ኤርትራ ካብቲ ውድድር ከም ዘንሳሐበትን እቲ ጸወታ ድማ ከምዝተሰረዘን፡ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ኣብ ጥሪ 2020 ንመወዳእታ ግዜ ኣህጉራዊ ጸወታኣ ዘካየደት ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ ካናዳ፡ መክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ እትገብሮ ፈላሚ ግጥም፡ ሓደ ሰሙን ምስ ተረፎ ካብ ጸወታ ስሒባ።
ኣብዚ ናይ ዋንጫ ቻምፒዮንሺፕ ኣፍሪቃ 2025 'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሰሙን ምስ ተረፎ ካብቲ ብብዙሓት ትጽቢት ዝተገብሩ ጸወታ ስሒባ ከምዘላ ብመገዲ ካፍ ወግዓዊ ኰይኑ።
ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ይዅን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ውሳነ መግለጺ ኣይሃቡን፤ እዚ ድማ ተወሳኺ ንተጻወትን ደገፍትን እታ ሃገራዊት ጋንታ ዘቘጥዐ እዩ።
ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተመሳሳሊ ውሳነታት ኣመልኪቱ፡ "ስለምንታይ ከምኡ ከም እተወሰነን መን ሓላፍነት ከም ዝስከምን ኣይፈልጥን እየ። እቶም ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዉ [ዝምልከቶም ሓለፍቲ] ንኩዕሶ እግሪ ከም ቁም ነገር ዝሓስቡዎ ኣይመስለንን "ይብል፡ ኣብታ ዝተወልደላ ሃገር ምስ ሓንቲ ሽወደናዊት ጋንታ ከም ኣከፋፋሊ ዝጻወት መሓመድ ስዒድ፡ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ነይሩ።
"ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ኣብ ኣውሮጳ ምስ ዝርከባ ጋንታታት ዝጻወቱ ስፖርተኛታት ብምህላዎም እቲ ውሳነ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። ዕድል እንተዝወሃበና ክንወዳደር ምኸኣልና፤ ነዚ ሃንደበታዊ ውሳነ ዝከታተል ዘሎ ተጻዋታይ ግን ኣብ መጻኢ ማዕረ ክንደይ እዩ ንኤርትራ ወኪሉ ክወዳደር ክደሊ?” ክብል ይሓትት።
"ሓደ መዓልቲ ንደቀይ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከም ዝተሰለፍኩን፡ ኣዝዩ ከምዘሐብነንን ክነግሮም እደሊ እየ። ሕጂ ግን ብዙሓት ዓቕሚ ዘለዎም ተጻወትቲ እዚ ዕድል እዚ ይንፈጎም ኣሎ" ከኣ ይብል።
ኤርትራ፡ ካብ ናይ 2023 ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስሓባን፡ እዚ ናይ ሕጂ ውሳነን ተደሚሩ፡ እታ ሃገር ኣብ ከዕሶ እግሪ እንታይ ዓይነት መጻኢ ከምዘለዋ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ እዩ።
ኣብዚ እዋን ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ኩዕሶ እግሪ ፊፋ እኳ እንተዀነት ዓለማዊ ደረጃ ግን የብላን ።
ኣብ ካናዳ ዝነብር ቲፎዞ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ተኽለኣብ "ኤርትራ ካብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ሃንደበት ብምስሓባ ኣብ ደገፍቲ እታ ጋንታ ዓመቚ ናይ ጓሂ ስምዒት ፈጢሩ’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ትግርኛ ስምዒቱ ገሊጹ ነይሩ።
"ጸወታ ኵዕሶ እግሪ፡ ካብ ጸወታ ንላዕሊ፡ ምንጪ ሃገራዊ ሓበንን ሓድነትን’ዩ፡" ይብል።
እዚ ስምዒት'ዚ ድማ፡ ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ቢንያም ግርማይ ብዘመዝገቦ ድሙቕ ዓወት ኣብ መድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ኤርትራ ተንጸባሪቝ እዩ።
