስምምዕ እዩ" ይብል።

ኣቶ ፈቒ ኣሕመድ፡ እቲ ብ45 ዓንቀጻት ዝቘመ ሰነድ ምትሕብባር ተፋሰስ ፈለግ ኣባይ ሰለስተ ቀንዲ መትከላት ከም ዘለዎ ይገልጽ።

"ፍትሓውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ማይ" ዝብል መትከል ቀዳማይ ኰይኑ፡ "ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተጠቀምቲ ርኡይ ጉድኣት ዘይምውራድ ግዴታ" ካልኣይ መትከል ምዃኑን ይሕብሩ።

ሳልሳይ፡ ቀንዲ መትከል ናይቲ ስምምዕ ድማ "ወለንታዊ ምትሕብባር" ዝብል ይርከቦ።

እቲ ስምምዕ፡ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ንማይ ሩባ ኣባይ በብግዝኣተን ብፍትሓውን ርትዓውን መንገዲ ክጥቀማሉ ከምዝኽእለን ይገልጽ፣ ንጥፈታተን ልምዓት ማይ ድማ "ዘላቒ" ረብሓ ከምፅእ ብዝኽእል መገዲ ክኸውን ከምዝግባእ ይገልጽ።

ነፍሲ ወከፍ ኣባል እቲ ተፋሰስ ዝኰነት ሃገር "ርትዓውን ፍትሓውን ብጽሒት" ካብ ሃብቲ ማይ ሩባ ኣባይ ክህልዋ ምዃኑ'ውን ይድንግግ።

ካልእ ኣብ መንጐ እተን ስምምዕ ዝሳተፋ ሃገራት ዝተገብረ ግዴታ፡ ምስ ምልውዋጥ ሓበሬታ ዝተኣሳሰር እዩ።

እተን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣባይን ሃብቲ ማይን ብዝምልከት ዝገብራኦ ንጥፈታት ብዝምልከት፡ "ኣገደስቲ መረዳእታን ሓበሬታን ብቐጻሊ" ክለዋወጣ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሃገራት ኣብ ሩባ ኣባይ ዝዀነ ልምዓታዊ ፕሮጀክት ክሓስባ እንከለዋ፡ በቲ ህንጸት ክጽለዋ ዝኽእላ ሃገራት ካብ ውጥንን ምትግባርን ጀሚሩ፡"ብግቡእ" ከሳተፋ ይግደዳ።

ሃገራት ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝወሰድኦ ስጕምትታትን ንሃብቲ ማይ ዝምልከት ሓበሬታን በቲ ስምምዕ ብዝቘመ "ኮሚሽን ተፋሰስ ፈለግ ኒል" ኣቢለን እየን ዘፍልጣ።

እቲ እዚ ስምምዕ ንምትግባር ዝቘመ ኮሚሽን፡ መትከላት እቲ ውዕል፡ መሰላትን ግዴታታትን ንምትግባር ዘመቻችእ ትካል እዩ።

ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ መንጐ ሃገራት ምስሕሓብ ምስ ዝፍጠር ድማ፡ በዚ ኮሚሽን ኣቢሉ መዕለቢ ይረክብ።

ፈለግ ኒልን ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን
መግለጺ ስእሊ,ፈለግ ኒልን ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን

ቀንዲ መትከላት እቲ ስምምዕን ኢትዮጵያን

ኣማኻሪ ልምዓት ሃብቲ ማይ፡ስግረ-ዶባዊ ሩባታትን ሃይድሮ-ዲፕሎማሲን ኣቶ ፈቒ ኣሕመድ፡ እዚ ሓድሽ ስምምዕ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ሩባ ኣባይ ዝፈጥረኦ ዕንቅፋት ክሓክኽ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ኣቶ ፈቒ ከም ዝበሎ፡ ክልቲአን ሃገራት ንሩባ ኣባይ ብዝምልከት ዝገበራኦ ስምምዓት "መግዛእታዊን ድሕሪ መግዛእትን" ተባሂሉ ይፍለጥ።

