ምጥቃም ክሊ ኣየር ኤርትራ እንታይ ይብል?

እቲ መገዲ ኣየር ናብ ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ በረርኡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ምቁራጹን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሓርፊፉ ኣብ ዝርከበሉ እዋንን'ዩ ‘ክሊ ኣየር ኤርትራ ከይጥቀም ተኽልኪሉ’ ዝብሉ ወረታት ተዘርጊሑ።

እቲ ድሕሪ 20 ዓመት ምስ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ 2018 ዝጀመረ ንግዳዊ በረራ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ርኡይ ምዕራፍ ኣመዝጊቡ ምንባሩ እዩ ዝንገር።

ይኹን እምበር እዚ ታሪኻዊ በረራ ደው ብምባሉን፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ቀረባ እዋናት እናሃሰሰ ምምጽኡን ነቲ ተስፋ ሂቡ ዝነበረ ሰላም ኣብ ወጥሪ ኣእትይዎ ይርከብ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ፡ ብሰንኪ “ዘይፍትሓዊ ንግዳዊ ኣሰራርሓን” ዝተፈላለዩ ካልኦት ጉዳያትን በረራታት፡ ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ደው ከም ዝብል ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሎ “ኣጸጋሚ ኩነታት ስራሕ” ኣቀዲሙ ካብ 3 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኣስመራ ዝግበር በረራታት ደው ከብል ምዃኑ ብምሕባር እቲ ጉዳይ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ከምዝበጽሐን ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን-ኣስመራን መዓልታዊ ሓያለ በረራ ዘካይድ ዝነበረ መንገዲ ኣየር ብዙሓት ኤርትራውያን ገያሾ ዝመርጽዎ ዝነበሩ'ዩ።

ይኹን እንበር ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዋጋታት ብምውሳኹን ብቑዕ ኣገልግሎት ብዘይምሃቡን መረረታት ዘይርትዓውነት ይስማዕ ምንባሩ ይፍለጥ። ብፍላይ ምጥፋእ ሳንጣታትን ንብረትን ገለ ካብቶም ንገያሾ ዘማረሩ ጉዳያት እዮም ነይሮም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምጥፋእ ሳንጣታት ከምዘጋጠመ ብምእማን ካሕሳ ከምዝኸፍሉ ገሊጹ ነይሩ።

ኣቶ መስፍን ጣሰው ኣብቲ እዋን ከምዝበሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ካብ ሽያጥ ትኬት ዝተኣከበ ገንዘቡ ከውጽእን ክጥቀመሉን ከምዘይከኣለ ምግላጹ'ውን ይዝከር።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር ገንዘብ ምጥቃምን ናብ ኢትዮጵያ ምስዳድን ከምዘይፍቀደሉ ብሰብመዚ ኤርትራ ከምዝተነግሮ'ዩ እቲ ዋና ኣካያዲ ተዛሪቡ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ዝነበሮ ገንዘብ ብባጤራታት ናቕፋ፡ ዶላርን ዩሮን ካልእን ከምዝነባሩ'ውን ጠቒሱ።

ነቲ እገዳ ዝገበረ በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ከምዝዀነ'ኳ እንተጠቐሰ፡ ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ክሳብ ሎሚ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኤርትራ ንመራሕቲ ናይተን ምስ ኢትዮጵያ ተተፋኒነን ዘለዋ ግብጽን ሶማልያን ብምዕዳም "ስሉሳዊ ዋዕላ" ምክያዳን ጸጥታዊ ስምምዕ ምፍራማን ንኢትዮጵያ ዘነጻጸረ ምዃኑ ሓያለ ተንተንቲ እቲ ዞባ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ሎሚ ካብ ቤትምኽሪ ንዝቐረብሉ ሕቶጀታት ምላሽ ኣብ ዝህበሉ እዋን፡ ‘ዝኸፍአ እነተዘይመፂኡ፡ ብናትና ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እንፍጽሞ ነገር የለን” ብምባል፡ ሃገሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ረብሓታት ከምዘለዋ ግን ኣይሓብአን።

"ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነቕ ዘይብል ሃገራዊ ረብሓ ኣለዋ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ሰላማዊ መንገዲ ከምዘድልያ ጻውዒት ዓለም ትሰምዕ እያ ዘላ። ኣብዚ ጉዳይ ንዋዘ ዘለና መሲሉ ዝስምዖ ወይ ድማ ዕሽሽ እንብሎ ዝመስሎ እንተሎ ጌጋ እዩ" ኢሉ።