ኣኽሊሉ፡ "ናይ ህዝብና፡ ናይ ስፖርት መንፈስ ዘዳኽም ስጕምቲ ክውሰድ ክትርኢ እንከለኻ ግን ኣዝዩ ዘጕሂ’ዩ። ምስ ኣባላት ኮነ ደገፍቲ እታ ጋንታ ናይ ሓሳብ ምቅብባል ዘይምህላው ከኣ ነቲ ጓሂ መሊሱ’ዩ ዘጋድዶ" ይብል።
ስክፍታ ብዛዕባ ምህዳም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ
ኤርትራ፡ ኣብ መጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኣብ ምድብ “ኢ” ተሰሪዓ፡ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ሞሮኮ፡ ዛምብያ፡ ኮንጎ ብራዛቪል፡ ታንዛንያን ኒጀርን 10 ግጥማት ከተካይድ መደብ ተታሒዙላ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን ።
ኣብ ግጥማት መጻረዪ ውድድር ቻን 2025 እውን ኣቐዲሙ ብዝወጸ መደብ መሰረት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግጥመን ኣብ ሳልሳይ ሃገር ክገብራ ተመዲቡ ነይሩ።
ብመሰረት ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ኣብ ካይሮ ዝወጸ ምድብን ሰሌዳ ጸወታታትን፡ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ካብ 25 ክሳብ 27 ጥቅምቲ፡ ከምኡ'ውን 01 ክሳብ 03 ሕዳር ዝካየድ ኰይኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀዳማይ ጸወታ ክልቲአን ኣብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ፡ ካልኣይ ጸወታ ድማ ኣብ ታንዛንያ ክካየድ ትጽቢት’ኳ እንተነበረ ክልቲኡ ጸወታታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ከምዝካየድ ድሒሩ ተመልኪቱ።
ኤርትራ፡ ካብቲ ኣህጉጉራዊ ውድድራት ዝሰሓበቱ ሓደ ምኽንያት፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝሳተፉ ተጻወትታ ከይሃድሙ ዝብል ስክፍታ ክኸውን ከምዝኸእል’ዩ ዝግመት።
እታ ብሓደ ሰልፊ እትምራሕ፡ ምስ ጐረባብታ ርጉእ ዝምድና ዘይብላ፡ ኣብ 1991 ካብታ ጎቢጣታ ዝነበረት ኢትዮጵያ ናጽነታ ዝረኸበትን ኣብ 1993 ብረፈረንደም 99.8 እወ ንናጽነት ብምድማጽ ልኡላዊት ሃገር ዝኾነት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣ እውን ጭቆናን ውጥረትን ከምዘለዋ እያ ትፍለጥ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ግዱድ ዕስክርና፡ ከምኡ እውን ካብ ሕጊ ወጻኢ ማእሰርቲ ከምእትፍጽምን ልዕልና ሕጊ ከምዘይብላን’ዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ እውን፡ ኣብ ክለብን ምስ ሃገራዊት ጋንታን ዝጻወቱ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ፡ ካብ ሃገሮም ንኻጻወቱ ምስ ወጽኡ ዝሃደምሉ ሓያለ ኣጋጣሚታት ተራእዩ እዩ።
ካብቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝዝከር፡ ቦትስዋና፡ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ኣብታ ሃገር መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2018 ክሳተፉ ንዝመጽኡ 10 ኣባላት እታ ጋንታ ዑቕባ ሂባቶም። ኣብ ታሕሳስ 2019 እውን ኣብ ዩጋንዳ ሸውዓተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ጠፊኦም።
ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይፈቐደ ናይ ቀደም በዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ "ክድዓት ናይቶም ተጻወትቲ ኣብ ሃገርና ምስ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ዝተኣሳስር’ዩ" ክብል ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ሓቢሩ።