እቲ ቀዳማይ ኣብ 1929 ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ መንጐ ግብጽን እንግሊዝን ኰይኑ፡ሱዳን ድማ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምምሕዳር እያ ነይራ።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ ካብ ፈለግ ኣባይ 48 ቢልዮን ሜትሮ ኪዩብ ማይ ንግብጺ ክህብ እንከሎ፡ ሱዳን 4 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ክትረክብ ይድንግግ።

ድሕሪ ናጽነት ሱዳን፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1959 ስምምዐን ኣመሓይሸን፡ ብጽሒት ማየን ክውስኽ ገይረናኦ። ብመሰረት እዚ ድሕሪ መግዛእቲ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ብጽሒት ግብጺ ኣብ ማይ ኣባይ ናብ 55.5 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ደይቡ። ብጽሒት ሱዳን እውን ናብ 18.5 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ወሲኹ።

እዞም ስምምዓት፡ "ማይ ኣባይ ንኽልቲአን ሃገራት"፡ ነተን ካልኦት ኣብቲ ተፋሰስ ዝነበራ ሃገራት ድማ ኣማዕድየን ዝርእያ ገይሩዎን - ይብል።

ካልኦት ሃገራት ኣብ ሩባ ኣባይ ልምዓት ከካይዳ ኣብ ዝደልያሉ እዋን፡ በዚ ንሱዳንን ግብጽን ዝተዋህበ ብጽሒት ማይ፡ ጽልዋ ፕሮጀክተን ንምፍላጥ ከም መዐቀኒ ኰይኑ ከም ዝውዕል የመልክታ።

ኣቶ ፈቒ ኣሕመድ፡ "ክሳብ ሕጂ ኢትዮጵያ ትምዕብል ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ግብጻውያን ነቲ ዝተዋህበና ብጽሒት ማይ ክጸልዎ እዩ ብምባል ነዚ ናይ 1959ን 1929ን ስምምዕ ከልዕልዎ ጸኒሖም። ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ነዚ ሒዙ ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ" ብምባል እዚ ስምምዕ ካልኦት ሃገራት ዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋ ኣብሪሁ።

ኢትዮጵያ ነዞም ስምምዓት'ኳ እንተዘይተቐበለቶም፡ "ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝነበሮ ጸቕጢ ከምዝነበሮ" ወሲኹ ገሊጹ።

ሚኒስተር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ሃብታሙ ብወገኑ፡ 85 ሚእታዊ ማይ ኣባይ እተበርክት ኢትዮጵያ፡ ዘይተሳተፈትሉ ስምምዕ "ዓቢ ብድሆ" ኰይኑዋ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

ዶክተር ሃብታሙ፡ "እዚ ናይ ሕጂ ስምምዕ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ናይ ሓባር ስምምዕን ሓባራዊ ሕጊን'ዩ። ስለዚ ልምዓታዊ መሻርኽትና ንረብሓ ክልተ ሃገራት ጥራይ ዝሕሉ ሕጊ ክርእዩ እንተኽኢሎም፡ እዚ ንረብሓታት እተን ታሕተዎት ሃገራት ከይጐድአ እንተወሓደ ን[መሰል] ሽዱሽተ ሃገራት ንምሕላው ዝተዳለወ ሰነድ፡ ክርእዩዎ እዮም ኢልና ንኣምን” ኢሉ።

ግብጽን ሱዳንን ዘይሰማምዓሉ ስምምዕ

ኣቶ ፈቒ ኣሕመድ፡ “ካብዚ ንደሓር ኣብቲ ተፋሰስ ክልተ ስምምዓት ክህልዉ እዮም። እቲ ሓደ ኵለን ሃገራት ዝተዘራረባሉን ሽዱሽተ ሃገራት ዘጽደቓኦን እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ክልተ ሃገራት ጥራይ ነቲ ማይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ነንሕድሕደን ዝመቓቐላሉ እዩ። ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ፍትሓዊ እንተዀይኑ፡ ኣየናይ ቅኑዕ ምዃኑ ክመርፅ ይኽእል እዩ" ብምባል ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ዘምጽኦ ለውጢ ኣብሪሁ።

