ሎኽመኛ ሙሁር ኣማኒኤል ሳህለ
ጉያ ካብ ሽወደን ንዓድዋ ንመቀለ
እዚ ጽልኢ ካብምንታይ ከ ነቐለ፣
ውሕ ውሕ ከም ተናኻሲ ከልቢ
ኣብ ምንታይካ ውዒሉ እዚ ህዝቢ
ነዚ የዋህ ህዝቢ ዝበልካዮ ዞንቢ፣
ኣበይ ተማሂሮም ሕክምና
ንቅርጸት ከብድስ ማሕጎማ
ኣብ ርእሲ ከተማ ኣስመራ ቤላ
ኤርትራዊያን ደቀባት
ካብ፤8፤ኣውራጃታት ዝነብሩላ
ኣየ ህዝቢ ኤርትራ ዝረኸቦ
ታሪኽ ክጥምዝዝ ፍጹም ዘዓጅቦ
ክብለካ ዶ ከም ኢሰያስ ጸረ ዓደቦ፣
ኣማኒኤል ሳህለ ዶ ንህዝቢ ኤርትራ መናሸወ
ንሐርነቱ ረዚ ዋጋ ደም ብሉጻት ደቂ ዝኸዓወ
እንጀራ ገዛ ከኒሻ በሊዑ ዝዓበየ ክብለካ ኣርወ፣
ካብ 66 ድጉል ኣጀንዳ ሒዙ ምስ ተጸበየ
ክልተ ህዝቢ ኢና ዝብል ዓሻዩ ኢትዮጵያዊየ
ኢሉ ንመንእሰያት ኤርትራ ዳግማይ ዘድመየ
ንኢትዮጵያ ከይትብተን ንድሕነታ ዝተጓየየ፣
ገለ ውን ክሳብ ሰማይ ንብላዕ ስርናይ ዝብሉ
መድያታት ወኒኖም ብሐሶት ዘንቀላውጡ
ንፍትሐዊ ቃልስና ኣንፈቱ ከስሕቱ ዝጋላበጡ
ብሐሶት ብማልዶን ንህዝቢ ኤርትራ ክሸጡ
ማንታ ልሳኖም ብሎቖታ ጥሕኒ ዝተሸጡ፣
ዑሱባት ከም ወዲ ባሻይን ወዲ ጣባን ዝኣምሰሉ
ብጉጅለ ህግደፍን ብጉጀለ ማለሊትን ዝተመወሉ
ደጊም ቦታ የለን ንከም ኣማኒኤል ሳህለ ዝኣምሰሉ
ንብኣውራጃን ብሃይማኖትን ዝሽቅጡ ኣረሜን ተዃሉ፣
ዝበልዔት ከብዲ ኣይትደልንያ መዓዲ
ንፋስ ተእትዉሉ ንኤርትራዊ መኣዲ
ማዓንጣኻ ገጥ ኣብሎ ሃገራዊ ወዲ ዓዲ
ንከዳዓት ይጽበዮም ኣሎ ህዝባዊ ፍርዲ፣
እቲ ትግራዋይ ኤርትራዊ ምዃን ዝኸበዶ
ዶብ ሰጊሩ መጺኡ ንባሕሪ ዘቋምት ብማዕዶ
ይኺድ እንበር ኤርትራዊ ክኸውን መንዩ ዘገደዶ፣
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ነቶም መሳርሒ መረብ ምላሽን፣ብኣባል ተ፣ሐ፣ኤ፣ዉሽጡ ሑሩር፣በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 29 10 2024።