"መንግስቲ፡ ኵሉ ሰብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ኣለዎ” እዩ ዝብል። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ሓኪም ይኹን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፡ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ይዅን መሃንድስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክውድእ ኣለዎ። ይኹን እምበር እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ 18 ኣዋርሕ እውን ኣይውዳእን’ዩ።
"[ኵሎም] መጻኢ የብሎምን፡ ኣብ ኣስመራ ጽቡቕ ህይወት ኣይኰኑን ዝነብሩ ዘለዉ። ስለዚ ዕድል እንተረኺቦም ካብ ሃገር ክወጽኡ እዮም ዝደልዩ " ይብል።
ካልእ ኤርትራዊ ደጋፊ ኵዕሶ እግሪ ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር፡ ኩዕሶ እግሪ ንምስፋሕ "ዋላ ሓንቲ ስለዘይግበር"፡ ተጻወትቲ ነዚ ምርጫ‘ዚ ከም ዝወስዱ ርዱእ’ዩ ይብል።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኬንያ ዝነብር ዘሎ ሚልዮን ኣብርሃ፡ "እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኣብቲ ቀንዲ ውድድራት ኣይትሳተፍን እያ። ስለዚ እቶም ተጻወትቲ ናብ ወጻኢ ሃገር ክኸዱ ሓንሳእ ዕድል ምስ ዝረኸቡ ክምለሱ ኣይደልዩን እዮም" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ፡ ንሃገራዊ ፈደሬሽን ኵዕሶ እግርን መንግስቲን ኤርትራ ርእይቶኦም ንኽህቡ ፈቲኑ ግን ኣይሰለጦን።
ምስፋሕ ደረት ትርኢት
እቲ ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ መንግስታዊ በዓል ስልጣን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሃገራዊ ፈደሬሽን ኤርትራ፡ ንመጻኢ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝስለፉ ተጻወትቲ ከይሃድሙ ንምክልኻል፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ብምእካብ ኣብታ ኣህጉር ኣብ ዝካየድ ውድድር ክሳተፍ መደብ ከምዘለዎ ይኣምን።
ኣብ ሽወደን ትረልቦርግ ምስ እተባህለት ጋንታ ዝጻወት ስዒድ፡ ኣብ 2019 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ምስላፉ ምጅማር ሓድሽ ትስፉው መጻኢ ክኸውን ትጽቢት ነይርዎ።
ይዅን እምበር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ናሚብያ ዝተመዝገበ ዓወት ክድራዕ እናተጸበየ፡ ኤርትራ፡ ካብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከም ዝሰሓበት ፈለማ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝሰምዐ ይገልጽ።
እቲ ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ፡ "እቲ ግጥም ዝቕጽል ይመስለኒ ነይሩ፣ ኵሎም እቶም ተጻወትቲ እውን ከምኡ እዮም ዝሓስቡ ነይሮም" ኢሉ።
"ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓድሕድና ንዛረብ ስለ ዝነበርና፡ እንደገና ክንጻወት ንኽእል ኢና ዝብል ተስፋ ነይሩና።
“ብምኽንያት ኣህጉራዊ ዕረፍቲ ንነዊሕ እዋን ስለዘይተራኽብና፡ ኵላትና እቶም ተጻወትቲ ዳግማይ ክንራኸብን ብጽቡቕ ክንውደብን ተስፋ ነይሩና። ንወለደይ ንኤርትራ ወኪለ ክጻወት ምዃነይ እነግሮም ነይረ። እንተኾነ ጸወታ ዝበሃል ከም ዘየለ ፈሊጠ" ይብል።