"ኢትዮጵያ በዚ ስምምዕ ክትግዛእ እያ" ይብል ኣቶ ፈቒ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ማይ ኣባይ እትሰርሖም ፕሮጀክትታት "እተካይዶ መስርሕ ልምዓት ምስ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍትሓዊ ልምዓት ዝሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ" ክትገብር እያ ትግደድ።

እዚ መስርሕ ምርግጋጽ ብስምምዕ ብዝቘመ ኮሚሽን ተፋሰስ ፈለግ ኣባይ ዝፍጸም ስለዝዀነ፡ ንፕሮጀክትታት እተን ሃገራት ንምዕንቃፍ ዝግበር ጻዕሪ ከምዘወግድ ይምጕቱ።

ኣብ ዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓበራዊ መርገጺ ዘለወን ግብጽን ሱዳንን ግን ተቓዊመንኦ።

ኮሚቴ ቴክኒክ ማይ ኣባይ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ ሓደ መዓልቲ ቀዲሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ንኽልቲአን ሃገራት ከምዘይምልከት ኣፍሊጡ።

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ሚኒስተራት ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ዘተ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ "እቲ ኣማመ ሰነድ" ኣብ ዘድሊ ምርድዳእ ክበጻሕ ከምዘይተኽኣለ ይገልጻ።

እቲ ሓባራዊ መግለጺ እተን ክልተ ሃገራት፡ እቲ ብመንገዲ እቲ ስምምዕ ዝቘመ ኮሚሽን "ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ንመላእ ተፋሰስ ኣባይ ከም ዝውክል ተገይሩ ክውሰድ የብሉን" ዝብል ኣስሚሩሉ።

ኣማኻሪ ልምዓት ሃብቲ ማይ ፈቒ ኣሕመድ፡ ግብጽን ሱዳንን ነቲ መቓን ስምምዕ "ክቕበልኦ ትጽቢት ከምዘይግበረለን" የረድእ።

ክልቲኤን ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ስምምዓት ባዕዳዊ [መግዛእቲ] ሒዘን ክቕጽላ ከምዝኽእላ ዝጠቐሰ እቲ ኣማኻሪ፡ እቶም ስምምዓት ግን ድሕሪ ሕጂ "ኣብ ውሽጢ ዶባት አተን ሃገራት ዝርክበ ማይ ጥራይ" ከመሓድሩሉ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።

ናይል ቤዚን ኢኒሼቲቭ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝምስረት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ኣብ ስምምዕ ዘይተበጽሐሉ ንኡስ ዓንቀጽ ኣመልኪቱ ውሳነ ክህበሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ነቲ ስምምዕ ዘይፈረማ ሃገራት ኣብ ዝኾነ እዋን ክጽንበራ ክፉት እዩ ተባሂሉ።

ኣማኻሪ ልምዓት ሃፍቲ ማይ፡ ስግረ-ዶባዊ ሩባታትን ሃይድሮ ዲፕሎማሲን ኣቶ ፍቅ ኣሕመድ፡ ክልቲአን ሃገራት "እቲ ኮሚሽን ምስ ዝሕይል" ናብቲ ስምምዕ ክጽንበራ ከምዝኽእላ ይሕብር።

"እቲ ኮሚሽን ሓያልን ዓበይቲ ውሳነታት ዝወስድን እንተዀይኑ፡ ግብጽን ሱዳንን ካብቲ ዓበይቲ ውሳነታት ሩባ ኣባይ ዝውሰደሉ መድረኽ ክርሕቃ ኣይክእላን'የን፤ ስለዚ ንዓኣተን'ውን ጐቲቱ ከምጽአን'ዩ።"