'እቲ ኣሰልጣኒ መን ምዃነይ ኣይፈለጠን'
“እቲ ኣሰልጣኒ መን ምዃነይ ኣይፈለጠን” ዝብል መሓመድ ስዒድ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንኤርትራ ብምውካል ናብ ናሚብያ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ብዛዕባ ጕድለታት ሃገራዊ ፈደሬሽን ኤርትራ ቅሩብ ተዓዚቡ ነይሩ’ዩ።
“እታ ጋንታ ብሃወኽ እተወደበት ብዙሕ ሃጓፍ ዝነበራን እያ ነይራ” ከኣ ይብል ብናይ ሓዘን ፍሽኽታ።
"እቲ ኣሰልጣኒ መን ምዃነይ'ውን ኣይፈለጠን። ኣነ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ዝጻወቱ ሒደት ተጻወትቲ ምዃነይ ክነግሮ ነይሩኒ። እቲ ኣሰልጣኒ፡ ተጻወትቱ መን ምዃኖም ክፈልጥ ኣለዎ። ኣዝዩ ሒደት ሓበሬታ ጥራይ’ዩ ነይሩዎ። መዓስን ኣበይን ከም እትነጥፍ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ብኸመይ ጽቡቕ ውጽኢት ክትረክብ ትጽቢት ይግበረልካ? ዕውት ንኽትከውን እዚ መሰረታዊ ነገራት እዚ ክማላእ ይግባእ፡" ኢሉ።
ይዅን እምበር እቲ መሓመድ ስዒድ ዝገለጾ ሕጽረታት ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ኣብ ኣህጉራዊ ግጥማት ብምስታፉ ሕጉስ ነይሩ። ስዒድ ተዘክሮኡ ክገልጽ ከሎ፡ "ሕጂ እውን እቲ ናይ ሽዑ ጕዕዞ ሓደ ካብቲ ብሓበን ዝዝክሮ እዩ” ይብል።
"ወለደይ ምስ ዝተወልዱላ ሃገር ምስላፈይ ፍሉይ ሓበን’ዩ ዝስመዓኒ። ኣብ ህይወተይ፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ ቋንቋይ ምስ ዝዛረቡን ንዓይ ዝመስሉ ሰባት እየ ተሰሊፈ ነይረ፤ እዚ ከኣ ንዓይ ፍሉይ እዩ ነይሩ ።
“ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምጽዋተይ ነቶም ደገፍቲ ብዝያዳ ንኽርድኦም ሓጊዙኒ’ዩ። እቲ ውጽኢት ብዘየገድስ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ከምዝድግፉዋን ብኩዕሶ እግሪ ዝያዳ ከምዝሕጐሱን ተረዲአ። ኣባል ሓንቲ ዓብይ ነገር ክትገብር እትኽእል ጋንታ ብምዃነይ ከኣ ፍሉይ ባህታ ሂቡኒ " ይብል።
'ኤርትራውያን ወትሩ ድሉዋት ክዀኑ ኣለዎም'
ዋላኳ ዕንቅፋታት እንተ ኣጋጠመ፡ ኤርትራውያን ኣብ ኵዕሶ እግሪ ኣወንታዊ ለውጢ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ትስፉው እዩ። ሸውሃት ናይቶም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሃገሮም ክስለፉ ዝደልዩ ተጻወትቲ ከም ዘይተቐየረ’ዩ ዝገልጽ ።
"ሓደ ሰብ መጺኡ ነቲ ኵነታት ክቕይሮ ኣለዎ” ከኣ ይብል።
"ነገራት ከመሓየሽ ዝኽእል፡ ብጭቡጥ ተጻወትቲ ዘሰልጥንን ንኽመሓየሹ ዝጽዕርን ኣሰልጣኒ ክህልወና ጽቡቕ እዩ። ኵሉ ሳዕ ዓለምለኻዊ መስኮት ኣሎ፤ ንሕና ከኣ ብተስፋ ክንጽበ ኢና። ብዙሕ ዕድላት መጺኡን ጠፊኡን እዩ።
"በቲ ዝባኸነ ዕድላት ደኺምና ኢና’ሞ ግን ከኣ ክንጻወት ንደሊ ኢና። እቶም ተጻወትቲ ወትሩ ንኤርትራ ክጻወቱ ድሉዋት እዮም።"
ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት መንግስቲ እታ ሃገር ንኣመለኻኽታኡ ከሳብ ዘየዐረየ፡ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይመሓየሽ እዮም ዝኣምኑ።
"ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ውሑስ ኣይኰነን" ዝብል እቲ ናይ ቀደም በዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ "ኣብ ዞባና ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ኵነታት ነቲ ዕድል ይጸልዎ እዩ። እቲ ቀንዲ መፍትሒ፡ ኣብታ ሃገር ቅድም ቀዳድም ሰላምን ርግኣትን ክሰፍን ኣለዎ" ይብል።